ክሊማዊ ለውጢ: ሊቃውንቲ፡ ዓለም ንምድሓን ዘኽእል ሓሙሽተ መይላታት የመልክቱ

ፈሓም

ምንጪ ስእሊ, David Hecker

ኣብ ዛዕባ ክሊማዊ ለውጢን ሓደጋታቱን ዝመልከተ ንዓመታት ክዝረብ ጸኒሑ እዩ። ነዚ ስግኣት ብኣድማዕነት ንምግጣሙን ንምቕልባሱን ግን ዕቱብ ኣቓልቦ ኣይረኸበን።

ሳይንሰኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ግን፡ ብሰንኪ' ቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ዓለማዊ ዋዒ ክስዕብ ዝኽእል ሓደጋታት ንምውጋድ ዘኽእል ውጥን ትማሊ ዘርጊሖም ኣለው።

በይነመንግስታዊ ባይቶ ንክሊማዊ ለውጢ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብመሰረቱ ኣብ ምምንጫውን ምጥቃምን ጸዓት ኣብ ዝጸንሐ ኣገባብ ሰውራ ክግበር እዩ ዝጽውዕ።

ኣዝዩ ሓደገኛ ዋዒ ንምውጋድ፡ ልቀት ካርቦን ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመት ኣብ ዝለዓለ መጠኑ ኣብጺሕካ፡ ካብኡ ብቕጽበት ከም ዘንቈልቝል ምግባር እዩ።ሽዑ'ውን፡ ክሊማዊ መጠን ንምውራድ፡ ካርቦን ዳይ ኦክሳይድ [CO2] ካብ ህዋ ክስሕብ ዝኽእል ተክኖሎጂ ከም ዘድሊ የመልክት። እቶም፡ ዓለምና ንምድሓን ዘኽእሉ ተባሂሉ ዝተኣመነሎም ሓሙሽተ ኣገደስቲ ሓሳባት እዞም ዝስዕቡ እዮም።

1.ሕጂ'ውን ከሰል ምውጋድ

ዓለማዊ ዋዒ ትሕቲ 1.5 ዲግሪ ሰንቲግሬድ ንምግባሩ፡ ልቀት ክሳብ 2025 ኣብ ዝለዓለ ደረጃኡ ክበጽሕ የድሊ። ክሳብ መወዳእታ'ዚ ዕቝድ'ዚ ድማ ብ 43% ከም ዝጐድል ምግባሩ እዩ።

ሰንኪ ኲናት ዩክረይን፡ ሃገራት ናብቲ ልዑል መጠን ካርቦን ዘለዎ ከሰል ናብ ምጥቃም ተመሊሰን ኣለዋ። ኣብዚ እዋን ሰፊሕ ፖለቲካዊ ተቐባልነት ዘለዎ ድማ፡ ካብ ጽልዋ ፑቲን ሓራ ዝዀነ፡ ሕሱር፡ ዘተኣማምን ምንጪ ጸዓት ምንዳይ ዝብል እዩ።

ስለዚ ንክሊማ ዓለምና ይዅን 'ንፖለቲካ'ዚ እዋን' ዝምጥን፡ ተጠቃምነት ከሰል ምውጋድ ምዃኑ ሊቃውንቲ ባይቶ ክሊማዊ ለውጢ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይኣምኑ።

"ሓያል መልእኽቲ እዩ ኢለ እየ ዝኣምን። ከሰል ዝጥቀም መመንጨዊ ጸዓት ኣይክህሉን እዩ። እንተዘይኰይኑ ነቲ 1.5 ዲግሪ ዝብል እማመ ክሊማ ዕለም ኣይክብጻሕን እዩ፡" ይብል ፕሮፌሰር ያን ክሪስቶፍ፡ ካብ ሊድስ ዩኒቨርስቲ። "ኣብዚ እቲ ኣገዳሲ ኰይኑ ዘሎ መልእኽቲ፡ ዘመነ ቅራይ-ነዳዲ [fossil fuel] ብህጹጽ ከም ዘብቅዕ ምግባር እዩ፡" ኢሉ ይውስኽ።

ካብ ሰማይ ዝተልዓለ

ምንጪ ስእሊ, HALLDOR KOLBEINS

2.ክውን ዝኸውን ዘሎ ሓቂ

ቅድሚ ሒደት ዓመታት፡ ክሊማዊ ለውጢ ንምግታእ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ፡ ተክኖሎጂ ምጥቃም፡ ከም ሓደ ግርንቢጥ ወይ ዘይከውን ሓሳብ ይርአ ነይሩ።

