ብምስግጋር ሰባት ዝኽሰስ ኤርትራዊ ኪዳነ ዘካርያስ ናብ ኔዘርላንድስ ተመሓላሊፉ ተዋሂቡ

ኪዳነ ዘካርያስ

ምንጪ ስእሊ, EBC

ብምስግጋር ዲቂ ሰባት ዝኽሰስ ኤርትራዊ ኪዳነ ዘካርያስ፡ ኣብ ኔዘርላንድ ናብ ፍርዲ ንኽቐርብ ብረቡዕ ካብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ናብ ኔዘርላንድስ ተመሓላሊፉ ከምዝተውሃበ ማዕከን ዜና ኤቢሲ ኣቓሊሑ።

እቲ ወዲ 41 ዓመት ኤርትራዊ ኪዳነ ዘካርያስ ሃብተማርያም ኣብ 2021 ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ቤት ፍርዲ ካብ ዝሃድም ኣትሒዙ ብደረጃ ዓለም ሽሙ ኣብ ዝርዝር ተደለይቲ ሰባት ሰፊሩ ምንባሩ ኣኽበርቲ ሕጊ ኔዘርላንድስ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ሓቢሮም።

ኪዳን ዘካርያስ ካብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ናብ ኔዘርላንድስ ብወተሃደራውያን ፖሊስ ኔዘርላንድስ ተቐይዱ ከምዝተወሰደ እቲ ዝወጸ ዜና ይሕብር።

ንሱ ኣብ ኔዘርላንድስ ብምስግጋር ሰባት፡ ጭውያ፡ ዝምታ፡ ጎነጽን ጾታዊ ዓመጽን ዝልን ካልእን ክስታት ተመስሪትዎ ዘሎ ውልቀ ሰብ'ዩ።

ንሱ ክሱ ምስቲ ድሮ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣትሒዙ ኣብ ኔዘርላንድስ ጉዳዩ ብቤት ፍርዲ ዝረአ ዘሎ ብወሊድ ዝፍጥ ተወልደ ጎይትኦም ዝተሓሓዝ'ዩ።

ኣኽበርቲ ሕጊ ኔዘርላንድስ ንተወልደ ጎይትኦም ክሳብ 20 ዓመት ክእሰር'ዮም ንመርትዖታት ኣሰንዮም ዝሓቱ ዘለዉ።

ጠበቓታት ተወልደ ጎይትኦም ኪዳነ ዘካርያስ ከም ምስክር ናብ ፍርዲ ክቐርብ ብተደጋጋሚ ክሓቱ ጸኒሖም'ዮም።

እቲ ኣብ ኔዘርላንድስ ንጉዳይ ተወልደ ጎይትኦም ዝከታተል ዘሎ ቤት ፍርዲ፡ እቲ መስርሕ ሓደ ካብቶም ዝዓበዩ ምስ ምስግጋር ደቂ ሰባት ዝተሓሓዙ ጉዳያት ምዃኑ'ዮም ዝገልጹ።

ተወልደ ጎይትኦም ክሳብ ሕጂ ንሱ እቲ ቀንዲ ተደላዪ ሰብ ከምዘይኰነን ብዝተጋገየ መንነት ኣብ ዘይውዓሎ ጉዳይ ኣትዩ ከምዘሎ'ዩ ዝማጐት።

ብባሕሪ ዝሰግሩ ስደተኛታት

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ተወልደ ኣብ 2022 ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኔዘርላንድስ ተመሓላሊፉ ከምዝተውሃበ ዝዝከር'ዩ።

እቲ ልክዕ ከም ተወልደ ጎይትኦም ተመሳሳሊ ክስታት ዘለዎ ኪዳነ ዘካርያስ ሃብተማርያ፡ ኣብ 2021 ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ማእከል መጋባእያ ምስ ሃደመ ኣብ 2023'ዩ ብሕቡራት ኢማራት ዓረብ ብዝምራሕ ፍሉይ ሃድን ኣብ ሱዳን ተታሒዙ።

