ቅልውላዉ ትግራይ፡ ኣብ ዓድዋ ‘ወተሃደራት ኤርትራ ብዝኸፈትዎ ተዂሲ ሰባት ተቐቲሎም’

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ከተማ ዓድዋ ብሰኑይ 4 ሚያዝያ 2013 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ቅድሚ ቀትሪ ዕጡቓት ወተሃደራት ብዝኸፈትዎ ተዂሲ ሰባት ከም ዝሞቱን ከም ዝቖሰሉን ተገሊጹ።
ሰብመዚ ትግራይ ብውሕዱ ሓደ ሰብ ከም ዝሞተ ክገልጹ እንከለዉ፡ ገለ ነበርቲ ናይታ ከተማ ግን 8 ሰባት ምሟቶም ተዛሪቦም።
ተጣባቒ ጉጅለ ኣምነስቲ ኢንተርሽናል ብወገኑ፡ ወተሃደራት ኤርትራ ኣብ ከተማ ዓድዋ ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ብውሑዱ ሰለስተ ሲቪላት ከምዝቐተሉ ሓበሬታ ከምዝረኸበ፡ ኣብቲ ትካል፡ ተመራማሪ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣይተ ፍስሃ ተክሌ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ኣብ መወከሲ ሆስፒታል ኣኽሱም ዝሰርሕ ሓደ ዶክተር ትማሊ ካብ ረፋድ ጀሚሩ ክሳብ ድሕሪ ቐትሪ 20 ዝቖሰሉ ሰባት ካብ ዓድዋ ከም ዝመጽእዎም ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ዓለምለኻዊ ማሕበር ዶብ-ኣልቦ ሓካይም (ኤም-ኤስ-ኤፍ) ንገሊኦም ቁሱላት ካብ ዓድዋ ናብቲ ሆስፒታል ከም ዘምጽኦም ዝገለጸ እቲ ዶክተር "ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ዝርከብኦም 20 ቁሱላት ንሕክም ኣለና" ኢሉ።
ማሕበር ዶብ ኣልቦ ሓካይም ብወገኑ፡ ትማሊ ብትዊተር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ብሰኑይ 18 ቁሱላት ናብ ሆስፒታል ኪዳነምህረት ዓድዋ መጺኦም ሓገዝ ከም ዝተገበረሎምን 11 ብኸቢድ ዝቖሰሉ ንዝለዓለ ሕክምና ናብ ሆስፒታል ኣኽሱም ከም ዝተላእኹ ኣመልኪቱ።
ወተሃደራት ኣብ ልዕሊ'ቶም ግዳያት ከምዝቶኮሱ፡ እቶም ቁሱላት ተዛሪቦም ክብል'ውን እቲ ገባር ሰናይ ማሕበር ጠቒሱ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ካብቶም ዝቖሰሉ እቶም ሽድሽተ ኣዝዮም ስለ ዝተሃስዩ ኣብ ጽኑዕ ክትትል ከምዘለዉን፤ ኣብ ሞንጎኦም ሓንቲ ሰበይቲ ከምእትርከቦምን እቲ ቢቢሲ ዘዘራረቦ ሓኪም ገሊጹ።
ንሱ ከም ዝበሎ ገሊኦም ኣብ ከባቢ ከብዶም፤ ዝተረፉ ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ኣካላቶም ከም ዝተወቕዑ ሓቢሩ።
እቶም ቁሱላት መብዛሕትኦም ኣብ ክሊ ዕድመ ፈለማ 20ታት ዝርከቡ መናእሰያት ክኾኑ እንከለው ሓደ ከባቢ 60ታት ዝዕድሚኦም ኣቦ ከም ዝርከብዎም እቲ ዶክተር ሓቢሩ።
