ቅልውላዉ ትግራይ፡ ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘቕረቦ ክሲ "ተጻባኢ'ዩ" ክትብል ኤርትራ ተቓዊማ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቤት ምኽሪ ሕብረት ኣውሮጳ ብዛዕባ ኤርትራ ኣመልኪቱ ዘውጽኦ ክሲ፡ "ንረብሓ ሰላምን ምርግጋእን ኢትዮጵያን ቀርኒ ኣፍሪቃን ዝጠቅም" ኣይኮነን ክትብል ኤርትራ ነቒፋ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ቤት ምኽሪ መራሕቲ ኣባላት ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ብዛዕባ ኢትዮጵያ፡ ብፍላይ ድማ ቅልውላዉ ትግራይ፡ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሓይልታት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወጹ ጸዊዑ ነይሩ።
"ሕብረት ኣውሮጳ፡ ወተሃደራት ኤርትራ ገበናት ኲናትን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ዝዳረግ ተግባራት ከምዝፈጸሙ ዝቐርብ ዘሎ ክስታት ኣተሓሳሲብዎ ኣሎ" ክብል እቲ መግለጺ ጠቒሱ።
እቲ ሕብረት ነቶም "ብዙሓት"ን "እሙናት"ን ክብል ዝገለጾም ጸብጻባት ንምጽራይ፡ ምሉን ናጻን መርመራ ክግበር ብምጽዋዕ፡ ኣብ መጻኢ ንዝፍጠሩ "ምዕባለታት ብቐረባ ክከታተሎ" ምዃኑ ሓቢሩ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ብሰንበት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ድማ፡ መደምደምታት ቤት ምኽሪ ሕብረት ኣውሮጳ፡ "ቅንዕና ዝጎደሎን ዘይንቡርን ተግባር" ምዃኑ ብምግላጽ፡ ምስ ዝጸንሐ ኣካይዳ ዝምድናታት ኤርትራን እቲ ሕብረትን ዘይቃዶ'ዩ ክብል ተቓውሞኡ ገሊጹ።
"ብዛዕባ'ቲ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ክልል ትግራይ፡ ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላዉ ብዝምልከት፡ ክብደት ናይቲ ጉዳይን፡ ቀንዲ ተሓታቲ ህወሓት ምዃኑን ዘየጠራጥርን ዘየካትዕን'ዩ" ይብል መግለጺ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ።
ተጣበቕቲ ጉጅለታት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ሁዩማን ራይትስ ዎችን ኣብ መወዳእታ ወርሒ ለካቲትን ኣብ ፈለማ ናይዚ ወርሒን ኣብ ዘውጽእዎ ጸብጻባት፡ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ከተማ ኣክሱም ኣማኢት ሰባት ከምዝቐተሉ ከሲሶም ነይሮም።
መንግስቲ ኤርትራ እቶም ጉጅለታት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ "ናይ ስርዓት ለውጢ" ከምዝጽኡ ዝሃቀኑ'ዮም ክብል ብምጥቃን፡ ነቲ ዘቕረብዎ ክስታት ነጺግዎ'ዩ።

ምንጪ ስእሊ, Yemane G/meskel
ሕብረት ኣውሮጳ፡ ብዝተፈላለየ መንገዲ፡ ኤርትራ ሰራዊታ ካብ ትግራይ ከተውጽእ ብተደጋጋሚ ክጽውዕ ምጽንሑ ይፍለጥ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ትግራይ ዝበጽሑ ኣምባሳደራት ናይቲ ሕብረት ኣብ ኢትዮጵያ'ውን ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወጽእ ጸዊዖም ነይሮም።
ዋላ'ኳ ገለ ሰብመዚ ክልል ትግራይን ካልኦት ጸብጻባትን ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ከምዘለዉ ክገልጹ እንተጸንሑ፡ መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ግን ዛጊት ኣይተኣመንሉን።
እቲ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሕዳር ዝተወልዐ ኲናት ትግራይ ክሳብ ሕጂ ይቕጽል ምህላዉ ይፍለጥ።
ኣብቲ ኲናት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ከምዝተቐትሉ ይግለጽ። ኣማኢት ኣሽሓት ድማ ካብ መንበሪኦም ክፈናቐሉ ተገዲዶም ኣለዉ። ካብቲ ኲናት ዝሃደሙ ልዕሊ 60, 000 ካልኦት ድማ ኣብ ሱዳን ተዓቚቦም ይርከቡ።
ኣመዓባብላ ግጭት ትግራይ
ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ብህወሓት ዝምራሕ ዝነበረ መንግስቲ ክልል ትግራይን እናገደደ ዝመጸኣ ፖለቲካውን ሕገመንግስታዊን ምትፍናን ድሕሪ 3 ሕዳር 2020 ናብ ቅሉዕ ኲናት ኣምሪሑ።
ጠንቂ ናይቲ ፖለቲካዊ ምትፍናን ኣብ መጋቢት 2018 ዝጀመረ ኮይኑ ምስ ምምጻእ ቀዳማይ ሚኒስተር ናብ ስልጣንን ምድኻምን ምድፋእን ህወሓት ካብቲ ንልዕሊ 27 ዓመታት ብዓብላልነት ዓትዒትዎ ዝነበረ ፈደራላዊ ስልጣንን ዝተኣሳሰር'ዩ።
