ኣብ ኢትዮጵያ ተኣሲሩ ዝጸንሐ ኤርትራዊ ዘይሕጋዊ ኣሰጋጋሪ ናብ ኔዘርላንድ ተረኪቡ

ስደተኛታት ማእከላይ ባሕሪ ብጃልባ እናሰገሩ

ምንጪ ስእሊ, EPA

ኣብ ኢትዮጵያ ተኣሲሩ ዝነበረ 'ወሊድ' ብዝብል ስም ዝፍለጥ ዕሉል ኤርትራዊ ኣሰጋጋሪ ስደተኛታት ናብ መንግስቲ ኔዘርላንድ ከምዝተረከበ ተገሊጹ።

እቲ ኣሰጋጋሪ፡ ካብ 2014 ክሳብ 2020 ኣብ ዝነበረ እዋን ብዙሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ብሓደገኛ ኣገባብን ዓመጻት ዝበዝሖ ኵነታትን ኣሰጋጊሩ ብዝብል'ዩ ዝኽሰስ።

እቲ ሎሚ ናብታ ሃገር ዝኣተወ ጥርጡር ጽባሕ ሓሙስ ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ ምዃኑ ተፈሊጡ'ሎ።

"እቲ ጥርጡር ረቡዕ ንግሆ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ስኪፖል (ኣምስተርዳም) ኣትዩ'ሎ። ሓሙስ 6 ጥቅምቲ 2022 ከኣ ኣብ ቅድሚ መርማሪ ቤት ፍርዲ ክቐርብ" ምዃኑ ሰብመዚ ሆላንድ ሓቢሮም።

ተወልደ ጎይትኦም፡ ኣብ ሰነ 2021 ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባትን ምስርጣይ ስደተኛታትን ገበነኛ ኰይኑ ብምርካቡ ኣብ ኢትዮጵያ ን18 ዓመታት ማእሰርቲ ተፈሪዱ ዝነበረ'ዩ።

እቲ ወዲ 38 ዓመት፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝተበየነሉ ማእሰርቲ 200,000 ብር ክኸፍል'ውን ተወሲንሉ ነይሩ።

ሰብመዚ ኣኽባር ሕጊ ሆላንድ (ኔዘርላንድ) ሎሚ ኣብ ዘውጽእዎ ሓበሬታ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዘቕረብሉ ሕቶ ብምቕባል ነቲ ብስሙ ዘይገለጽዎ ገበነኛ ከምዘረከቦም ገሊጾም።

"ነዘርላንድስ ብዘቕረበቶ ሕቶ መሰረት፡ ኢትዮጵያ ንሓደ ብጉዳይ ከቢድ ገበናት ፍልሰት ተጠርጢሩ ዓለምለኻዊ መርመራ ዝግበረሉ ኤርትራዊ ኣረኪባቶ ኣላ።

"እቲ ሰብ፡ ብዙሓት ኤርትራውያን ካብ ኣፍሪቃ ናብ ነዘርላንድስ ብምስግጋር ዝጥርጠር'ዩ" ይብል እቲ ኣኽበርቲ ሕጊ ዘውጽእዎ መግለጺ።

ኣብ ኢትዮጵያ ን18 ዓመታት ማእሰርቲ ከምዝተፈርደ ብምጥቃስ፡ ብምጥፍፋእ ገንዘብ፡ ጾታዊ ዓመጽን፡ ስቅያት፡ ኣካላዊ መግረፍቲን ከምዝድለ'ውን እቲ ዜና ጠቒሱ'ሎ።

እቲ "ገበናዊ መርመራ ብምትሕብባር ኢጣልያ፡ ኢሮፖል፡ ኢንተርፖል፡ ዓለምለኻዊ ገበናዊ ቤት ፍርድን ካልኦትን" ከምዝተኻየደ እቶም ሰብመዚ ሓቢሮም።

እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ቀይዲ ሃዲሙ ዝድለ ዘሎ ኪዳነ ዘካርያስ ሃብተማርያም ዝተባህለ ካልእ ዕሉል ኣሰጋጋሪ'ውን ሓደ ካብ ቀንዲ ተሓባበርቱ ምንባሩ ሰብመዚ ሆላንድ ይኸሱ።

ኣኽባሪ ሕጊ ኔዘርላንድ፡ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘየለወሉ ንሕልፈት ክእሰር ዝተፈርደ ኤርትራዊ ኪዳነ ዘካርያስ ኣብ ዝርዝር ቀንዲ ተደለይቲ ሰባት ኣስፊርዎ ምህላዉ ይፍለጥ።

ኪዳነ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ንሓደ ዓመት ብጉዳይ ክልተ ስደተኛታት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኰይኑ ጉዳዩ ክረአ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ለካቲት 2020 ካብ ቤት ፍርዲ ሃዲሙ ከምዝተሰወረ ይዝከር።

ምስ 'ወሊድ' ዝተሓባበር ጎደፋይ ደሞዝ ዝተባህለ ውልቀሰብ ድማ ናይ 16 ዓመትን ሽዱሽተ ወርሒን ማእሰርቲ ከምኡ'ውን 50 ሽሕ ብር መቕጻዕቲ ተፈሪድዎ ነይሩ።

ተወልደ ጎይትኦም ምስ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ብዝተሓሓዝ ብሓሙሽተ ክስታት'ዩ ኣብ ኢትዮጵያ ገበነኛ ኰይኑ ተረኺቡ።

ንዝቐረበሉ ናይ ጾታዊ ዓመጽ ክስታት ከምዝነጽጎ ኣብ ኢትዮጵያ ዝከላኸልሉ ዝነበሩ ጠበቓታት ገሊጾም ነይሮም'ዮም።

ኣኽበርቲ ሕጊ ኔዘርላንድ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ምርካብ ናይቲ ጥርጡር ንዘርኣየቶ ምትሕብባር ዘለዎም ምስጋና ገሊጾም ኣለዉ።

ሬሳ ግዳያት ላምፔዱሳ

ምንጪ ስእሊ, AP