ነብሰጾር ከይኰንኪ፡ ወርሓዊ ጽግያትኪ ክጠፍኣሉ ዝኽእል 8 ምኽንያታት ክንነግረኪ

ጭንቀት ከም ኣድሪናሊን ዝኣመሰሉ ሆርሞናት ንምፍራይ ይድርኽ፣ እዚ ድማ ኣካላትና ኣብ ሓደገኛ ኩነታት ከም መከላኸሊ ዝጥቀመሉ ሆርሞን'ዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ናይ ወሊድ ዕድመ ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ወርሓዊ ጽግያተን እንተ ጠፊኡ ብእንግሊዝኛ 'ኣሜኖርያ' ይበሃል። እቲ ቀንዲ መንቀሊ ምጥፋእ ወርሓዊ ጽግያት ጥንሲ እኳ እንተዀነ፡ ወርሓዊ ጽግያት ክድንጒ ወይ ክሓልፍ ዝኽእለሉ ብዙሕ ምኽንያታት ኣሎ።

ከምቲ ልሙድ፡ ኣብ ናይ ወሊድ ዕድመ ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ነፍሲ ወከፍ 28 መዓልታት ወርሓዊ ጽግያት ይረኣየን። ዋላ'ኳ ቍሩብ ሓጺር ወይ ዝነውሐ ዑደት ክህልወን ልሙድ እንተዀነ፡ ካብ 24 ክሳዕ 35 መዓልታት'ውን ክረኣየን ተኽእሎታት ኣሎ።

ሓሓሊፉ ዝርአ እንተዀይኑ ከም ከቢድ ጸገም ኣይቍጸርን እዩ። ተደጋጋሚ ጉዳይ እንተዀይኑ ግን መሰረታዊ ናይ ጸገም ምልክት ክኸውን ይኽእል'ዩ።

"ኣካላትክን ብኸመይ ከም ዝሰርሕን ክትፈልጢ ኣለኪ። ስለዚ፡ ሓደ ነገር ጥዑይ ኣብ ዘይኰነሉ እዋን ክትርድእዮ ይሕግዘኪ ማለት'ዩ። ሕድሕድ ጓል ኣንስተይቲ ዝተፈላለየ ኣካላዊ ንጥፈታት'ያ እተካይድ። ክልተ ዝተፈላለያ ደቂ ኣንስትዮ ሓደ ዓይነት ኣይኰናን፡" ክትብል ሓኪም ማህጸን ዶ/ር ኣሚራ ኣልኮርዲን ማርቲነዝ ንቢቢሲ ገሊጻ።

ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና ዓባይ ብሪጣንያ፡ ንሰለስተ ተኸታተልቲ ኣዋርሕ ወርሓዊ ጽግያትኪ እንተ ዘይመጺኡ እሞ ነፍሰጾር እንተ ዘይኰንኪ ወይ ድማ ቅድሚ 45 ዓመት ዕድመኺ ወርሓዊ ጽግያትኪ ደው እንተ ኢሉ ሓኪም ከተማኽሪ ይመክር።

ኣብ ኣመሪካ ዝርከብ ትካል ሕክምና ማዮ፡ ኣብ 15 ዓመት ዕድመአን ወርሓዊ ጽግያት ዘይጀመራ ኣዋልድ እውን ሕክምናዊ ምኽሪ ክግበረለን ይመክር።

ሓንቲ እኽልቲ ጓል ኣነስተይቲ ካብ ጥንሲ ወጻኢ ወርሓዊ ጽግያታ ክጠፍእ ወይ ከኣ ክድንግዪ ዝገብሩ ሸሞንተ ምኽንያታት እነሆ፤

ጭንቀት

ዶ/ር ኣሚራ ኣልኮርዲን ማርቲነዝ፡ "ጭንቀት እቲ ቀንዲ ምኽንያትን ናይ ግዜና ሓቀኛ ለበዳን እዩ፡" ትብል።

ጭንቀት ከም ኣድሪናሊን ዝኣመሰሉ ሆርሞናት ንምፍራይ ይድርኽ፣ እዚ ድማ ኣካላትና ኣብ ሓደገኛ ኵነታት ከም መከላኸሊ ዝጥቀመሉ ሆርሞን'ዩ።

