ብርሃነ ወልዳይ፡ ንብዙሓት ስደተኛታት ዕድል ስራሕ ዝፈጠረ ወናኒ ትካላት

ብርሃነ ወልዳይ

ኣብ 2010 ካብታ ተወሊዱ ዝዓበየላ ኣኽሱም ዝሓሸ ናብራን መጻእን ክህልዎ ብምትስፋው ተሰዲዱ።

ቀልቡን እግሩን ናብ ስደት ቅድሚ ምንቃሉ ኣብ ኣኽሱም ናተይ ዝብሎ፡ ዝናበረሉ፡ እንዳ ሓፂነ መፂንን ንእሽተይ ቤት መግብን ነይርዎ።

እንተዀነ፡ “ኣለኒ’ሞ እቲ ዝሓዝክዎ ይኣኽለኒ. . .” ንከይብል ዝደፍኦ ነገር ግን ነይሩ። ናብራ ይኸብዶ ነይሩ፤ ምስ ምምሕዳር'ውን ዘይምርድዳእ ነይርዎ።

“ስድራይ ስውኣት እዮም። ዝተሰውኡ ኣሕዋት እውን ኣለውኒ። ንባዕለይ’ውን ኣብ ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ ደመይ ኣፍሲሰ እየ። እንተዀነ ኣብ ዓደይ ሰረሐ ከይነብር ብምምሕዳር ጸገማት የጓንፈኒ ነይሩ” ይብል ንስደት ከም ኣማራጺ ክወስድ ዝተገደደሉ ምኽንያት ከረድእ ከሎ።

ሽዑ ናብ ስደት ክነቅል ከሎ ካብ መሓዙቱን ቤተሰቡን “ነዚ ስራሕ ገዲፍካ ናበይ ኢኻ ትኸይድ ዘለኻ?” ዝብል ሕቶ ዝቐረበሉ ብርሃነ፡ “ናብ ኣውሮጳ ክወጽእ እየ” ዝብል ሓፂር መልሲ ሂቡዎም።

ኣብ መወዳእታ ከኣ ዝነበሮ ሃብቲ ኣኻኺቡ፤ ካብ ወለዱ ዝወረሶ ገዛ ከይተረፈ ሸይጡ ምስ ስድራኡን ከባቢኡን ተፈላልዩ ናብ ስደት ነቒሉ።

ግን ከምቲ ንመሓዙቱ “ንዝሓሸ ናብራ ናብ ኣውሮጳ ይኸይድ ኣለኹ” ዝበሎም ዘይኮነስ ኣንፈት ጕዕዞኡ ተቐይሩ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ብጅቡቲ ኣቢሉ ናብ ኣንፈት የመንን ስዑድን ኰነ።

ጕዕዞ ስደት ብፍላይ ብበረኻን ባሕርን ኣዝዩ ሕሱምን ህይወት ዝሓትትን’ዩ።

ብርሃነ ከምቲ ንሱ ዝብሎ “ጉዳይ ዕድል ኰይኑ” ነቲ ብፅምእን ጥምየትን ብዙሓት ዝሞቱሉ፡ ብኣሰጋገርትን ዕጡቓትን ዝሳቐይሉ፡ ምስ ሞት ተፋጢጡ ብዘስካሕክሕን ጕዕዞ ንየመን ኣትዩ።

ኣብ የመን ንሓጺር ግዜ ተሰጋጊሩ ዳሕራይ ግን ናይ ስራሕ ዕድል ረኺቡ ናብራኡ ቀጺሉ።

“ኣብ ህይወተይ ብጻዕሪ ምንባር ስለዝኣም ኣብ የመን እውን ስራሕ ኣይሰኣንኩን። ኣብ ሓደ ዓቢይ ትካል ተቘጺረ፤ ክሳብ 300 ሰራሕተኛታት ይመርሕ ነይረ። ጽቡቕ ህይወት ነይሩኒ። መኪና’ውን ነይራትኒ” ይብል።

'ንጽባሕ ብኻልእ ተስፋ . . .'

