ዮናስ ክብረኣብ ምስ ፕረዚደንት ክሊንተን፡ ዮናስ ግን መን እዩ?

ምንጪ ስእሊ, KIBREAB
ሰብኣዊ ደረጃ እዚ ኣብዚ ዛንታ እዚ ዝግለጽ ዘሎ ዮናስ ክብረኣብ ንምግላፍ ኣጸጋሚ እዩ።
ቆልዓ ከይንብሎ ካብ ዕድሚኡ ይዓቢ፡ መንእሰይ ከይንብሎ ከኣ ገና ኣብቲ ዕድመ ኣይበጽሐን። እሞ ጎብለል በዓል ተስፋ እንተበልናዮ'ኸ? ዝኾነ ኮይኑ ዛንትኡ ባዕሉ ደረጃ ክህቦ እዩ'ሞ ምንባብና ንቐጽል።
ዝሓለፈ 6 ሓምለ 2018 ዮናስ ሓደ ካብ'ቶም ብሉጻት ናይ ጸወታ ተኒስ ኣምባሳደር ዀይኑ ተመሪጹ።
ዮናስ፡ ምስ ዓሰርተ ብጾቱ ናይ ካሊፎርንያ መናእሰይ ወከልቲ፡ ብሕርያ'ዩ ተመሪጹ። መምዘን መምረጺኡ ድማ ኣብ ተኒስ ዘሎዎ ተገዳስነት፡ ክቱር ድሌትን ናይ ምጽዋት ዓቕሙን ኰይኖም ንመዘነታቱ ብሶሻል-ሚድያ ኣቢሉ ከተባብዕ ዓቕሚ ኣሎዎ ብዚብል ገምጋም'ዩ ተመሪጹ።
እቲ ንዮናስ ብባህሪኡን መሃዝነቱን ዓቕሙን ዝመረጸ ኣካል፡ ሃገራዊ ናይ ተኒስ ማሕበር ኣሜሪካ (United States Tennis Association) ኢዩ።
እዚ ዓመት'ዚ ካብ ምሉእ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ንዮናስ ሓዊስካ 100 መንእሰያት መሪጾም ምስ ሓለፋታቱ፡ ኣብ ብዙሕ ስራሓት፡ የካፍልዎም ኣሎዉ።
ዮናስ ን ከም በዓል ፕረሲደንት ቢል ክሊንቶን ዘኣመሰሉ ዓበይቲ ኰስኰስትን መዓድትን ክረኽቦም ክኢሉ።
ብሓቂ ተስፋ ዘሎዎ መስተንክር ቈልዓ
ዮናስ ክብረኣብ ወዲ ሸሞንተ ዓመት'ዩ። ምስ ስድራኡ ኣብ ሎስ-ኣንጀልስ (ካሊፎርኒያ) ኢዩ ዚነብር።
ኣብ ሳልሳይ ክፍሊ ናይ'ቲ ብ "ወስትሳይድ-ነይበርሁድ- ስኩል" ኢሉ ዚጽዋዕ ቤት-ትምህርቲ'ዩ ዚመሃር። ኣብ ሓሙሽተ ዓመቱ ምስ ተኒስ ዘፋለጦ ኣቦኡ ብእምነት ክብረኣብ'ዩ።
ዮናስ ተኒስ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብርክት ዝበሉ ጸወታታት፡ መዘናግዒ ስርሓት፡ ዝፈትዎም ጋንታታት ኣሎዉዎ።
ወዲ ካሊፎርንያ ምዃኑ ከይተርፎ ን ኤል.ኤይ. ለይከርስ፡ ህቡብ ናይ ባስከት-ቦል ጋንታ፡ ን ኤል.ኤይ. ጋላክሲ፡ ጋንታ ኵዕሶ እግሪ፡ ይድግፍ። ን ኣርሰናል (ናይ ሃገረ እንግሊዝ ፕረሜር-ሊግ ጋንታ ኵዕሶ እግሪ) ድማ የድንቓን ይከታተለን።
ካብ'ቶም ኣዝዩ ዝፈትዎምን ጊዜ ዘጥፍኣሎምን መዘናግዒ ነገራት ከም ኦሪጋሚ (ወረቐት ዓጻጺፍካ ቅርጽታት ዘሎዎም ነገራት ምስራሕ)፡ ምድራፍ፡ ፒያኖ ምጽዋት፡ ብብሽክለታ ምዕንዳር፡ ከምኡ'ውን ብኢንስተግራም በብዓይነቶም ናይ መስሕቕ ቪድዮታት ምቕራጽ ከም ዝዓጅብዎ ይገልጽ።
ሰባት ኣብ መደበር ኢንስተግራም መድርኹ - YONAS_k2010 - ንኽንበጽሕዎ ይዕድም።
ዮናስ ኣብ ዩ.ኤስ. ኦፐን
ኣብዚ ለንቅነ ዝተዛዘመ ናይ ዩ.ኤስ. ኦፐን (US Open) ህቡብ ውድድር ተኒስ፡ ዮናስ ንመሰታታቱ ኣመሓላላፊ-ዜና ዄይኑ፡ ንብርክት ዝበሉ ኣብ ዓለም ፍሉጣት ተጻወትቲ ተኒስ ክረኽቦምን ከዘራርቦምን ዝበቕዐ ኮርዒዳ'ዩ።

