ብ'ወሊድ’ ዝፍለጥ ዘይሕጋዊ ኣስጋሪ ኤርትራዊ ተወልደ ጎይትኦም ን18 ዓመት ተፈሪዱ

ናብ ኤውሮጳ ክኣትው ዝፍትኑ ዘለው መንእሰያት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ብሰኑይ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ኣብ ሊብያ ኣሽሓት ስደተኛታት ብምስርጣይ ንዝኽሰስ ፍሉጥ ኤርትራዊ ዘይሕጋዊ ኣሰጋጋሪ ደቂ ሰባት ብናይ 18 ዓመት ማእሰርቲ ክቕጻዕ ከም ዝወሰነ ተገሊጹ ነይሩ።

እዚ ወሊድ ብዝብል ቅጽል ሽም ዝፍለጥ ተወልደ ጎይትኦም ዝተብሃለ ዘይሕጋዊ ኣዘዋዋሪ ደቂ ሰባት ኣብ ልዕሊ እቲ ማእሰርቲ ክልተ ሚኢቲ ሽሕ ብር ክኸፍል'ውን ተፈሪዱ'ሎ። ካልእ ሽሻይ ጎደፋይ ደሞዝ ዝተባህለ ተሓባባሪኡ ዝኾነ ውልቀሰብ ድማ ናይ 16 ዓመትን ሽዱሽተ ወርሒን ማእሰርቲ ከምኡ'ውን 50 ሽሕ ብር መቕጻዕቲ ተፈሪዱዎ።

ተወልደ ጎይትኦም ምስ ዘይሓጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ብዝሓሓዝ ብሓሙሽተ ክስታትት'ዩ ገበነኛ ኮይኑ ተረኺቡ።

በዚ ውሳነ ከም ዘይዓገበት እትዛረብ ንጉዳይ ስደተኛታት ሊብያን መስርሕ ፍርዲ እቲ ተኸሳሲ ክትከታተል ዝጸንሐትን ተሓላቒት ሰብኣዊ መሰላት ሜሮን እስቲፋኖስ፡ እዞም ገበነኛታት ገንዘብ ከፊሎም ከይወጽኡ ስግኣት ከም ዘለዋ ትገልጽ።

ሜሮን እስቲፋኖስ፡ እዚ ን18 ዓመታት ተፈሪዱ ዘሎ ወሊድ ኣብ ኣውሮጳ ክስታት ተመስሪትዎ ስለዝነበረ ናብ ኣውሮጳ ተሰጋጊሩ ኣብ ኣውሮጳ ክረአ ትምኒታ ከምዝነበረ ድማ ትሕብር።

"ኩሎም ናቱ ግዳያት ኣብ ኣውሮጳ እዮም ዝርከቡ፡ ገለ ውሑዳት ኸኣ ኣብ ሊብያ ኣለዉ፡ ስለዚ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ መስርሕ ፍርዲ ምስቲ ብወሊድ ዝተፈጸመ ገበናት ብዝዳረግ ኣይተተሓዘን ዝብል እምነት እዩ ዘለኒ፡ ምስቲ ዝገበሮ ገበናት ኣገናዚብካ ኸኣ እቲ ዝተውሃበ ፍርዲ ኣዝዩ ውሑድ እዩ" ትብል።

ሜሮን: ቅድሚ ሕጂ'ውን ብተመሳሳሊ ንነዊሕ ዓመታት ዝተፈረዱ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰባት ከምዝነበሩ ብምጥቃስ፡ ብዙሕ ከይተኣሰሩ ክወጹ ከምዝርኣዩ ብምሕባር ኣብ ናይ ወሊድ ጉዳይ'ውን ተመሳሳሊ ስግኣት ከምዘለዋ እያ ትገልጽ።

ንተወልደ ጎይትኦም ኣብ ሊብያ ዝተሓባበሮ ዝነበረ ሺሻይ ጎዶፋይ ዝተብሃለ ተሓጋጋዚኡ'ውን ምስ ወሊድ ተታሒዙ ን16 ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን ክፍረድ እንከሎ 50 ሽሕ ብር ክኸፍል'ውን ተበይንዎ ኣሎ።

ጠበቓታት ወሊድን ሽሻይ ጎዶፋይን ኣብ ውሽጢ 60 መዓልቲ ይግባይ ናይ ምባል መሰል ኣለና ብምባል ይግባይ ክብሉ ምዃኖም እዮም ዝሕበሩ።

