‘መጻኢ ደቀይ ስለዘጨነቐኒ’ዩ ኣብ ክሊማ ዝሰርሕ’- መጽሄት ታይም ዝሓረዮ ቅዱስ ኣስፋው

ምንጪ ስእሊ, Kubik
መስራትን ፈጻሚ ስራሕን ኩባንያ ቴክኖሎጂ-ከባቢ ኩቢክ (Kubik) ቅዱስ ኣስፋው፡ መጽሄት ታይም 100 ጸለውቲ ዓለምና ክብል ካብ ዝረቝሖም መራሕቲ ቢዝነስ ዓለምና ሓደ እዩ።
እዚ ትካል ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ብቐሊሉ ክሓቑ ዘይኽእሉ ምህርታት ፕላስቲክ ናብ ህንጻታት ትሑት ካርበን ብምልዋጥ ካብ ከባቢና ክውገዱ ይደሊ።
መጽሄት ታይምስ “ንክሊማዊ ለውጢ ዝቃለስ ዋኒን ፈጢሮም ዝሰርሑ ንዘለው” ሰባት ናይ ጻዕሮም ኣፍልጦ ንምሃብ እዩ ኣብቲ ዝርዝር ሓርዩዎም።
ኣብዚ ዝርዝር ዝተኻተቱ ውልቀሰባት ክሊማዊ ለውጢ ኣብ ምቅላጽ ዝገበሩዎ ጻዕሪ “ዝዕየርን ዝስደርን” ዓመታት ዘመዝገቡ ምዃኖም ገሊጹ’ዩ።
እቲ ብ2021 ብቅዱስ ኣሰፋው ዝተመስረተ ትካል፡ ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ብቐሊሉ ክሓቑ ዘይኽእሉ ምህርታት ፕላስቲክ ናብ ትሑት ካርቦን ብምልዋጥ፡ ብዘላቒ ኣገባብን ተመጣጣኒ ዋጋን ንኣብያተ ትምህርቲ፣ ትካላት ጥዕና፣ መንበሪ ኣባይትን መኽዝናት ንምህናጽ ዘገልግል ናውቲ የፍሪ ኣሎ።
በዚ መሰረት ቅዱስ አስፋው ክሊማዊ ለውጢ ንምቅላስ ንዝሰርሖ ጭቡጥ ስራሕ ኣብ ዓለም ካብ ሞንጐ ዘለው ጸለውቲ ሰባት ሓደ ብምዃን ኣብቲ ንፈለማ እዋን ዝወጽአን ጉዳይ ክሊማዊ ለውጢን ንምግትኡ ዝግበር ዘሎ ጻዕርታትን ኣፍልጦ ንምሃብ ዝዓለመን ቦኽሪ መዝገብ ታይም ሰፊሩ ይርከብ።
ኣቐድም ኣቢሉ ቅዱስ፡ ኣብ ዩኒሴፍ ስራሕቲ ቴክኖሎጅን ምህዞን ብምምራሕ ህይወት ህጻናት ንምምሕያሽ ዝስርሑ ፕሮጀክታት ይመርሕ ነይሩ። ብተወሳኺ ምስ ባንኪ ዓለም፣ ኣክሰንቸርን ጉግልን እውን ሰሪሑ’ዩ።
ቢቢሲ ምስ መሃዚ ስራሕ ክሊማ ዝዀነ ቅዱስ ኣስፋው ዝገበሮ ጻንሒት ከምዚ ዝስዕብ ይቐርብ።

ምንጪ ስእሊ, Kubik
ቢቢሲ፡ ቅድሚ ክልተ ሰሙን መጽሄት ታይምስ ኣብ ዙርያ ክሊማ ክዕቀኑ ዝኽእሉ ዓወታት ኣመዝጊቦም’ዮም ምስ ዝበሎም 100 መራሕቲ ክሊማ ስለዝሓረየካ እንቋዕ ደስ በለካ። ብቐዳምነት ምህዞ ስራሕ ክሊማ ‘climate entrepreneur’ እንታይ እዩ?
