ብምስግጋር ሰባት ናይ ዝተኸሰሰ 'ወሊድ' ዝወዓለ መጋባኣያ ከመይ ነይሩ?

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ናብ ኤውሮጳ ክሳገሩ ንዝደለዩ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ኣብ ሊብያ ኣብ ዝርከብ መኽዘናት እናዳጐነ፡ ስቓይ ከም ዘውረደሎምን ገንዘብ ከም ዝመንዝዐን ዝተኸሰ ኤርትራዊ፡ ሰኑይ 3 ሕዳር 2025 ኣብ ዝወዓለ መጋባኣያ፡ ዓቃቢ-ሕጊ ጌጋ ሰብ ከም ዝሓዘ ንደያኑ ሆላንድ ተዛሪቡ።
ኣኽበርቲ ሕጊ፡ ተወልደ ጐይቶም (ኣማኑኤል ወሊድ ተባሂሉ'ውን ዝጽዋዕ ሰብ) ካብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝመጽኡ ዝስደተኛታት ብዘስካሕክሕ ኣገባብ ናብ ኤውሮጳ ንምስግጋር ከም ዝሰርሕ፡ ኣብቲ መስርሕ ዓመጽን ምምንዛዕ ገንዘብን ከም ዘካይድን ይኸሱ።
እዚ ብወሊድ ዝተዋደደ መርበብ፡ ስደተኛታት ብሊብያ ኣቢሎም ናብ ኤውሮጳ ንምስጋር ዘኽእል፡ ንኣሽሓት ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ኣብ መኽዘን ብምድጓን፡ ካብኡ ክወጽኡ እንተዀይኖም ካብ ስድራኦም ገንዘብ ክኽፈለሎም ብምግዳድ ከም ዘሳቐዮም እውን ኣኽበርቲ ሕጊ ይገልጹ።
እዚ ቤትፍርዲ ሆላንድ፡ ብሊብያ ኣቢሎም ናብ ኤውሮጳ ኣብ ልዕሊ ዝሳገሩ ስደተኛታት ገበናዊ ተግባራት ንዝፍጽሙ መርበባት ካብ ዝከታተሉ ውሑዳት ትካላት ሓደ ኰይኑ፡ ጉዳይ ወሊድ ዛጊት ካብ ዝርኣዮም ጉዳያት ዝዓበየ ምዃኑ ተሓቢሩ።
ሊብያ፡ ንዓመታት ዝመርሓ ሙዓመር ቐዛፊ ካብ ስልጣኑ ድሕሪ ምእላዩ ኣብታ ሃገር ማእከላይ መንግስትን ቍጽጽርን ድሕሪ ምፍራሱ፡ ሊብያ መተሓላለፊት መንገዲ ናይቶም ካብ ሕሰም ናብራን ግጭታትን ሃዲሞም ናብ ኤውሮጳ ክሰግሩ ዝደልዩ ስደተኛታት ኰይና ትርከብ።
ዓቃቢ ሕጊ ማርቲን ካፐይን ቫን ደ ኮፔሎ ንደያኑ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ወሊድ (ጐይትኦም)፡ ኣብ መስመር ማእከላይ ባሕሪ ካብ ዝነጥፉ ኣሰጋገርቲ ደቂ-ሰብ ሓደ ካብቶም ቀንዲ ገይርና ኢና ንርእዮ፡" ኢሉ።
እዚ ጥርጡር፡ ኣብ 2022 ካብ ኢትዮጵያ ናብ መንግስቲ ሆላንድ ካብ ዝርከብ ንደሓር፡ ንሱ 'ጐይትኦም' ከም ዘይኰነ ገሊጹ።
ኣብ 2020 ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበረ ፍርዲ ዘምለጠ ካልእ ሰብ ኪዳነ ዘካርያስ ሃብተማርያም ብዘካየዶ ነዊሕ መስርሕ ኣሕሊፍካ ምሃብ እቲ ፍርዲ ተደናጒዩ።
ሓደ ካብቶም ''ኣብ ዓለም ኣዝዮም ተደለይቲ" ኣሰጋገርቲ ሰባት ተባሂሉ ዝግለጽ ሃብተማርያም ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ እዩ ተኣሲሩ ጸኒሑ።
እዚ መስርሕ ፍርዲ ዝተደናጐየ፡ እቲ ካብ ቤትማእሰርቲ ኢትዮጵያ ዘምለጠ'ሞ ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ተኣሲሩ ዝርከብ ኪዳነ ዘካርያስ ሃብተማርያም ናብ ሆላንድ ክወሃብ ክጽበዩ ስለ ዝጸንሑ እዩ።
ኣኽበርቲ ሕጊ ነዞም ክልተ ጉዳያት ብሓባር ክርእዩዎም ድሌት ከም ዝጸንሖም እዩ ዝግለጽ።
ኣቐዲሙ ኣብ ዝተኻየደ መስርሕ ፍርዲ፡ ካልእ ስምን ዕለተ-ልደትን ሂቡ ምንባሩ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ኣብቲ ናይ ትማሊ መጋባኣያ ድማ ደጊሙዎ።
ኣብቲ ብመንገዲ ተርጓሚ ዝሃቦ ቃል፡ "ሕጂ'ውን እቲ ኣቐዲመ ዝበልኩዎ ሰብ እየ፡" ኢሉ።
እቶም ደያኑ ብዛዕባ መንነቱ ንዝምልከት ብዙሕ ሕቶታት ከቕርብሉ ፈቲኖም።
