ኣመሪካ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ብህጹጽ ክወጽእ ጸዊዓ

ምንጪ ስእሊ, ETHIOPIA GOVERNMENT
ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ምውጽኡ ዘረጋግጽ ዝኾነ ዓይነት ጭብጢ ከምዘየለ፡ ላዕለዋይ ሓላፊ ሰብኣዊ ረዲኤት ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።
ማርክ ሎውኮክ ንባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ወተሃደራት ኤርትራ ካብቲ ብኲናት ዝተሃስየ ክልል "ምውጽኦም ዘርኢ ነገር፡ ትካላት ሕቡራት ሃገራት ይኹኑ፡ ካልኦት ምሳና ዝሰርሑ ትካላት ረዲኤት ኣይረኣዩን" ኢሉ።
ወኪል ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ብወገና፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ብቅልጡፍ ክወጽእ ጸዊዓ።
ኣምባሳደር ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልድ: ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ንቅልውላው ትግራይ ኣመልኪቱ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ እያ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ብቅልጡፍ ክወጽእ ከምዘለዎ ገሊጻ።
ኣመሪካ እቲ ኣብ ትግራይ ተፈጺሙ ዝብሃል ነገራት ብላዕለዋይ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራትን ኣብ ትግራይ ዝርከብ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላትን ክምርመር'ውን ጸዊዓ ኣላ።
ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ሕበራት ሃገራት ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልድ "ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ነቶም ሰብኣዊ መሰላት ዝገሃሱ ገበን ዝፈጸሙ ናብ ሕጊ ንምቅራብ ክወስዶ'የ ዝብሎ ስጉምቲ ነድንቖ: መንግስቲ ኤርትራ'ውን ተመሳሳሊ ተበግሶ ክወስድ ኣለዎ" ኢላ።
መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ፈጺምዎ ዝብሃል ግፍዕታት ከምዘይፈጸሞ ብምግላጽ ክነጽጎ ጸኒሑ እዩ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ተፈጺሙ ዝብሃል ጸብጻብ ጾታዊ መጥቃዕትታት ክምርምሮ ምዃኑ ክገልጽ እንከሎ ሓደ ላዕለዋይ ብዓል መዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ዝተፈብረኸ ክሲ እዩ ኢሉ እዩ ገሊጽዎ።

ምንጪ ስእሊ, EPA
ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌደራል ኢትዮጵያን ብህወሓት ዝምራሕ ዝነበረ መንግስቲ ትግራይን ዝነበረ ፍልልያት ተጋዲዱ፡ ብኣቆጸጽራ ኣውሮጳ 3 ሕዳር 2020 ኲናት ምስተወለዐ፡ ሰበስልጣን ትግራይ መንግስቲ ኤርትራ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ብምሕጋዝ ናብቲ ኲናት ከም ዝኣተወን ኣብ ዝተፈላለዩ ካባቢታት ምስ ሓይልታት ትግራይ ይዋግኡ ከም ዘለዉን ገሊጾም ነይሮም፡፡
መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ነቲ ወታሃደራት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ኣለዉ ዝብል ክሲ ብተደጋጋሚ ክነጽጉዎ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ፡ ኣብ ቤት ምኽሪ እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝነበረ ሰራዊት ኢትዮጵያ ስለ ዝተንሳቐሰ ናይ ድሕነት ስግኣት ዝሓደሮ መንግስቲ ኤርትራ ሰራዊቱ ኣብ ዶብ ዘለዉ ከባቢታት ከም ዝተቖጻጸረ ገሊጹ።
ቀዳማይ ሚኒሰትር ኣብይ ኣብ ዝሓለፈ ወርሂ ናብ ኣስመራ ዑደት ድሕሪ ምግባሩ ኣብ ዘውጽኢ መግለጺ መንግስቲ ኤርትራ ሰራዊቱ ካብ ኢትዮጵያ ከውጽእ ከምዝተሰማመዐ ብወግዒ ሓቢሩ።