ቅዱስ፡ የቐንየለይ፤ ምህዞ ስራሕ ክሊማ ብደረጃ ቢዝነስ፡ ሓደ ሰብ ክሊማዊ ለውጢ ክንቃለሶ ንኽእል ኢና ክብል እንከሎ’ዩ።
ገሊኦም ብኢንዳስትሪነት ገንዘብ ኣተኣኻኺቦም ኣብ ቢዝነሳት ኢንቨስት ዝገብሩ ኣለው፤ ገሊኦም ድማ ተሓለቕቲ ኰይኖም ኣብ ደቂ ሰባት ከመይ ገይርና ናይ ባህሪ ለውጢ ከነምጽእ ንኽኢሎም ኢሎም ዝሓስቡ’ዮም።
ካልኦት ድማ ሱር ብዝሰደደ መልክዑ ትካላት መስሪቶም ክሊማዊ ለውጢ ዝቃለሱ’ዮም።
ቢቢሲ፡ ካብ’ዞም 100 ሰባት ኰይንካ ክትምረጽ ዝገበረካን እትመርሖን ትካል ኩቢክ ዝሰርሖም ስራሕቲ እንታይ’ዮም?
ቅዱስ፡ ኩቢክ ብዙሓት ነገራት ርኢና ኢና መስሪትናዮ። መጀመርታ፡ ድሕሪ 30 ዓመት ልዕሊ 70 ሚኢታዊት ህዝቢ ዓለም ኣብ ከተማ ዝነብር እዩ ክኸውን። ከተማ ድማ ሰለስተ ዓበይቲ ጸገማት ከወግድ ጻዕሪ ይገብር። እቲ ሓደ፡ ኣተሓሓዝ ጕሓፍ (waste management) እዩ።
ብዝሒ ሰባት እናወሰኸ ብዝኸደ ቑጽሪ ዝውስኽ ጕሓፍ ኣሎ፤ እዚ ብስነ-ስርዓት ክውገድ ኣለዎ። ካልኣይ ድማ፡ ምምሕዳር ከተማታት 'እዚ ኹሉ ነባሪ ከመይ ጌርና ኢና ብስነ-ስርዓት ክነንብሮ ንኽእል' ዝብል ሓሳብ’ዮም ዝርእዩ።
እዚ ድማ ዓብዪ ጸገም’ዩ፤ ስለ ምንታይ ብዝሒ ህዝቢ እናወሰኸ ክኸይድ እንከሎ ናብራ’ዩ ዝኸብር -- ብፍላይ ዋጋ መንበሪ ኣባይቲ። በዚ ምኽንያት መብዛሕትኡ ዓቕሚ ዘይብሉ ሰብ ኣብ ዘይምቹእ ቦታታት ይነብር።
ሳልሳይ ከኣ ክሊማዊ ለውጢ’ዩ። ከተማ ክብሃል እንከሎ ንክሊማዊ ለውጢ ዓብዪ ኣበርክቶ ዝገብር እዩ። እዚ ዝዀነሉ ብዙሓት ምኽንያታት ኣለው፤ እቲ ቀንዲ ግን ኣብ ሪልስቴትን ህንጸትን ዘሎ ትኹረት እዩ።
ኣብ ከተማ (ኣዲስ ኣበባ ይኹን ናይሮቢ) እንርእዮ ነገር እንተልዩ ዓበይቲ ህንጻታት ንምህናጽ ብዙሕ ሑጻን/ሓሸዋን ስሚንቶን ኣብ ጥቕሚ ምውዓል’ዩ።
[እዞም ንህንጸት ዝውዕሉ ናውታት] ንክሊማዊ ለውጢ ካብ ዘለዎም ኣበርክቶ ብዝብገስ ሪልስቴት 40 ሚኢታዊት ኣበርክቶ ይገብር። ስለዚ ኩቢክ ክንምስርት እንከለና እዚ ኹሉ ብመንጽር ከመይ ጌርና ክንፈትሖ ንኽእል ብዝብል’ዩ።
እቲ ዝመሃዝናዮ ቴክኖሎጂ ፕላስቲክ ጕሓፍ እናውጻእና ንህንጸት ናብ ዝውዕሉ ኣቑሑ ዝቕይር ኰይኑ፡ እዚ ድማ ዋጋ መንበሪ ኣባይቲ ብልዑል ዋጋ ብምንካይ ንምስራሕ ዘኽእልን ዓቕሚ ዘለዎ፤ ካብኡ ብዝሰገረ ድማ ካብ ስሚንቶ ብዝሓሸ መልክዑ ትሑት ብኽለት ዘለዎ እዩ።
ስለ ዝዀነ ድማ፡ ካብ ናይ ፕላስቲክ ጕሓፍ ‘low carbon and low cost’ ዝዀኑ ናውታት ህንጻ ኢና ንሰርሕ።

ምንጪ ስእሊ, Kubik
ቢቢሲ፡ 'ክሊማዊ ለውጢ ዑደት ተፈጥሮ ዘስዕቦ እምበር፡ ኣብ ባህሪ ደቂ ሰባት ዝርኣይ ሸለልትነት ኣይኰነን' ዝብሉ ክትዓትን ግንዛበታትን ኣለዉ። ንስኻ፡ ሰባት ብቕልል ዝበለ ኣገላልጻ ክሊማዊ ለውጢ ብኸመይ ኢኻ ተረድኦም?
