ኤርትራ ምስ ኣመሪካ ዘለዋ 'ንጡፍ ጽምዶ ካብ ሓዲዱ ከይወጽእ' ንምምሕዳር ባይደን ተማሕጺና

ባንዴራ ኤርትራን ኣመሪካን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ምምሕዳር ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ነቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘለዎ ፖሊሲታት "ኣድላዪ ምምዕርራይ ክገብረሉ" ኤርትራ ጸዊዓ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ፡ ሎሚ 30 ሚያዝያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ምምሕዳራት ፕረዚደንታት ነበር፡ ባራክ ኦባማ፡ ጆርጅ ቡሽን ቢል ክሊንተንን ዝተኸተልዎ ንዝበሎ "ግጉይ ፖሊሲ" ነቒፉ።

መንግስቲ ኤርትራ፡ ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምጽኡ ነቶም ኣሉታዊ ዝበሎም ፖሊሲታት ንምእራም ምስ ምምሕዳሩ "ንጡፍ ጽምዶ" ብምግባር፡ ነቶም ዝነበሩ ጸገማትን መፍትሒታቶምን ዘነጽር "ሰፊሕ ሰነድ" ከምዘረከበ ሚስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሓቢሩ። ዝርዝር ትሕዝቶ ናይቲ ንኣመሪካ ዝተዋህበ ሰነድ እንታይ ምዃኑ ግን ብንጹር ኣይጠቐሰን።

ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ሓይልታት ኤርትራ ካብ ግጭት ትግራይ ክወጹ፡ ምምሕዳር ባይደን ጸቕጥታት ክገብር ጸኒሑ'ሎ።

ነቲ ኣብ ትግራይ ተወሊዑ ዘሎ ኲናት ፍታሕ ንምርካብ ኣብ ዝወስዶ ዘሎ ተበግሶታት'ውን ሓደ ፍሉይ ልኡኽ መዚዙ'ሎ። ምክትል ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳያት ፖለቲካ ዓለም ዝነበረ ኣምባሳደር ጀፍሪ ፈልትማን ነቲ ኣብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘሎ ካልእ ብድሆታት ጸጥታ'ውን ክከታተል ምዃኑ ተፈሊጡ።

ኣብ ክፍላ ሚያዝያ፡ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ንባይቶ ጸጥታ ኣብ ዝጸሓፈቶ ደብዳበ፡ "እቲ ተንጠልጢሉ ዝነበረ ሓደጋ ብምልጋሱ፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን … ምውጻእ ሓይልታት ኤርትራ ክጅመርን፡ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ኣሃዱታት ኢትዮጵያ ኣብ ዓለምለኻዊ ዶብ ክዋፈሩን ተሰማሚዐን" ክትብል ተዛሪባ ምንባራ ይዝከር።

ሕቡራት ሃገራት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

እተኾነ ግን፡ ክሳብ ሕጂ ሓልታት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ከምዘይወጹ ጸብጻባት ይሕብሩ።

እቲ ኤርትራ ዘበገሰቶ ዲፕሎማስያዊ ጽምዶ፡ "ብናይጓልመገዲ ኣርእስታትን መርገጺታትን ካብ ሓዲዱ ከይወጽእ ተስፋ ንገብር" ይብል እቲ ብዓርቢ ዝወጸኣ መግለጺ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ከምዝበሎ፡ ምትእትታው ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ንልኡላውነት ህዝብታትን ሃገራትን ዝጎሲ፡ ንዓለምለኻዊ ሕጊ ዝጥሕስ፡ ኣብ ምፍርራሕን ሓይሊን ዝምርኮስ፡ ንዞባዊ መድረኻት ዝዕብልልን፡ ኣብቲ ዞባ ቅልውላዋትን ግጭታትን ዘስዓበ ምዃኑ ገሊጹ።

"እዞም ግጉያት ፖሊሲታት ዓለም… ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሓፈሻን፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሃገርን ከቢድ ዕንወት ኣውሪዶም ኣለዉ" ድማ ይብል።

ኣመሪካ እትርከበን ሃገራት ምዕራብ ኣብ ኤርትራ "ናይ ስርዓት ለውጢ" ንምምጻእ ክሰርሓ ከም ዝጸንሓ ኤርትራ ክትከስስ ጸኒሓ'ያ።

ኣብ 2019፡ ትካል ስለያ ኣመሪካ፡ (ሲ-ኣይ-ኤ) ንመንግስቲ ኤርትራ ናይ ምእላይ "ውጥን ሽርሒ" ኣውጺኡ ምንባሩ ዝገልጽ 'ምስጢራዊ ሰነዳት' ከምዝተረኽበ ሚኒስትሪ ዜና ከሲሱ ነይሩ።