ኣብ ሕዳር 2019፡ ኢህወዴግ ውሁድ ገዛኢ ሰልፊ ክኽውን ድሕሪ ምውሳኑ፡ ህወሓት ነቲ ውሳነ ስለዘይተቐበሎ ከምዝወጽእ ኣነጺሩ። ኣብ ክፍላ ሕዳር ናይቲ ዓመት ኢህወዴግ ናብ ብልጽግና ምስተቐየረ ድማ እቲ ፖለቲካዊ ፍትሕ ወግዓዊ ኮይኑ። በዚ ድማ ብልጽግና ገዛኢ ሰልፊ ኮይኑ፡ ህወሓት ከኣ ከም ተቓዋሚ ሰልፊ ኣንጻር እቲ ብዶ/ር ኣብዪ ዝምራሕ ብልጽግና ደው ኢሉ።
ኣብ መጋቢት 2020 ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ነቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ናይቲ ዓመት ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ከምዝተናውሐ ድሕሪ ምግላጹ፡ ህወሓት ነቲ ለበዳ ብዝከላኸል ኣገባብ ክካየድ ይኽእል'ዩ ዝብል ምጉት ብምልዓል ነቲ ምንዋሕ ኣይተቐበሎን።
እቲ ኣብ ወርሒ መስከረም ናይቲ ዓመት ዕድመ ስልጣኑ ከብቅዕ ዝነበሮ ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ንውሳነ ኮሚሽን ምርጫ ብምርዓም፡ ዕድመ ስልጣን ፈደራላውን ክልላውን መንግስታት ክናዋሕ ውሳነ ኣሕሊፉ።
ህወሓትን እቲ ንሱ ዝመርሖ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ብወገኖም፡ እቲ ውሳነ "ዘይሕገመንግስታዊን" "ዘይሕጋውን" ብምባል ንውሳነ ናይቲ ቤትምኽሪ ነጺግዎ። ነቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ዝምራሕ ፈደራላዊ መንግስቲን ክልቲኡ ባይቶታትን ኣፍልጦ ከምዘይህቦም'ውን ኣፍሊጡ።
እቲ ውሳነ ቅድሚ ምሕላፉ'ውን፡ እታ ኣፈጉባኤ ናይቲ ቤት ምኽሪ ዝነበረትን ኣባል ፈጻሚ ስራሕ ህወሓትን ዝነበረት ወ/ሮ ኬርያ ኢብራሂም እቲ ውሳነ ከይሓለፈ እንከሎ ተቓውሞኣ ንምግላጽ ኣብ ወርሒ ሰነ 2020 ብፍቓዳ ካብ መዝነታ ወሪዳ።
ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንውሳነ ሃገራዊ ቦርድ ምርጫን ቤት ምኽሪ ፈደረሽንን ድሕሪ ምጽዳቑ ኸኣ፡ ባይቶ ክልል ትግራይ ናይ ባዕሉ ምርጫ ከካይድ ብ12 ሰነ 2020 ወሲኑ።
ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ነቲ ክልላዊ ምርጫ ከካይዶ'ኳ ብወገን ትግራይ ጠለብ ቀሪቡሉ እንተነበረ፡ ስለዝነጸጎ፡ ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ናይ ባዕሉ ኮሚሽን ምርጫ ከቕውም ተገዲዱ።
ብ9 መስከረም 2020 ድማ ምሉእ ብምሉእ ህወሓት ዝተዓወተሉ ክልላዊ ምርጫ ተኻይዱ።
ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ዝምራሕ መንግስትን ቤት ምኽሪ ፈደረሽንን ግን እቲ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ምርጫ፡ "ዘይሕጋዊን ትርጉም ኣልቦን" ምዃኑ ብምግላጽ ኣፍልጦ ከምዘይህብዎ ኣፍሊጦም።
ድሕሪ'ዚ ክልቲኦም ወገናት ኣፍልጦ ተነፋፊጎም፡ ኣብ ናይ ቃላት ውግእ ኣትዮም። እቲ ዝነበረ ወጥርን ምትፍናንን እናገደደ ድሕሪ ምምጽኡ ድማ፡ ተኽእሎ ኵናት እናዓበየ መጺኡ።
'ክራይስስ ግሩፕ' ዝተባህለ ዓለምለኻዊ ትካል ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ፡ እቲ ምትፍናን ናብ ጎነጽ ከየምረሐ እንከሎ ብልዝብ ክፍታሕ ኣለዎ ክብል ኣጠንቂቑ ነይሩ።
ብውገን ህወሓት፡ ዝርርብ ክካየድ እንተኾይኑ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ መሰጋገሪ መንግስቲ ክምስርት፡ ናይ ፖለቲካ እሱራት ክፈትሕን ሃገራዊ መድረኽ ዘተ ክፍጠርን ዝብል ቅድመ ኵነት ቀሪቡ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ መወዳእታ ሓምለ 2020 ምስ መደበር ቴሌቪዥን ፋና ብትግርኛ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ ምስ ክልል ትግራይ ናይ ምውጋእ መደብ እንተለዎ ምስ ተሓተተ፡ "ናይ ዕብዳን ዘረባ'ዩ፡ ካብ [ባሃሊኡ] ደጋሚኡ" ክብል መሊሱ። ንሱ ይኹን እቲ ዝመርሖ ገዛኢ ሰልፊ ብልጽግና ንህዝቢ ትግራይ ናይ ምጉዳእ ሃቐነ ከም ዘይብሎም'ውን ገሊጹ።
ብ3 ሕዳር ሓይልታት ክልል ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኣብ ትግራይ ዓሪዱ ዝነበረ ሰራዊት ሰሜን እዝ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሞም ግን "ናይ ሕጊ ምኽባር ስርሒት" ዝበሎ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ኣዊጁ።
ህወሓት ድማ፡ ነቲ ወተሃደራዊ መዓስከር ዝተቖጻጸሩዎ፡ ሓይልታት ፌደራል ናብ ትግራይ ከይኣትዉ 'ቀዲሞም ንምክልኻል' ምዃኑ እዮም ዝገልጹ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







