ኣመሪካ ኣብ ሶርያ ኣብ ልዕሊ እስላማዊ መንግስቲ መጥቃዕቲ ፈጺማ

ምንጪ ስእሊ, US Central Command
ኣመሪካን መሻርኽታ ሓይልታትን ኣብ ሶርያ ኣብ ልዕሊ ጉጅለ እስላማዊ መንግስቲ (ኣይኤስ) ሰፊሕ መጥቃዕቲ ከምዘካየዱ ማእከላይ እዚ ኣመሪካ (ሴንትኮም) ኣፍሊጡ።
ሴንትኮም፡ ነቲ ብ13 ታሕሳስ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ኣመሪካ ኣብ ሶርያ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሕነ ንምፍዳይ ምዃኑ ኣብ ኤክስ ጽሒፉ።
እቲ ኣካል ሃውከይ ስትራይክ ዝዀነ መጥቃዕቲ ትማሊ ቀዳም ዝተፈፀመ ኰይኑ፡ ብፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝተኣዘዘ እዩ።
ሴንትኮም፡ እቲ መጥቃዕቲ ግብረሽበራ ንምምካትን ኣብቲ ዞባ ንዝርከቡ ሓይልታት ኣመሪካን መሻርኽታን ንምክልኻልን ከምዝተኻየዱ ሓቢሩ።
"መልእኽትና ሓያል እዩ፡ ንወተሃደራትና እንተጎዲእኹም፡ ዋላ ካብ ፍትሒ ክትሃድሙ እንተፈተንኩም፡ ኣብ ዘለኽምዎ ረኺብና ክንቀትለኩም ኢና" ይብል ሴንትኮም።
ኣመሪካን መሻርኽታ ሓይልታትን ልዕሊ 20 ነፈርቲ ኣብ ዘሳተፈ ስርሒት፡ ልዕሊ 90 ዒላማኦም ዝሃረሙ ተተኮስቲ ናብ ልዕሊ 35 ቦታታት ከምዝተኮሱ፡ ሓደ በዓል ስልጣን ኣመሪካ ንሲቢኤስ ኒውስ ሓቢሩ።
እቲ በዓል ስልጣን ወሲኹ፡ ኤፍ-15ኢ፡ ኤ-10፡ ኤሲ-130ጀይ፡ ኤምኪዩ-9ን ጆርዳንያን ኤፍ-16ን ዝርከብኦም ነፈርቲ ኣብቲ መጥቃዕቲ ከምዝተሳተፋ ገሊጹ።
እቲ መጥቃዕቲ ዝተኻየደሉ ቦታን ስፍሓትን ከምኡ'ውን ዝበጽሐ ጉድኣት ብዝምልከት ዝርዝር ሓበሬታ ኣይተወሃበን።
"ፈጺምና ኣይንርስዖን ኢና፡ ፈጺምና ድማ ኣይንሕለልን" ክብል ጸሓፊ ምክልኻል ፒት ሄግሰት ነቲ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ብምጥቃስ ኣብ ኤክስ ጽሒፉ።
ምምሕዳር ትራምፕ፡ ንመጀመርያ ግዜ ብዛዕባ ስርሒት ሃውከይ ስትራይክ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ እዩ ኣፍሊጡ። እዚ ዝዀን ዘሎ፡ ሓደ ዕጡቕ ኣይኤስ ኣብ ማእከል ሶርያ ኣብ እትርከብ ፓልሚራ ኣብ ዝተኻየደ ድብያ ክልተ ወተሃደራት ኣመሪካን ሓደ ሲቪላዊ ተርጓሚ ኣመሪካን ድሕሪ ምቕታሉ እዩ።
ሄግሰት ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ነቲ ስርሒት ኣብ ዝገለጸሉ እዋን፡ "እዚ መጀመርታ ኲናት ኣይኰነን - ኣዋጅ ሕነ ምፍዳይ'ዩ" ኢሉ ነይሩ።
"ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ፕረዚደንት ትራምፕ እትርከብ ኣመሪካ፡ ንህዝብና ንምክልኻል ድሕር ኣይትብልን፡ ፈጺማ ኣይትሕለልን።"
ቅድሚ እቲ ብቀዳም ዝተኻየደ መጥቃዕቲ፡ ሓይልታት ኣመሪካ ኣብ መንጎ 20ን 29ን ታሕሳስን ኣብ 11 ተልእኾታት ኣስታት 25 ኣባላት ጉጅለ ኣይኤስ ከም ዝቐተሉ ወይ ከም ዝማረኹ ሴንትኮም ገሊጹ'ሎ።
ኣብቲ ብ19 ታሕሳስ ዝተኻየደ ቀዳማይ ተልእኾ ናይቲ ስርሒት፡ ሓይልታት ኣመሪካን ዮርዳኖስን ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ኣይኤስ "ሰፊሕ መጥቃዕቲ" ፈጺሞም።
ነፈርቲ ውግእ፡ ሄሊኮፕተራትን መዳፍዕን ብምውፋር፡ "ኣብ መላእ ማእከላይ ሶርያ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ልዕሊ 70 ዒላማታት" ከምዝወቕዑ ሴንትኮም ሓቢሩ።
ኣብቲ ስርሒት፡ "ልዕሊ 100 ዒላምኦም ዝሃረሙ ተተኮስቲ ከምዝተቖጽረ" ዝገለጸ ኰይኑ፡ ንዝፍለጡ ትሕተ ቅርጽን ቦታታት ኣጽዋርን እቲ ጉጅለ ዒላማ ዝገበረ ነይሩ።
ሶርያ ኣብ ታሕሳስ 2024 ስርዓት ፕረዚደንት በሽር ኣል ኣሳድ ካብ ካብ ዝእለ ኣትሒዛ ኣብ ኣሰካፊ ኵነታት እያ ጸኒሓ።
ኣብ ቃልሲ ኣቡ መሓመድ ኣል ጆላኒ ብዝብል ዝፍለጥ ኣሕመድ ኣል-ሻራ፡ ዓመጽቲ ጉጅለኡ ንኣሳድ ካብ ስልጣኑ ዝኣልዩ ንደሓር ፕረዚደንት እታ ሃገር ኰይኑ ከገልግል ጸኒሑ'ዩ።
ኣይኤስ ኣብ ሶርያ ተዳኺሙ'ኳ እንተነበረ፡ ሕጂ'ውን ንጡፍ ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ። ብቀንዱ ድማ ኣብ 2025 ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ኣብ ልዕሊ ብኩርዳውያን ዝምራሕ ሓይልታት መጥቃዕቲ ኣካይዱ'ዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







