ትግራይ: ዝተኸዘነ ሰብኣዊ ሓገዝ እናቋመቱ ብጥምየት ዝሞቱ ነበርቲ

ረድኤት እተቋምት ሰበይቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ትግራይ: ካብ ከባቢታት ኣበርገለ ብሰንኪ ድርቂ ተፈናቒሎም ኣብ ከተማ የጭላ ተዓቊቦም ካብ ዝርከቡ ሰባት፡ እቶም 46 ብጥምየት ከምዝሞቱ ኣብ ቀረባ ዝወፅአ ጸብጻብ የመልክት።

ኣብታ ብሰንኪ እቲ ንክልተ ዓመታት ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት ብኣማኢት ኣሻሓት ዝቑጸሩ ተመዛበልቲ ዝርከቡዋ ትግራይ፡ ውዕል ሰላም ካብ ዝፍረም ድሕሪ ሓደ ዓመት እውን እንተዀነ፡ ብሰንኪ ድርቅን ምቁራጽ ዕደላ ሰብኣዊ ሓገዝን እቲ ሰብኣዊ ቅልውላው ቀጺሉ ኣሎ።

ኣብዚ ቕንያት ‘ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ መኻዚኖታት እናሃለወ ንምንታይ ሰብ ብጥሜት ይመውት?’ ዝብሉ ጎስጓሳት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ክስምዑ ቀንዮም።

ኣብ ትግራይ ብትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ዝተኸዘነ ምግቢ ከምዘሎ ዝገልጹ ሰብመዚ እቲ ክልል፡ ውሳነ እተን ትካላት ምጽባይ እምበር ብኢደ ወነኖም ክዕድሉ ከምዘይክእሉ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

መኽዘናት እኽሊ ዝቋመታ አዒንቲ

ኣብ መጀምርታ ወርሒ ሰነ 2015 ዓ.ም [ግእዝ]፡ ንጽጉማት ዝመጸ ሰብአዊ ሓገዝ ኣብዘይመዓልኡ ውዒሉ ብዝብል፡ ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ኤጀንሲ ዓለም ለኻዊ ልምዓት ኣመሪካን (ዩኤስኤኣይዲ) ፕሮግራም ምግቢ ዓለምን ኣብ ኢትዮጵያ ዕደላ ሰብኣዊ ሓገዝ ደው ምባሎም ዝዝከር እዩ::

ነዚ ውሳነ ስዒቡ፡ ኣብ ትግራይ ንዝሓለፉ ሸሞንተ ኣዋርሕ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዝተቋረጸ ዝገልጽ ሓላፊ ኮምሽን ምእላይ ስግኣት ሓደጋ ትግራይ ዶ/ር ገብረሂወት ገብረእግዚኣብሄር፡ “ዕደላ ምግቢ ካብ ዝቋረጽ ኣብ ትግራይ 1329 ሰባት ብጥምየት ሞይቶም” ይብል።

እቲ ሻቕሎት ዝገደደ ዝገብሮ ድማ ኣብ ብዙሓት ወረዳታትን ዞባታትን ኣብ ማኽዘናት ትካላት ረድኤት እኽሊ ምህላዉ ዝግልጹ ሓብሬታታት ምህላዎም እዩ። ነዚ እዩ ድማ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣዘራረቢ ኾይኑ ዘሎ።

ነዚ ዝምልከት ንዶ/ር ገብረህይወት ሓቲትናዮ።

“ኣብ ወረዳታትን ዞባታትን ዝተኸዘነ እኽሊ ኣሎ። ነዚ ዝኸዘኖ ድማ መንግስቲ ትግራይ ኣይኮነን። እዚ ናይ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ኮይኑ፡ ምግቢ ኣብ ዘይመዓልኡ ውዒሉ ኢሎም ዝኣገድዎ እዩ። እዚ ምስ መንግስቲ ትግራይ ዘራኽብ የብሉን። ምግቢ ኣብ ዘይመዓልኡ ስለዝወዓለ ክሳብ እነጻሪ ዝዕደል ምግቢ የለን ብምባል ኣጊዶምዎ። ናይ ትግራይ መንግስቲ ድማ ጣልቃ ኣትዩ ከከፋፍል ኣይኽእልን” ዝብል ምላሽ ሂቡ።

ኮይኑ ግና ናይ ክርስትያን ረሊፍ ሰርቪስ (ሲኣርኤስ) ዝተባህለ ገባሪ ሰናይ ትካል፡ እቲ እኽሊ ንምዕዳል ኣብ ስምምዕ ከምዝተበጸሐ እዩ ዝዛረብ።

“እኽሊ ኣብ ትግራይ እናሃለወ እዩ ህዝቢ ዝመውት ዘሎ። ክወሃብ ስለዘይተወሰነ።”