ኣብ ኔዘርላንድስ ቀዳም 27 ታሕሳስ ኣብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ ከኣ ትጽቢት ይግበር።

ኣኽበርቲ ሕጊ እታ ሃገር ኣብ ዘውጽዎ መግለጺ፡ እዞም ክልተ ኤርትራውያን [ተወልደ ጎይትኦምን ኪዳነ ዘካርያስ ሃብተማርያምን] "ብሓባር ኰይኖም ብምስራሕ ብቐንዱ ካብ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብምዝማት ኣዝዩ ብዙሕ ሰልዲ'ዮም ኣኻዕቢቶም፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝፍጸም ዘነበረ ግፍዒ፡ ጾታዊ ዓመጽን ምስቓይን ኣብ ሊብያ'ዩ ተፈጺሙ፤ እቲ ሰልዲ ከኣ እቶም ኣብዚ [ኔዘርላንድስ] ዝነበሩ ስድራ ግዳያት'ዮም ዝኸፍልዎ ነይሮም" ይብሉ።

ኪዳን ዘካርያስ ሃብተማርያም ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ማእከል መጋባእያ ምስ ሃደመ፡ ንሱ ኣብ ዘይነበረሉ መጋባእያ በቲ ምስ ስግረ ዶብ ዝተኣሳሰር ዝፈጸሞ ገበን ንሕልፈት ክእሰር'ዩ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ወሲኑ።

ሊብያ ሓንቲ ካብ ቀንዲ ናይቶም ካብ ኣፍሪቃ ናብ ኣውሮጳ ክኣትዉ ዝደልዩ ስደተኛታት ከም መሰጋገሪት ዝጥቐሙላ ሃገር'ያ።

ብፍላይ እቲ ንነዊሕ ዓመታት ነታ ሃገር ዝመርሓ ሙዓማር ጋዳፊ ኣብ 2011 ካብ ስልጣን ተዓልዩ ምስ ተቐተለ፡ እታ ሃገር እታ ዝኸፍአ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ግፍዕታት ዝፍጸመላ ሃገር'ያ ኰይና።

እታ ብመሬት ምስ ግብጺ፡ ሱዳን፡ ጫድ፡ ኒጀር፡ ኣልጀርያን ቱኒዝያን እትዳወብ ሊብያ ቀንዲ ማእከል ናይቶም ዘይሕጋውያን ኣሰጋጋርቲ ደቂ ሰባት ኰይና፡ ዓበይቲ ወተሃደራውያን ሓለፍቲ እንከይተረፉ ምስቶም ኣሰጋገርቲ ልፍንቲ ብምፍጣር ነቲ ስቓይ ስደተኛታት ኣብ ምግዳድ ግደ ከምዘለዎም ብዙሓት ይጠቕሱ።

ኪዳነ ዘካርያስ ሃብተማርያም መን'ዩ?

ኪዳነ፡ ኣብ ሊብያ ኣሽሓት ስደተኛታት ዝኣስረሉ ገዛውቲ [መኻዚኖ] ከምዘለዎ'ዩ ዝግለጽ።

ነቶም ስደተኛታት ካብን ናብን ሃገራት ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ብምስግጋር፡ ናብ ካልኦት ኣሰጋገርቲ ብምሻጥ፡ ካብ ኣብ ካልእ ሃገራት ዝርከቡ ገንዘብ ብምቕባል ዝፍለጥ ጕጅለ ዝመርሕ ዕሉል ኣሰጋገሪ እዩ።

እዚ ኪዳነ ዝመርሖ ጕጅለ፡ ደቀንስትዮ ብምዕማጽን ብምስቓይን ብሓፈሻ ብዝተፈላለየ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ዝኽሰስ እዩ።

እቲ ኪዳን ዝመርሖ ጕጅለ ቀንዲ መደበሩ ኣብ ሊብያ ኰይኑ፡ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ወከልቲ ዘለውዎ እዩ። ነቶም ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ናብ ሊብያ ዝኣትዉ ስደተኛታት ብምጭዋይ፡ ነቶም ኣብ ካልእ ሃገራት ዝርከቡ ቤተሰቦም ገንዘብ ንክኸፍሉ የገድድ።