ምንጪ ስእሊ, KIBREAB
ኣብ ዩ.ኤስ. ኦፐን ዝተዋህቦ ፍሉይ ሓላፍነት ከኣ ነቶም ተጻወትቲ ክለማመዱ ኸሎዉ ምዕዛብ፡ ኣብ እዋን ግጥም ድማ ዜና ምትሕልላፍ፡ ምስ ተጻወትቲ ቃላ-መጠይቕ ምክያድ፡ ኣብ እዋን ጋዜጥዊ ዋዕላ ማዕረ ካልኦት ጋዜጠኛታት ኰይኑ ምስታፍ፡ ሓድሓደ እዋን ከኣ ኣብ ዝተሓዝአ ቦታታት ናይ'ቶም ተጻወቲ ኣትዩ ምዕላል ኢዮም።
ዮናስ ነቶም ናይ ደቂ ተባዕትዮ ጽምዲ-ተኒስ ሻምፕዮን ዝዀኑ፡ ጃክ ሶክ / ማይክ ብራያን ቃለ-መጠይቕ ከግብሮም ክኢሉ'ዩ።
ብተወሳኺ ዮናስ ምስ'ቶም ኣብሊጹ ዝፈትዎም ተጻወትቲ ተኒስ - ኖቫክ ጆኮቪች፡ ራፋ ነዳል፡ ሲሪና ዊልያምስ ከምኡ'ውን ናኦሚ ኦሳካ - ብምርኻብ፡ ብፍላይ ንጆኮቪች ረኺቡ ከዘራርቦ ብምኽኣሉ ኣዝዩ ተደሲቱ።
ጆኮቪች ከኣ ንዮናስ ስለ ዝፈተዎ ቆቢዑ ሸሊሙዎ። ኣብቲ ኣጋጣሚ ዮናስ ንፕረሲደንት ነበር ቢል ክሊንቶን'ውን ረኸቡዎ'ዩ።

ምንጪ ስእሊ, KIBREAB
"ፕረሲደንት ክሊንተን ድኣ እንታይ በለካ?" ምስተባህለ። "ስመይ፡ ዕድመይ፡ ኣበይ ከም ዝነብር ሓቲቱኒ፣ ኣጥብቕ ኣቢሉ ድማ እቲ ኣዝየ ዝፈትዎ ናይ ተኒስ ኮኾብ ሓቲቱኒ" ይብል ብታሕጓስ።
ዮናስን ኤርትራን
ዮናስ ቋንቋ ትግርኛ ኣይክእልን'ዩ፣ ብእንግሊዘኛ'ዩ ዚዛረብ። ኤርትራ በጺሑ ኣይፈልጥን፡ ግን ብርግጽ ሓደ መዓልቲ ንመበቆል ሃገሩ ክበጽሕ ከምዝደሊ ስድርኡ ይሕብሩ።
ኣብ ማሕበረ-ሰብ ኤርትራ ግን ይዋሳእ'ዩ። ሰንበተ-ሰንበት ኣብ ናይ ኦርቶዶክስ ቤተ-ክርስትያን ይኸይድ፡ ብድሕሪኡ ኸኣ ፊደል ቋንቋ ትግሪኛ ንምቝጻር የላግስ።
እታ ዝፈትዋ ሓረግ ትግርኛ ክነግር ምስ ተሓተተ " 'መስለኒ" በለ። እታ ቓል በለ ኣስሓቐና ... "ካብ ዓባዩ ዝሰምዖ ዘረባ'ዩ" ይብል ኣቡኡ። ኣቦኡ ሓበረና።
"ጥብሲ ብእንጀራ ኣጸቢቐ'የ ዝፈቱ፣ ናይ ዓባየይ ሕምባሻ ኸኣ!" ድማ በለ ትግርኛ ይፈታትን ምህላዉ ንምርኣይ። ብዙሓት ንዮናስ ዝፈለጡዎ ጽቡቕ ዕድልን መጻእን ይምነዩሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







