ዝተመስርሑ መግብታት ምብላዕ ቀልጢፍና ንኽንመውት ይድርኹ ድዮም?

ብብዝሒ ኬክ፡ ኩኪስን ዝተመስርሑ መግብታትን ምብላዕ፡ ንሓደጋ ቅልጡፍ ሞት ከቃልዐካ ከም ዝኽእል ኣብ ሸሞንተ ሃገራት ዝተገብረ መጽናዕቲ ይሕብር።
ካብ ኮሎምብያ፣ ቺለ፣ ሜክሲኮ፣ ብራዚል፣ ኣውስትራልያ፣ ካናዳ፣ ዓባይ ብሪጣንያን ኣሜሪካን ዝተረኸበ መረዳእታ ኣመና ዝተመስርሑ መግብታትን ሳዕቤናቱን ብጉጅለ ዶክተር ኤድዋርዶ ኒልሰን ኣብ ኦስዋልዶ ክሩዝ ፋውንዴሽን ብራዚል ብትንተና መልክዕ ቀሪቡ።
እቲ ብሰኑይ ኣብ ኣሜሪካን 'ጆርናል ኦፍ ፕሪቨንቲቭ ሜዲሲን' ዝተሓትመ መጽናዕቲ እቶም ክኢላታት መንግስታት ንሃልኪ ኣመና ዝተመስርሑ መግብታት ንምንካይ ዝዓለመ ለበዋታት ኣመጋግባ ከውጽኡ ዝጽውዕ እውን'ዩ።
ኣብ ብራዚል ፍርቂ ካብ ዓበይቲ ሰባት ልዕሊ ዓቐን ክብደት ዘለዎም ክኾኑ ከለዉ፡ ሓደ ካብ ኣርባዕተ ድማ ኣብ ሰብቶም ካብ መጠን ንላዕሊ ስብሒ ከም ዘለዎም ኣብ 2022 ዝወጽአ መረዳእታ ውድብ ጥዕና ዓለም ይሕብር።
ፊዮክሩዝ ነቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ቅልውላው ጥዕና ንምምካት ንሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ዝሰርሖ ስራሕ ክመርሕ ጸኒሑ እዩ።
እቲ መጽናዕቲ፡ ብሰንኪ ኣመና ዝተመስርሑ መግብታት ዝመጽእ ቅልጡፍ ሞት ደቂ ሰባት፡ ኣብ ከም ኮሎምብያ ዝኣመሰላ ትሑት ሃልኪ ዘለወን ሃገራት፡ካብ ጠቕላላ ህዝባ 4 ምኢታዊት ካብ ክሞትዎ ዝግብኦም ዕድመ ኣቐዲሞም ይሞቱ።
ኣብ ዓባይ ብሪጣንያን ኣመሪካን ድማ 14 ምኢታዊት መጠን ሞት ብሰንኪ ምዝውታር ዝተመስርሑ መግብታት ከምዝኾነ እቲ መጽናዕቲ የረድእ።
እቶም ተመራመርቲ፡ ኣብ 2018-19፡ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዘይዕድሜኦም ካብ ዝሞቱ ሰባት እቶም ኣስታት 17 ሽሕ ሰባት ሞቶም ምስ ምምጋብ ዝተመስረሐ መግቢ ዝተሓሓዝ ከምዝኾነ ገሊጾም።
"እቶም ኣሃዛት ይውስኹ ኣለዉ። ምስ ምብላዕ ኣመና ዝተመስርሑ መግብታት ዝተኣሳሰር ምውሳኽ ሓደጋ ሞት ንዓይ ካብ መጠን ንላዕሊ ዘገርመኒ ኣይመስለንን" ትብል ኣብ ለንደን ኣብ ዝርከብ ኪንግስ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ክፍሊ ሳይንስ ኣመጋግባ ተመራማሪት ዶክተር ሜጋን ሮሲ።
"ገለ ፋይቶኬሚካላትን ፋይበርን ዝሓዙ መግብታት ንዋህዮታትና ካብ ኦክሳይድን ነድሪን ከም ዝከላኸሉ ንነዊሕ እዋን ንፈልጥ ኢና። እቶም መግብታት ኣገደስቲን ሕማማት ንምክልኻል ዝጠቕሙን ስለዝኾኑ ነዚኣቶም ምውጋድ ማለት ድማ ዋህዮታትና ሕማማት ንኸይከላኸሉ ምግባር ከምዝኾነ ንፈልጥ ኢና" ክትብል ንቢቢሲ ገሊጻ።
