‘ወተሃደራት ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ክሳብ ዝሃለዉ ዕጥቅና ኣይንፈትሕን'- ጌታቸው ረዳ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ክሳብ ዝሃለዉ ዕጥቆም ከምዘይፈትሑ ሓደ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ህወሓት ተዛሪቡ።
ኣቶ ጌታቸው ረዳ ምስ መደብ ቢቢሲ 'ሪል ስቶሪ' ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትት፡ ‘ወተሃደራት ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ክሳብ ዝሃለዉ ዕጥቅና ኣይንፈትሕን ዲኻ ትብል ዘለኻ?’ ዝብል ሕቶ ምስ ቀረበሉ “እወ። እቲ ስምምዕ ከምኡ እዩ” ብምባል መሊሱ።
ብመሰረት ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝፈረምዎ ስምምዕ ሰብኣዊ ረዲኤት ንልዕሊ 6 ሚልዮን ህዝቢ ክበጽሕ ይጽበዩ ከምዘለዉ'ውን ሓቢሩ። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ሰብኣዊ ደገፍ ናብቲ ክልል ክኣቱ ጀሚሩ'ሎ።
ብዘይካ'ዚ፡ ብድሕሪ’ቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተፈረመን ኣፈጻጽምኡ ብዝምልከት ኣብ ኬንያ ውዕሊ ዝተኣተወሉን ስምምዕ ሰላም፡ ሰራዊት ኤርትራ "ሰፊሕ ግፍዕታት ይፍጽም ኣሎ" ክብል'ውን ኣቶ ጌታቸው ከሲሱ'ሎ።
"ኣብዛ ንዘራረበላ ዘለና ሰዓት እውን ሰፊሕ ዝምታ፣ ዕንወት ንብረትን ቅትለት ሰላማውያን ሰባትን ኣሎ” ክብል ኣብቲ ትማሊ ዘካየዶ ተወሳኺ ቃለመሕትት ጠቒሱ።
ብሰንኪ ምቁራጽን ምግዳብን መስመራት መራኸቢታት ቢቢሲ ነቲ ክስታት ብናጻ ኣካል ከረጋግጾ ኣይከኣለን።
ሰብመዚ ኤርትራ ሓይልታቶም ኣብ ትግራይ ግፍዕታትን ከቢድ ምግሃስ ሰባዊ መሰላትን ፈጺሞም ንዝብል ጸብጻባት ክነጽግዎ ጸኒሖም'ዮም።
ኣብቲ ኲናት ዝተሳተፉ ኩሎም ሓይልታት ምግሃስ መሰላት ከምዝፈጸሙ ሕቡራት ሃገራትን ኮሚሽን ሰባዊ መሰላት ኢትዮጵያን ዝርከብዎም ተሓለቕቲ መሰላት ይገልጹ።
ኣቶ ጌታቸው፡ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ዘለውሉ ይኹን እቲ ግፍዕታት ዝተፈጸመሉ ቦታታት ግን ብንጹር ኣይጠቐሰን።
ኤርትራ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ብምድጋፍ ሓይልታታ ኣብቲ ንኣስታት ክልተ ዓመታት ዝተኻየደ ኲናት ትግራይ ከተሳትፍ ምጽንሓ ይፍለጥ።
ሰበስልጣን ኤርትራ ህወሓት ኣብ ልዕሊኦም መጥቃዕቲ ክፍጽም መደባት ስለዝነበሮን ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ንምድጋፍን ኣብቲ ኲናት ሓድሕድ ኢዶም ከምዘእተዉ'ዮም ዝዛረቡ። መራሕቲ ህወሓት ነቲ ንመግለጺ ሰብመዚ ኤርትራ ኣይቅበልዎን'ዮም።
ኣመሪካ፡ ምስቲ ጉዳይ ብዝተሓሓዝ ኣብ ልዕሊ ላዕለዎት ሓለፍቲ ጸጥታ ዝርከብዎም ሰበስልጣንን ሰራዊትን ኤርትራ እገዳ ምንባራ ይፍለጥ።
ሓይልታት ትግራይ ፈጺሞሞ ንዝብሃል ምግሃስ መሰላት ብናጻ ኣካል ክምርመር ፍቓደኛታት ምዃኖም'ውን ኣቶ ጌታቸው ገሊጹ'ሎ።