ስርቂ ሰብኣዊ ሓገዝ ብዝምልከት ምጽራይ ዘካየደ ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ብሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ሰራዊት ኤርትራን ኣመሓደርቲ ትግራይን ሰፊሕ ዘረፋ ሰብኣዊ ሓገዝ ምፍጻሙ ከምዘረጋገጸን ኣብዚ ተግባር ኣብ ልዕሊ ዝተሳተፉ ኣካላት መሓውሩ ስጉምቲ ከምዝወስድን ገሊጹ ነይሩ።

ኣብቲ እዋን 492 ጥርጡራት መርመራ ይግበረሎም ከምዘሎን፡ ኣብቲ ውዲት ተሳትፎ ዝነበሮም 198 ክሲ ከምዝተመስረተሎም ምግላጹ ይዝከር። እንተኾነ ዛጊድ ብጭቡጥ ዝተወስደ ስጉምቲ እንተሎ ንፁር ኣይኮነን::

ኤጀንሲ ዓለም ለኻዊ ልምዓት ኣመሪካን (ዩኤስኤኣይዲ)፡ ድሕሪ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘካየዶ ሰፊሕ ዘተን ምትዕርራያትን ካብ ዝመጽእ ወርሒ ጀሚሩ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ዝተቛረጸ ዕደላ ሰብኣዊ ሓገዝ ዳግም ከምዝጅምር ምገረላፁ ዝዝከር ኰይኑ፡ ኣፋፍኖት ተስፋ ፈጢሩ ይርከብ።

ድርቂ፡ ካልእ ፈተና

ዕደላ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ዝተቛረጸሉ፡ ኣብ ብዙሓት ከባቢታት ትግራይ ሓደጋ ድርቂ ከምዘጋጠመ እዩ ዶ/ር ገብረህይወት ዝገልጽ። እዚ ድማ እቲ ሓረስታይ ነቲ ዝተረኸበ ኣንጻራዊ ሰላም ተጠቒሙ ናብ ምህርቲ ክኣቱ ዝነበረ ተስፋ ኣጸልሚትዎ።

“ኣብ ሽሞንተ ወረዳታት ደቡብ ምብራቕ፣ ኣብ ሰለስተ ዞባታት ዞባ ምብራቕን ኣብ ዞባ ማእከል ድማ ከባቢ ኣበርገለን ብድርቂ ከምዝተጠቕዐ መንግስቲ ፌደራል ዝፈልጦን ብምኽትል ቀዳማይ ሚኒስተር ዝተገምገመን እዩ።

“ክልተ መዓልቲ ጥራሕ ዝዘነበሉ ከባቢ ኣሎ፤ ሰለስተ መዓልቲ ዝዘነበሉ ከባቢ ኣሎ። ምንም ዘይዘነበሉ ከባቢ እውን ኣሎ። ስለዚ ካብ 91 ወረዳታት እተን 31 ወረዳታትን 3 ዞባታትን ብድርቂ ተጠቒዐን እየን። ”

ካብዚ ብተወሳኺ 140 ሽሕ ሄክታር መሬት ንሰብ ይኹን ንእንስሳ ዝኸውን ምግቢ ከምዘየብቆለ ሓላፊ ኮምሽን ምእላይ ስግኣት ሓደጋ ትግራይ ዶ/ር ገብረሂወት ገብረእግዚኣብሄር ይዛረብ።

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ እንታይ ይሰርሕ ኣሎ?

ቅድሚ ኣዋርሕ ናብ ኣመሪካ ተጓዒዙ ዝነበረ ፕረዚደንት ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ፡ ጎና ጎኒ እቲ ኣብ ስርቂ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝካየድ ምርመራ ትካላት ረድኤት ሰብኣዊ ሓገዝ ክዕድሉ ንምርድዳእ ምስ ሰብ መዚ ዩኤስኤኣይዲ ክዘራረብ ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ።

ብተወሳኺ ትካላት ረድኤት ሓገዝ ምቕራብ ክሳብ ዝጅምሩ፡ እቲ ጊዝያዊ ምምሕዳር ውሱን ሓገዝ ከምዝገብር እውን ይገልፅ።

እቲ ምምሕዳር ብዓቕሙ ይሕግዝ ከምዘሎ እዩ ዶ/ር ገብረህይወት ዝዛረብ።

“ልዕሊ ህዝቢ ዝቕመጥ ትኹረት ዝግበረሉ ነገር የለን ኢሉ፡ ኩሉ ነገራት ገዲፉ 236 ሚልዮን ብር ዝግመት ሓገዝ ብጥረ ገንዘብን እኽልን ሂቡ እዩ። እቲ ሓገዝ ኣብ ካምፕ ንዝነብሩ ተፈናቐልቲ እዩ ተዋሂቡ።”

ኲናት ስዒቡ ዘጋጠመ ቅልውላው፡ ኣብቶም ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ብፍላይ ምዕራብን ደቡብን ትግራይ ተፈናቒሎም ኣብ ኣብያተ ትምህርትን ካልእን ዝተዓቖቡ ነበርቲ ዝኸፍአ ከምዝኮነ ጸብጻባት ይሕብሩ።