ገለ ባእታታት ናብ ህዋ ከም ዝንጸግ ብምግባር'ውን መሬት ንምዝሓል፣ ጨረር ጸሓይ ብተክኖሎጂያዊ ኣገባብ ከም ዝጋረድ ምግባር፡ ዝብሉ ዝተፈላለዩ ኣብ እዋኑ መባጨዊ ኰይኖም ዝነበሩ ሓሳባት ቀልጢፎም ተረሲዖም እዮም።

እንተዀነ ክሊማዊ ቅልውላው እናዓረገ ኣብ ዝኸደሉ እዋን፡ ምቝራጽ ልቀት ካርቦን ኣሸጋሪ ምዃኑ እናተራእየ መጺኡ። ተመራመርቲ ድማ፡ ብዛዕባ ተራ ቴክኖሎጂ፡ ኣብ ምቕናስን ምድራትን መጠን ካርቦን ኣብ ህዋ ደጊሞም ክምርምሩ ግዲ ኰይኑ።

ምውጋድ ካርቦን ዝብል ሓሳብ፡ ኣብዚ እዋናዊ ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት እውን ዝተኻተተ ኣገዳሲ ዛዕባ ክሊማዊ ለውጢ ኰይኑ እዩ ጸኒሑ።

ሳይንሰኛታት፡ ገለ ነገር ከየጕደልካ፣ ብመገዲ ኣግራብ ይዅን ኣየር ዘጽሪ ማሽን ተጠቒምካ፡ ኵነታት ኣየር ምጕዳል ኣይከኣልን እዩ፡ ኣብ ዝብል ሓሳብ'ዮም ጸኒዖም ጸኒሖም።

ክኢላታት ስነኣከባቢብዙሕ ቅሬታታት ጸኒሕዎም እዩ። ገሊኣቶም እዚ ባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ነተን ቅራይ-ነዳዲ ዘፍርያ ሃገራት ዕድል ብምሃቡ፣ ውጺኢቱ ኣብ ዘይተጨበጠ ቴክኖሎጂ ዝያዳ ኣድህቦ ብምግባሩን ይኸሱ።

"እቲ ዝዓበየ ዝረኣኽዎ ጕድለት፡ እቲ ዝቐረበ ጸብጻብ ኣብ ቅልጡፍ ምውጋድ ቅራይ-ነዳዲ ሰንኮፍ ምዃኑ እዩ፡" ትብል ሊንዳ ሽናይደር ካብ 'ሀንሪክ ቦል ፋውንዴሽን' - ጀርመን።

ንሳ ወሲኻ፡ "እቲ ጸብጻብ፡ ኣክንዲ ውጽኢቱ ኣብ ዘይተጨበጠን ዘይተረጋገጸን ቴክኖሎጂ ምምርኳስ፡ ነቲ 1.5 C ምምዝጋብ ዝብል ዕላማ ውሑስን ዝተኣማማንን ዝዀነ መገዲ ክቕይስ እየ ተተስፍየ ነይረ፡" ትብል።

3. ምጉዳል ጠለባት ከም ምስጢራዊ ኣጽዋር

ኣብ መንጐ'ዚ እዋናዊ ጸብጻብን ዝቐደሙ ተመሳሰልቲ ጸብጻባትን ዘሎ ዝዓበየ ፍልልይ፡ እዚ ጕዳይ ብመዳይ ማሕበራዊ ስነፍልጠት ክርአ ምኽኣሉ እዩ።

እዚ ድማ፡ ብቐንዱ ጠለብ ደቂ ሰባት ኣብ መዳይ ጸዓት ምቕናስ ኣብ ዝብል ሓሳብ ዘተኵር እዩ።

እዚ ኸኣ፡ ዝተፈላለየ መዳያት ዘጠቓልል ኰይኑ፡ ትሑት መጠን ካርቦን ዘለዎ መግቢ፡ ዝባኸነ መግቢ፡ ኣገባብ ምህናጽ ከተማታት፡ ከምኡ'ውን ሰባት ተጠቃምነት ካርቦን ምስ ዘለዎ መጓዝያ ከም ዝመሓዘው ምግባር እዩ።

ብኤሌክትሪክ ሓይሊ ዝሰርሓ መኻይን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ብኤሌክትሪክ ሓይሊ ዝሰርሓ መኻይን

