ቅልውላው ትግራይ: መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ብሕብረት ኣውሮጳ ዝወጽኣ መግለጺ ግብረመለሲ ሂቡሉ

ማነ ገብረመስቀል

ኤርትራ፡ ነቲ ወታሃደራታ ካብ ኢትዮጵያ ከተውጽእ ብሰለስተ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሕብረት ኣውሮጳ ዝቐረበላ ጻውዒት "ዘሰንብድ'ዩ" ክትብል ተቓውሞኣ ገሊጻ።

ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ፡ እቲ መግለጺ "ንመሰረታዊ ጉዳያት ዝጎልበበ'ዩ" ኢሉዎ።

ኣብ ድሮ ነቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ኩነታት ብኣካል ንምዕዛብ ኣጻራዪ ጉጅለ ዝሰደሉ ዘሎ እዋን ነቲ መጸዋዕታ ምቕራቡ'ውን፡ "ዘገርምን ስግንጢርን'ዩ" ክብል ሚኒስተር የማነ ገብረመስቀል ጽሒፉ።

ብመሰረት ስምምዕ ኣልጀርስ ንኤርትራ ዝተዋህበ "ልኡላዊ መሬት ኤርትራ" ተታሒዙ እንከሎ፡ "እቲ ሕብረት ሞራላዊ ሓላፍነቱ ብምጉሳይ ቢልዮናት ባጀታዊን ካልእን ሓገዛት" ነቲ ብህወሓት ዝምራሕ መንግስቲ ይምውል ምንባሩ ኣቶ የማነ ከሲሱ።

"ሕብረት ኣውሮጳ ንኤርትራ ኣብ ክንዲ ምኽሳስ ፖሊሲታቱ ክቕይር ግዚኡ ኣኺሉ'ዩ" ድማ ኢሉ።

እቲ ሕብረት ትማሊ 8 ለካቲት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ንጻውዒት ኣመሪካ ብምድጋፍ፡ ወታሃደራት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ክወጹ ንጽውዕ" ኢሉ ነይሩ።

ሓይልታት ኤርትራ "ነቲ ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ግጭት የጋድድዎን ግፍዕታት ይፍጽሙን" ምህላዎም፡ ከምኡ'ውን "ነቲ ዘሎ ብሄር መሰረት ዝገበረ ግጭት ከምዝብእስ ይገብሩ" ከምዘለዉን ጸብጻባት ከምዝበጽሖም'ውን ጠቒሶም።

እቲ ኣብ ሕብረት ኣውሮጳ ሓላፊ ጉዳያት ወጻኢ ጆሰፕ ቦረል፡ ኮሚሽነር ዓለምለኻዊ ምትሕግጋዝ ጁታ አርፕለይነንን ኮሚሽነር ህጹጽ ግብረመልሲ ጃነዝ ሌናርኪክ ዘውጽእዎ ናይ ሓባር መግለጺ፡ ኣብ ሓደጋ ዝወደቑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዉሑስ "ሓለዋ" ክግበረሎም'ውን ጠሊቦም።

"ዓለምለኻዊ ሕግታት ስደተኛታት፡ ሰባዊ መሰላትን ሰብኣውነትን ብዝእዝዞ መሰረት፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብሓይሊ ናብ ሃገሮም ከይምለሱ ይኹን ጉድኣት ከይበጽሖም ውሑስ ሓለዋ ክግበረሎም ኣለዎ" ኢሎም።

በቲ ኣብቲ ክልል ተፈጢሩ ዘሎ ዘሕዝን ሰብኣዊ ቅልውላዉ ኣዝዩ ተሻቒሉ ከምዘሎ ብምግላጽ፡ ሰብኣዊ ረዲኤት ብዘይገደብ ከምቲ ዝድለ ክኣቱ ኣይክኣለን ይብል እቲ ሕብረት።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ መንግስቲ ኣመሪካ ሰራዊት ኤርትራ "ብህጹጽ ካብ ትግራይ" ክወጽእ "ብቐጥታ" ንመንግስቲ ኤርትራ ሓቲቱ ምንባሩ ኣፍሊጡ ነይሩ።

ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣብ ዝሓላፈ ዓርቢ ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ፡ "እቶም ክስታት ግጉያትን ግምታውን" እዮም ብምባል መንግስቱ ነቲ ክሲ ከምዝነጽጎ ብተመሳሳሊ ኣብ ትዊተር ኣፍሊጡ'ዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ ወተሃደራት ኤርትራ ኣብ ክልል ትግራይ ኣትዮም ይዋግኡ ኣለዉ ንዝብል ክሲ "መሰረት ዘይብሉ ፕሮፖጋንዳ'ዩ" ብምባል ክነጽጎ ጸኒሑ'ዩ።

ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ብህወሓት ዝምራሕ ዝነበረ መንግስቲ ክልል ትግራይን እናገደደ ዝመጸ ፖለቲካውን ሕገመንግስታዊን ምትፍናን ድሕሪ 3 ሕዳር 2020 ናብ ቅሉዕ ኲናት ምምርሑ `ይዝከር።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓይልታት ክልል ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኣብ ትግራይ ዓሪዱ ዝነበረ ሰራዊት ሰሜን እዝ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሞም፡ ብ4 ሕዳር 2020 "ናይ ሕጊ ምኽባር ስርሒት" ዝበሎ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ኣዊጁ።

ይኹን እምበር፡ ዋላ'ኳ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ እቲ ስርሒት ኣብ መወዳእታ ሕዳር ብዓወት ከምዝተዛዘመ እንተኣወጀ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ረጽሚ ከምዘሎ ይግለጽ።

ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ኵናት ኣሽሓት ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ተፈናቂሎም፡ ልዕሊ 60 ሽሕ ከኣ ናብ ሱዳን ተሰዲዶም ኣለዉ።

ልዕሊ 4.5 ሚልዮን ሰባት'ውን ህጹጽ ረዲኤት ከምዘድልዮም ሰብመዚን ሕቡራት ሃገራትን ሓቢሮም።

ትካላት ረድኤትን ትካል መግቢ ዓለምን፡ ኣብ መላእ ትግራይ ረድኤት ንምብጻሕ ድማ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ይሰርሑ ምህላዎም ገሊጾም ኣለው።