ኣመሪካ፡ ኣብ ትግራይ ምስ ዝተፈጸመ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ብዝተኣሳሰር ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊ በዓል ስልጣን እገዳ ኣንቢራ

ጀነራል ፊሊጶስ ወልደዮውሃንስ

ምንጪ ስእሊ, Twitter/TesfaNews

ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኣብቲ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ምፍጻም ከም እተሳተፈ ዝገለጸቶ ኤርትራዊ በዓል ስልጣን እገዳ ኣንቢራ።

ክፍሊ ፋይናንስ ኣመሪካ ሎሚ ሰኑይ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ሓይልታት ኤርትራ ኣብቲ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ትግራይ ጃምላዊ ቕትለት፡ ዝምታ፡ ጾታዊ ዓመጽን ዝርከብዎም ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከም ዝፈጸሙ ብምኽሳስ፡ ንጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ጀነራል ፊሊጶስ ወልደዮውሃንስ 'ኣብ ጸሊም መዝገብ' ከም ዘስፈሮ ገሊጻ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ በቲ "ዘይሕጋዊ" ዝበሎ ተግባር ኣመሪካ ከም ዝጎሃየ ብምግላጽ ነቲ "ኣንጻሩ ዝቐንዐ መሰረት ዘይብሉ ክስታትን ጸለመን" ከም ዝነጽጎ ኣፍሊጡ።

ኤርትራ በዚ ብተደጋጋሚ ዝቐርበላ ዘሎ ሓቅነት ዘይብሉ ክስታት፡ ስቕ ከምዘይትብል ብምግላጽ ከኣ "ምምሕዳር ኣመሪካ ነቲ ዘቕርቦ ዘሎ ናይ ሓሶት ክሲ፡ መረጋገጺ ጭብጥታት እንተልዩዎ ናብ ናጻን ዘይሻራውን ኣካል ከቕርቦ" ጸዊዑ።

ዳይሪክተር ቤትጽሕፈት ምቁጽጻር ናይ ወጻኢ ሃብቲ - ኦኤፍኤሲ- ኣንድረያ ጋኪ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ "እዚ ናይ ሎሚ ስጉምቲ፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ እቶም ነቲ ኲናት ዘጋድን ንኢትዮጵያውያን ዓቢይ ስቓይ ዘስዓበን ፍንፉን ተግባራት ዝፈጸሙ ኣካላት ዋጋ ከተኽፍሎም ምዃና ዘርኢ እዩ" ኢላ።

ኣብ ኣመሪካን ኣብ ኢድ ኣካላት ኣመሪካ ዝርከብ እቲ ውልቀሰብ ዝውንኖ ንብረትን ገንዘብን እገዳ ከምዝተነብረሉን ንዝምልከቶ ቤትጽሕፈት ኦኤፍኤሲ ጸብጻብ ክግበርን ድማ ኣተሓሳሲባ።

እቲ ኣብ ልዕሊ ጀነራል ፊሊጶስ ተነቢሩ ዘሎ እገዳ፡ 'ግሎባል ማግኒትስኪ ኣክት' ተባሂሉ ዝፍለጥን ብመሰረት ቅጥዕታት ተሓታትነት ሰብኣዊ መሰላትን፡ ነቶም ኣብ ዓለም ከበድቲ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝፍጽሙን ኣብ ብልሽውና ዝሳተፉን ኣካላት ተሓተትቲ ብዝገበር ኣሰራርሓን ምዃኑ ተገሊጹ።

እቲ መግለጺ ወሲኹ "ኣብ ልዕሊ ኣብ ክልል ትግራይ ኢትዮጵያ ይኹን፡ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝፍጸም ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝሳተፉ ኣካላት ስጉምቲ ምውሳድ ክቕጽል እዩ" ኢሉ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ በይነኣዊ ምቁራጽ ተኹሲ ኣዊጁ ምህላው ዘዘኻኸረ እቲ መግለጺ፡ ኩሎም ተሳተፍቲ ነቲ ኲናት ከም ዘጋደድዎ፡ ስሒቡ ዝነበረ ሰራዊት ኤርትራ ዳግማይ ተመሊሱ ምእታውን፣ ህወሓት ነቲ ኲናት ብምስፋሕ ናብ ጎረባብቲ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ከም ዝወሰዶን ኣመልኪቱ።

ኤርትራ ብቕልጡፍን ንሓዋሩን ሓይልታታ ካብ ኢትዮጵያ ክትስሕብ፡ ኣብቲ ኲናት ዝሳተፉ ዘለው ኩሎም ሓይልታት ተኹሲ ደው ናይ ምባል ዝርርብ ክጅምሩን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ደው ከብሉን እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቲቱ።

ምላሽ መንግስቲ ኤርትራ እንታይ ይብል?