ቅዱስ፡ ክሊማዊ ለውጢ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ፣ ሰፊሕ ጽንሰ-ሓሳብ’ዩ። ሓደ ሰብ ክሊማዊ ለውጢ ኣብ መዓልታዊ ህይወቱ ኣየስተብህሎን ወይ ኣይሓስቦን።
ኣነ ግን ሰባት ብቐሊል መገዲ’የ ዘረድኦም፤ ብፍላይ 'ስለ ምንታይ ኢና ናትኩም ምህርቲ ንጥቀም?' ክብሉኒ እንከለው፡ ‘ህንጸት ናብ ዝካየደሉ ቦታ ኪዱ’ሞ ኣብኡ ኣስተንፍሱ’ ይብሎም፤ ምኽንያቱ ከምዚ ዓይነት ቦታ ብዛዕባ ብኽለት ቀልጢፉ’ዩ ዘረድአካ።
ሓሓሊፉ ድማ እንታይ ኢሎም ይሓቱኒ፤ ‘ክሊማዊ ለውጢ ግን ከመይ ኢሉ እዩ ሓቂ ዝኸውን? ከመይ ኢሉ ይጐዩ?' ክብሉኒ እንከለው፡ "ሕራይ፤ ቀሊል እዩ። ናብ ናይ ሕርሻ ቦታ ኪዱ እሞ ክሊማዊ ለውጢ ክህሉ እንከሎ ጥሪት ኰና እተዘርአ እኽሊ ከመይ ቀልጢፉ ከም ዝመውት፣ ሰባት ብኸመይ ከም ዝልውጦም ክትርእዩ ትኽእሉ ኢኹም። እዚ ብተደጋጋሚ ከጋጥም እንከሎ ድማ ሕማቕ’ዩ" ኢለ’የ ዘረድኦም እምበር ብኻልእ ጽንሰ-ሓሳብ ኣየረድኦምን። ስለዚ ሰብ ይርድኦ’ዩ በሃሊ’የ።
ይኹን’ምበር፡ ንሕና ኣብ ንግዲ ኢና ዘለና፤ ናትና ምህርቲ (ኩቢክ) ዝዕድግ ሰብ ክሊማዊ ለውጢ ንምቅላስ ኣይኰነን።
ብቐንዱ ናትና ምህርቲ ብሕሳር ዋጋ ክዕድጐ ስለ ዝኽእል፣ (በዞም ምህርታት) ቀልጢፉ ገዛ ክሃንጽ ስለ ዝኽእል ብዙሕ ማሽነሪታት ስለ ዘየድልዮን’ዩ። እንተዀነ ኣብ ቀጻሊ ትካልና እናሰፍሐ ክመጽእ እንከሎ ብኸመይ ክሊማዊ ለውጢ ክንቃለሶ ከም እንኽእል ምርኣይ ዝኽእል’ዩ።
ቢቢሲ፡ ኣብዚ ዓውዲ ክትነጥፍ ምኽንያት ዝዀነካ ነገር ግን እንታይ’ዩ?