ኣብ ከተማ ዓድዋ 'መናሃርያ' ብዝብል ኣብ ዝፍለጥ ከባቢ መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመ ዘረጋገጹልና ኣብ ግዝያዎ ምምሕዳር ትግራይ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጸጥታ ከተማ ኣኽሱምን ዞባ ማእኸልን ኣይተ ኣስገዶም ስዩም፡ ብመኪና ተጻዒኖም ዝኸዱ ዝነበሩ ወተሃደራት ኤርትራ ''በዓል ባጃጅ መገዲ ዓጽዩና ብዝብል'' መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸሙ ንቢቢሲ ተዛሪቡ፡፡
ቁጽሪ በቲ መጥቃዕቲ ጉድኣት ዝበጸሖም ሰባት ክገልጽ እንከሎ ድማ ''ኣብቲ በዓል ባጃጅ እዮም ጉድኣት ኣብጺሖም፤ ዝበጸሐኒ ሓበሬታ ሓደ ሰብ ከም ዝሞተ፣ ዝተወቕዑ ልዕሊ 5 ከም ዝኾኑን እዩ፡፡ ኣብ ሪፈራል ሆስፒታል ኣኽሱም እዮም ዝርከቡ'' ኢሉ።
''ህዝቢ ኣኽሱም እውን ኣብ ጉያን ምህዳምን እዩ ውዒሉ፤ ወተሃደራት ኤርትራ ሰባት እናወቕዑ ይመጽኡ ኣለዉ ዝብል ናብ ኣኽሱም ተደዊሉ። እቲ ህዝቢ ድማ ንብረቱ ገዲፉ፣ ኣብ ዕዳጋ ዝነበረ ንብረቱ ከይዓጸወ ብምህዳም ኣደዳ ሰረቕቲ ኮይኑ ውዒሉ'' ክብል ኣይተ ኣስገዶም ንቢቢሲ ተዛሪቡ፡፡
ብዛዕባ'ቲ ዝተባህለ መጥቃዕቲ ብወገን ኤርትራ ዛጊት ዝተዋህበ መግለጺ የለን።
ብዛዕባ'ቲ ኣብ ከተማ ዓድዋ ተፈጺሙ ዝተባህለ መጥቃዕቲ ካብ ሓላፊ ሓይሊ ዕማም ትግራይ ሌተናል ጀነራል ዮሃንስ ገብረመስቀልን ወሃቢ ቃል ሚኒስተር ጉዳይ ወጻእን ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ዝገብርናዮ ፈተነ ኣይሰመረን።
ዝሓለፈ ሰሙን ግን፡ ዶብ ሰጊሮም ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተው ወተሃደራት ኤርትራ ምውጻእ ከም ዝጀመሩ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ሓቢሩ ነይሩ።
ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌደራል ኢትዮጵያን ብህወሓት ዝምራሕ ዝነበረ መንግስቲ ትግራይን ዝነበረ ፍልልያት ተጋዲዱ፡ ብኣቆጸጽራ ኣውሮጳ 4 ሕዳር 2020 ኲናት ምስተወለዐ፡ ሰበስልጣን ትግራይ መንግስቲ ኤርትራ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ብምሕጋዝ ናብቲ ኲናት ከም ዝኣተወን ኣብ ዝተፈላለዩ ካባቢታት ምስ ሓይልታት ትግራይ ይዋግኡ ከም ዘለዉን ገሊጾም ነይሮም፡፡
መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ነቲ ወታሃደራት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ኣለዉ ዝብል ክሲ ብተደጋጋሚ ክነጽጉዎ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ፡ ኣብ ቤት ምኽሪ እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝነበረ ሰራዊት ኢትዮጵያ ስለ ዝተንሳቐሰ ናይ ድሕነት ስግኣት ዝሓደሮ መንግስቲ ኤርትራ ሰራዊቱ ኣብ ዶብ ዘለዉ ከባቢታት ከም ዝተቖጻጸረ ገሊጹ።
ኣብ ዓድዋ እንታይ'ዩ ኣጋጢሙ?