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ የመን ሕጋዊ መንበርን ናይ ስራሕ ወረቐትን ረኺቡ ንዓመታት ክሰርሕ ዝፀንሐ ብርሃነ ኣብታ ሃገር ዝካየድ ዝነበረ ኲናት እናሓየለ ብምምጽኡ ስደተኛታት ናብ ዓዶም ዝምለሱሉ ዕድል ምስ ተፈጥረ ንሱን ስድራኡን ብመርከብ ንጂቡቲ ተመሊሶም።

“ንጅቡቲ ምስ ኣተና ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዝነበረ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ብኣካል ረኺቡ ተቐቢሉና። ንደቀይ ሓቚፉ ካብ መርከብ ኣውሪድዎም” ክብል ይዝከር።

ካብ ዓዱ ብሰንኪ ፀገማት ሰናይ ምሕደራን ጸቕጥን ስለዝወፀአ ኣብ ክንዲ ናብ ኢትዮጵያ ዝምለስ ኣብ ጅቡቲ ክነብር ወሲኑ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ትካላት ተቘጺሩ ክሰርሕ ድሕሪ ምፅናሕ በተን ዘዋህለለን ገንዘብ ናተይ ዝብሎ ስራሕ ጀሚሩ።

“ኣብ ጅቡቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ትካላት ተቘጺረ ይሰርሕ ነይረ። ካብ ዓበይቲ ኩባንያታት ክሳብ ባንክታት ሰሪሐ። ብኤርትራውያን ኣብ ዝውነን ዓቢይ ትካል እውን ሰሪሐ ነይረ። ብድሕሪኡ ጽቡቕ ገንዘብ ስ ኣብ ቦቴ ሰፈር [ኣብ ከተማ ጅቡቲ ሓበሻ ዝበዝሑሉ ከባቢ] ሬስቱራንትን ጋራጅን ከፊተ። ብርግፅ ኣብ ዘይዓድኻ ኵሉ ነገር ምቹእ ኣይኰነን። ኣብ ጅቡቲ ግን ሕግን ስርዓትን ተኸቲልካ እንተሰሪሕኻ ብዙሕ ዘፀግም የለን። ግን ከኣ ብኣንጻሩ ናይ ዝሰራሕካሉ ክፍሊት ዘይህቡ እውን ኣለዉ” ይብል።

ኣብ ምጅማር እዚ ስራሕ ብዙሓት በዳህቲ ነገራት ኣጋጢሞምዎ ነይሮም።

ክሳብ ስርሑ ዓፅዩ ናብ ዓዱ ንምእታው ዝወሰነሎም ኣጋጣሚታት ከምዝነበሩ’ውን ይዝክር።

ሰራሕተኛታት ካብ ምስኣን ጀሚሩ ክሳብ ንመኽፈሊ ገዛ ኽራይ ዝኸውን ገንዘብ ሕፅረት የጋጥሞ ነይሩ።

“ተስፋ ከይቀበፅካ፡ ንፅባሕ ካልእ ተስፋ ብምግባር ክትቅፅል ኣለካ። ነዚ ትካል ንምጥያሽን ንምዕባይን ብ100 ፍራንክ ጅቡቲ ፓስታ ዝበላዕኹሉ ከምኡ’ውን ኣብ ኣዝያ ፀባብ ብቖርቆሮ ዝተሰርሐት ገዛ ተኻርየ ዘሕለፍክዎን ኣይርስዖን። ሎሚ ንዝበፃሕኹሉ ደረጃ መሰረት ንምንፃፍ ከቢድ ኵነታት ሰጊረ። ናብ ዝሓሰብካዮ ንኽትበጽሕ ፈተናታት ክትሓልፎም ኣለካ” ክብል ንዘሕለፎ ተሞክሮ የልዕል።

