ክሊማዊ ለውጢ፡ መን'ዩ ዝያዳ ዝሻቐል ዘሎ፡ ደቂኣንስትዮዶ ደቂተባዕትዮ?

ምንጪ ስእሊ, Empics
ብዛዕባ ዝዀነ ነገር ንምፍላጥ ምስ እንተደልዩ ናበይ ትኸዱ? ንመን ትሓቱ ትዀኑ? መልሱ ንዓኹም ክንገድፎ።
ኣብዚ እዋን፡ ቑጽሪ ስማርት ቴሌፎናት ዝሓዘን ኣገልግሎት ኢንተርነት ክጥቀም ዝውዕልን ክፋል ሕብረተሰብ ውሑድ ስለ ዘይኰነ፡ ብዙሓት ሰባት እቲ ዓብዪ መኽዝን ሓበሬታ ዝዀነ ኢንተርነት ተጠቒሞም ንጉግል ከም ዝሓቱዎ ርዱእ’ዩ።
እቲ ቁውም-ነገር ንጉግል እንታይ ኢኹም ትሓቱዎ? ዝብል’ዩ። ጉግል ዝኣከቦን ብፍሉይ ንቢቢሲ 100 ደቂ ኣንስትዮ ዘካፈሎን ሓበሬታ ኣሎ።
እዚ ድማ፡ ኣብ ኦንላይን ብዝሒ ምስ “ጭንቀት ክሊማ” ዝዛመዱ ሕቶታት ዝሓቱ ሰባት ከም ዝወሰኸ የርኢ።
መጽናዕታት’ውን ደቂ ኣንስትዮ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ንላዕሊ ብጭንቀት ክሊማ ከም ዝጽለዋ ይሕብሩ።
ኣብ መላእ ዓለም ዝውስኽ ዘሎ ባርዕ ጫካ፡ ውሕጅን ድርቅን ገለ ካብቶም ብግልጺ ዝርኣዩ ዘለው ጽልዋታት ክሊማዊ ለውጢ ምዃኖም ብተደጋጋሚ ንሰምዕን ንርእን ኣለና።
እቲ ብዙሕ ዘይዝረበሉ፡ ለውጢ ክሊማ ኣብ ኣእምሮ ደቂ ሰባት ዘለዎ ጽልዋ እዩ።
ጭንቀት ክሊማ፡ ብደረጃ ዓለም ብፍላይ ኣብ ህጻናትን መንእሰያትን ብዛዕባ ጽልዋታት ለውጢ ክሊማ ብዝህሉ ስምዒታት ጭንቀት እዩ ዝግለጽ።
ካብ ጉግል ትሬንድስ ዝተረኽበ መረዳእታ ከም ዘመልክቶ፡ ኣብዚ እዋን ምስ "ጭንቀት ክሊማ" ዝተኣሳሰር ጠለባት ምእላሽ ኣዝዩ ወሲኹ ኣሎ።
እዚ፡ ኣብ ቀዳሞት ዓሰርተ ኣዋርሕ 2023 ብቋንቋ ኢንግሊዝኛ ዝቐረበ ሕቶታት ካብቲ ኣብ 2017 ዝነበረ ተመሳሳሊ እዋን ብ27 ዕጽፊ ዛይዱ ተራእዩ።
ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ኣብ ካልኦት ቋንቋታት ዓለም ወሲኹ ተራእዩ እዩ።
- ንኣብነት ብቋንቋ ፖርቱጋል ዝቐረበ ጠለባት ብ73 ዕጽፊ ወሲኹ
- ብቋንቋታት ቻይና ዝቐርብ ጠለባት ብሸሞንተ ዕጽፍን ፈረቓን ወሲኹ
- ብዓረብኛ ድማ ብሓሙሽተ ዕጽፊ ወሲኹ
ብዘይካ እዚኦም ብኻልኦት ቋንቋታት’ውን ዝወሰኸ ኰይኑ፡ ብፍላይ ኣብተን ብዛዕባ ጭንቀት ክሊማ ልዑል ግንዛበ ዘወለን ሃገራት ዝነብሩ ተዛረብቲ ዝተፈላለዩ ቋንቋታት ወይ’ውን ኣብ ሞንጐ እቶም ብብዝሒ ጉግል ዝጥቀሙ ዝለዓለ ክኸውን ይኽእል።
መረዳእታ ጉግል ትሬንድስ "climate anxiety" ከምኡ’ውን "eco-anxiety" ዝብሉ ሓበሬታታት ንምድላይ ዝውዓሉ ቃላት ብምጥማር ዝተረኽበ’ዩ። ክልቲኦም ቃላት፡ ቁሩብ ናይ ትርጉም ፍልልይ ዘለዎም ግን ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ብተመሳሳሊ መገዲ ኣብ ጥቕሚ ዝውዕሉ’ዮም።
ጭንቀት ክሊማ ብፍላይ ምስ ግንዛበ ለውጢ ክሊማ ዝተኣሳሰር ጭንቀት ኰይኑ፡ ‘Eco-anxiety’ ብቐንዱ ብኽለትን ምጥፋእ ብዝሃ-ህይወትን ሓዊሱ ምስ ግንዛበ ክሊማዊ ለውጢ ኣብ ጥዕና ከባቢ ክህልዎ ዝኽእል ሓደጋታት ዝተኣሳሰር ጭንቀት እዩ።
ብመሰረት ጉግል ትሬንድስ ድማ፡ ሃገራት ኖርዲክ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ምስ ጭንቀት ክሊማ ዝተኣሳሰር ዓለማዊ ሕቶታት ኣብ ጉግል ብምድላይ ዝዓበየ ብጽሒት ነይርወን።