ቢቢሲ ዘዘራረቦም ግዳያት መጥቃዕትን ነበርትን ከምዝበልዎ፤ ወተሃደራዊ ክዳን ሰራዊት ኤርትራ ብዝተኸደኑ ዕጡቓት'ዩ እቲ መጥቃዕቲ ተፈጺሙ።
ካብ ሞንጎ ቖሲሎም ኣብ መወከሲ ሆስፒታል ኣኽሱም ዝርከቡ ተሓከምቲ፤ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ኣብ ስራሕ ምቕምቃም ጸጉሪ ዝተዋፈረ መንእሰይ፡ ሰኑይ ንጉሆ ናብ ስራሕ እናኸደ፡ ኣብ ከባቢ ዲጋዲግ ተባሂሉ ዝጽዋዕ መዕረፊ ኣውቶቡስ፡ ኣብ ዝባን መኪና ኾይኖም ብዝትኩሱ: ክዳን ወታሃደራት ኤርትራ ዝተኸደኑ ወታሃደራት ብጥይት ከም ዝተወቕዐ ገሊጹ፡፡
''ክልተ ናይ ኤርትራ ወተሃደራት ዝጸዓና መካይን፡ ኤፍኤስኣር ዝዓይነተን ይመስለኒ ኣብ ከባቢ ኣንበሳ ባንኪ ኣብ ጥቓይ ምስ በጽሑ ተኹሲ ጀሚሮም… ኣጋጣሚ ኣብ ጥቓይ ድኳን ስለ ዝነበረ ናብኡ እትው ምስ በልኩ ኣብ ሰለስተ ገጽ ወቒዖምኒ፡፡ ክልተ ኣብ ዝባነይ ብድሕሪት ገጽ፡ ሓደ ድማ ኣብ ከብደይ'' ኢሉ፡፡
ብተመሳሳሊ መቑሰልቲ ኣብቲ ሆስፒታል ዝርከብ ካልእ ነባሪ ብወገኑ ሓንቲ ባጃጅ (በዓልቲ ሰለስተ እግሪ ጎማ ተሽከርካሪት) ነተን ሰራዊት ዝጸዓና መኻይን መገዲ ከም ዝዓጸወተን ይዛረብ።
''ከመይ ምዃኑ ኣይፈለጥኩን ኣብ ቅድሚኦም ሕልኽልኽ ክትብል ንርእያ ኔርና፤ [መገዲ] ዓጽያቶም ነይራ፤ ሽዑ ተኹሲ ተጀሚሩ፡፡ ሰብ እናሃደመ ስለዝነበረ ኣነ'ውን ዝሰርሓሉ ፊት ንፊት ስለዝኾነ ተኹሲ ምስ ሰማዕኩ ልግስ ክብል ኢለ እናኸደኩ እየ ተወቒዐ'' ኢሉ፡፡
ንሱ፡ ብሓሙሽተ ጠያይቲ ከም ዝተሃርመ ድሕሪ ምግላጽ፡ ''ሓደ ኣብ ጥቓ ክሳደይ፣ ኣብ ሑቐይ ሰለስተ፣ ኣብ ኢደይ ሓደ ውቃዕ ኣለኒ'' ክብል ንቢበሲ ተዛሪቡ፡፡
ክልቲኦም ቁሱላት ሕክምና ንምርካብ ኣብ ዓድዋ ናብ ዝርከብ ብልሙድ 'ዶንቦስኮ' ብዝብል ዝፍለጥ ሆስፒታል ከምዝኸዱን ጉድኣቶም ከቢድ ብምንባሩ ግን ናብ ኣኽሱም 'ሪፈር' ከምዝተበሃሉን ይዛረቡ።
ምስቲ ብሰኑይ ተፈጺሙ ዝተባህለ መጥቃዕቲ ብዝተሓሓዝ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ካልእ ተቐማጢ ከተማ ዓድዋ ብወገኑ፡ እቶም ወተሃደራት ናብታ ከተማ ክኣትዉ ኸለዉ ቅድሚ እቲ ፍጻመ ኣብ ዓድዋ ኲናት ዝበሃል ከምዘይነበረ ተዛሪቡ።
ኣመዓባብላ ናይቲ ኵናት
ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ብህወሓት ዝምራሕ ዝነበረ መንግስቲ ክልል ትግራይን እናገደደ ዝመጸኣ ፖለቲካውን ሕገመንግስታዊን ምትፍናን ድሕሪ 3 ሕዳር 2020 ናብ ቅሉዕ ኲናት ኣምሪሑ።
ጠንቂ ናይቲ ፖለቲካዊ ምትፍናን ኣብ መጋቢት 2018 ዝጀመረ ኮይኑ ምስ ምምጻእ ቀዳማይ ሚኒስተር ናብ ስልጣንን ምድኻምን ምድፋእን ህወሓት ካብቲ ንልዕሊ 27 ዓመታት ብዓብላልነት ዓትዒትዎ ዝነበረ ፈደራላዊ ስልጣንን ዝተኣሳሰር'ዩ።
ኣብ ሕዳር 2019፡ ኢህወዴግ ውሁድ ገዛኢ ሰልፊ ክኽውን ድሕሪ ምውሳኑ፡ ህወሓት ነቲ ውሳነ ስለ ዘይተቐበሎ ከም ዝወጽእ ኣነጺሩ።
ኣብ ወርሒ ሕዳር ናይቲ ዓመት ኢህወዴግ ናብ ብልጽግና ምስተቐየረ ድማ እቲ ፖለቲካዊ ፍትሕ ወግዓዊ ኮይኑ።
በዚ ድማ ብልጽግና ገዛኢ ሰልፊ ኮይኑ፡ ህወሓት ከኣ ከም ተቓዋሚ ሰልፊ ኣንጻር እቲ ብዶ/ር ኣብዪ ዝምራሕ ብልጽግና ደው ኢሉ።