ኣብቲ ኣብ ባኒ ዋሊድ ዝብሃል ኣብ ሊብያ ዝርከብ ብኪዳነ ዝውነን መዳጎኒ ስደተኛታት እቶም ክኸፍሉ ዘይክኣሉ ስደተኛታት ንዓመታት ከምዝሳቐዩ እቶም በቲ መስመር ዝሓለፉ ስደተኛታት ይገልጹ።

እቶም ካብ ሱዳንን ካብ ካልእ ሃገራትን ዝብገሱ ስደተኛታት ናብ ሊብያ ምስ ኣተዉ፡ ዕጽፍታት ናይቲ ኣብ መጀመርታ ዝተሰማምዕሉ ክኸፍሉ ከምዝግደዱን እቶም ክኸፍሉ ዘይክኣሉ ንኣደዳ መግረፍትን ስቅያትን ከምዝቃልዑ እቶም ግዳያት ይጠቅሱ።

ገለ ብመንገዲ እዚ መስመር ዝሓለፉ ስደተኛታት ካብ 5000 ክሳብ 12000 ዶላር ክኸፍሉ ከምዝተገደዱ ይሕብሩ።

ዘይጋውያን ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰባት ነቶም ስደተኛታት ገንዘብ ንክኸፍሉ ንኸገድደዎም ዝተፈላላየ ኣካላዊ ስቃይ'ዮም ዘስዕብሎም
መግለጺ ስእሊ, ዘይጋውያን ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰባት ነቶም ስደተኛታት ገንዘብ ንክኸፍሉ ንኸገድደዎም ዝተፈላለየ ኣካላዊ ስቓይ'ዮም ዘስዕብሎም

ንመሰል ስደተኛታት ዝጣበቑ ሰባት "ኪዳነ ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ስደተኛታት ብዝፈጸሞ በደል፡ ብሕጊ ንኽሕተት ማሕበረሰብ ዓለም ክረባረብ ኣለዎ" ኢሎም።

ናብ ኣውሮጳ ክሰግሩ ብምሕሳብ ናብ ሊብያ ዝኣትዉ ስደተኛታት ከቢድ ምክልባት እዩ ዘጋጥሞም፣ እቲ ኣብ ሊብያ ዘሎ ዘይምርግጋእ ከም ግልቡብ ምርቓ ብምውሳድ ንስደተኛታት ዘሳቅዩ፡ ዝብዝብዙን ክንዮ'ዚ ዝቐትሉን ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ኸኣ ንሊብያ ከም ደጀኖም'ዮም ዝጥቀሙላ።

ካብዚ ብምብጋስ ኣኽባሪ ሕጊ ኔዘርላንድስ፡ ኪዳነ ዘካርያስ ኣብ ዝርዝር ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ተደለይቲ ሰባት ኣስፊርዎ ኣሎ።

ነቲ ወዲ 41 ኣብ 2021 ኣብ ኢትዮጵያ ተታሒዙ ካብ ቤት ፍርዲ ዝሃደመሉ ኣገባብ ሓደ ካብ ኣዘራርብቲ ጉዳያት'ዩ ነይሩ።

ኪዳን ኣብ ኢትዮጵያ ንሱ ኣብ ዘይብሉ፡ ንሕልፈት ክእሰር'ዩ ብይን ተመሓላሊፉ።

ካብ ኢትዮጵያ ምስ ሃደም ናብ ሱዳን ዝሰገረ ኪዳነ በቲ ብሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝምራሕ ጕጅለ ሃድን ኣብ 2023 ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ ናብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ተወሲዱ፣ ክሳብ ሕጂ ኣብኡ ድሕሪ ምጽናሕ ከኣ ናብታ ብተደጋጋሚ ተመሓላሊፉ ክውሃባ ክትሓትት ዝጸንሐት ኔዘርላንድስ ብ24 ታሕሳስ 2025 ተመሓላሊፉ ተዋሂቡ ኣሎ።