ደቂ ተባዕትዮ ስለምንታይ'ዮም ጥዕና ዝስእኑ ዘለዉ?

ኣካላዊ ምንቅስቓስ ንናይ ኣእምሮ ጥዕና ኣገዳሲ'ዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ደቂ ተባዕትዮ ካብ ደቂ ኣንስትዮ ቀልጢፎም ናይ ምሟት ተኽእሎኦም ኣዝዩ ዝለዓለ ዀይኑ ኣሎ።

ስለምንታይ ግን ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ድኹም ናይ ጥዕና ኩነታት ዘለዉ - እንታይከ ክግበር ይከኣል?

ኣብዚ ወርሒ መንግስቲ ዓዲ እንግሊዝ ንናይ ደቂ ተባዕትዮ ጥዕና ዝምልከት ምምኽኻር ክጅምር እዩ።

እዚ ስጉምቲ ካብ ነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ምዃኑ ክኢላታት ይገልጹ፡

ኣንድሪው ሃሪሰን ኣብ ብራድፎርድ ዝርከብ ማእከል መንእሰያት ናይ ደቂ ተባዕትዮ ክሊኒክ ዝመርሕ ኮይኑ ማዕጾኡ እንትንኩሕዃሕ ሰምዐ። ናብቲ ማዕጾ ገጹ ኣቕነዐ፡ እንተኾነ ኣብኡ ዝኾነ ሰብ ኣይነበረን።

ካብ ካልእ ሸነኽ ስሙ ክጽዋዕ ሰምዐ። ናብቲ ድምጺ ዝተስምዓሉ ከባቢ ቆላሕ እንተበለ ሓደ መንእሰይ ኮንዶም ክሓትት ረኣየ።

"ኣብ ቀዳማይ ደርቢ እየ ነይረ" ይብል፡ ነቲ ቅድሚ ገለ ዓመታት ዝነበረ ዛንታ እናዘንተወ። "እቲ ቆልዓ ብመቐበሊ ኣጋይሽ ሓሊፉ ክሓትት ስለዘይደለየ'ዩ ከምኡ ክገብር ተገዲዱ" ይብል።

ዛንታ እዚ መንእሰይ፡ ብብዙሕ መገዲ፡ ኣብ ልዕሊ ጥዕና ደቂ ተባዕትዮ ንዘጋጥሙ ብድሆታት ዝሓቖፈ ኮይኑ ርእሰ ተኣማንነትን ክእለትን ዘይምህላው ዝወለዶ'ዩ።

ስለምንታይ ቀልጢፎም ይሞቱ

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ደቂ ተባዕትዮ ዝያዳ ሽጋራ ስለዘትክኹ፣ ኣልኮላዊ መስተ ስለዝሰትዩ፣ ሓሽሽ ስለዝጥቀሙን ልዑል መጠን ኮሌስትሮልን ጸቕጢ ደምን ኣለዎም።

ደቂ ተባዕትዮ ካብ ደቂ ኣንስትዮ ትሑት ብህይወት ናይ ምንባር ዕድመ ከምዘለዎም ዝተገለጸ ኮይኑ ብማእከላይ ገምጋም ካብ ደቂ ኣንስትዮ ኣርባዕተ ዓመት ኣቐዲሞም ይሞቱ።

ከምኡ'ውን ቅድሚ 75 ዓመት ዕድመኦም ብሕማም ልቢ፣ መንሽሮ ሳንቡእ፣ ሕማም ጸላም ከብድን ስለዝጥቅዑ ኣቐዲሞም ናይ ምሟት ተኽእሎኦም ብ60 ምኢታዊት ዝለዓለ ኣበርክቶ ዝገብሩ እዮም።

ንማሕበር ግብረ ሰናይ ፎረም ጥዕና ደቂ ተባዕትዮ ብሓባር ዝመስረቱን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሊድስ ቤኬት ማእከል ጥዕና ደቂ ተባዕትዮ ዘቖመን ፕሮፌሰር ኣላን ዋይት፡ እቲ ጉዳይ ብዝያዳ ብዕቱብ ክውሰድ ከምዘለዎ ይዛረብ።

ንለበዳ ኮሮናቫይረስ ከም ኣብነት ብምጥቃስ፡ ካብ ደቂ ኣንስትዮ ብ19 ሽሕ ዝበዝሑ ደቂ ተባዕትዮ ብኮቪድ ከምዝሞቱ የመልክት። ኣስዒቡ "ኣበይ ነይሩ እቲ ኣቓልቦ?" ዝብል ሕቶ የልዕል።

ንሱ፡ ንሕማቕ ጥዕና ደቂ ተባዕትዮ ብኣነባብራኦም ምውቃስ ኣዝዩ ቀሊል ምዃኑ ብምግላጽ፡ "እቲ ምኽንያት ካብኡ ንላዕሊ ዝተሓላለኸ'ዩ" ይብል።

