'ኤርትራ ንዞባዊ ምርግጋእ ከይትዕንቅፍ ምግባር ረብሓ ኣመሪካ'ዩ'-ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ

ባንዴራ ኤርትራን ኣመሪካን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ረብሓ ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ፡ ኣብቲ ዞባ ዘይምርግጋእ ከይፍጠር ዘጠቓለለ ምዃኑ ኣመሪካ ገሊጻ።

ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ኣብ ዘውጽኦ ሓድሽ ናይ ፖሊሲ ሓበሬታ፡ ደሞክራስያዊ ባህሊ ኣብ ኤርትራ ከምዝህሉ ምግባር ኣካል ፖሊሲ ኣመሪካ ምዃኑ ይጠቅስ።

"ኤርትራ ንዞባዊ ምርግጋእ ከይትዕንቅፍ ምግባር ኣካል ረብሓ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ" እዩ።

"ደሞክራስያዊ ባህሊ ንምትካል ክትግስግስ ምጽዋዕ፡ ሃይማኖታዊ ናጽነት ዝርከቦም ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝፍትሑ ምግባርን" ኣካል ፖሊሲ ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ ምዃኑ እቲ ጽሑፍ የነጽር።

ሰብመዚ ኣመሪካ፡ ኤርትራ ናይ ሕልና እሱራት ከትፈትሕን፡ ኣብ 1997 ዝተነድፈ ቅዋም ክትግበርን ክጽውዑ ጸኒሖም'ዮም።

ኣብታ ሃገር "ቁጠባዊ ጽገናታትን ብልጽግናን ምድፍንፋዕ'ውን" ረብሓ ኣመሪካ ምዃኑ ይገልጽ።

"ብጠለብ መንግስቲ ኤርትራ መሰረት፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንኤርትራ እትህቦ ደገፍ የለን" ይብል እቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ዝሰፈረ ጽሑፍ።

ኤርትራ ምስ ጎረባብታ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ናብ ወተሃደራዊ ረጽሚ ዘምርሐ ምስሕሓባት ከምዝጸንሓ ዝጠቅስ ሰነድ ፖሊሲ ኣመሪካ፡ ምስታ ሃገር ወተሃደራዊ ዝምድና ከምዘይብሎም የነጽር።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኤርትራ እቲ ምስ ጎረባብታ ዝነበራ ናብ ግጭት ዘምረሐ ዶባዊ ምስሕሓባት "ብቡራኬን ቀጥታዊ ምትእትታው ዋሽንግቶን" ዝተሳወረ'ዩ ብምባል፡ ኣመሪካ ንኤርትራ "ጅሆ" ክትሕዛ ትህንቅን ምንባራ ብቐጻሊ ከተማርር'ያ ጸኒሓ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ብሰንኪ ምትእትታው ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ኲናት ትግራይ፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝጸንሐ፡ ንዝተወሰነ እዋን ክመሓየሽ ተስፋ ዝተገብረሉ ሓርፋፍ ዝምድና እናኸረረ ምምጽኡ ይፍለጥ።

ብሰንኪ'ዚ ኣብ ሕዳር 2021፡ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ህግደፍን ንግዳዊ ትካላቱን፡ ከምኡ'ውን ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ እገዳታት ከምዘንበረ'ውን ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ጠቒሱ'ሎ።

ብዘይካ'ዚ ኣብ ልዕሊ፡ ጠቕላሊ-ሓለቓ-ስታፍ ሰራዊት ኤርትራ ዝኾነ ጀነራል ፊልጶስ ወልደየውሃንስ፡ ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት ብ/ጀነራል ኣብርሃ ካሳ ነማርያምን ሓላፊ ቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ ሓጎስ ገብረሂወት ወልደኪዳንን እገዳ ኣንቢራ ነይራ።

ኤርትራ ብወገና፡ ኣመሪካ ኣንጻራ ክትሰርሕ ከምዝጸንሐት ብምኽሳስ፡ ኣብቲ ዞባ ዘይምርግጋእ ክፍጠር ኢድ ከምዘለዋ'ያ ትኸስስ።

ተቐናቐንቲ ሓይልታት ኲናት ትግራይ ኣብ ፈለማ ናይዚ ወርሒ ስምምዕ ሰላም ድሕሪ ምፍራሞም፡ ጉዳይ ናይታ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምስላፍ ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ክትዋጋእ ዝጸንሐት ኤርትራ መልሲ ዘይተረኽበሉ ሕቶታት ኣለዓዒሉ ይርከብ።

ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ቅድሚ ሒደት መልታት፡ ድሕሪ'ቲ ስምምዕ ሰላም ብትዊተር ኣብ ዘውጽኦ ርእይቶ፡ ኣብቲ ዞባ ሰላም ክሰፍን'ዩ ክብል ኣሚቱ።

"ቀዋሚን ዘይቅልበስን ሰላም ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝደልዮ እዩ፣ ይቐርብ’ውን ኣሎ። እዚ ኸኣ፡ ኣካል ታሪኻዊ ስምምዕ ሰላም ኤርትራን-ኢትዮጵያን 2018 እዩ" ይብል የማነ ገብረመስቀል።

ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ቅትለትን ጾታዊ ዓመጽን ዝርከቦ ምግሃስ መሰላት ፈጺሞም ተባሂሎም ይኽሰሱ። ሰብመዚ ኤርትራ ግን ነቲ ክስታት ይነጽግዎ።

ሕቡራት ሃገራት ዝርከቦም ተሓለቕቲ ሰባዊ መሰላት፡ ኩሎም ተጻባእቲ ወገናት ናይቲ ኲናት ምግሃስ መሰላት ከምዝፈጸመ ይኸሱ።

ኣመዓባብላ ዝምድና ኤርትራን ኣመሪካን

ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ፈልትማን ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ፡ ግንቦት 2021

ምንጪ ስእሊ, YEMANE G. MESKEL/TWITTER

ንመጀመርታ እዋን ኣብ ሰነ ናይቲ ዓመት ኣብ ኣስመራ ቤት ጽሐፈት (ቆንስል) ብምኽፋት ዝጀመረ ፕሎማስያዊ ርክብ ኣመሪካ ምስ ኤርትራ ኣብ ታሕሳስ 1993 ናብ ምኽፋት ኤምባሲ ተሰጋጊሩ።

እንተኾነ ግን፡ ብፍላይ ካብ 2001 ጀሚሩ እንናሓርፈፈ ዝመጸ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ነቲ ብደረጃ ኣምባሳደር ዝነበረን ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ናብ ደረጃ ፈጸምቲ ጉዳያት (ቻር ዲ ኣፌርስ) ኣውሪድዎ።

ጠንቂ ምሕርፋፍ ናይቲ ዝምድና፡ እቲ ኣብ ኤርትራ ካብ 2001 ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ ፓለቲካዊ ተቓውሞኦም ዘስምዑ ዜጋታት ዝተወስደ ናይ ምእሳር ስጉምቲ፡ ምዕጻው ናይ ብሕቲ ጋዜጠኛታትን፡ ምድራት ሲቪላዊ መሰላትን ምግሃስ መሳባዊ መሰላትን ምዃኑ ኣመሪካ ክትገልጽ ጸኒሓ'ያ።

ኣብ መስከረም 2005 ክልተ ኤርትራውያን ሰራሕተኛታት ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣስመራ ክሳብ ሎሚ ኣብ ቀይዲ ምህላዎም ይንገር።

ኤርትራ ብወገና፡ ቅድሚ'ዚ ዘሎ ምምሕዳር ኣመሪካ ዝነበሩ ሰለስተ ምምሕዳራት ኣብ ጉዳያ ኢድ ብምእታው ኣንጻራ ይሰርሑ ከም ዝነበሩ ክትከስስ ጸኒሓ።

ኣብ 2010 ድማ እቲ ንመወዳእታ ግዜ ኣብ ኣስመራ ዝነበረ ኣምባሰደር ኣመሪካ ክወጽእ ተጌሩ።

ድሒሩ'ውን ናይ ቪዛ ኣገልግሎት ምሃብ ኣቋሪጽዎ ከም ዝነበረ ይዝከር።

ኣብ ኤርትራ ካብ 2009 ጀሚሩ ጸኒዑ ዝጸንሐ ናይ ኣጽዋር እገዳ ክግበር ኣመሪካ ብምድጋፋ'ውን ነቲ ዝነበረ ዝምድና መሊሱ ከም ዘጋደዶ ይንገር። እቲ እገዳ ኣብ መወዳእታ 2018፡ ንስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን ኤርትራን ኢትዮጵያን ስዒቡ ከምዝተሰረዘ ይዝከር።