ቅዱስ፡ ኣቦ ሰለስተ ቈልዑ’የ፤ ስለዚ ወትሩ ብዛዕባ ህይወቶም ክሓስብ ግድን’ዩ፤ እንታይ ዓይነት ናብራ’ዮም ክነብሩ ኢለ እሓስብ። እግዚአብሄር ይመስገን ሕጂ ጽቡቕ ናብራ ኣለዎም። ከምኡ’ውን ኰይኑ ግን እቲ መጻኢ ዝነብሩሉ ዘለው ዓለም እንታይ ክመስል ይኽእል ኢለ ክሓስብ እንከለኹ ኣዝየ እሰግእ።
እዚ ብምኽንያት ክሊማዊ ለውጢ ዝነቅል ዘሎ ጸገም’ዩ። ስለዚ 'ኣቦኦም ብምንታይ ይዘክሩዎ?' ኢለ ክሓስብ እንከለኹ ‘ሓደ ነገር ክልውጥ ጽዒሩ’ዩ’ ኢሎም ንክሓስቡ’የ ዝደሊ። ኣብ ኩቢክ ኣብ ዝሰርሓሉ ግዜ’ውን ወትሩ ብዛዕባ እዚ’የ ዝሓስብ።
ካብኡ ብዝሰገረ ግን፡ ኩቢክ ቅድሚ ምምስራተይ ኣብ ዓውዲ ኢኖቬሽን ኣብ ዩኒሴፍ እሰርሕ ነይረ፤ በዚ ኣብ ዓለም ብዙሕ ነገር ርእየ’የ። ስለዚ፡ ‘ሴኩላር ኢኮኖሚ’ ብዝብል ጽንሰ-ሓሳብ ከመይ ጌይርና ፕላስቲክ እናውጻእና ኣብያተ ትምህርቲ ክንሃንጽን ንኽእል ዝብል ፕሮጀክት ኣብ ኣይቬሪኮስት ጀሚርና ነይርና።
ኣብዚ ግዜ፡ እዚ ቴክኖሎጂ ክንደየናይ ተስፋ ዝህብ ከም ዝዀነ ብዝግባእ ኣስተብሂለሉ’የ።ውጽኢታዊ ነይሩ፤ ብዙሓት ኣብያተ ትምህርቲ ሰሪሕና፤ ከመይ ጌርና ጕሓፍ ክንኣሪ ከም እንኽእል ርኢና፤ እቲ ሳይንስ ርኢናዮ፤ ከመይ ጌርና ብኽለት ክንንኪ ከምእንኽእል’ውን ርኢና።
ድሕሪ ሕጂ እንታይ ክመጽእ ይኽእል ኢለ ክሓስብ እንከለኹ ግን፡ ኣብ ህንጸት ኣብያተ ትምህርቲ፣ ኣብ ኣይቬሪኮስት ክተርፍ የብሉን። ነዚ ብኣግባቡ ብምስፋሕ ንከተማ ዝልውጥ ክኸውን ኣለዎ ኢለ’የ ንኩቢክ መስሪተ።
ቢቢሲ፡ ክሳብ ሕጂ ኩቢክ ብዝሰርሖም ስራሕቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ክንደይ ዝኣክል ምህርቲ ፕላስቲክ ከም ዝጥቀም ክፈልጥ ክኢሉ’ዶ?