ኣብቲ ብ2 ሕዳር ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓት ዝተፈረመ ስምምዕ ቀዋሚ ምቁራጽ ተጻብኦታት፡ ሓይልታት ትግራይ ዕጥቆም ከውርዱ ህወሓት ምፍራሙ ይዝከር።
ላዕለዎት ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ክልቲኦም ወገናት ብ12 ሕዳር ኣብ ናይሮቢ ዝፈረምሉ ኣዋጅ ድማ " ምውራድ ከበድቲ ኣጽዋራት [ሓይልታት ትግራይ]፡ ሓይልታት ወጻኢ ከምኡ’ውን ካብ ሓይሊ ምክልኻል ፈደራል ወጻኢ ዝዀኑ ሓይልታት ካብቲ ክልል ኣብ ዝወጽኡሉ ሓቢሩ ዝፍጸም'ዩ" ይብል።
ብወገን ህወሓት፡ እቲ ኣብቲ ስምምዓት ስሙ ዘይተጠቕሰ "ናይ ወጻኢ ሓይሊ ናይ ኤርትራ’ዩ ዝብል እምነት ኣለና" ክብሉ ገሊጾም ኣለዉ።
ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ዶክተር ለገሰ ቱሉ ብትዊተር ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ "ካብ [ሰራዊት] ምክልኻል ወጻኢ ዘለዉ ሓይልታት ክወጹ'ዮም ዝብል ቅኑዕ'ዩ" ከምዝበለ ይፍለጥ።
ሓይልታት ትግራይ "ዕጥቆም ፈቲሖም ናብ ተሓድሶ እንተ ኣትዮም [ናይ ወጻኢ ሓይልታት] ኣብኡ እንታይ ዘጽንሕ ኣለዎም" ክብል’ውን ኣነፂሩ።
“እቲ ስምምዕ መንግስቲ [ፌደራል] እቶም ናይ ደገ ሓይልታት ከምኡ’ውን ኣካል ሰራዊት ምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያ ዘይኮኑ ካልኦት ሓይልታት ካብ ትግራይ ምውጽኦም ከረጋግፅ ሓላፍነት ዝህብ’ዩ” ክብል ገሊፁ።
ሓይልታቶም ዕጥቂ ኣልዒሎም ክቃለሱ ዝፀንሑሉ ምኽንያት ድሕነትን ውሕስናን ህዝቦም ንምርግጋፅ ከምዝነበረ ዝጠቐሰ ኣይተ ጌታቸው፡ “እዚ ድሕነትን ፀጥታን ብዝኾነ ይኹን መገዲ ክሳብ ዝተረጋገፀ ግን ከበድቲ ኣፅዋርን ታንክን ክንዓጥቕ ድልየትና ኣይኮነን” ኢሉ።
መንግስቲ ኤርትራ ብዛዕባ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ይኹን፡ እዋናዊ ሃለዋት ሰራዊቱ ኣብ ትግራይ ዝሃቦ ወግዓዊ መግለጺ የለን።
ተሓታትነት
ኣብቲ ክልተ ዓመት ዝመልኦ ኲናት ሓድሕድ ብኹሎም ተፃባእቲ ወገናት ግፍዕታትን ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላትን ከምዝተፈጸሙ ዓለምለኻውያን ትካላት ሰብኣዊ መሰለት ይገልፁ።
ብዙሓት ሰላማውያን ሰባት ብዕጡቓት ክቕተሉ ከለዉ፤ ኣብ ልዕሊ ደቂኣንስትዮን ህፃናትን እውን ፆታዊ ግህሰት ብስፍሓት ከምዝተፈፀመ ፀብፃባት የመልክቱ።
ሓይልታት ትግራይ እውን ግፍዕታት ከምዝፈጸሙ ንዝገልጽ ጸብጻባት ዓለምለኸ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ “ብናትና ሰራዊት ዝተፈጸመ ግፍዕታት ከምዘሎ ክስታት ይቐርብ እዩ። ንሕና ግን ካብ ፈለማ ኣትሒዝና ዘይሻራዊ ኣካል ንከፃርዮ ድልዋት ከምዝኾንና ኢና ብቐጻሊ ንገልፅ ዝነበርና” ኢሉ።
ሓይልታቶም ነቶም ገበናት ከምዝፈጸሙ ዘረጋፅ መረዳእታ እንተሃልዩ ንምርመራ ድልዋት ከምዝኾኑ ኣፍሊጡ።
