ዶ/ር ደብረጽዮን ንልዕሊ 70 መራሕቲ ሃገራትን ዓለምለኻዊ ውድባትን ደብዳበ ሰዲዶም

ዶ/ር ደብረጽዮን

ርእሰ ምምሕዳር ትግራይ ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል: ንልዕሊ 70 መራሕቲ ሃገራት ዞባውን ዓለምለኻዊ ውድባትን፡ ማሕበረሰብ ዓለም ነዚ [ኣብ ኢትዮጵያ] ዝካየድ ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ክከታተሉዎ ዝምሕጸን ደብዳቤ ሰዲዶም።

መንግስቲ ትግራይን ፌዴራልን ንሓድሕዶም ኣፍልጦ ስለ ዝተኻልኡ፡ መንግስቲ ፌዴራል ንመንግስቲ ትግራይ ባጀት ብምኽልካሉ ንወጥሪ ክልቲኦም ወገናት ኣዕሪጉዎ ኣሎ።

እቲ ንማሕበረሰብ ዓለም ዝተዘርገሐ ደብዳበ፡ መንግስቲ ፌደራል ንትግራይ ኣብ ዝምደብ በጀት ብምኽልካል መሰረተ ልምዓትን ማሕበራዊ ኣገልግሎት ክቖርጽ እንተፈቲኑ: ኣብ ሰላምን ሓድነትን እታ ሃገር ሓደገኛ ኣሉታዊ ፅልዋ ከም ዝህልዎ ኣፍሊጡ።

ብሰንኩ ንዝመጽእ ሳዕቤን ድማ እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሓይሊ ከም ዝሕተቱሉ እቲ ደብዳበ የፍልጥ።

መንግስቲ ፈደራል፡ ብመሰረት ውሳነ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ንካቢኔ ባይቶ ወከልቲ ህዝብን ፈጻሚ ኣካልን እቲ ክልል ዝወሃብ ባጀት ከም ዘየሎ ብምግላጽ ብቐጥታ ንምምሕዳር ወረዳታት፣ ከተማታትን ጣብያታትን ሓገዝ ዝወሃበሉ ኣሰራርሓ ከም ዘመቻቹ ምግላጹ ይዝከር።

እቲ ካብ ዶክተር ደብረጽዮን ናብ መራሕቲ ሃገራት ዓለም ዝተላእኸ ደብዳበ ድማ፡ እቲ ብሕታዊ መፍትሒ ናይዚ ሽግር፡ እቲ ብፈደራሊስት ሓይልታት ዝቐረበ ሰላማዊ እማመ ምዃኑን ንህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ብተናፀል ዝካየድ እማመ ፍታሕ ከም ዘየምጽእ ይሕብር።

ዛጊድ እቲ ብኣውሮጳዊ ሕብረት ዝተጀመረ ስጉምቲ ዝንኣድ ይኹን እምበር ምስቲ እታ ሃገር ኣትያቶ ዘላ ቅልውላውን ከጋጥም ዝኽእል ሓደጋ ምብታታንን ግን ዝመጣጠን ኣይኮነን ይብል እቲ ደብዳበ።

ሕዚ እውን እታ ሃገር ኣጓኒፍዋ ዘሎ ፀገም ኣብ ምፍታሕ: ንኹሎም ሓይልታት ዘካተት ልዝብ ከምዘድልን ማሕበረሰብ ዓለም ግደኡ ክፍጽምን መንግስቲ ትግራይ በቲ ዝጸሓፎ መልእኽቲ ደጊሙ ጸዊዑ።

እቲ ደብዳቤ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ስለዘጽቀጠ፡ ዶ/ር ኣብዪ ኣሕመድ ነቲ ዘይሕገ መንግስታዊ ተግባራቱ ክደፍአሉ ኣኽኢልዎ እዩ ክብል ይነቅፍ።

ኣብዚ እዋን፡ መንግስቲ ፈደራል ምስ ህዝቢ ናብ ኵናት ክኣቱን ኣብ ልዕሊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ልዕሊ ሓድነት ሃገር እውን ሓደጋ የውርድን ኣሎ ኢሉ።

ድሕሪ እቲ ኣብ ሚያዝያ 2018 ዝተኸስተ ለውጢ ክልቲኦም ወገናት ነዊሕ ከይጸንሑ ብጥሕሰት ሕገ መንግስቲ ክካሰሱ ምጽንሖም ይፍለጥ።

ብሰንኩ ከኣ እቲ ኣብ መንጎኦም ዝነበረ ዝምድና ኣዝዩ ላሕሊሑ ሓደገኛ ክስተት ከይፍጠር ስግኣት ምህለው ፖለቲከኛታት እታ ሃገር ይገልጹ።