ኲናት ትግራይ ኣብ ምስ ተወልዐ ብመንነቱ ኣዝዩ ተስፋ ዘቝርፅ ኵነታት ከምዘሕለፈተን ተሃዲኑ ከምዝተኣሰረን ይዛረብ።

ኣብቲ ግዜ ብዙሓት ኣብ ጅቡቲ ዝነብሩ ተጋሩ ስደተኛታት ተስፋ ዝቘረጹሉ እዋን ከምዝነበረ እውን ይዝክር።

“ኣነ ልዕሊ ሓደ ወርሒ ተኣሲረ። ንዝመፅኡ ስደተኛታት ይረድእ ነይረ። [ተጋሩ] ዘወርቲ መኻይን ትራንስ ጸገም ምስ ኣጋጠሞም ዘድልዮም ነገራት የብጽሓሎም ነይረ። በዚ ምኽንያት ድማ ‘ኣብዚ ኣሎ ጁንታ፣ ኣፅዋር የበፃፅሕ ኣሎ” እናተበሃልኩ መከራ ይወርደኒ ነይሩ። ክሳብ ብኻራ ተወጊአ እየ። ነብሰጾር በዓልቲ ገዛይ እውን ከብዳ ተወቒዓስ ዝነበራ ድቂ ተነጺሉ” ይብል።

ነዚ ዅሉ እናተፃወረ ነቶም ብሰንኪ ኲናት ካብ ትግራይ ተሰዲዶም ዝመፅኡ ወገናት ብዝኸኣሎ ምሕጋዝን ምትሕብባርን ቀጺሉ።

ኣብቲ ጋራጅ ዝሰርሑ ሸቃሎ

ሓዊ ዝበልዖ 50 ሚልዮን ፍራንክ

ንብርሃነ ብ29 ሕዳር 2023 ክረኽቦ እንከለኹ፡ ካብቲ ፈለማ ኣቚምዎ ዝነበረ ትካል ወጺኡ ናብቲ ሕጂ ዝርከበሉ ቦታ ካብ ዝግዕዝ ኣስታት ሓሙሽተ ኣዋርሕ ገይሩ ነይሩ።

ናይ ባርዕ ሓዊ ሓደጋ ስለ ዘጋጠሞን ብምሉኡ ንብረቱ ስለ ዝዓነወን’ዩ ቦታ ክቕይር ተገዲዱ።

“ኣብ ቦቴ ዝበሃል ሰፈር ጋራጅን ቤት መግብን ከፊተ ን7 ዓመት ተቐሚጠ እየ። ጽቡቕ ይሰርሕን ንብዙሓት ሰራሕተኛታት የመሓድር ነይረ። ከም ኣጋጣሚ ኰይኑ ግን ባርዕ ኣጋጢሙ፤ ልዕሊ 50 ሚልዮን ጅቡቲ ፍራንክ [ኣስታት 300 ሽሕ ዶላር] ዝግመት ንብረተይ ብሓዊ ተቓጺሉ” ይብል።

ኣብ ክልቲኡ ትካላቱ ብፍላይ ኣብቲ ጋራጅ ኢትዮጵያውያን፡ ኤርትራውያንን የመናውያንን ስደተኛታት ቈፂሩ የስርሖም ነይሩ።

እቲ ባርዕ ምስ ኣጋጠመ ግን ብርሃነን ኵሎም ሰራሕተኛታቱን ጉህዮም።

እዚ ሓደጋ ምስኣጋጠሞ ብርሃነ ተስፋ ከይቆረጸ ስኑ ነኺሱ ነቲ ብባርዕ ዝሰኣኖ ክትክእ ተበጊሱ።

እቶም ዕድል ስራሕ ዝፈጠረሎም ሰራሕተኛታቱ’ውን “ኣብ ጐድንኻ ኣለና” ኢሎም ነቲ ትካል ብዘይ ዝዀነ ይዅን ክፍሊት ዳግማይ ኣብ ካልእ ቦታ ከቝሙዎ ለይትን ቀትርን ተረባረቡ።

