'ዋላ ሓንቲ ባኮ ሓገዝ ትኹን ዓባዪ ረብሓ ኣለዋ' ቢሮ ጥዕና ትግራይ

ሓኻይም ሆስፒታል ዓይደር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ዓለምለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ሰሉስ 15-11-2022 “ቅድሚ ኩሉ ህይወት ምድሓን” ክብል ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓፂር ሓበሬታ፡ መድሓኒታት ዝፀዓና መኻይን ናብ መቐለ ከምዝኣተዋ ኣፍሊጡ ነይሩ።

ቢቢሲ ዘዘራረቦ ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ዶክተር ኣማኑኤል ሃይለ፡ “ብደም ሰራውር ዝወሃብ ፈሳሲ [ኢንፊዩዥን]፣ ናይ ቁስሊ መሕጸቢን መሸፈኒን፣ ንናይ ዓጽሚ ስብራት መእሰሪ ዝኸውን [ጀሶ]፣ ጓንት ከምኡ'ውን ንሕክምና መጥባሕቲ ዘገልግሉን ንፊዝዮቴራፒ ዝሕግዙን ናውቲ ኣትዮም ኣለዉ" ኢሉ።

ኣብ መቐለን ከባቢኣን ናብ ዘለዋ ሆስፒታላት ንምክፍፋል ተሓሲቡ ከምዘሎ ብምሕባር "ንሕና እነከፋፍለሉ ነዳዲ ስለዘይብልና ባዕሎም ቀይሕ መስቀል ከከፋፍሉ ኢና ንሓቶም ዘለና” ክብል ነቲ ዘሎ ፀገም ገሊፁ።

ወሃቢ ቃል ዓለም ለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ጁድ ፉህንዊ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ “ዛጊድ እቲ ናይ ሕክምና ናውቲ ክበፅሖም ዝበልዮም 7 ሆስፒታላት ኣነፂርና ኣለና፤ ክሳብ ዓርቢ [18-11-2022] ክበፅሕ'ዩ" ክብል ተዛሪቡ ነይሩ።

“ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣጋጢሙና ዘሎ ቀንዲ ዕንቅፋት ምስቲ ክሳብ ሕጂ ናብቲ ክልል ዝበፅሕ ሰብኣዊ ቀረብ ክነጻጸር እንከሎ እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ጠለብ ኣዝዩ ዓቢ ምዃኑ እዩ። ስለዚ፡ ድሕሪ ሒደት መዓልታት ናብ ትግራይ ዝብገስ ካልእ ቃፍላይ ክህልወና እዩ” ክብል ጁድ ቀፃሊ ውጥን ትካሎም ሓቢሩ።

'ዋላ ሓንቲ ባኮ ትኹን'

“ብሚእቲ ኣሽሓት ዝቑጸር ህዝቢ ተመዛቢሉ ፎቖዶ ጎቦን ሽንጥሮን እዩ ዘሎ፤ ዓሶ ኣብ ዘለዎ ኸባቢ። ናይዞም ሰባት ኩነታት ምንም ዝፍለጥ ነገር የለን። ዝሕግዞም ዘይመንግስታዊ ትካል’ውን የለን። ኩሎም ናብኡ ንክኸዱ ኣይተፈቐደሎምን ዘሎ” ይብል ዶክተር ኣማኑኤል።

ኣብታ ክልል ካብ ዝርከባ ሆስፒታላትን ጣብያታት ጥዕናን ሕጂ’ውን መብዛሕትአን ስራሕ ኣይጀመራን ወይ መሊአን ኣይሰርሓን ዘለዋ።

ዘይመንግስታዊ ትካላት ሕጂ’ውን ተበጻሕነቶም ድሩት እዩ። እንተኾነ ግን ኣብታ ክልል ዘሎ ህዝቢ ኣዝዩ ህጹጽ መድሕን ህይወት ረድኤት ዘድልዮ እዩ።

“ናይ ኩሊት ሕሙማት ብጣዕሚ እዮም ዘሕዝኑ። ኣብ ከቢድ ኩነታት እዮም ዝርከቡ፤ ሞት’ውን የጋጥም ኣሎ። ነዚ ዝኸውን ናውቲ ሕክምና ኣብ ደገ ዝነብሩ ተጋሩ ብዝገበርዎ ሓገዝ ተገዚኡስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣሎ። ቀይሕ መስቀል ተቐቢሉ ከምጽአልና ንደሊና ኢና” ክብል ምሕፅንትኡ ኣቕሪቡ።

“ሰብ ክርድኦ ዘለዎ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝኾነ ይኹን ሓገዝ ንዓና፡ ዋላ ሓንቲ ባኮ ትኹን ዓባዪ ረብሓ ኣለዋ” ዝበለ ዶክተር ኣማኑኤል፡ እንተኾነ ግን እቲ ዝኣተወ ሓገዝ ምስ እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ድሌት ፈጺሙ ከምዘይመጣጠን ሓቢሩ።