ልዕሊ 40 ሚኢታዊት ኣብ ዙርያ ጭንቀት ክሊማ ዝተገብረ ኣለሻ ብሃገራት ፊንላንድ፡ ሽወደን፡ ዴንማርክን ኖርወይን ይሽፈን።
ከም ቺለ፡ ፊሊፒንስን ደቡብ ኣፍሪቃን ዝበላ ሃገራት ዝተሓተ ብጽሒት ሒዘን ይርከባ።
ጉግል፡ ብተወሳኺ ኣብ ዝሓለፉ 12 ኣዋርሕ ምስ ከባቢ ብዝተኣሳሰር ብዛዕባ መጻኢ ዓለም ዝቐርብ ኣለሻ ብደረጃ ዓለም ወሰኽ ከም ዘርኣየ ይገልጽ።
ነዞም ሕቶታት መልሲ ንምርካብ ኣብ ጉግል ሃሰስ ዝብሉ ዘለው ሰባት ክንዕዘብ እንከለና፡ “ንክርድኦም ዝደልዩ ምዃኖም የርኢ፤ ግን ክኣ ስጉምቲ ክወስዱ ከም ዝደልዩ'ውን ርዱእ'ዩ" ክብል ወሃቢ ቃል ጉግል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
"ንኣብነት፡ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት 'ክሊማዊ ለውጢ ብኸመይ ይፍታሕ' ዝብል ብደረጃ ዓለም ኣብ ዙርያ ክሊማ ካብ ዝቐረቡ ሕቶታት እቲ ሓደ እዩ።”
መረዳእታ ጉግል ከም ዘመልክቶ፡ ኣብ ዝሓለፉ 12 ኣዋርሕ ኣብ ክሊማዊ ለውጢ ዝቐረበ ኣለሻ (120%)፡ ምውህሃድ (120%)፡ ዘላቕነት (40%)፡ ልቀት ጋዝ ግሪን ሃውስ (120%) ወሰኽ ኣርእዩ።
ጉግል ጾታ ናይቶም ምስ "ጭንቀት ክሊማ" ዝተኣሳሰር ሕቶታት ዝሓተቱ ሰባት ዝገልጽ መረዳእታ ኣይዘርግሐን።
እንተዀነ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ንላዕሊ ንጭንቀት ክሊማ ዝያዳ ተቓላዕቲ ከም ዝዀና መጽናዕትታት የመልክቱ።
ንኣብነት ኣብ 2023 ኣብ ኣካዳሚያዊ መጽሔት ‘ሳስተይናቢሊቲ’ ዝተሓትመ መጽናዕቲ፡ ደቂ ኣንስትዮ ብዛዕባ ለውጢ ክሊማ “ልዑል ደረጃ ሻቕሎትን ኣሉታዊ ስምዒታትን" ከም ዘለወን ይሕብር።
ብኣንጻሩ ደቂ ተባዕትዮ “ዝያዳ ተስፋ ከም ዘለዎምን ኣብ መንግስቲ ልዑል እምነት ዘርኣዩን” እዮም ይብል።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቲ መጽናዕቲ ኣብ ዓሰርተ ሃገራት ካብ 16 ክሳብ 25 ዓመት ዝዕድሚኦም 10 ሽሕ ሰባት ብምስታፍ ኣብ 2021 ብኢንተርነት ዝተኻየደ እዩ።
ኣብ 2019 ማሕበራዊ መጽናዕቲ ኤውሮጳ (European Social Survey) ዘሳተፎም ልዕሊ 44 ሽሕ ሰባት መሰረት ገይሩ ዝወጽአ ጸብጻብ’ውን፡ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ንላዕሊ ብዛዕባ ክሊማዊ ለውጢ ዝያዳ ስክፍታ ከም ዘለወን ደምዲሙ።
እቲ ኣብ መጽሄት ሳስቴይናቢሊቲ ዝወጽአ መጽናዕቲ ካብ ሞንጐ ዝሰርሑ ሙሁራት ፕሮፌሰር ሱዛን ክለይተን፡ ደቂ ኣንስትዮ ብቐጻሊ ልዑል ደረጃ ስክፍታ ዘርእያሉ ሓደ ምኽንያት፡ ብዛዕባ ስምዒታት ንምዝታይ ዝያዳ ግልጺ ብምዃነን እዩ ትብል።
“ደቂ ኣንስትዮ ብሓፈሻ ብዛዕባ ንስምዒታተን ዘርእይኦ ምላሽ (ለውጢ ክሊማ) ንምእማን ቅሩባት’የን። ስለዚ ብዛዕባ ስምዒታተን ዝግደሳ ይመስላ፤ ምስ ደቂ ተባዕትዮ ብምንጽጻር ድማ ብዛዕባኡ ንክዛረባ ዝያዳ ቅሩባት እየን” ትብል።
ብተወሳኺ፡ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ንላዕሊ ኣብ ህይወት ንዘጋጥም ጽልዋታት ዝያዳ ተቓላዕቲ ብምዃነን ገለ ደቂ ኣንስትዮ ብዛዕባ ለውጢ ክሊማ ዝያዳ ክጭነቓ ከም ዝኽእላ እውን ትዛረብ።
