ኤፍረም ግደይ፡ ካብ ጫካታት ስደት ካሊስ መዳልያ ዝዓተረ ኤርትራዊ ኣትሌት

ኤፍረም ግደይ

ምንጪ ስእሊ, ©INPHO/Morgan Treacy

መግለጺ ስእሊ, ኤፍረም ግደይ

ኤፍረም ግደይ፡ ካብ መዕቖቢ ስደተኛታት ካሊስ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት'ዩ ንኣየርላንድ ኣትዩ። ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመት ድማ ዑቑባ ንዝሃበቶ ኣየርላንድ ወኪሉ ኣብ ኤውሮጳዊ ውድድር ጉያ መሮር ተሸላሚ መዳልያ ኮይኑ'ሎ።

እዚ ወዲ 19 ዓመት ተወዳዳሪ ኣትሌት፡ ኣብ መኽፈቲ ናይ ትሕቲ 20 ዓመት ወድድር ደቂ ተባዕትዮ፡ ሳልሳይ ደረጃ ብምሓዙ ነቲ ኣብ ሊስቦን ዝካይድ ዘሎ ውድድር ጉያ መሮር ብመዳልያ ፈሊምዎ። ሃገሩ ድማ ክልተ ብሩር መዳልያን ክልተ ነሓስን ተሸሊማ።

እዚ ኣብ ኤርትራ ዝተወልደ ኣትሌት፡ ኣብ ውድደር 6225 ሜትሮ ብኖርወጃዊ 'ጃኮብ እንገብረስተን' እኳ እንተተቐደመ፡ ኣብ ውድድር 1500 ሜትሮን ከምኡ'ውን ኣብ 5000 ሜትሮን ግን ሓያል ንሕንሕ ብምግባር፡ ራብዓይ ኮይኑ ተዓዊቱ።

ዓወት 'ጃኮብ እንገብርሰን' ግን፡ ዳርጋ ብዓወት ኤፍረም ዝተዓብለለ እዩ ዝመስል።

ኤፍረም ኣብ 2016 እዩ ምስ ስድርኡ ካብ ኤርትራ ሃዲሙ። ቅድሚ ናብ ኣየርላንድ ምእታው ድማ፡ ንሽዱሽተ ወርሒ ዝኸውን ኣብ ካሊስ መዕቆቢ ስደተኛታት ነይሩ። ኣብ ወርሒ መጋቢት 2017 ድማ ሰብ መዚ ኣየርላንድ ዕቑባ ሂቦምዎ።

ኣብ ኣየርላንደ ምስ ኣተወ፡ ኣብ ዱብሊን ኣብ እትርከብ ክለብ ክሎንሊፍ ሃርየር ኣብ እትበሃል ጋንታ ተጸንቢሩ። ኣብኡ ድማ ነቲ ብቕዓቱን ክእለቱን ብቕልጡፍ ኣማዕቢሉዎ።

ኤፍረም ኣብ ውድድራት ጉያ መሮር ቤት-ትምህርታታት 5000 ሜትሮ ክልተ ግዜ ተዓዊቱ እዩ። እዚ ኣብ ሰንበት ዝተጎናጸፎ ዓወት ግን ኣብ መላእ ስፖርት ኣየርላንድ ኣቓልቦ ፈጢሩሉ።

ኤፍረም ግደይ ምስ ስቲፋኒ ኮተር መዳልያ ዓቲሮም

ምንጪ ስእሊ, Inpho

ኤፍረም ድሕሪ እቲ ጸወታ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ " ኣነ ሕጉስ እየ ክኣምን ኣይከኣልኩን" ክብል ተዛሪቡ።

"ኣገራሚ ጸወታ እዩ ነይሩ። ኣብ መጀመርያ ብጣዕሚ ቕልጡፍን ኣድካምን እዩ ነይሩ። ኣካላተይ ግን ገና ሓያል እዩ ዘሎ"

"ኣዝየ ሕጉስ እየ። ምኽንያቱ ንጋንታ ኣየርላንድ እየ ዝርኢ። ኣበናይ ደረጃ ከምዝወዳእና ኣገዳሲ እዩ። ዕላማይ ድማ ሃገረይ ንኽትዕወት እዩ" ክብል ተዛሪቡ።

እቲ ናይ ሊስቦን ዓወት ዝያዳ ዘመቅሮ፡ ኤፍረም ብሰንኪ ናይ ቪዛ ጸገማት ካብቲ ውድድር ዳርጋ ተገሊፉ ነይሩ። እቲ ጉዳይ ምስ ተፈትሐ ግን ድሕሪ ብጾቱ ሓንቲ መዓልቲ ድሒሩ ንሊስቦን ተጓዒዙ ዓወታት ከምዝግብ ክኢሉ።

ናይታ ክለብ ፈይስ-ቡክ ከኣ ንዓወት ሰንበትን ዝነበረ ታሕጓስን፦

"ናይ ተስፋ ጉዕዞ፤ ጉዕዞ ተጻዋርነት። ካብ ኤርትራ ናብ ሊስቦን ብመንገዲ ክሎንሊፍ ሃርየርን ሳንትሪ" ክብል ገሊጹዎ።

"ኣብ መንጎ እዚ ጉዕዞ ተስፋ ምቑራጽ፤ ጽምዋን፤ ፍርሕን ነይሩ። ሓደ ንእሽቶ ስደተኛ መንእሰይ፡ ማልያ ክሎነሊፍ ሃርየር ዝወደየ ኣትለት፤ ሕጂ ናይ ዘዕቆበቶ ሃገረ ሓምላይ ማልያ ተኸዲኑ ዓለምለኻዊ ኮኾብ ኮይኑ'ሎ"

ኣብ ናይ ትሕቲ 20 ዓመት ወድድር ዝተዓወቶ መዳልያ ነሓስ ኣብ ክሳዱ ዘጥለቐ ኤፍረም ግደይ ንነብሱን ክለቡን ሃገረ-ዑቕቡኡን ዜጋታታት መበቆሉን ኣኹሪዑ ዝብል ተጻሒፍዎ ይረአ።