‘ኩሎም ወገናት ኢትዮጵያን ጎረባብትን’ ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ከህድኡ ሕብረት ኣውሮጳ ጸዊዑ

ሓላፊ ጉዳያት ወጻኢ (ኤስተርናል ኣክሽን) ጆሴፍ ቦሬል

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ሓላፊ ጉዳያት ወጻኢ ጆሴፍ ቦሬል ካብ 8-9 ጥቅምቲ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ኣካይዱ ነይሩ

ኣብ ኣውሮጳዊ ሕብረት ሓላፊ ጉዳያት ወጻኢ ጆሴፍ ቦሬል፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝምዕብል ዘሎ ኩነታት "ኣዝዩ ዘተሓሳስብ" ምዃኑ ገሊጹ።

ንጉዳያት ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ "ኣብ'ታ ሃገር ልዕሊ ዝኾነ እዋን፡ ንኹሎም ፖለቲካዊ ኣካላት ዘሳትፍ ፖለቲካዊ ስምምዕ ዘድልየሉ እዋን እዩ" ኢሉ።

"ኩሎም ወገናት ኢትዮጵያን ጎረባብትን፡ ነቲ ምትፍናን ከህድኡ፡ ዘረሳስን ቃላት ካብ ምጥቃም ክቑጠቡን፡ ቶኽታዂ ወታሃደራዊ ምንቅስቓስ ካብ ምክያድ ክሕየቡን" ጸዊዑ።

መንግስቲ ኤርትራ ቅድሚ ክልተ መዓልታት ንህወሓት ኣትሪሩ ዝነቅፍ "ሓተታ" ኣውጺኡ ነይሩ።

እቲ ኣብ መንጎ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ዝምራሕ ፌደራላዊ መንግስትን፡ ብህወሓት ዝምራሕ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ዝጸንሐ ወጥሪ፡ ኣብዘን ዝሓለፋ መዓልታት እናገደደ ምምጽኡ፡ ናብ ግጭት ከየምርሕ ዓቢ ስግኣት ፈጢሩ'ሎ።

እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ "ዕርያ" (ለውጢ) ክቕጽል ድላዩ ምዃኑ ዝገለጸ ኣውሮጳዊ ሕብረት፡ እዚ ክዕወት ዝኽእል ግን፡ "ልዕልና ሕጊ እናኽበርካን፡ ሰብኣዊ መሰላት እናሓለኻን እዩ" ክብል መርገጺኡ ኣፍሊጡ።

ጆሴፍ ቦሬል፡ ካብ 8-9 ጥቅምቲ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ኣካይዱ ነይሩ።

ፌደራላዊ መንግስትን መንግስቲ ክልል ትግራይን፡ ንሓድሕዶም ኣፍልጦ ብምንፍፋግ፡ ርክብ ኣቋሪጾም ምህላዎም ይፍለጥ።

መንግስቲ ክልል ትግራይ፡ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ሰራዊት ክእዝዝ ኣይክእልን'ዩ፡ ክብል ድሕሪ ምግላጹ፡ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ናብቲ ክልል ከይኣትዉ ከልኪሉ ይርከብ።

ርእሰምምሕዳር ናይቲ ክልል፡ ዶ/ር ደብረጽዮን ሎሚ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ'ውን፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣንጻር ክልል ትግራይ ይዳሎ ከምዘሎ ብምግላጽ ብወገኖም'ውን "ሰራዊት ኣዳሊና ኣለና" ክብል ኣጠንቂቑ'ሎ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ፡ እቲ ጉዳይ ብሕጋዊ ኣገባብ ጥራይ ክፈትሖ ከምዝደሊ ክገልጽ ምጽንሑ ይዝከር።

እቲ ሚኒስተር መራሕቲ ክልላት ኦሮሚያን ኣምሓራን፡ ህወሓት ኣብቲ ኣብ ምዕራብ ወለጋ ትማሊ ዝተፈጸመ "ጃምላዊ ቅትለት" ኢድ ኣለዎ ክብሉ ክኸሱ ውዒሎም ኣለዉ። ህወሓት ነቲ ክሲ ክነጽጎ ምጽንሑ ይፍለጥ።