ኣልፎንሶ ዳቪስ፡ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ዝተወልደ ተጻዋታይ ባይርሙኒክ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ምስ ዛንታ ሞያዊ ጉዕዞ ኣልፎንሶ ዳቪስ፡ ውሑዳት ተጻወቲ እዮም ክወዳደሩ ዝኽእሉ።
እዚ ተጻወታይ፡ ጋና ኣብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት እዩ ኣብ 2000 ዓ.ም ተወሊዱ።
ስድርኡ ካብ ውግእ ሓድሕድ ላይበርያ ሃዲሞም፡ ጋና ኣብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ተዓቝቦም። ካብኡ ድማ ብሓገዝ ሕቡራት ሃገራት ናብ ከናዳ ክኣትው ክኢሎም።
ደቪስ፡ ኣብ 2015 ኣብ መበል 14 ዕድሚኡ ናብ ቫንኩቨር ዋይትካፕስ ተጸንቢሩ። ምስታ ጋንታ እንከሎ ድማ ኣንጻር ኤምኤልኤስ (MLS) ክጻወት ዕድል ረኺቡ። እዚ ጸወታ ኣብ ዓይኒ ካልኦት ጋንታታት ዓለም ክእትዎ ክኢሉ።
ኣብ 2018 ድማ ሃንደበት ምስ ወሩያትን ብሉጻትን ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ ዓለም ሰላምታታት ክለዋወጥንን ክላለን ጀሚሩ።
ኣብ ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ጀርመንን ዓለምንን ዓቢ ዓወት ዘመዝገበትን ብብዙሓት ዝድነቕ ታሪኽ ዘለዋን ባየርሙኒክ ድማ ንኣልፎንሶ ዳቪስ ብ9.84 ሚልዮን ፓውን ገዚኣቶ።
ንሱ ''መጀመርታ መዓልቲ ናብ ባይርሙኒክ ምስ መጻእኩ፤ ክኣምኖ ኣይከኣልኩን'' ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ኣብ ክፍሊ መቀያየሪ ክዳውንቲ ምስ ከደ፡ ቀዳማይ ዝረኸቦ ተጻወታይ፡ ካብቶም ኣብ ዓለም ኣለው ዝበሃሉ ተጻወቲ ባይርሙኒክ፡ ርየን ሩበን እዩ።
''ኣብቲ ዘለኽዎ ቦታ መጺኡ፤ ሰላም ኣነ ርየን ሩበን እየ ኢሉኒ'' ኩሉ ዝርእዮን ዝሰምዖን ድንግርግር ኢሉኒ ክብል ድማ ነቲ ዝነበረ ኩነታት ብሓጎስ ይገልጽ።
''ምስ ማልያ እታ ጋንታ ተሳኢለ ኣብ ኢንስተግራም ምስ ለጠፍኩ ድማ፤ ብዙሓት ተጻወቲ 'እንቋዕ ብደሓን መጻእካ' ዝብል መልእክቲ ሰዲዶምለይ'' ይብል።
''ቀጺሉ ድማ ብዙሓት ተጻወቲ ባየርሙኒክ፤ ሰላምትኦም ክሰዱለይ ጀሚሮም'' ክትኣምኖ ብጣዕሚ ዘገርም እዩ ነይሩ ድማ ይብል።
ኣልፎንሶ ዳቪስ፡ ንባየርሙኒክ ወኪሉ ክሳብ ሕጂ ኣብ ዓሰርተ ጸወታታት ተሰሊፉ'ሎ። ኣብዘን ዝተሰለፈን ጸወታታት ድማ ክልተ ሸቶታት ከመዝግብ ክኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ክኢላ ኩዕሶ እግሪ ጀርመን ዝኮነ፡ ራፋኤል ሆኒግስተን፡ ዳቪስ ገና ብዙሕ ተመኩሮ ከም ዘድልዮን፡ በብእዋኑ ኣብ ጸወታታት እንተተሳቲፉ ብዙሕ ክኸስብ ከም ዝኽእል ይዛረብ። እንተኾነ ግን፡ ኣብ ዓባይ ጋንታ ቦታ ክትረክብ ብዙሕ ተወዳደሪ እዩ ይብል።
ራፋኤል ሆኒግስተን ከም ዝገልጾ፡ ባየር ሙኒክ ንኣልፎንሶ ዳቪስ ከም በዓል ፊሊፕ ለሃም ከምኡ'ውን ደቪድ ኣልባ ከምትገብሮ ዘጠራጥር ኣይኮነን ክብል ይዛረብ።
''ኣልፎንሶ ዳቪስ ክሳብ ሕጂ ብዙሕ ኣድናቆት ረኺቡ'ሎ። ንሱ ክጻወት እንከሎ ቕልጡፍን ተባዕን እዩ። ኣብ ዝተፈለለየ ቦታ ተሰሊፉ ክጻወት'ውን ብቕዓት ኣለዎ'' ይብል።
ኣብታ ጋንታ ምስ በዓል ፍሊፕ ኮቲኖ፤ ኢቫን ፕርሲክ ካልኦት ብሉጻት ተጻወቲ ስለዘለው ግን፤ ኣብ መንግኦም ክትስለፍ ብዙሕ ጻዕሪ ከም ዝሓትት ራፋኤል ሆኒግስተን ይዛረብ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