ኣብ መጋቢት 2020 ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ነቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ናይቲ ዓመት ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ከም ዝተናውሐ ድሕሪ ምግላጹ፡ ህወሓት ነቲ ለበዳ ብዝከላኸል ኣገባብ ክካየድ ይኽእል'ዩ ዝብል ምጉት ብምልዓል ነቲ ምንዋሕ ኣይተቐበሎን።
እቲ ኣብ ወርሒ መስከረም ናይቲ ዓመት ዕድመ ስልጣኑ ከብቅዕ ዝነበሮ ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ንውሳነ ኮሚሽን ምርጫ ብምርዓም፡ ዕድመ ስልጣን ፈደራላውን ክልላውን መንግስታት ክናዋሕ ውሳነ ኣሕሊፉ።
ህወሓትን እቲ ንሱ ዝመርሖ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ብወገኖም፡ እቲ ውሳነ "ዘይሕገመንግስታዊን" "ዘይሕጋውን" ብምባል ንውሳነ ናይቲ ቤትምኽሪ ነጺግዎ።
ነቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ዝምራሕ ፈደራላዊ መንግስቲን ክልቲኡ ባይቶታትን ኣፍልጦ ከም ዘይህቦም'ውን ኣፍሊጡ።
እቲ ውሳነ ቅድሚ ምሕላፉ'ውን፡ እታ ኣፈጉባኤ ናይቲ ቤት ምኽሪ ዝነበረትን ኣባል ፈጻሚ ስራሕ ህወሓትን ዝነበረት ወ/ሮ ኬርያ ኢብራሂም እቲ ውሳነ ከይሓለፈ እንከሎ ተቓውሞኣ ንምግላጽ ኣብ ወርሒ ሰነ 2020 ብፍቓዳ ካብ መዝነታ ወሪዳ።
ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንውሳነ ሃገራዊ ቦርድ ምርጫን ቤት ምኽሪ ፈደረሽንን ድሕሪ ምጽዳቑ ኸኣ፡ ባይቶ ክልል ትግራይ ናይ ባዕሉ ምርጫ ከካይድ ብ12 ሰነ 2020 ወሲኑ።
ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ነቲ ክልላዊ ምርጫ ከካይዶ'ኳ ብወገን ትግራይ ጠለብ ቀሪቡሉ እንተነበረ፡ ስለዝነጸጎ፡ ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ናይ ባዕሉ ኮሚሽን ምርጫ ከቕውም ተገዲዱ።
ብ9 መስከረም 2020 ድማ ምሉእ ብምሉእ ህወሓት ዝተዓወተሉ ክልላዊ ምርጫ ተኻይዱ።
ድሕሪ'ዚ ክልቲኦም ወገናት ኣፍልጦ ተነፋፊጎም፡ ኣብ ናይ ቃላት ውግእ ኣትዮም።
እቲ ዝነበረ ወጥርን ምትፍናንን እናገደደ ድሕሪ ምምጽኡ ድማ፡ ተኽእሎ ኵናት እናዓበየ መጺኡ።
ብወገን ህወሓት፡ ዝርርብ ክካየድ እንተኾይኑ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ መሰጋገሪ መንግስቲ ክምስርት፡ ናይ ፖለቲካ እሱራት ክፈትሕን ሃገራዊ መድረኽ ዘተ ክፍጠርን ዝብል ቅድመ ኵነት ቀሪቡ።
እንተኾነ ግን፡ እቲ እናኸረረ ዝመጸ ምትፍናንን ወጥሪን ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሕዳር 2020 ናብ ቅሉዕን ሰፊሕን ኲናት ኣምሪሑ፡ ኣብቲ ክልል ከቢድ ቅልውላዉ ፈጢሩ ይርከብ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