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ብመንገዲ መርበብ ሚኒስትሪ ዜና (ሻባይት) ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ነቲ ክስታት "ብቃልን ብመንፈስን" ከም ዝቃወሞ ገሊጹ።

መንግስቲ ኣመሪካ ኣንጻር ኤርትራ "መሰረት ዘይብሉ" ክሲ ከቕርብ እዚ ንመጀመርታ ግዚኡ ኣይኮነን ዝበለ እቲ መግለጺ፡ መንግስቲ ኣመሪካ ጭብጢ ኣብ ዘይብሉ ብማዕከናት ዜና ኣብ ዝተዘርግሐ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ተሞርኲሱ ናብ ውሳነ ምብጽሑ ከም ዘሕዘኖ ገሊጹ።

ኤርትራ በዚ ብተደጋጋሚ ዝቐርበላ ዘሎ ሓቅነት ዘይብሉ ክስታት፡ ስቕ ከምዘይትብል ብምግላጽ ከኣ "ምምሕዳር ኣመሪካ ነቲ ዘቕርቦ ዘሎ ናይ ሓሶት ክሲ፡ መረጋገጺ ጭብጥታት እንተልዩዎ ናብ ናጻን ዘይሻራውን ኣካል ከቕርቦ" ጸዊዑ።

እቲ መግለጺ ወሲኹ "ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ነቲ ብሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝፍጸም ዘሎ ንኣህጉራዊ ሕጊን ንልኡላውነት ህዝብታትን ኣህዛብን ዝጥሕስ ተደጋጋሚ ተግባራት ንምውጋድን ምእላይን ሓላፍነቱ ክስከም ይምሕጸን" ኢሉ።

ምስቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ብዝተኣሳሰር ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከም ዝተፈጸመ፡ ዝተፈላለዩ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ዓለምለኻዊ ትካላትን ክገልጹ ምጽንሖም ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣመሪካ ኣብ ዝሓለፈ ግንቦት ኣብ ልዕሊ ተሳተፍቲ እቲ ኲናት ናይ መገሻ እገዳ ምግባራ ዝዝከር እዩ።

በዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ሰበስልጣን ኢትዮጵያን ኤርትራን፣ ወተሃደራውን ጸጥታውን ኣባላት ከምኡ'ውን ኣብ ልዕሊ ኣባላት ሓይልታት ኣምሓራን ህወሓትን ናይ ቪዛ እገዳ ምንባራ ገሊጻ እያ።

ጀነራል ፍሊጶስ መን እዩ

ጀነራል ፍሊጶስ ኣብ 1972 ናብ ህዝባዊ ሓይልታት ተጸንቢሩ፡ ካብ ተራ ተዋጋኣይ ክሳብ ኣዛዚ ክፍለ ሰራዊት በጺሑ ናብ ናጽነት ኤርትራ ዝኣተወ ወተሃደር እዩ።

ጀነራል ፍሊጶስ ኣብ ዝተፈላለየ ዓበይትን ናእሽቱን ወተሃደራዊ ውግኣት ከም ተራን ዝለዓለ ኣዛዝን ኮይኑ ኣብ 1977-78 ከተማታት ሓራ ኣብ ምውጻእ ተሳቲፉ። ኣብ እዋን ምዝላቕ 1978ን ምስኡ ዝቐጸለ ዓበይቲ ተኸታተልቲ ወራራት ስርዓት ደርግ ኣብ ግንባር ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል ምስ ዝዓረደ ሰራዊት ተዋጊኡን መሪሑን።

ኣብ ከም ምድምሳስ ውቃው እዝ 1984፡ ምድምሳስ ናደው እዝ 1988፡ ስግረ ዶባዊ ስርሒት ኣሶሳ ኢትዮጵያ፡ ንወደባዊት ከተማ ባጽዕ ናጻ ብምውጻእ ንስርዓት ደርግ ምድኻም ኣብ ዝተኻየደ ስርሒት ፈንቅል 1990 ከምኡ'ውን ኣብ ዛዛሚ ኵናት 1991 ንክፍለ ሰራዊቱ መሪሑ ኣብ ምሕራር ኤርትራ ተሳቲፉ።

ድሕሪ ናጽነት ናይ ሜጀር ጀነራል መዓርግ ተዋሂቡ ኣዛዚ ኮር 381 ኮይኑ፡ ብድሕሪኡ'ውን ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕን እዝታትን ሰሪሑ።

ኣብ 2014 ከኣ ንሜጀር ጀነራል ዓንደማርያም ገረዝግሄር (ውጩ) ተኪኡ፡ ማዕረግ ወሲኹ፡ ብዓል ኣርባዕተ ኮኾብ ምሉእ ጀነራል ብምዃን ጠቕላሊ ሓለቓ እስታፍ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኮይኑ ተመዚዙ ይሰርሕ ኣሎ።