እቲ ኣሉታዊ ጽልዋ ክልተ ዕጽፊ ምዃኑ ትገልጽ፡ ኣመና ዝተመስርሐ መግቢ ተዘውትር እንተኾንካ፡ እቶም ኩሎም ጸረ-ኦክስጅን ዝኾኑ መግብታት ከም ፍረታትን ኣሕምልትን ኣይትረኽቦምን ማለት እዩ።
ካልኣይ ድማ፡ ኣመና ዝተመስርሑ መግብታት ኣቐዲሞም ዝሓቁ ስለዝኾኑ ኣየጽግቡኻን'ዮም። ከም ሳዕቤኑ ድማ ብብዝሒ ትበልዖም ኢኻ ትብል።
ተመራመርቲ ኣመና ዝተመስርሑ መግብታት ንጥዕናኻ ሕማቕ ምዃኑ እኹል መርትዖታት ከምዘሎ ክሰማምዑ እንከለዉ፡ እቲ ፈተና ግን 100 ምኢታዊት ርግጸኛ ምዃን ከምዝከኣል ይትንትኑ።
ብዙሓት መጽናዕትታት ኣብ መንጎ ኣመና ዝተመስርሑ መግብታትን ድኹም ጥዕናን ቀጥታዊ ዝምድና ከምዘሎ ርእዮም እዮም።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ብሪጣንያዊ ሜዲካል ጆርናል ዝተሓትመ መጽናዕቲ ከምዝሕብሮ ኣስታት 10 ሚልዮን ሰባት ኣመና ዝተመስርሐ መግብታት ክበልዑ ብምግባር ምርምር ኣካይዱ።
እቲ መጽናዕቲ እቶም ኣመና ዝተመስርሑ መግብታት ዝምገቡ ሰባት ብሕማማት ልብን ስርዓተ ደምን፡ ስብሒ፡ ሕማም ሽኮርን ጭንቀትን ናይ ምሟት ዕድሎም ዝለዓለ ከምዝኾነ ኣረጋጊጹ።
ይኹን እምበር፡ ምስዚ መጽናዕቲ'ዚ'ውን እንተኾነ፡ ነቲ ሕማማት ዘስዓበ ዝተመስርሐ መግቢ ድዩ፡ ወይስ መብዛሕትኦም ልዑል ስብሒ፡ ሽኮርን ጨውን ዘለዎም ምዃኖም ምፍላጡ ኣጸጋሚ እዩ።
እዚኦም ፍሉጣት ጠንቂ ምውሳኽ ክብደት ሰብነትን ገለ መንሽሮታትን እዮም።ይኹን እምበር፡ ሓያሎ ተመራመርቲ ስነ-ምግቢ፡ በቲ ብዶክተር ኒልሰን ዝምራሕ መጽናዕቲ ድሩትነት ከምዘሎ ይገልጹ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካምብሪጅ በዓል ሞያ ስታቲስቲክስ ስቲቨን በርገስ፡ እቲ መጽናዕቲ ትዕዝብታዊ ምዃኑን ጠንቂ ከረጋግጽ ከምዘይክእልን ገሊጹ።
"እዚ ዓይነት መጽናዕቲ፡ ኣመና ዝተመስርሐ መግብታት ምምጋብ ጎዳኢ ምዃኑ ከረጋግጽ ዘይኽእል'ኳ እንተኾነ እቶም ዝተመስርሑ መግብታት ምብላዕ ግን ምስ ድኹም ጥዕና ዘተኣሳስር መርትዖታት'ዩ" ይብል።
እቲ ተመራማሪ ኣስዒቡ "እቲ እንኮ መንቀሊ ኣመና ዝተመስርሑ መግብታት ዘይኮነስ፡ ከም ዝሓሸ ኣካላዊ ብቕዓት ዝኣመሰለ ተዛማዲ ሓደጋ ረቛሒ ክኸውን ይኽእል'ዩ። ልዕሊ ዓቐን ዝተመስርሑ መግብታት ድማ ተወሳኺ ረቛሒ ክኸውን ይኽእል'ዩ" ኢሉ።
"እዚ ምትእስሳራት ኣብ ብዙሓት ሃገራት ክደጋገም ምስ እንርኢ ግን፡ ኣዝዮም ዝተመስርሑ መግብታት ጎናዊ መንቀሊ ካብ ምዃን ንላዕሊ ቀተልቲ ክኾኑ ከምዝኽእሉ ጥርጣረ የልዕል'ዩ።"
ኣዝዩ ዝተመስርሐ መግቢ ትበልዕ ከምዘለኻ ብኸመይ ትፈልጥ?