ሓያሎ ካብቶም ኣስታት 200 ዝዀኑ ብዛዕባኡ ቃሎም ዝሃቡ ግዳያት ስለምንታይ ኣብ ኣሳእሉ ጐይትኦም ምዃኑ ከም ዘለለዩዎ ምስ ተሓተተ፡ ስቕ ናይ ምባል መሰሉ ተጠቒሙ መልሲ ኣይሃበን።
ጠበቓታቱ፡ እቲ ዝቐረበሉ ክሲ ምስ ሆላንድ ብኸመይ ከም ዝተሓሓዝ ንጻረ ስለ ዘይብሉ ኣብዝሓ እቲ ክስታት ክእለ እኳ እንተ ሓተቱ፡ እቶም ደያኑ ግን ነዚ ብምንጻግ እቲ ጉዳያ ክቕጽል ከም ዝኽእል ገሊጾም።
ብመሰረት ኣምር ኣድማሳዊ ሕጋዊ ስልጣን ፍርዲ፡ ግዳያት ኣብ ሆላንድ እንተሃልዮም ብዜጋታት ካልኦት ሃገራት ኣብ ልዕሊኦም ብዛዕባ ዝተፈጸመ ገበናት ክርኢ ሕጊ ሆላንድ የፍቅድ እዩ።
እቶም ደያኑ፡ ብዛዕባ ምስግጋር ገንዘብ ዝቐረበሉ ክስታት ኣብቲ ኣሕሊፉ ክወሃብ እንከሎ ስለ ዘይተኻተተ ብጠበቓታቱ ንዝቐረበ መጐተ ተቐቢሎሞ እዮም።
እቲ ፍርዲ ክሳዕ 26 ሕዳር ክቕጽል ትጽቢት ዝግበረሉ ኰይኑ፡ ፍርዲ ዝወሃበሉ ዕለት ድሒሩ ክግለጽ እዩ።
ድሕረ-ባይታ

ወሊድን ኪዳነ ዘካርያስ ዝተባህለን ኣብ መጋቢት 2020 እዮም ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም።
ወሊድ ኣብ ቤትፍርዲ ኢትዮጵያ ቀሪቡ ን18 ዓመታት ክእሰር ክብየነሉ እንከሎ፡ ኪዳነ ድማ ኣምሊጡ ክስወር ክኢሉ።
ኣብ ሊብያ ብዝፈጸሞ ገበናት ብሓሙሽተ ዝቐረበሉ ክስታት ገበነኛ ኰይኑ ዝተረኽበ ወሊድ፡ ድሒሩ ብጠለብ ኢንተርፖል ካብ ኢትዮጵያ ናብ ሆላንድ ተመሓላሊፉ።
ከምልጥ ክኢሉ ዝነበረ ኪዳነ ብ1 ጥሪ 2023 ኣብ ሱዳን ዳግማይ ኣብ ቀይዲ ድሕሪ ምውዓሉ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ብምስግጋር ዘይሕጋዊ ገንዘብ ብዝቐረበሉ ክሲ ናብታ ሃገር ተረኪቡን ገበነኛ ኰይኑ ተረኺቡን።
ኣብ ሆላንድ ድሮ ክሲ ተመስሪትሉ ብምንባሩ ድማ ናብታ ሃገር ተረኪቡ፣ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ቀይዲ ይርከብ።
ንወሊድ ዝቐረበ ክስታት ንምርጓድ ኣንጻሩ ዝቐንዐ ክስታትን ንመሰኻኸር ምስማዕን ካብ ጥሪ 2023 ጀሚሩ ክካየድ ጸኒሑ'ዩ።
ብወሊድ ግፍዕታት ዝበጽሖም ሓያለ ኤርትራውያን ምስክርነቶም ንኽህቡ ናብ ቤትፍርዲ ቀሪቦም ነይሮም'ዮም።
ብ5 ሓምለ 2024'ውን ሓያለ ኤርትራውያን ኣብ ኣፍደገ እቲ ንናይ ወሊድ ጉዳይ ሒዙ ዘሎ ቤትፍርዲ ዝዎለ ተኣኻኺቦም ኣንጻር ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባትን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራን ዘለዎም ተቓውሞን ኣስሚዖም ምንባሮም ይዝከር።
ብተወሳኺ፡ ነቶም ምስክርነቶም ዝሃቡ ዝያዳ ውሕስነት ጸጥታ ክወሃቦም'ውን እቶም ኣብ ኣፍደገ እቲ ቤትፍርዲ ተቓውሞኦም ዘስምዑ ሰልፈኛታት ጸዊዖም።
ኣይኦኤም ኣብዚ እዋን ኣስታት 900,000 ስደተኛታት ኣብ ሊብያ ከም ዘለዉ ብምሕባር፡ ሕጂ'ውን ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ስደተኛታት ንብዙሕ ግህሰት መሰላት ተቓሊዖም ምህላዎም ይግለጽ።
ኣብ ስደተኛታት መጽናዕቲ ዘካይዱ ጕጅለታት፡ ካብ 2016 ክሳዕ 2021 ኣብ ዝነበረ እዋን ልዕሊ 100,000 ኤርትራውያን ብሊብያ ኣቢሎም ናብ ኤውሮጳ ከም ዝኣተዉ ብምግላጽ፡ እዞም ሰባት ብድምር ልዕሊ 1 ቢልዮን ዶላር ገንዘብ ከም ዝኸፈሉ ይሕብሩ።
ወሊድን ኪዳነን ኣብ ሊብያ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፡ ንኤርትራውያ፡ ኢትዮጵያውያንን ሱዳናውያንን የሰጋግሩ ከም ዝነበሩ እዩ ዝግለጽ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