“እዘን ትሪኤን ዘለኻ መኻይን ኣብ እዋን ኲናት [ሰሜን] መስትያተን ብኣእማን’ዩ ተሰባቢሩ። ክሳብ ሕዚ ዘይተወደአ ናይ ቤት ፍርዲ ጉዳያት ኣሎ። ኣብቲ ቦታ ብዙሕ ፈተናታት እዩ ዝበጽሓኒ ነይሩ። ዳሕራይ ናይ ባርዕ ሓደጋ ምስ ኣጋጠመ ነቲ ቦታ ክለቆ ወሲነ። ሕጂ ግን ነዚ ብኽራይ ዝሓዝክዎ መሬት ክገዝኦን ስርሐይ ከስፍሖን ውጥን ኣለኒ” ክብል ሓይልን ብርተዐን ንዝሃቦ ፈጣሪ የመስግን።

ኤርትራዊ ጀማል ዑመር
መግለጺ ስእሊ, ኤርትራዊ ጀማል ዑመር

'ፈጣሪ ይወስኸሉ'

ጀማል ዑመር ኤርትራዊ እዩ። ካብ ሃገሩ ናብ ስደት ካብ ዝወፅእ ነዊሕ ዓመታት ገይሩ ኣሎ።

ኣብ የመን ንነዊሕ ዓመታት ድሕሪ ምንባር ኣብታ ሃገር ብዝተፈጠረ ኲናት’ዩ ናብ ጅቡቲ ተመሊሱ ናብርኡ ቀጺሉ።

ካብ ስደት ናብ ስደት ዝዀነ ናብራ ክጥዕሞ ብዘይምኽኣሉ ናብ ፀገም ወደቐ።

“ኣብ 2015 እየ ናብ ጅቡቲ መፂኤ። ናብ መዓስከር ስደተኛታት ኣትየ ሽድሽተ ዓመታት ምስ የመናውያን ተቐሚጠ። ስራሕ ከናዲ ናብ ከተማ ምስመፃእኩ ድማ ኣብ ናይ ብርሃነ ጋራጅ ብስራሓት ብየዳ ሓፂን ክሰርሕ ጀሚረ። ምስ ብርሃነ ኣብ የመን ኣብ ሓንቲ ካምፕ ኢና ነይርና። ብሓንሳብ ንበልዕን ንሰትን ነይርና። ንሱ ካብ የመን ቀዲሙና ናብዚ ብምምፃእ’ዩ ነዚ ስራሕ ጀሚሩ” ይብል።

ናብ ጅቡቲ ተመሊሱ ኣብ ዝመፅኣሉ እዋን ዝፈልጦ ሰብ ክረክብ ብዘይምኽኣሉ ዝተፀገመ ጀማል ኣብ መዓስከር ኮፍ ኢሉ ቅሩብ ሓገዝ እናማዕደወ ካብ ምንባርን ብርሃነ፡ ካብ ተፀባይነትን ወጺኡ ብሞይኡ ሰሪሑ ክነብር ዘኽእል ዝሓሸ ዕድል ከም ዝፈጠረሉ ይዛረብ።

“ብርሃነ ናብዚ ዓዲ ድሕሪ ምምፅኡ ብዝነበሮ ሞያ ተቘጺሩ ይሰርሕ ነይሩ። ደሓር ድማ ነብሱ ክኢሉ ትካል ከፊቱ። ካብ መዓስከራት ንዝመፅኡ ስደተኛታት ዕድል ናይ ስራሕ ፈጢሩ። ኣብ መንጐ ግን ኣስታት 50 ሚልዮን [ጅቡቲ ፍራንክ] ዝግመት ሃብቱ ብባርዕ ዓንዩ። ንሱ ግን ተስፋ ኣይቈረጸን። ቦታ ተኻርዩ ናብዚ ብምምፃእ ስርሑ ቀጺሉ፤ ናብዚ ደረጃ ድማ በፂሑ።” ክብል የረድእ።

የመናዊ ዓብዱ ኣሕመድ መሓመድ እውን ካብቶም ኣብ እንዳ ብርሃነ ብሞያኦም ናይ ስራሕ ዕድል ዝረኸቡ ስደተኛታት ኰይኑ ከም መካኒክ ኰይኑ ይዓዪ።

