ሊብያ፡ ኣብ ሓደ ሕርሻ ጃምላዊ መቓብር ስደተኛታት ተረኺቡ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሰበስልጣን ምብራቓዊ ሊብያ ብውሕዱ ሬሳ 21 ስደተኛታት ዝሓዘ ጃምላዊ መቓብር ከምዝረኸቡ ጸብጻባት ሓቢሮም። እዚ ርኽበት፡ ኣብ ጥቓ ከተማ ኣጅዳብያ ኣብ ዝርከብ ሕርሻ ድሕሪ ዝተኻየደ ወፍሪ ኰይኑ፡ ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ሰባት እውን ተረኺቦም፤ ምልክታት ምስቓይ ከምዝነበሮም እውን ይርአ።
ሮይተርስ ከም ዝሓበሮ፡ ሰበስልጣን ጸጥታ፡ እቲ ዘሕዝን ርኽበት ካብታ ከተማ ኣስታት 10 ኪ.ሜ ንሸነኽ ደቡባዊ ምብራቕ ዘጓነፈ ኰይኑ፡ ካብ ሃገራት ትሕቲ ሰሃራ ኣፍሪቃ ዝመጹ ስደተኛታት ኣብቲ ቦታ ሕርሻ ጅሆ ተታሒዞም ከም ከምዘለዉ ድሕሪ ዝተረኽበ ጽንጽንታ እዩ።
ሓደ በዓል ስልጣን ከም ዝጠቐሶ፡ ኣብቲ ሕርሻ ብዝተገብረ ወፍሪ ዝተወሰኑ ደቂ ተባዕትዮ፡ ደቀንስትዮን ህጻናትን ከም ዝደሓኑ ብምግላጽ፡ መብዛሕቶም ምልክታት ማህረምቲን ግሰታትን ከም ዝርኣዮም ኣቃሊዑ።
ናብ ሆስፒታል ከም ዝተወስዱን፡ ካልኦት ሓያለ ምስኣቶም ተታሒዞም ዝነበሩ ሰባት ከም ዝጠፍኡን ድማ ሓቢሮም።
ወናኒ እቲ ሕርሻ ብኡንብኡ ኣብ ቀይዲ ክኣቱ እንከሎ፡ ብዛዕባ'ቲ ኣብ መሬቱ ዝተረኽበ ጃምላዊ መቓብር ድማ ተኣሚኑ'ሎ።
መርመርቲ፡ እቶም ግዳያት ብኸመይ ከም ዝሞቱ ንምፍላጥ ይሰርሑ ከምዘለው ካብቲ ቦታ ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ።
ሊብያ፡ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝመጹ፡ ነቲ ማእከላይ ባሕሪ ሰንጢቕካ ዝግበር ሓደገኛ ጕዕዞ ናብ ኤውሮጳ ዝፍትኑ ስደተኛታት ቀንዲ መተሓላለፊት ካብ እትኸውን ነዊሕ ዓመታት ጸኒሓ እያ። ብፍላይ ድማ ኣብ 2011 ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ሙዓመር ቓዛፊ፡ እታ ሃገር ናብ ዘይምርግጋእ ስለዝኣተወት እቲ ኵነታት ብፍኑው መልክዕ ተጋዲዱ እዩ።
እታ ብነዳዲ ሃብታም ዝዀነት ሰሜን ኣፍሪቃዊት ሃገር፡ ስራሕ ንዝደልዩ ስደተኛታት'ውን ትስሕብ'ያ። እንተዀነ፡ ብፍላይ ኣብዚ እዋን ሰፊኑ ዘሎ ዘውሕስነት ጸጥታ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ንዘይሕጋዊ ምስግጋርን ዓመጽን ግህሰትን ይቃልዑ።
እዚ ኣብ ከባቢ ኣጅዳብያ ዝተረኽበ መቓብር፡ መርኣያ ናይቲ ኣብ ሊብያ ዝፍጸም ስቓይ ስደተኛታት ዘጕልሕ ፍጻመ እዩ።
ከምዚ ዝበለ ጃምላዊ መቓብራት ክርከብ ዝውቱር ኰይኑ፡ ኣብ ለካቲት ዝሓለፈ ዓመት እውን ኣብ ከባቢ እታ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ሊብያ እትርከብ ከተማ ኩፍራ፡ ኣብ ሓደ ጋህሲ ሬሳ 28 ስደተኛታት ከም ዝተረኸበ ኣኽባሪ ሕጊ እታ ከተማ ገሊጹ ነይሩ።
ቅድሚኡ ቅድሚ ገለ መዓልታት'ውን ካብ ከተማ ኩፍራ ንሸነኽ ሰሜን 19 ሬሳታት ዘለዎ ጋህሲ ኣብ ሓደ ናይ ሕርሻ ቦታ ተረኺቡ ነይሩ'ዩ።
ሰብ መዚ ሊብያ ንሓደ ዘይሕጋውያን ኣስገርቲ ደቂ ሰባት፡ ስደተኛታት ዝህጉርሉ ቦታ ብሃንደበት ምስ ወረርዎ'ዮም ነቲ ጋህስታት ክረኽብዎ ክኢሎም።
ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ፡ ኣብ ተመሳሳሊ ከባቢ ኣጅዳብያ፡ ብሓደ ጕጅለ ኣሰጋገርቲ መበጆ ክኽፈለሎም ተታሒዞም ዝነበሩ፡ ሓሙሽተ ደቂ ኣንስትዮ ዝርከባኦም ልዕሊ 100 ስደተኛታት ብዝተገብረ ወፍሪ ናጻ ከምዘልቀቝ፡ ኣኽበርቲ ሕጊ ይገልጹ።
ኣብ ዝሓለፈ መስከረም፡ መብዛሕትኦም ሱዳናውያን ስደተኛታት ዝጸዓነት መርከብ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ብሓዊ ድሕሪ ምቅጻላ፡ ብውሕዱ 50 ሰባት ከምዝሞቱ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ሓቢሩ ምንባሩ ይዝከር።
ኣብ ዝቐጸለ ጥቅምቲ ድማ፡ ካብ ትሪፖሊ ንምዕራብ ኣብ ዝርከብ ገማግም ባሕሪ ሜዲተራንያን ስሳን ሓደን ሬሳታት ተረኺቡ።
በዚ መሰረት፡ ኣብ መንጎ ነሓሰን ጥቅምትን 2025 ጥራይ ዝተኣከበ ኣሃዛት ሕቡራት ሃገራት ከም ዘመልክቶ፡ ካብ 44 ሃገራት ዝመጹ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ስደተኛታት ኣብ 100 ምምሕዳራትን ከተማታትን ሊብያ ይነብሩ ነይሮም።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ጀነቫ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ሕቡራት ሃገራት፡ እቲ ኣብ ሊብያ ዝርከብ መዳጎኒ ስደተኛታት ክዕጾ ሃገራት ኤውሮጳን ኣፍሪቃን ተሪር ምሕጽንታ ኣቕሪበን ነይረን።
እዚ ማእከላት መዳጐኒ ስደተኛታት፡ ስቅያት፡ ግህሰትን ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ድማ ኢደወነናዊ ቅትለታት ዝፍጸመሉ ማእከላት ምዃኑ፡ ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ካብ ነዊሕ እዋን ከጠንቅቓ ጸኒሐን እየን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