ቅዱስ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ 2022 ኢና ብዝግባእ ክንሰርሕ ጀሚርና፤ ኣብ ውሽጢ ሒደት ዓመታት ክኣ ብዙሓት ስጉምታት ወሲድና። ኢትዮጵያ 120 ሚሊዮን ሰባት ዝነብሩላ ሃገር’ያ።
ስለዚ ኣብ መዓልቲ ኣስታት ሓደ ሽሕ ቶን (ሓደ ሚሊዮን ኪሎ) ጕሓፍ ፕላስቲክ ኣሎ። እዚ መብዛሕትኡ ኣብ ከተማ’ዩ ዘሎ -- ልክዕ ከም ኣብ ከም ኣዲስ ኣበባ ዝበላ ከተማታት።
እዚ ኣማራጺ ስለ ዘለና ዘይኰነ፡ ብዝሒ ህዝቢ ክውስኽ እንከሎ ከምዚ ዓይነት ጸገም’ዩ ዝፍጠር። እቲ ቁውም-ነገር 'እዚ ዝጕሓፍ ፕላስቲክ ከመይ ጌርና ናብ ውሽጢ ማይ፣ መስመር ረሳሕ ማይን ፈሳስን ወይ ሕርሻ ቦታ ከይኣቱ ነወግዶ?' ዝብል’ዩ።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ “ቆሼ" ዝብሃል መአከቢ ጕሓፍ ኣሎ። ከምዚኦም ዝበሉ ከባቢታት ኣቐዲሞም ንዝተወሰነ ግዜን ንድሩት ዓቕምን ብዝብል ዝተሰርሑ’ዮም።
እታ ከተማ ክትዓቢ እንከላ ክኣ ጸገም ይመጽእ። ኣብ “ቆሼ” ጕሓፍ ብምብዝሑ ኣብ 2018 ብዘጋጠመ ሓደጋ ህይወት ብዙሓት ሰባት ሓሊፉ’ዩ። ከምኡ ዓይነት ጸገም ንከይፍጠር ኢና ምስ ምምሕዳር ከተማን ዘይመንግስታዊ ትካላትን ብምትሕብባር ንሰርሕ ዘለና።

ምንጪ ስእሊ, Kubik
ቢቢሲ፡ ኣብዚ እዋን፡ እቲ ህዝቢ ኣብ ምውጋድ ጕሓፍ ዘለዎ ልምዲ ኣብ ምንታይ ደረጃ ይርከብ?
ቅዱስ፡ ልክዕ ከምተን ካልኦት ሃገራት ብዙሕ’ዩ ዝተርፈና፤ ኣብ ኢትዮጵያ ዝረኣኹዎ ሓደ ነገር ግን ኣብ ባህልና ነገራት ደጊምካ ኣብ ጥቕሚ ንክውዕሉ (recycle) ጻዕሪ ይግበር’ዩ። ኣነ ክዓቢ እንከለኹ፡ ወትሩ ብገዛውትና ዝሓልፍ “ብላይ ኣቝሑ” ዝልውጥ ሰብ ነይሩ።
እዚ ሰብ ንዓይ፡ እቲ እንጥቀሞ ፕላስቲክ ይኹን ጀሪካን እናለወጠ ዳግም ኣብ ጥቕሚ ዘውዕል (recycler) ሰብ’ዩ። ግን ኣዲስ ኣባበ ድማ [ብሚልዮናት ዝቑፀር] ህዝቢ ዘለዋ ከተማ እያ።ኣብ ርእሲኡ፡ ብስርዓት ከመይ ኣቢልና ኢና ናይ ሰባት ባህሪ ምልዋጥ እንኽእል ዝብል ነዊሕ ግዜ ዝወስድ ጉዳይ’ዩ።
ንምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝንእደሉ ሓደ ጉዳይ፡ ብተግባር እስከ ምሳኹም ክንሰርሕ እንከለና ኣብ “ቆሼ” ንጀምር፣ መአከቢ ጕሓፍ ኣብ ዝዀኑ ከባቢታት ንጀምር፣ ኣረይቲ ጕሓፍ ነተባብዕ ኢሉ ተግባራዊ ስራሕ ብምጅማሩ’ዩ።
ቀስ እናበልና ኣብ ነፍሲ ወከፍ ገዛ ከምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ንክኣቱ ንሰርሕ ኣለና። ምስ ካልኦት ከተማታት እውን ብተመሳሳሊ ዕላማ ክንሰርሕ ኢና።
ቢቢሲ፡ ኩቢክ ከም ማሕበረሰብ ንክሊማዊ ለውጢ ምኽንያት ክዀኑ ዝኽእሉ ነገራት ኣብ ምንካይ ግንዛበ ክህልወና ምግባር ኣብ መወዳእታ ከዐውቶ ዝደሊ ነገር’ዩ ኢለ ይርዳእ። ግን ግድን ብዛዕባ ክሊማዊ ለውጢ ክንጭነቕ ይግብኣና ድዩ?