“ሓደ ነገር ከረጋግፀልካ ዝድልዮ ግን ወተሃደራትና ስልታዊ ብዝኾነ መገዲ ዝፈጸምዎ ገበን ኲናት የለን። ብደረጃ ውልቀሰባት ዝፍጸም ግን ክህልው ይኽእል እዩ። ንሕና ብውልቀና’ውን እንተኾነ ንምርመራ ድልዋት ኢና” ክብል ተዛሪቡ።
ብወገን ሓይልታቶም ገበናት ኲናት ዝፈጸሙ ምህላዎም ብመረዳእታ እንተተረጋጊጹ ናብ ቅድሚ ፍትሒ ንምቕራብ ድልዋት ከምዝኾኑ ኣብቲ ምስ ቢቢሲ - ‘ዘ ሪል ስቶሪ’ ዝገበሮ ፃንሒት ኣረጋጊፁ።
ሰራዊት ኢትዮጵያን ሓይልታት ኣምሓራን'ውን፡ ቅትለትን ጾታዊ ዓመጽን ዝርከብዎ ምግሃስ መሰላት ፈጺሞም ተባሂሎም ይኽሰሱ።
ኣብቲ ኲናት ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሲቪላውያን ዝርከብዎም ሰባት ከምዝቐትሉ ይንገር።
ሰብኣዊ ቅልውላው ብዝምልከት

ምንጪ ስእሊ, OCHA
ኣይተ ጌታቸው ከምዝበሎ፡ ቅድሚ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣቢሉ ኣብ ዝነበረ እዋን 6 ሚልዮን ህዝቢ ትግራይ ረድኤት የድልዮ ነይሩ።
“ኣብዚ እዋን ቁፅሪ ኣብ ትግራይ ረድኤት ዘድልዮም ሰባት ልዕሊ 6 ሚልዮን ኮይኑ’ሎ። ብሰንኪ እቲ ኲናት ከኣ 1.5 ሚልዮን ተወሰኽቲ ሰባት ካብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ስለዝተፈናቐሉ እቲ ኩነታት ከቢዱ እዩ” ኢሉ።
ቁፅሪ ናይቶም ተፀበይቲ ሓገዝ ዝኾኑ ሰባት ይውስኽ ምህላዉ ጥራይ ዘይኮነስ፡ እቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ቅልውላው ምፅዋር ካብ ዝከኣል ንላዕሊ ይሓስም ምህላዉ ኣረዲኡ።
"ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ህዝብና ክበጽሕ ምግባር ኣካል እቲ ስምምዕ ስለዝኾነ ትካላት ረድኤት ዝገብርኦ ሓገዛት ክንጽበ ኢና” ኢሉ።
ኣብዚ ሰሙን'ዚ፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ገለ ከባቢታት እቲ ክልል ክኣቱ ከምዝጀመረ ሕቡራት ሃገራትን ዓለምለኻዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀልን ኣፍሊጦም ኣለዉ።
ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ ናይ መግቢ ሓገዝ ዝጸዓና መካይን ፕሮግራም መግቢ ዓለም ሕቡራት ሃገራት ናብ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ከምዝኣተዋ ብረቡዕ ምግላፁ ይዝከር።
እቲ ትካል ብትዊተር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ብመስመር ጎንደር ዝኣተወ ቃፍላይ ድሕሪ ሰነ 2021 ንፈለማ እዋን ዝኣቱ ዘሎ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ተወሳኺ መግቢ፡ መኣዛዊ ትሕዝቶ ዘለዎ መግቢ፡ ሕክምናዊ ነገራት ዝሓዘ ጽዕነታት ድማ ኣብ ቀረባ እዋን ብኹሉ ዝክኣል መስመራት ክስዕብ'ዩ" ክብል ሓቢሩ ነይሩ።
ክልቲኦም ትካላት ናብ ከተማ ሽረ ናይ ፈተነ ሰብኣዊ በረራታት ከምዘካየዱ'ውን ገሊጾም ኣለዉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