ንሱን ብርሃነን ኣብ ጅቡቲ ኣብ ሓደ ትካል ብሓባር ተቘጺሮም ይሰርሑ ምንባሮም ብምዝኽኻር ደሓር ግን ካብኡ ወጺኡ ናይ ባዕሉ ትካል መስሪቱ ንኻልኦት ስደተኛታት ዕድል ከምዝፈጠረ ይዛረብ።

“ቅኑዕ ሰብ እዩ። ፈጣሪ እዩ ሂብዎ። ንዝዀነ ሰብ ስራሕ ዝህብ ፀገማት ዘይብሉ ሰብ’ዩ። እቲ ዝነበሮ ትካል ምስነደደ ዳርጋ ቅያር ክዳን ከይሓዘ እዩ ተሪፉ። ግን ተጓዩ፤ ምስ ሰባት እውን ፅቡቕ ርክብ ስለዘለዎ ደገፍ ብዙሓት ተወሲኽዎ መሊሱ ተኪእዎ። ፈጣሪ ነቲ ዘለዎ ይወስኸሉ።”

ብርሃነ ኣብዚ እዋን ብዘይካ’ቶም ቈጺሩ ዘስርሖም ካብ 15 ክሳብ 20 ዝበፅሑ ሰራሕተኛታት ካልኦት ብኮንትራት መዓልታዊ ዝሰርሑ ስደተኛታት’ውን ከምዘለውዎ ይዛረብ።

የመናዊ ዓብዱ ኣሕመድ መሓመድ
መግለጺ ስእሊ, የመናዊ ዓብዱ ኣሕመድ መሓመድ

ነቲ ትካሉ ኣስፊሑ ንኻልኦት ብዙሓት ስደተኛታት ዕድል ስራሕ ክፈጥር ከኣ ውጥንን ሕልምን ኣለዎ።

“መብዛሕትኦም ሰራሕተኛታት ካብ ትግራይ ዝመፅኡ እዮም። ብተወሳኺ ድማ ኣዕራብ (የማናውያን)፡ ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን እውን ተቖፂሮም ይሰርሑ ኣለዉ። ዋላ ዝኾነ ሞያን ፍልጠትን ዘይነበሮም ስደተኛታት ምስመፅኡና ስልጠና ሂብና ኢና ነስርሖም” ይብል ብርሃነ።

ስደት ንዝኾነ ይኹን ሰብ ከምዘይምነየሉ ምስ ተመኵሮ ህይወቱ ብምትሕሓዝ ዝዛረብ ብርሃነ፡ “ብዙሕ ተስፋታት ሒዞም ካብ ዓዲ ዝወፅኡ ሰባት ኣብ ሕማቕ ኵነታት ወዲቘም ተሪፎም እዮም። ናብ ስደት ምስ ወጽአ ነታ ገዲፍዋ ዝመፅአ ናብራ ክነብራ ዘይክእል እውን ኣሎ” ክብል የረድእ።

ሓንሳብ ብዝዀነ ኣጋጣሚ ናብ ስደት እንተወፂእኻ ግን ኣብ ክንዲ ንዘይጭበጥ ተስፋ እናተፀበኻ ግዜኻ ምውዳእ ንዝረኸብካዮ ዝዀነ ይዅን ስራሕ ትሕት ኢልካ ክትሰርሕ ከም ዝግባእ ይምዕድ።

“ናብ ስደት ወፂኦም ‘ነዚ ስራሕ እዚ ኣይሰርሕን’ ኢሎም ዘማርፁ ኣለዉ። ኣነ መጀመርያ ናብ ስደት ምስወፃእኹ መኪና ይሓፅብ ነይረ። መዕረፊ ስለዘይነበረኒ’ውን ኣብ ደገ ደቂሰ እየ። ሽዑ ግን ዝረኸብክዎ ስራሕ እየ ዝሰርሕ ነይረ” ክብል ካብ ተመኵሮ ናይ ስደት ህይወቱ ይምዕድ።