እቲ ዝተባህለ "ውጥን" ኣብ 2011 ኣብ ናይሮቢ፡ ኬንያ፡ ዝተገብረ ከም ዝነበረ ዝጠቐሰ እቲ መግለጺ፡ እቲ መደብ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ሃገራት ዓረብ ዝተወልዐ ብ"ቐውዒ ዓረብ" ዝፍለጥ ሰውራ ምዃኑ'ውን ይእምት።

ኣፈኛ ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ፡ ኣሮን ቴስታ፡ ሽዑ ንቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ነቲ ክሲ "ርእይቶ ክንህበሉ ኣይንደልን" ዝብል ግብረመልሲ ሂብሉ'ዩ።

ኣብ መንጎ ኤርትራን ኣመሪካን ዝነበረ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና፡ ናብ ዝተሓተ ደረጅኡ ወሪዱ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ ዘመነ ስልጣን ትራምፕ ምምሕያሽ ኣርእዩ ነይሩ።

ከም መርኣያ ናቱ ድማ፡ ኣብቲ ዞባ ንነዊሕ እዋን ዝሰርሐን ተሓጋጋዚ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ ዝነበረን ኣምባሳደር ዶናልድ ያማማቶን፡ ብድሕሪኡ ንመዝነቱ ዝተረከበ ኣምባሳደር ቲቦር ናጅን ድሕሪ ነዊሕ እዋን ናብ ኤርትራ ዝበጽሑ ላዕለዎት ሰበስልጣን ኣመሪካ'ዮም ነይሮም።

እንተኾነ ግን፡ ክሳብ ሎሚ ዲፕሎማስያዊ ዝምድንአን ምሉእ ብምሉእ ናብ ንቡር ኣይተመልሰን። ኣብ ርእሰከተማ ኣስመራን ዋሽንግተን ዲሲን ኤምባሲታት'ኳ እንተለወን፡ ብደረጃ ኣምባሳደራት ኣይኮነን። ብኽልቲኡ ወገን፡ ፈጸምቲ ጉዳያት (ቻርጀ ደ'ኣፌር) ዝመርሕዎ ኤምባሲታት'ዩ ዘሎ።

ኣብ ፈለማ ናይዚ ሰሙን፡ ሕብረት ኣውሮጳ ንኤርትራ መዲብዎ ዝነበረ 121 ሚልዮን ዩሮ፡ ንሱዳን፡ ደቡብ ሱዳንን ከሰጋግሮ እማመ ኣቕሪቡ'ሎ። እቲ ስጉምቲ፡ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ስምምዕ ኣብ ግዚኡ ክፍርመሉ ስለዘይክኣለ ዝተወስደ ምዃኑ፡ ኮሚሽን ልምዓት እቲ ሕብረት ንቢቢሲ ትግርኛ ኣነጺሩ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ ዝመርሖ ጉጅለ ኣስመራ ኣትዩ

ምንጪ ስእሊ, YEMANE G/MESKEL/TWITTER

ኣብ ሓምለ 2018 ኤርትራን ኢትዮጵያን ነቲ ኣመንጎአን ዝነበረ፡ ን20 ዓመታት ዝቐጸለ ኩነተ-ኲናትን ምትፍናንን ዘብቅዐ "ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን" ድሕሪ ምፍራመን፡ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ኤርትራ ምስ ምዕራባውያን ሃገራት ክመሓየሽ ተራእዩ ነይሩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢጣልያ ኣብ ጥቅምቲ 2018 ናብ ኤርትራ ምብጽሑ'ውን ነቲ ንነዊሕ እዋን ዝቐጸለ ተነጽሎ ኤርትራ ከምዘብቅዐ ዘርኢ'ዩ ተባሂሉሉ ነይሩ'ዩ። ንሱ፡ ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት ናብ ኤርትራ ዝበጽሐ ኣውሮጳዊ መራሒ'ዩ ነይሩ።

ኣብዚ እዋን'ዚ ግን፡ ብሰንኪ ብኩራት ፖለቲካዊ ለውጥታትን ምምሕያሽ ሰባዊ መሰላትን፡ ክምኡ'ውን ምእታዉ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ግጭት ትግራይ፡ እቲ ዝምድናታት እናሓርፈፈ ይኸይድ ኣሎ።