“ብተደጋጋሚ፡ ድሕሪ ጽንኩር ኩነታት ኣየር ወሰኽ ዘቤታዊ ዓመጽ ይርኣይ’ዩ። ሰባት ብሰንኪ ክሊማዊ ለውጢ ብዘይፍቓዶም ክመዛበሉ እንከለዉ ድማ፡ ደቂ ኣንስትዮ ንስግኣት ጾታዊ ዓመጽ ወይ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ዝተቓልዓ ይገብር” ትብል።
“ብተወሳኺ፡ ደቂ ኣንስትዮ መብዛሕትኡ ግዜ ብስነ-ልቦና ንለውጢ ክሊማ ተቓላዕቲ እየን። ስለዚ ልዑል ሙቐትን ብኽለት ኣየርን ኣብ እዋን ጥንሲ፡ ጽልዋ ክህልዎ ይኽእል'ዩ፤ ጥንሲ ድማ ንኣካላት ጓል ኣንስተይቲ ዝጸልወሉ መገድታት፡ ካብ ጽንኩር ኩነታት ክሊማ ንክትናገፍ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ክገብሮ ይኽእል” ብምባል ተረድእ።
ገለ መጽናዕትታት ድማ፡ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ንላዕሊ ምስ ለውጢ ክሊማ ብዝተኣሳሰር ሓደጋታት ናይ ምማት ተኽእሎአን ዝለዓለ ምዃኑ ይገልጹ።
ንኣብነት፡ ካብ 1983 ክሳብ 2009 ኣብ ባንግላድሽ ንዝነበሩ ህቦብላታት መሰረት ገይሩ ዝተኻየደ ሓደ መጽናዕቲ፡ ምስ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ ክነጻጸር እንከሎ ሓደጋ ሞት ደቂ ኣንስትዮ ከም ዝወሰኸ ይሕብር።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፓነል ለውጢ ክሊማ መንግስታት (IPCC)፡ ደቂ ሰባት ኣብ ምውሳኽ ጻዕቒ ገለ ህቦብላታት ኣበርክቶ ገይሮም ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ይገልጽ።
ፕሮፌሰር ክሌይተን፡ ገለ ኣብ ድኻ ሃገራት ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ድሕሪ ሓደ ፍጻመ ክሊማዊ ለውጢ ሓበሬታ ናይ ምርካብ ዕድለን ዝተሓተ እዩ ትብል።
ካብዚ ሓሊፉ፡ ናብ ውሑስ ቦታ ናይ ምጉዓዝ ተኽእሎአን ትሑት እዩ፣ ከምኡ’ውን ካብ ገዛእ ርእሰን ንላዕሊ ንድሕነት ካልኦት ቀዳምነት ናይ ምሃብ ሓልዮትን ሓላፍነትን ክህልወን ከም ዝኽእል ትገልጽ።
ዘይቀጥታውን ነዊሕ ዝጸንሕን ጽልዋታት ለውጢ ክሊማ ድማ ንጥዕና ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ክጎድእ ይኽእል።
“ገለ መጽናዕትታት፡ ስድራቤት ምስ ክሊማዊ ለውጢ ዝተኣሳሰር ቁጠባዊ ጸገማት ከጋጥማ እንከሎ፡ ኣቐዲመን ዝምርዓዋ ደቂ ኣንስትዮ ምዃነን የመልክቱ። ንኣብነት፡ ምናልባት ሕርሻ ብድርቂ ወይ ውሕጅ ኣብ ሓደጋ ክወድቕ ይኽእል'ዩ፤ ስለዚ ብሰንኪ ቁጠባዊ ጸገማት፡ ስድራቤታት ነተን ኣዋልድ ንዘይምቕላብ የመርዕውወን” ትብል እታ ፕሮፌሰር።
ኣብ 2022፡ ፓነል ለውጢ ክሊማ መንግስታት ንፈለማ እዋን ጸብጻብ ጽልዋታት ጥዕና ኣእምሮ ለውጢ ክሊማ ወግዓዊ ገይሩ።
ኣብዚ ዓመት ኣብ ዱባይ ዝካየድ ኣኼባ ኮፕ-28 ድማ ብዛዕባ ጥዕና ኣእምሮ ሓያሎ ዘተታት ከካይድ ትጽቢት ይግበር።
ልክዕ ከምቲ ኣካላዊ ጽልዋታት ለውጢ ክሊማ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ፡ ኣብ ኣእምሮ ዘስዕቦ ጽልዋታት እውን ትኹረት ክውስኽ ይግባእ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