ተወልደ ጎይትኦም ካብ 2014 ክሳብ 2018 ኣብ ዝነበረ ዓመታት፡ ኣብ ሊብያ 'ናብ ኣውሮጳ ከስግሮኩም እየ' ብዝብል ኤርትራውያን፤ ሱዳናውያን፤ ኢትዮጵያውያን፤ ሶማላውያንን ደቂ ካልእ ሃገራትን ስደተኛታት ዝዳጉነሉ ብሰብ ብረት ዝሕሎ መዳጎኒ ከምዝነበሮ'ዩ ዝግለጽ።

ብተወሳኺ እዚ ውልቀ ሰብ ብዓመጽ ደቂ ኣንስትዮ'ውን ዝኽሰስ'ኳ እንተኾነ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪበን ምስክርነተን ዝሃባ ደቂ ኣንስትዮ ከምዘየለዋ ተገሊጹ።

ጠበቓታት ተወልደ ጎይትኦም ነቲ ናይ ዓመጽ ክሲ ክነጽግዎ እንከለዉ፡ ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰላት ሜሮን እስቲፋኖስ ግን ብዙሓት ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ናይዚ ውልቀ ሰብ ከምዘለዋ እያ ትገልጽ።

"ዝበዝሓ ግዳያት ናይቲ ሰብ ኣብ ኣውሮጳ እየን ዘለዋ፡ ከዕልላኻ እንከለዋ ኸኣ የስካሕካሓ'የን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ተተሓዘ ሃገራት ኣውሮጳ ናብአን ክመሓላለፍ ንኢትዮጵያ ሓቲተን እየን መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ምስ ሃገራት ኣውሮጳ ገበነኛታት ናይ ምቅይያር ስምምዕ ስለዘይብሉ ኣሕሊፉ ክህቦ ኣይክኣለን" ትብል።

ተወልደ ጎይትኦም ኣብ መጋቢት 2020 ኣብ ቀይዲ ክኣቱ እንከሎ፡ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ኣብ ሊብያ ስደተኛታት ዝኣስረሉ መዳጎኒ ዘለዎ ኪዳነ ዘካርያስ ዘተብሃለ ተደላዪ'ውን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ ነይሩ፡ እንተኾነ እዚ ሸሞንተ ዓበይቲ ክስታት ቀሪብሉ ዘሎ ገበነኛ ዝተብሃለ ውልቀሰብ ኣብ ወርሒ መጋቢት ናይ 2021 ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ ኣብ ዝውሰደሉ ዝነበረ እዋን ካብቶም ዝዕጅብዎ ዝነበሩ ፖሊስ ሃዲሙ ክሳብ ሕጂ ኣበይ ከምዘሎ ኣይፍለጥን'ዩ።

ሜሮን እስቲፋኖስ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን'ውን ምስቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ግጭት ተተሓሒዙ ብዙሓት ኣብ ትግራይ ኣብ ዝነበራ መዓስከራት ዝነበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ናብ ስደት ዘምርሑ ዘለዉ ተጋሩን ግዳይ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ይኾኑ ምህላዎም ብምጥቃስ፡ ስደተኛታት ደው ንምባል ሱር ጠንቂ ስደት ክፍለጥን መፍትሒ ክናደየሉን ከምዘለዎ ትሕብር።

ዘይጋውያን ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰባት ነቶም ስደተኛታት ገንዘብ ንክኸፍሉ ንኸገድደዎም ዝተፈላላየ ኣካላዊ ስቃይ'ዮም ዘስዕብሎም
መግለጺ ስእሊ, ዘይጋውያን ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰባት ነቶም ስደተኛታት ገንዘብ ንክኸፍሉ ንኸገድደዎም ዝተፈላላየ ኣካላዊ ስቃይ'ዮም ዘስዕብሎም

ካብ 2007 ጥረይ ኣስታት 30 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ናብ ምድረ በዳ ሲናይ ተወሲዶም ገንዘብ ክኸፍሉ ከምዝተገደዱን፡ ገለ'ውን ክፋል ኣካላቶም ከምዝተሸጠ ጸብጻባት ዝሕብሩ።

እቲ ብዛዕባ ኣብ ምድረበዳ ሲናይ ንዝተፈጸመ ገበናት ኣመልኪቱ መጽናዕቲ ዘካየደ ጉጅለ፡ ዝበዝሑ ካብቶም ኣብ ሲናይ ተኣሲሮም ዝነበሩ ስደተኛታት ካብ ሱዳን ተጨውዮም ዝተወሰዱ ምዃኖምን ገለ ፖሊስ ሱዳን ምስቶም ጉጅለ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ጥቡቕ ርክብ ከምዝነበሮምን እዩ ዝሕብር።