ንነዊሕ እዋን በዞም ሆርሞናት ምቅላዕ ንወርሓዊ ጽግያት ክዘርግ ይኽእል። ዑደት ወርሓዊ ጽግያት ክነውሕ ወይ ክሓጽር ካብ ምግባር ብተወሳኺ ዝያዳ ቃንዛ ክህልዎ ይገብር'ዩ።

ኣብ ገለ ገለ ኣጋጣሚታት፡ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ኣብቲ ልሙድ ናይ ኣርባዕተ ሰሙን ዑደት ክልተ ወርሓዊ ጽግያት ከም ዘጋጥማ ክገብር ይኽእል።

ጭንቀት ጠንቂ ምድንጓይን ምጥፋእን ወርሓዊ ጽግያት እንተዀይኑ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና ዓባይ ብሪጣንያ ከም ስሩዕ ምንቅስቓስ ኣካላት ወይ ሜላታት ምስትንፋስ ምልምማድ ዝኣመሰሉ ስጕምትታት ክትወስድ ይመክር።

እዞም ስጕምትታት ውጽኢታዊ እንተ ዘይኰይኖም፡ ውልቀሰባት ንጸቕጥን ጭንቀትን ክጻወሩ ዝሕግዙ ኣእምሮኣዊ-ባህርያዊ ፍወሳታት ኣለዉ።

ሃንደበታዊ ምጕዳል ክብደት ሰብነት

ንዝውሰድ ካሎሪታት ኣዝዩ ምድራት፡ ኣካላት ደቀንስትዮ እንቋቝሖ ንምፍልፋል ዘድልዩ ሆርሞናት ካብ ምፍራይ ደው ከብሎ ይኽእል።

ዝፍለጥ ክኢላ ኣመጋግባ፡ ትሑት ክብደት ዘለወን ሕሙማት ብጥዑይ መንገዲ ክብደተን ክውስኻ ክሕግዘን ይኽእል'ዩ።

ክብደት ሰብነት ብሰንኪ ከም 'ኣኖረክስያ' ዝኣመሰለ ጸገም ኣመጋግባ ዝመጽእ ክኸውን ከሎ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ሓገዝ ናይ ስነኣእምሮ ሓኪም የድሊ።

ክብደት ሰብነት ብሰንኪ ከም ኣኖረክስያ ዝኣመሰለ ጸገም ኣመጋግባ ዝመጽእ ክኸውን ከሎ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ሓገዝ ናይ ስነ-ኣእምሮ ሓኪም የድሊ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ልዕሊ ዓቐን ክብደት ወይ ስብሒ

ልዕሊ ዓቐን ክብደት ምህላው፡ ኣካላትና ልዕሊ ዓቐን 'ኦስትሮጅን' ከም ዘፍሪ ክገብሮ ይኽእል እዩ፡ እዚ ድማ ሓደ ካብቶም ንስርዓተ ምፍራይ ጓል ኣንስተይቲ ዝቈጻጸሩ ሆርሞናት እዩ።

ምውሳኽ መጠን ኢስትሮጅን ንብዝሒ ወርሓዊ ጽግያት ክጸልዎ ይኽእል እዩ። ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ድማ ወርሓዊ ጽግያት ጠቕሊሉ ደው ክብል ይገብሮ።

ልዕሊ ዓቐን ክብደት ንዘለወን ደቂ ኣንስትዮ ሓካይም መብዛሕትኡ ግዜ ጥዑይ ክብደት ንኽህልወን ደገፍ ንምርካብ ናብ ክኢላ ኣመጋግባ ይልእኽወን።

ልዑል ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምግባር

ንፕሮፌሽናል ስፖርተኛታት፡ ክኢላታት ሕክምና ስፖርት፡ ብቕዓት ብኸመይ ኣብ ትኽክለኛ ደረጃ ሓይሊ ክሕዙ ከም ዝኽእሉ ክመኽሩ ይኽእሉ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ጽዑቕ ምንቅስቓስ ኣካላት ዘስዕቦ ኣካላዊ ጸቕጢ፡ ንወርሓዊ ጽግያት ዝቈጻጸሩ ደረጃታት ሆርሞናት እውን ክጸልዎ ይኽእል እዩ። ካብ መጠን ንላዕሊ ስብሒ ኣካላትና ምጥፋእ ድማ ንምውጻእ እንቋቝሖ ክከላኸል ይኽእል።