ዝሓለፈ ሰሙን'ውን ዶብ ሰጊሮም ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተው ወተሃደራት ኤርትራ ምውጻእ ከም ዝጀመሩ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ሓቢሩ ነይሩ።
ኣመዓባብላ ናይቲ ኵናት
ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ብህወሓት ዝምራሕ ዝነበረ መንግስቲ ክልል ትግራይን እናገደደ ዝመጸኣ ፖለቲካውን ሕገመንግስታዊን ምትፍናን ድሕሪ 3 ሕዳር 2020 ናብ ቅሉዕ ኲናት ኣምሪሑ።
ጠንቂ ናይቲ ፖለቲካዊ ምትፍናን ኣብ መጋቢት 2018 ዝጀመረ ኮይኑ ምስ ምምጻእ ቀዳማይ ሚኒስተር ናብ ስልጣንን ምድኻምን ምድፋእን ህወሓት ካብቲ ንልዕሊ 27 ዓመታት ብዓብላልነት ዓትዒትዎ ዝነበረ ፈደራላዊ ስልጣንን ዝተኣሳሰር'ዩ።
ኣብ ሕዳር 2019፡ ኢህወዴግ ውሁድ ገዛኢ ሰልፊ ክኽውን ድሕሪ ምውሳኑ፡ ህወሓት ነቲ ውሳነ ስለ ዘይተቐበሎ ከም ዝወጽእ ኣነጺሩ።
ኣብ ወርሒ ሕዳር ናይቲ ዓመት ኢህወዴግ ናብ ብልጽግና ምስተቐየረ ድማ እቲ ፖለቲካዊ ፍትሕ ወግዓዊ ኮይኑ።
በዚ ድማ ብልጽግና ገዛኢ ሰልፊ ኮይኑ፡ ህወሓት ከኣ ከም ተቓዋሚ ሰልፊ ኣንጻር እቲ ብዶ/ር ኣብዪ ዝምራሕ ብልጽግና ደው ኢሉ።
ኣብ መጋቢት 2020 ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ነቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ናይቲ ዓመት ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ከም ዝተናውሐ ድሕሪ ምግላጹ፡ ህወሓት ነቲ ለበዳ ብዝከላኸል ኣገባብ ክካየድ ይኽእል'ዩ ዝብል ምጉት ብምልዓል ነቲ ምንዋሕ ኣይተቐበሎን።
እቲ ኣብ ወርሒ መስከረም ናይቲ ዓመት ዕድመ ስልጣኑ ከብቅዕ ዝነበሮ ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ንውሳነ ኮሚሽን ምርጫ ብምርዓም፡ ዕድመ ስልጣን ፈደራላውን ክልላውን መንግስታት ክናዋሕ ውሳነ ኣሕሊፉ።
ህወሓትን እቲ ንሱ ዝመርሖ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ብወገኖም፡ እቲ ውሳነ "ዘይሕገመንግስታዊን" "ዘይሕጋውን" ብምባል ንውሳነ ናይቲ ቤትምኽሪ ነጺግዎ።
ነቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ዝምራሕ ፈደራላዊ መንግስቲን ክልቲኡ ባይቶታትን ኣፍልጦ ከም ዘይህቦም'ውን ኣፍሊጡ።
እቲ ውሳነ ቅድሚ ምሕላፉ'ውን፡ እታ ኣፈጉባኤ ናይቲ ቤት ምኽሪ ዝነበረትን ኣባል ፈጻሚ ስራሕ ህወሓትን ዝነበረት ወ/ሮ ኬርያ ኢብራሂም እቲ ውሳነ ከይሓለፈ እንከሎ ተቓውሞኣ ንምግላጽ ኣብ ወርሒ ሰነ 2020 ብፍቓዳ ካብ መዝነታ ወሪዳ።
ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንውሳነ ሃገራዊ ቦርድ ምርጫን ቤት ምኽሪ ፈደረሽንን ድሕሪ ምጽዳቑ ኸኣ፡ ባይቶ ክልል ትግራይ ናይ ባዕሉ ምርጫ ከካይድ ብ12 ሰነ 2020 ወሲኑ።
ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ነቲ ክልላዊ ምርጫ ከካይዶ'ኳ ብወገን ትግራይ ጠለብ ቀሪቡሉ እንተነበረ፡ ስለዝነጸጎ፡ ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ናይ ባዕሉ ኮሚሽን ምርጫ ከቕውም ተገዲዱ።
ብ9 መስከረም 2020 ድማ ምሉእ ብምሉእ ህወሓት ዝተዓወተሉ ክልላዊ ምርጫ ተኻይዱ።
ድሕሪ'ዚ ክልቲኦም ወገናት ኣፍልጦ ተነፋፊጎም፡ ኣብ ናይ ቃላት ውግእ ኣትዮም።
እቲ ዝነበረ ወጥርን ምትፍናንን እናገደደ ድሕሪ ምምጽኡ ድማ፡ ተኽእሎ ኵናት እናዓበየ መጺኡ።
ብወገን ህወሓት፡ ዝርርብ ክካየድ እንተኾይኑ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ መሰጋገሪ መንግስቲ ክምስርት፡ ናይ ፖለቲካ እሱራት ክፈትሕን ሃገራዊ መድረኽ ዘተ ክፍጠርን ዝብል ቅድመ ኵነት ቀሪቡ።
እንተኾነ ግን፡ እቲ እናኸረረ ዝመጸ ምትፍናንን ወጥሪን ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሕዳር 2020 ናብ ቅሉዕን ሰፊሕን ኲናት ኣምሪሑ፡ ኣብቲ ክልል ከቢድ ቅልውላዉ ፈጢሩ ይርከብ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