እቶም ካብ ኢትዮጵያ፡ ሱዳንን ኤርትራን ተጨውዮም ናብ ሲናይ ዝተወሰዱ ግዳያት፡ ስድርኦም ብሓፈሻ ብውሕዱ 600 ሚልዮን ዶላር ነቶም ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ከምዝኸፈልዎም እዩ እቲ መጽናዕቲ ዘቃልዕ።

ኩነታት ሊብያን ስደተኛታትን

ሊብያ ድሕሪ ምውዳቕ ስርዓት መዓመር ጋዳፊ፡ መንግስቲ ኣልቦ ስለዝኾነት እቶም ካብ ዘይርግኣት ዝኸስቡ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰባት ከም ቀንዲ ግራቶም እዮም ክጥቀሙላ ጀሚሮም።

ካብ ማእከላይን ምዕራብን ኣፍሪቃ ከምኡ'ውን ካብ ቀርንን ምብራቕን ኣፍሪቃ ዝተበገሱ ስደተኛታት ብማእከላይ ባሕሪ ኣቢሎም ናብ ኣውሮጳ ንኸኣትዉ፡ ከም ቀንዲ መሰጋገሪት ዝጥቀሙላ ሃገረ ሊብያ ኮይና።

መብዛሕትኦም እቶም ኣብ ሲናይ ኮይኖም ሰብ ብምጭዋይ ገንዘብ ዝግሕጡ ዝነበሩ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰባት ኸኣ ነቑጠኦም ናብ ሊብያ ብምቕያር ተመሳሳሊ ዘይሕጋዊ ተግባራቶም ክቕጽልዎ ተራእዮም።

ሊብያ ኣብ ኵናት ሕድሕድ ኣብ ዝተሸመመትሉ ሕቡራት ሃገራት ንገለ ስደተኛታት ናብ ኒጀር ብምስጋር ናብ ሳለሰይቲ ሃገር ናይ ምስጋር መስረሕ እኳ እንተኣካደ፡ ዋሕዚ ናብ ሊብኣ ዝኣትዉ ስደተኛታት ስለዘየቋረጸን ከምኡ'ውን እቶም ናብ ኒጀር ዝተወሰዱ ስደተኛታት'ውን ውሑዳት ብምዃኖም ኣብ ሊብያ ብ10ታት ኣሽሓት ዝቁጸሩ ስደተኛታት ኣብ ዝኸፈአ ኩነታት ከምዘለዉ እዩ ዝግለጽ።

ካብ ሊብያ ንምንጋፍ ብንኣሽቱ ጃልባ ናብ ኣውሮጳ ንምስጋር ዝፍትኑ ስደተኛታት ብዙሕ ግዜ እዩ ናይ ምጥሓል ሓደጋታት ዘጋጥሞም፡ እቶም ዕድል ገይሮም ካብ ምጥሓል ዝደሓኑ ኸኣ ብሓለዋ ባሕሪ ተታሒዞም ናብ ሊብያ እዮም ዝምለሱ ዘለዉ።

ሓደጋታት ባሕሪ ኣብ ዓመተ 2021

ብ23 ሚያዝያ 2021 ንኣብነት፡ ኣስታት 130 ሰባት ጽዒና ካብ ሊብያ ዝተበገሰት ናይ ፕላስቲክ ጃልባ ኣብ ዓለማዊ ማይ ጸገም ኣጋጢሙዋ። እቶም ተሳፈርቲ ናብ ሓለዋ ባሕሪ ናይ ርድኡና ሓገዝ ከምዝሓተቱ፡ እንተኾነ፡ መንግስታት ጥልያን ማልታን ሊብያን ነንሓድሕዶም ክዘራረቡ ስለዝደንጎዩ፡ እቶም ስደተኛታት ብምሉኦም ምጥሓሎም፡ ናይ ፈረንሳ ሰብኣዊ ትካል ኤስኦ ኤስ መዲተራንያን፡ ሮይተርስን ቢቢሲን ከምኡ እውን ማዕከናት ዜና ኢጣልያን ምስ ሓበራ፡ ኣዘራራቢ ዛዕባ ኮይኑ ምቕናዩ ነባሪ ከተማ ቦሎኛ ተጣባቂ ሰብኣዊ መሰላት ኣብርሃም ተስፋይ ይሕብር።

ካብ ዕንጨይቲ እተሰርሐት ካልእ ጃልባ እውን 40 ዝዀኑ ስደተኛታት ሒዛ ከም ዝጠፍአት ኣፈኛ ጕጅለ ኤስ ኦ ኤስ ሜዲተራንያን ብዓርቢ ሓቢሩ። ካልኦት ሰለስተ ኣብ ጭንቂ ዝነበራ ሓገዝ ዝሓተታ ጀላቡ ቫይኪንግ ብዝስማ ናይ ድሕነት መርከብ ከምዝተሓገዛ እቲ ትካል ሓቢሩ።