ቅዱስ፡ ከምቲ ዝብልኩዎ ኣነ ናብዚ ስራሕ ዝኣተኹሉ ምኽንያት ኣብ መጻኢ ደቀይ ብዙሕ ስግኣት ስለ ዝሓደረኒ’ዩ።
ስቕ ኢልና ክሊማዊ ለውጢ ኢልና ብሰፊሕ ጽንሰ-ሓሳብ ጥራይ እንተኣቐሚጥናዮ እቲ ዛዕባ ኣዝዩ ሰፊሕ ካብ ምዃኑ ብዝብገስ ካበይ ከምእትጅምር ይጭንቀካ እዩ።
ሕጂ ንሕና ነዚ ብኽልተ መገዲ ኢና ንርእዮ ዘለና። እቲ ሓደ ኣብ ህንጸት ዘሎ ብኽለት ብኸመይ ክንንክዮ ንኽእል ዝብል ኰይኑ እቲ ኻልኣይ ድማ ፕላስቲክ ብብዝሒ ኣብ ዝእከበሉ ግዜ ኣብ ዘለወሉ ቦታ ይቃጸል ወይ ኣብኡ በስቢሱ መርዛም ዝዀኑ ነገራት ይፈጥር።
እዚ ክሊማዊ ለውጢ ብኸመይ ክንንክዮ ንኽእል ኣብ ዝብል ዓብዪ ነገር ለውጢ ከምጽእ ብዝኽእል ቅልል ዝበለ ትኹረት ዘለዎ ሓሳብ ኢና ጀሚርናዮ።
ቢቢሲ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዓውዲ ህንጸት ዓብዪ ኢንዳስትሪ ምዃኑ ይፍለጥ፤ በብግዝኡ’ውን ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ብዙሓት ስራሕቲ ህንጸት’ዮም ዝርኣዩ። ኩቢክ ዘፍርዮም ምህርታት ድማ እዚ ኢንዳስትሪ ዝጥቀሞም እታወታት ብኻልእ ከምዝትካእ ምግባር’ዩ። ኣብ ሞንጐ እዚ ክፍጠር ዝኽእል ጸገም ምፍታሕ ኣይብድሃካን? ብኸመይ ክተእምኑዎም ክኢልኩም?
ቅዱስ፡ ብኽልተ መገዲ ኣይበድሃናን፤ ሓደ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ እታወት ዓውዲ ህንጸት ዓብዪ ሕጽረት ኣሎ። ኣብ ዓመት ዘሎ ኣፈላላይ ጠለብን ቀረብን ሲሚንቶ ኣስታት 5 ሚሊዮን ሜትሪክ ቶን እዩ።
ብኣና ወገን ነዚ ንምምላእ ዘሎ ተበግሶ ዓብዪ’ዩ። ካልኣይ ኣብዚ ዓውዲ ስለ ምንታይ ኣነ ዝሰራሕኹዎ ዘይኸውን ዝብል ዘይኰነ ከመይ ጌርና ብዋጋን ምህዞን ዝሓሸ ንግበሮ ዝብል ኢንዳስትሪ’ዩ።
ንሕና እንደልዮ ድማ ኣማራጺ ዝዀኑ እታወታት ምቕራብ’ዩ። እዚ ኣብ ዝቐርበሉ እዋን ኣብ ቀጻሊ ሲሚንቶ ዝሰርሑ ኣካላት ምናልባት ምሳና ምትሕብባር ምግባሮም ኣይክተርፍን።
ንሕና ዕላማና ቢዝነስ ምቕታል ዘይኰነ ቢዝነስ ብምትብባዕ ብኻልእ ቴክኖሎጂ ከምዝሰፍሕ ምግባር’ዩ። ከምዚ ጌርና ኢና ኣብ ከተማ ዀነ ዓለም ለውጢ ከነምጽእ እንኽእል። እዚ ግን ኩቢክ ንብሕቱን ክሰርሖ እዩ ኢልና ኣይንኣምንን።

ምንጪ ስእሊ, Kubik
ቢቢሲ፡ ነፍሲወከፍና ንክሊማዊ ለውጢ ኣበርክቶ ንገብር ምህላውና ብኸመይ ክንፈልጥ ንኽእል?