ኣምቡላንስ ኣብ ሆስፒታል ዓይደር መቐለ

ምንጪ ስእሊ, MU

ቅድሚ እቲ ውግእ ምጅማሩ፡ ናይ ሕክምና ኣቑሑትን ካልኦት ቀረባትን ንምግዛእ ትግራይ ኣብ ዓመት ናይ ልዕሊ 1.2 ቢልዮን ቅርሺ በጀት ነይርዋ።

ምስኡ ክነጻጸር እንከሎ “ኣብ 2022 ትግራይ ጠቐላላ ካብ ዘድልያ 5 [ሚእታዊ] ጥራይ እዩ ነይሩ። ኣብ ከምኡ ዝበለ ሕማቕ ኩነታት እናሃለወ እዩ እቲ ውግእ [ዳግማይ] ተጀሚሩ። ምሉእ ብምሉእ ድማ ተቛሪፁ” ኢሉ።

ካብ ዓሚ መጋቢት ጀሚሩ ናይ ሕጻናት ክታበት ብዘይምህላዉ ብዙሓት ቆልዑ ንሓደጋ ተቓሊዖም ከም ዘለዉ ዝገለፀ እቲ ዶክተር "ቆልዑ ብዕድል እዮም ዝዓብዩ ዘለዉ" ክብል ንኽብደት እቲ ፀገም ኣረዲኡ።

ንሱ ከምዝበሎ፡ ቅድሚ እቲ ኲናት ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ነብሰፆር ኣደ ምስወለደት መድመይቲ ከየጋጥም ከምኡ'ውን እቲ ማህጸን ናብ ቦትኡ ንኽምለስ ዝወሃብ መድሓኒት ኣብ ኩለን ሆስፒታላት ትግራይ ከምሕጽረት ‘ውን ተላዒሉ ኣይፈልጥን።

ኣብዚ እዋን ግን እቲ መድሓኒት ከምዘየለ እዩ ገሊፁልና።

ናይ ኤችኣይቪ፣ ዓባይ ሰዓል፣ ዓሶ ብዙሕ ጠለባት ኣሎ፤ ዛጊት ግን ኣይመጸን። ናይ ላብራቶሪ፣ መንሽሮ፡ ንዘይተመሓላለፍቲ ሕማማት ዝውዕል፣ ናይ ሽኮር፣ ሕማማት ልቢ፣ ኩሊትን ጉበትን ዝበሉ ሕማማት ዝውዕሉ መድሓኒታት "ከምዘየለውን ከምዘይመጹን" ወሲኹ ሓቢሩ።

ብተወሳኺ ኣብ ከተማ ሽረ ዝርከቡ ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ካብታ ከተማ ወጻኢ ኣብ ዝርከቡ ከባቢታት ንዘሎ ህዝቢ ሓገዝ ክህቡ ከምዘይከኣሉ የረድእ።

ካብ ሽረ ወጺኦም ክኸዱ “ፍቓድ ከምዘይብሎም እየ ዝፈልጥ” ኢሉ።

ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝን ስምምዕ ፕሪቶሪያን

እቲ ኣብ ትግራይ ንክልተ ዓመት ዝቐጸለ ኲናት፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ሰፊሕ ምፍንቓልን ጥምየትን ዝርከቦ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላዉ ከምዘስዓበ ዝፍለጥ እዩ።

ብፍላይ ኣስታት 6 ሚልዮን ህዝቢ ክልል ትግራይ ህጹጽ መግብን መድሃኒትን ዝርከቦ ሰብኣዊ ሓገዝ ብህጹጽ ክበጽሖ ከምዘድሊ ትካላት ረዲኤት ይገልፁ።

ኣብ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰ ዳግማይ ምውላዕ ኲናት ካብ ዝውላዕ ኣትሒዙ፡ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ዕጽዋ ኣትዩ፡ ዝኾነ ረዲኤት ክበጽሖ ከምዘይጸንሐን ሚልዮናት ንሓደጋ ጥምየት ከምዝተቓልዑን ክግለፅ ፀኒሑ’ሎ።

ህፃናት መግቢ እናተቐበሉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕቲ ትግራይን ኩነታት ናብ ንቡር ንምምላስ ስምምዕ ቀዋሚ ምቁራጽ ተጻብኦታት ኣብ ዝገበሩሉ እዋን ካብ ሞንጎ ዝተረዳዱኡሎም ነጥብታት እቲ ሓደ ሰብኣዊ ረዲኤት ናብ ህዝቢ እቲ ክልል ምብጻሕ ዝብል ነይሩ።

"ዘይተገደበ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምሃብ ምትሕብባር" ከምኡ'ውን "ንኹሉ ዝቐርብ ሰብኣዊ ሓገዛት ብኣፍልጦን ምክትታልን መንግስቲ ከምዝኸውን" ዓንቀጽ 5 ውዕል ፕሪቶርያ የቐምጥ።