ንፕሮፌሽናላት ስፖርተኛታት፡ ክኢላታት ሕክምና ስፖርት፡ ብቕዓት ብኸመይ ኣብ ትኽክለኛ ደረጃ ሓይሊ ክሕዙ ከም ዝኽእሉ ክመኽሩ ይኽእሉ።

ፖሊሲስቲክ ኦቫሪ ሲንድሮም

ፖሊሲስቲክ ማህጸን ብዙሕ ቍጽሪ ዘለዎም 'ፎሊኩላት' ዝሓዙ ኰይኖም፡ እንቋቝሖ ዝዓብይሉ ዘይማዕበሉ ሰናዱቕ እዮም። ኣብተን እዚ ምልክት ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ፡ እዞም ሰናዱቕ መብዛሕትኡ ግዜ እንቋቝሖ ክለቁ ስለ ዘይክእሉ፡ ምፍልፋል እንቋቝሖ ኣይፍጸምን እዩ።

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና ከም ዝግምቶ፡ ካብ 10 ደቂ ኣንስትዮ እታ ሃገር ሓንቲ ብፖሊስቲክ ኦቫሪ ሲንድረም ከም እትጥቃዕ ይሕብር። ወርሓዊ ጽግያተን ዝጠፍአን 33 ሚእታዊት ድማ ብሰንኪ እዚ ሕማም'ዩ።

ጽግያት

ምስ ጥንስን ምጥባውን፡ ጽግያት ሓደ ካብቲ ተፈጥሮኣዊ ጠንቅታት 'ኣሜኖርያ' እዩ።

ደቂ ኣንስትዮ ናብ ጽግያት ክቐርባ እንከለዋ፡ መጠን ኢስትሮጅን ክጐድል ይጅምር፡ ምውጻእ እንቋቝሖ ድማ ስሩዕ ይኸውን።

ጽግያት ኣብ መንጎ 45ን 55ን ዓመት ዕድመ እዩ ዘጋጥም።

ይዅን እምበር፡ ሕክምናዊ መጽናዕትታት ከም ዝሕብርዎ፡ ካብ ነፍሲ ወከፍ 100 ደቂ ኣንስትዮ ሓንቲ ቅድሚ 40 ዓመት ዕድመኣ ጽግያት ከም ዘጋጥማ ይሕብር። እዚ ድማ ብኣግኡ ጽግያት ወይ ቅድሚ ግዜኡ ውድቀት ማህጸን ተባሂሉ ይፍለጥ።

መከላኸሊ ጥንሲ

ገለ መከላኸሊ ጥንሲ ከኒናታት፡ መርፍእ፡ ምትካልን ኣብ ውሽጢ ማህጸን ዝኣትዉ መሳርሒታትን እውን ንኣሜኖርያ ከስዕቡ ይኽእሉ።

መከላኸሊ ጥንሲ ምስ ኣቋረጽናዮ እውን እንተዀነ፡ ኣካላትና ዳግማይ ብስሩዕ እንቋቝሖ ቅድሚ ምፍሳስ ገለ ግዜ ክወስድ ይኽእል።

መከላኸሊ ጥንሲ ምስ ኣቋረጽናዮ እውን እንተኾነ፡ ኣካላትና እንደገና ብስሩዕ እንቋቑሖ ቅድሚ ምፍሳስ ገለ ግዜ ክወስድ ይኽእል።

ካልኦት ሕክምናዊ ኵነታትን ንነዊሕ እዋን ዝውሰዱ መድሃኒታትን

ወርሓዊ ጽግያት ብሰንኪ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ሕክምናዊ ኵነታት ከም ሕማም ሽኮር ወይ ከም ልዕሊ ዓቐን ታይሮይድ ወይ ትሑት ታይሮይድ ዝኣመሰሉ ሆርሞናዊ ጸገማት እውን ክህሉ ይኽእል።

ኣሜኖርያ ብገለ መድሃኒታት፡ ከም ጸረ-ኣእምሮኣዊ ጸገማት፡ ኬሞቴራፒ፡ ጸረ-ጭንቀት፡ ከምኡ'ውን ፍወሳታት ልዑል ጸቕጢ ደምን ኣለርጂን ክመጽእ ከም ዝኽእል ክሊኒክ ማዮ ይሕብር።