ቅዱስ፡ ሓሓሊፉ ብውልቀ ኣዝዩ ከቢድ’ዩ፤ ንኣብነት፡ ነዳዲ እትጥቀም መኪና [ንክሊማዊ ለውጢ] ኣበርክቶ ትገብር እያ። ናይ መጓዓዝያ ኣማራጺ እንተዘይብልኪ ግን መኪና ወይ ኣውቶብስ ኢኺ ክትወስዲ። በቲ እትኽእልዮ መገድን ዓቕምን ከተጉድልዮ እንተኺኢልኪ ዓቢ ነገር እዩ። ካብዚ ወጻኢ ንዓለም ክትክሕስያ ጽቡቕ ነገር ክትገብርላ እንተክኢልኪ እኹል እዩ።
ንዓይ ዝሓገዘትኒ ሓንቲ መጽሓፍ ኣላ። 'Project Drawdown’ ትብል፤ እዛ መጽሓፍ እዚኣ [ለውጢ ክሊማ ንምንካይ] እንታይ ክንገብር ከም እንኽእል ቀዳምነታት ትሰርዕ። ኩላትና ካብ ሓደ ቦታ ክንጅምር እንተኽኢልና ድማ እታ ንእሽቶ ነገር ዓባይ ክትከውን ትኽእል እያ።
ኩቢክ ክንጅምር እንከለና ኩሉ ነገር ብናትና መንገዲ ክንፈትሖ ኢና ኢልና ብምሕሳብ ዘይኰነ፡ ድሕሪ ሓደ ዓመት ሰለስተ ከማና ዝኣመሰላ ትካላት እንተጀሚረን፣ ድሕሪ 10 ዓመት ድማ ሽሕ ትካላት እንተዝህልዋ፤ ሽዑ ኢና ንዓለም ክንቅይራ እንኽእል ኢልና ኢና ጀሚርናዮ።
መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ኣፍሪቃ ብዙሕ ጽቡቕ ዜና የለን። ግን ኣነ ሕጂ መሃዚ ስራሕ ኰይነ ዝረኣኹዎ ነገር እቲ ጸገም ተረዲኡዎም መፍትሒታት ዘምጽኡ ጀመርቲ ትካላት (start-ups) ዘለዎም ብዙሓት ኣፍሪቃውያን መናእሰይ ምህላዎም’ዩ።
ነዚኦም ከነተባብዖም ኣለና። እዛ ኣህጉር እዚኣ ኣዝዩ ኣዝዩ ዓቢ ዓቕሚ ኣለዋ። ስለምንታይ ናይ ህጻናት ኣህጉር’ያ-- መንእሰያት ኣለውዋ። መናእሰይ ድማ’ዮም ተሰከምቲ ብድሆታት ክሊማዊ ለውጢ ዝዀኑ።
ነዚ ፈሊጦም ብዙሕ መፍትሒታት ዘምጽኡ ሰባት ኣለዉ። ኣብኦም ኢንቨስት እንተጌርና ብዙሕ ኣወንታዊ ለውጢ ክንርኢ ኢና ዝብል እምነት ኣለኒ።
ቢቢሲ፡ ኣብ መጻኢ እንታይ ክትሪኢ ትደሊ?
ቅዱስ፡ እቲ ክርእዮ ዝደሊ ኣብዚ ዓውዲ ጥራይ ዘይኰነ፡ ዓለምለኻውያን ትካላት ንግዲ፡ እቲ ኣነ ዝገብሮ ንዓለም ብኸመይ ክጠቅም ይኽእል ኢሎም ክሓስቡ ይግባእ።
ኣተሓሳስባኦም ናይ ሓጺር ግዜ ክኸውን የብሉን፡ ሕጂ ንሳቶም እንተዘይተጐድኡ፡ እቲ ብድሕሪኦም ዝመጽእ ወለዶ ክጉዳእ እዩ።
እዚ ጽቡቕ ኣይኰነን፤ ዘላቕነትን ምንቅስቓስ ክሊማን ወትሩ ኣጀንዳኦም ክኸውን ይግባእ።
ኩሉ ትካል ተሓታቲ ክኸውን ኣለዎ፤ እንተዘይኰይኑ ኣብዚ ቴክኖሎጂ ምህዞ ኣይክህሉን፣ ስራሕ ምዕባይን ምስፍሕፋሕን ኣይክህሉን እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