ኣብዞም መዳያት እዚኣቶም ዝግበር ለውጢ ድማ፡ ክሳብ 2050 ኣብ መነባብሮ ሰባት ርኡይ ዝዀነ ምምሕያሽ ከምጽእ ከም ዝኽእል እምነት ተነቢሩሉ'ሎ።

4. ምድሪ ብገንዘብ ምዝሓል

ክሊማዊ ለውጢ ምዕጋት፡ ብሰንኪ'ቲ ዝሓቶ ገዚፍ ዋጋ ተደናጕዩ እዩ ጸኒሑ። እዚ መንፈስ'ዚ ግን በቲ ክሊማዊ ዕንወት ዝስዕብ ዘሎ ገንዘባዊ ዕንወት ኣብዚ ቐረባ ግዜ ተቐይሩ እዩ። ኣብዚ እዋን፡ ባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብቲ ክሊማዊ ብከላ ዘስዕብ ቅራይ-ነዳዲ ብዙሕ ገንዘብ ይፈስስ ከም ዘሎ እዩ ዝገልጽ። ብመንግስታት ኣብዚ ነዳዲ ዝግበር ድጐማ እንተቐኒሱ፡ ክሳብ 2030 ልቀት ብ10% ክጐድል ከም ዝኽእል ይግምገም።ኣብ ነዊሕ፡ ቁጠባን ክሊማዊ ለውጥን ኣሳኒኻ ምርኣይ ኣገዳሲ ምዃኑ እዩ ዝኣምን፡ ባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራት። በዚ መሰረት፡ ብክሊማዊ ለውጢ ዝስዕብ ቁጠባዊ ዕንወት፡ ዓለማዊ ዋዒ ኣብ 2 C ምሓዙ ዝሓቶ ዋጋ፡ ካብቲ ቁጠባዊ መኽሰብ ኣዝዩ ንእሽቶ ምዃኑ እዩ። ኵነታት ኣየር ትሕቲ 2 C ምዕቃቡ፡ ዕንወት ከወግድን ጽሩይ ማይን ኣየርን ንምርካብ ክሕግዝን ከም ዝኽእል ይእመን።

5 ንሃብታማት ምብላዕ ዶ ንዓኣቶም ምምሳል?

ተሓዲሱ ዝቐረበ ሕመረት'ዚ ጸብጻብ፡ ብዛዕባ ሃብታማት ሰባት ኣብ ምድሪ ዘለዎም ጽልዋ እዩ። በዚ መሰረት፡ 10 ሚእታዊት ካብ ስድራቤታት ዓለም ጥራይ፡ ዝለዓለ፣ ክሳብ 45 ሚእታዊት ልቀት ይፈጥሩ። እዚ ማለት፡ ኣዝዮም ሃብታማት ሰባት ናይ ዓለምና፡ ዝበዝሕ ካብ ገንዘቦም፡ ናይ ብሕቲ ነፈርቲ ወሲኽካ ኣብ ምንቅስቓስ ወይ ጕዕዞ የጥፍእዎ።

እዚ እናዀነ ግን፡ ሳይንሰኛታት ክሊማዊ ለውጢ፡ እዞም ሃብታማት ሰባት ብኣንጻሩ ካልእ ኣገዳሲ ግደ ክጻወቱ ከም ዝኽእሉ ይኣምኑ። ብመሰረት'ዚ ኣበሃህላ፡ ሃብታማት ሰባት ማዕረ'ቲ ክሊማዊ ብከላ ኣብ ምፍጣር ዘለዎም ዓቢይ ተራ፡ ትሑት ናብራ ብምንባር ድማ ንድሕነት ክሊማ ግደኦም ክገብሩ ይኽእሉ።

ማሕበረቁጠባዊ ደረጃኦም ልዑል ዝዀነ፡ ዝገብርዎ ልቀት ግን ክቕንሱ ዝኽእሉን ኣብነታዊ ዝዀነ ኣነባብራ ክነብሩ፣ ልቀት ንምቕናስ ዘኽእል ዕድላትን ወፍርታትን ብምግባር ከምኡ'ውን ንዕላማታትን ፖሊሲታትን ክሊማዊ ለውጢ ኣብ ምዕዋት ጐስጓሳት ክገብሩ ዝኽእሉ ሃብታማት ከም ዘለውን፡ ተራኦም ድማ ልዑል ከም ዝኸውንን፡ ፕሮፌሰር ፓትሪክ ደቪን ራይት እምነቱ ይገልጽ።