ኣብ መስመር ኬንያ ኡጋንዳ ሸውዓተ ሰባት ብሓደጋ ህይወቶም ሓሊፉ

ካርታ ኬንያ ኡጋንዳ

ኣብ መስመር ዶብ ኬንያ-ኡጋንዳ ብዘጋጠመ ሓደጋ ሽዱሽተ ኤርትራውያንን ኬንያዊ መራሕ መኪናን ህይወቶም ሓሊፉ።

ኣብቲ ኣብ ምብራቓዊ ኡጋንዳ ዞባ ቶሮሮ ብሰንበት ዘጋጠመ ሓደጋ ነቶም ኤርትራውያን ጽዒና ዝነበረት ንእሽቶ መኪና ምስ ዓባይ ናይ ጽዕነት መኪና ከም ዝተጋጨወት ፖሊስ ዞባ ቶሮሮ ንሺንሁዋ ሓቢሩ።

በቲ ሓደጋ ሰበይቲ ሓዋ ምስ ውላዳ ከም ዝሰኣነት ዝገለጸት ኣብ መሪር ሓዘን እትርከብ ሳባ ኪዳነ፡ ካብቲ ሓደጋ ዝደሓነት፡ ዝዘኽተመት ጓል ሓዋ ኣብ ሆስፒታል ከም እትርከብ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ሓቢራ።

ንሳ ወሲኻ፡ ስነስርዓት ቀብሪ፡ ጽባሕ ኣብ ኤርትራ ከም ዘፍጸም ገሊጻ።

እቶም ኤርትራውያን ካብ ኬንያ ናብ ካምፓላ ኡጋንዳ'ዮም ዝጓዓዙ ነይሮም።

"መራሒ እታ ንእሽቶ መኪና ቀቅድሚኡ ንዝነበረት ዓባይ መኪና ብልዑል ፍጥነት፡ ክቕድም ኣብ ዝፈተነሉ ባንጻሩ ትመጽእ ምስ ዝነበረት ዓባይ ናይ ጽዕነት መኪና'ዩ ፊት ንፊት ተጋጭዩ" ኢሉ ኣዛዚ ፖሊስ ትራፊክ ዞባ ቶሮሮ ቻርሎት ዲያቤ።

ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ድሕሪ ምኽፋቱ ናብ ኢትዮጵያ ዝሰገሩ ዓሰርተታት ኣሽሓት ኤርትራውያን ብዘይሕጋዊ መንገዲ ብኬንያ ኣቢሎም ናብ ኡጋንዳን ካልኦት ሃገራትን ከም ዝቕጽሉ ይግለጽ።

እቲ ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኬንያ ዘሎ መንገዲ ሓደገኛ ምዃኑን እቶም ስደተኛታት ንብዙሕ ዓመጽ ከም ዝቃልዑን ጸብጻባት የርእዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት 22 ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራውያን ስደተኛታት 'ብዘይሕጋዊ' መንገዲ፡ ብሞያለ ናብ ኬንያ ድሕሪ ምእታወን ፖሊስ ኣብ ቀይዲ ከም ዘእተወን ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።