ብዘይካ'ዚ፡ ኣብ መጋቢት 2017 ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ናይ ባዕላ ማዕቀብ ምንባራ ንመንግስቲ ኤርትራ ዘቖጠዐ'ዩ ነይሩ።"

ንምርድኡ ዘጸግምን ዘይምኽኑይ ተወሳኺ ስጉምቲ...ዘይሃናጺ መሰረት ሕግን ሕጋውነት ዘይብሉ ኣረጊት ጸወታ'ዩ" ብምባል'ውን ግብረመልሲ ሂቡሉ ነይሩ።

ይኹን'ምበር ካብ 2017 ጀሚሩ ኣብ መንጎአን ዝነበረ ርክብ ክመሓየሽ ተራእዩ። ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ዝነበራ ኩነተ-ኲናት ከብቅዕ ብምስምምዓ ዲፕሎማስያዊ ዝምድንአን ናብ ንቡር ናይ ምምላስ ኣንፈታት ኣርእዩ ነይሩ።

ላዕለዎት ሰበስልጣን ኣመሪካ ናብ ኤርትራ ምብጽሖም'ውን ነቲ ኣንፈታት ዘርኢ'ዩ ነይሩ።

ኣብ ሚያዝያ 2018 ኣምባሳደር ዶናልድ ያማማቶ ድሕሪ 20 ናብ ኤርትራ ዝበጽሐ ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን ኣመሪካ ኮይኑ።

ኣብ ታሕሳስ ናይቲ ዓመት'ውን ተሓጋጋዚ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ ቲቦር ናዥን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ተራኺቦም ኣብ ክልተኣዊን ዞባውን ጉዳያት ከም ዝዘተዩ ኣብ እዋኑ ብማዕከናት ዜና ተቓሊሑ ነይሩ።

ኣብቲ እዋን ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ሃገሩ ምስ ኣመሪካ ዘለዋ "ኣብ ምትሕግጋዝ ዝተሰረተ ምውቕ ዝምድና ንምድንፋዕ ሃናጺ ጽምዶ ከተካይድ ድልውቲ ከም ዘላ" ምግላጹ'ውን እቲ ሚኒስተር ጠቒሱ።

ኣብ 2019 እውን፡ ብኣሜሪካዊት ኣደ መንበር ባይቶ ኣሜሪካ ካረን ባስ ዝተመርሑ ሓደስቲ ኣባላት ባይቶ ኣመሪካ፡ ኤርትራዊ ኣሜሪካዊ ጆ ንጉሰን፡ ኣሜሪካዊት ሶማላዊት ኢልሃም ዖመርን ናብ ኤርትራ በጺሖም ነይሮም።

ኣብ ግንቦት 2021 ድሕሪ ምውላዕ ኲናት ትግራይ ድማ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብቲ ዞባ ዝነበረ ኣምባሳደር ጀፍሪ ፈልትማን ናብ ኣስመራ ብምኻድ ብዛዕባ ምትእትታው ሰራዊት ኤርትራ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ተዘራሪቡ ነይሩ።

እንተዀነ ጸኒሑ ምምሕዳር ባይደን፡ ምስ ቅልውላዉ ሰሜን ኢትዮጵያ ብዝተሓሓዝ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ምክልኻል ዝርከቦም ትካላትን ላዕለዎት ሰብ መዝን ኤርትራ እገዳ ኣንቢሩ።

መንግስቲ ኤርትራን ደገፍቱን፡ ኣሜሪካ ኣንጻር መንግስቲ ኤርትራ ተጻባኢ መርገጺ ወሲዳ ክብሉ ተቓውሞኦም ክገልጹ ጸኒሖም።

ሰብ መዚ ኤርትራ ብመንግስቲ ኣሜሪካ ኮነ ኣህጕራዊ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ንዝቐርበሎም ክስታት፡ ንምስሊ ሃገር ንምድዋን ዝቐርብ "ውዲት'ዩ" ክብሉ እዮም ዝነጽግዎ።

ኤርትራን ኣሜሪካን፡ ኣብ ሃገረን ናይ ሓድሕደን ኣብያተ ጽሕፈት ኤምባሲታት'ኳ እንተለወን፡ ካብ ክልቲኤን ኣብ ክንዲ ብኣምባሳደራት ብፈጸምቲ ጉዳያት ዝምራሕ'ዩ።