ብተወሳኺ እቲ ኣብ ናይሮቢ ዝተፈረመ ውዕሊ "ሰራሕተኛታትን ትካላትን ሰብኣዊ ረድኤት ብዝሓትዎ መሰረት ውሕስነት ድሕነት ክወሃቦም" ከምዝግባእ ይገልጽ።

ድሕሪ እዞም ስምምዓት፡ ህይወት ኣድሕን ሰብኣዊ ረድኤት ብዘይገለ ገደብ ናብ ክልል ትግራይ ክኣትው ትፅቢት ክግበረሉ ጸኒሑ'ዩ።

ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን፡ ሓገዝ "ልዕሊ ዝኾነ እዋን ሎሚ ይውሕዝ ኣሎ" ክብል ምግላጹ ይዝከር።

ብተወሳኺ፡ ንቐረብ ሓገዝ ብዝምልከት "ዝኾነ ይኹን ዕንቅፋት" ከምዘየለን ኣብ ሓይልታት ትግራይ ዝቖጻጸርዎም ከባቢታት ከይተረፈ ሓገዝ ይውሕዝ ከምዘሎ ኣመልኪቱ ነይሩ።

ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ግን፡ ኣባል ላዕለዋይ መሪሕነት ህወሓት ኣይተ ጌታቸው ረዳ ክሳብ 13 ሕዳር 2022 ናብ ክልል ትግራይ ዝኣተወ ሓገዝ ከምዘየለ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብዚ ሰሙን ሰሉስ 15 ሕዳር 2022 ንባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ መንግስቲ በቲ ኲናት ንዝተሃስዩ ከባቢታት ብዝምልከት ሰለስተ ስጕምትታት ይወስድ ከምዘሎ ምግላጹ ዝዝከር እዩ። ሰብኣዊ ሓገዝ ብምቕራብ፡ መሰረተ ልምዓት ብምህናፅን ተመዛበልቲ ብምምላስን ከምዝፍጸም ድማ ጠቒሱ።

ክንደይን እንታይን ሓገዝ ናብ ትግራይ ኣትዩ?

ኣብዚ ሰሙን፡ ከም ዓለም ለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያን ፕሮግራም መግቢ ዓለም ዝኣመሰሉ ዓለምለኸ ትካላት፡ ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ረድኤት ከምዝኣተወ ምግላጾም ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ምጽብጻበን ይፍለጥ።

ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ፌደራልን መራሕቲ ትግራይን ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ ድሕሪ ምፍራሙ፡ ኣዝዩ ኣገዳሲ ሓገዝ መግቢ ዝጸዓና ቃፍላይ መኻይን ናብ ትግራይ ክልእኽ ከምዝጀመረ ገሊጹ ነይሩ።

ብቐንዱ 600 ቶን [6000 ኩንታል] ስርናይ፣ ፓርሰላትን ዘይትን ዝጸዓና ክልተ ኮንቮይ ከምዝሰደዱ ኣብ ኢትዮጵያ ወኪል ውድብ መግቢ ዓለም ክላውድ ጅቢዳር ንቢቢሲ ገሊጹ።

“ብዙሓት ካብዞም ሰባት ንሓያሎ ኣዋርሕ ዘላቒ ሓገዝ ክረኽቡ ኣይከኣሉን” ክብል ድማ ተዛሪቡ።

እቲ ግጭት ኣብ ነሓሰ ካብ ካብ ዝሕደስ ኣትሒዙ ናብ ትግራይ ዝልእኾ ሓገዝ ተቛሪጹ ከምዝነበረ እቲ ወኪል ወሲኹ ሓቢሩ።

እቲ ትካል ኣብ ናይ ቀረባ እዋን ገምጋሙ ከምዘመልከቶ፡ ዳርጋ 90 ሚኢታዊት ካብ ህዝቢ ትግራይ ህፁፅ ሓገዝ መግቢ የድልዮ።

ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ

ምንጪ ስእሊ, ICRC ETHIOPIA

ብተወሳኺ ሲሶ ካብቶም ትሕቲ 5 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናትን ከምኡ’ውን ካብ ክልተ 1 ነፍሰጾርን ጡብ ዘጥብዋን ደቂ ኣንስትዮ ብሕጽረት መግቢ ዝተጠቕዑ እዮም።

ዓለምለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል'ውን ኢትዮጵያ ሰሉስ 15-11-2022 “ቅድሚ ኩሉ ህይወት ምድሓን” ክብል ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓፂር ሓበሬታ፡ መድሓኒታት ዝፀዓና መኻይን ናብ መቐለ ከምዝኣተዋ ኣፍሊጡ ነይሩ።

“ፈላማይ ቀረብ ረድኤት ዝሓዘ ቃፍላይ ናብ መቐለ በፂሑ ኣሎ” ክብል ድማ እቲ ዓለምለኻዊ ትካል ሰብኣዊ ሓገዛት ገሊፁ።