እታ ንዓመታት ብሓድሕዳዊ ግጭት እተኸፋፈለት ሊብያ፡ ነቶም ናብ ኤውሮጳ ክሰግሩ ዝደልዩ ስደተኛታት ካብ ማንም እዋን ከፊኣቶም ከምዘላ እቶም ኣብ ጭንቂ ዘለው ኤርትራውያን ስደተኛታት ይሕብሩ።

ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት (ኣይ ኦ ኤም)፡ ዓመት 2021 ካብ እትጅምር ጥራሕ ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 500 ስደተኛታት፡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ምማቶም፡ እዚ ቑጽሪ እዚ ከኣ ሰለስተ ዕጽሪ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ምዃኑ ሓቢሩ። ዓሚ 2,200 ሰባት ኣብ ባሕሪ ከም ዝሞቱ ጸብጻብ ኣይኦኤም የረድእ።

ቅድሚ ሓደ ወርሒ ኣስታት 2000 ስደተኛታት ናብ ላምፓዱሳ ምስ ኣተው፡ እቶም ንዓመታት ንስደተኛታት ብሓልዮት ዝቕበሉ ዝነበሩ ነበርቲ እታ ደሴት፡ " ንሕና ኣብ ጸገም እንከለና መንግስቲ ንስደተኛታት ብዙሕ ገንዘብ ከውጽእ ኣይንቕበሎን ኢና" ክብሉ ቅሬተኦም ከምዝገለጹ ማዕከናት ዜና ሓቢረን።

ነጋዶ ደቂ ሰባትን ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርትን ንምእታው ናይቶም ስደተኛታት ከም ናይ ዓወት ዛንታን ዕድልን እናዘርግሑ መኽሰባቶም ንምኽዕባት ይጥቀምሉን ብማሕበራዊ መራኸቢታት ይዝርግሑዎን ከምዘለው ነቲ ኩነታት ብቐረባ ዝከታተል መንእሰይ ኣብርሃም ይገልጽ።

እቶም ኣብዚ ቐረባ እዋን ንላምፔዱሳ ዝኣተው ከኣ መብዛሕቶም ካብታ ብቑጠባ ተሃስያ ዘላ ቱኒዝያ ዝተበገሱ ምዃኖም የረድእ።

ምግታእ ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ

ብዋሕዚ ስደተኛታት ዝተማረራ ሃገራት ኤውሮጳ ንመንግስቲ እታ ቀንዲ መናሃርያን መበገስን ስደተኛታት ዝኾነት ሊብያ፡ ገማግም ባሕራ ንኽትኽሉን ካብ ማያታ ንዝብገሱ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ንኽትገትእን ብገንዘብን ንዋትን ገዚፍ ወፍሪ ከምዝገበሩ ኣብቲ ውዕላት እትፈረመሉ እዋን ኣካያዲት ስራሕ ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤልሳ ጭሩም "እቲ ስጉምቲ ፍትሓዊ ኣይኮነን" ክትብል ተዛሪባ ኔራ።

ኣብ ርእሲ እቲ ብተደጋጋሚ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዘጋጥም ሓደጋታት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ኣሻሓት ዶላር ከፊሎም ካብ ማያት ሊብያ ነዊሕ ከይከዱ ብሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ተታሒዞም ናብ ኣብያተ ማእሰርቲ ይኣትውን ኣብ ሕማቕ ኩነታት ይወድቁ ምህላዎምን መንእሰይ ኣብርሃም ይሕብር።

"ሊብያውያን ስደተኛታት ንምግታእ ምስ ኤውሮጳውያን ስለዝተወዓዓሉ ነንዝተበገሰት ጃልባ ይዓግቱን ይመልሱን ስለዘለዉ፡ አሕዋትና ስደተኛታት ንዝያዳ ማእሰርቲ ሽግርን ይቃልዑ ኣለው" ክብል ከኣ ኣብ ስደተኛታት ዝወርድ ዘሎ ሽግርን መከራን ከቢድ ምዃኑ የረድእ።

ኣብዘን ዝሓለፋ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ጥራሕ ኣስታት 9000 ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ተታሒዞም ናብ ሊብያ ከም እተመልሱን ኣብ ዝተፈላለያ ኣብያተ ማእሰርቲ እታ ሃገር፡ ብተላጋቢ ሕማም፡ ብጥሜት፡ ብጭንቐት፡ ብስነ-ኣእምሮኣዊ ጸቕጢ ይሳቐዩ ከምዘለው ካብ እሙናት ምንጭታት ብዝረኸቦ ሓበሬታ የረድእ ኣብርሃም።