ኣብ ዝሓለፉ 50 ዓመታት ምህርቲ መግቢ ኣዝዩ ተቐይሩ እዩ።
ኣመና ዝተመስርሑ መግብታት ብኽንደይ ኢንዱስትርያዊ መስርሕ ከምዝሓለፉን ብዝሒ ቀመማቶሙን ኣብ መዐሸጊኦምን ይግለጹ'ዩ።
መብዛሕትኦም ከኣ ልዑል ስብሒ፣ ሽኮር ወይ ጨው ዘለዎም እዮም።
ኣብቲ ደረጃ እቲ ዝወሓደ ምድብ ከም ፍረታትን ኣሕምልትን ዝኣመሰሉ መግብታት ኮይኖም፡ ፈጺሞም ዘይተመስርሑ እዮም። ዝተመስርሑ መግብታት ግን ንነዊሕ እዋን ክጸንሑ ወይ ዝሓሸ ጣዕሚ ንኽህልዎም ዝተቐየሩ ኮይኖም ብሓፈሻ ጨው፡ ዘይቲ፡ ሽኮር ይጥቀሙ።
ኣብነታት ኣመና ዝተመስርሑ መግብታት ኣይስክሪም፡ ዝተመስርሐ ስጋ፡ ዝተቐለወ ድንሽ፡ ባኒ፡ ብሽኮትን ከም ኮካኮላ ዝኣመሰሉ ልስሉሳት መስተታትን ይርከብዎም።
ካብዞም ፍርያት ብዙሕ ነህልኸሉ ምኽንንያት መብዛሕትኦም ንኣፍካ ጥዑማት፡ ሕሱራትን ምቹኣትን ከምኡ'ውን ብዙሕ መወዓውዒ ዘለዎምን ስለዝኾኑ'ዩ። ብፍላይ ድማ ንህጻናት።
ሓደ ካብቲ ምኽንያት ናይዚ፡ እቶም ዝበዝሐ ኣዝዩ ዝተመስረሐ መግቢ ዝበልዑ ሰባት፡ ባሕሪ ምትካኽ ሽጋራን ውሑድ ምንቅስቓስ ኣካላት ዘዘውትሩ ምንባሮም ዶክተር ሮሲ ገሊጻ።
ናይ መጠንቀቕታ ምልክታት፦
- ከተድምጾም ዘይትኽእል ቀመማት
- ኣብቲ መዐሸጊ ዝተዘርዘሩ ልዕሊ ሓሙሽተ ቀመማት
- እኖሓጎኻ ከም መግቢ ዘይትፈልጦ ነገር
ገለ ቀመማት ሓደ መግቢ ወይ መስተ ኣዝዩ ዝተመስረሐ ምዃኑ ዘመልክት ክኸውን ይኽእል እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