ፕሮፌሰር ኣላን፡ ስነ-ህይወታዊ ምኽንያታት ከምዘለዉ ብምግላጽ ስርዓተ ምክልኻል ደቂ ተባዕትዮ ንረኽሲ ናይ ምቅላስ ዓቕሙ ትሑት ከምዝኾነ ይዛረብ።

ግን፡ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ዛንታ ናይቲ ኮንዶም ዝደሊ መንእሰይ ዘርእዮ፡ ኣገልግሎት ጥዕና ንምርካብ ዝሕግዝ ክእለት እውን ክጎድሎም ይኽእል እዩ።

ፕሮፌሰር ዋይት ከምዚ ይብል: "ደቂ ተባዕትዮ ብዛዕባ ጥዕንኦም ናይ ምዝራብን ምልክታት ናይ ምልላይን ተግባርን ክእለት ኣየማዕብሉን እዮም። ጥዕና ደቂ ተባዕትዮ ካብ ዕድመ ንእስነቶም ጀሚሩ ክሳብ 40ታት ብሓፈሻ ኣዝዩ ተመሳሳሊ እዩ። ብዙሓት ንበዓል ሞያ ጥዕና እንከይተረኣዩ ዓመታት ይሓልፉ።"

"ንደቂ ኣንስትዮ ዝተፈለየ እዩ። መከላኸሊ ጥንሲ ምርካብ፡ መርመራ ማህጸን ምግባርን ከምኡ'ውን ክትትል ሕርስን ማለት ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ደቂ ተባዕትዮ ብዘይገብርዎ መንገዲ ምስ ኣገልግሎት ጥዕና ስሩዕ ርክብ ኣለወን ማለት'ዩ።"

ደቂ ተባዕትዮ ካብ ደቀንስትዮ ንላዕሊ ቀልጢፎም ይሞቱ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መሰረታዊ ፍልልያት

"ተባዕታዊ ትምክሕቲ'ውን ሓደ ምኽንያት እዩ" ይብል ማርክ ብሩክስ፡ ኣማኻሪ ፖሊሲ ናይቲ መንግስቲ ስትራተጂ ጥዕና ደቂ ተባዕትዮ ንኽሕንጽጽ ኣብ ምጽላው ቁልፊ ተራ ዝተጻወተ ባይቶ።

"ኣብ ሕብረተሰብ ብዛዕባ ደቂ ተባዕትዮ ዝተፈላለየ ትጽቢት ኣሎና። ተባዕትዮ ሓያላትን ተጻዋርነትን ክህልዎም ትጽቢት ይግበር።"

ኣብ ጥዕና ደቂ ተባዕትዮ ክመጽእ ከሎ ግን ንጽልዋ ስእነት ብፍላይ ኣቓልቦ ምሃብ ኣገዳሲ ምዃኑ ይዛረብ።

"ኣብቶም ድሕሪት ዝተረፉ ማሕበረሰባትን ኣብ ከም ህንጻን ማኑፋክቸሪንግን ዝኣመሰሉ ስራሓት ዝሰርሑን ክመጽእ ከሎ፡ ነቲ መሰረታዊ ፍልልያት ሸለል ክትብሎ ኣይትኽእልን ኢኻ" ዝበለ እቲ ፕሮፌሰር ኣገልግሎት ጥዕና ዝሕንጸጸሉ ኣገባብ ንደቂ ተባዕትዮ ዝሰርሕ ከምዘይኮነ ይጠቅስ።

ካብ 40 ክሳብ 74 ዓመት ንዝዕድሚኦም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓሙሽተ ዓመት ዝግበር መርመራ ጥዕና ኤንኤችኤስ፡ ኣብ ብዙሓት ካብቶም ብኣግኡ ህይወት ደቂ ተባዕትዮ ዝቐትሉ ዘለዉ ሕማማት ዝመጽእ'ዩ።

"ሓደ ኣብ ህንጻ ወይ ኣብ ኢንዱስትርያዊ ንብረት ዝሰርሕ ሰብ፡ እዚ ንጥዕና መርመራ ይኹን ወይ ድማ ናብ ሓፈሻዊ ሓኪሙ ንኽኸይድ ዕረፍቲ ክወስድ ኣዝዩ ክጽገም'ዩ።"

ሚስተር ብሩክስ፡ ሰራሕተኛታት ንምርመራ ጥዕና ንኽኸዱ ናይ ክልተ ሰዓታት ዝኽፈል ዕረፍቲ መሰል ክወሃቦም ከምኡ'ውን ኣብ ከም ኢንዱስትርያዊ ትካላት ዝኣመሰሉ ዓውደ ስርሓት ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ኣብ ዝተቖጽሩሉ ቦታታት ተንቀሳቒሱ ክርኢ ከምዝደሊ ይዛረብ።

እዚ ግን ብዛዕባ ስራሕ ዝምልከት ጉዳይ'ውን ምዃኑ ይዛረብ። ገለ ኣብዞም ዓውድታት ስራሕ ዝነጥፉ ዘለዉ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ 40ታትን 50ታትን ዕድሚኦም ዝምዕብሉ ጸገማት ጥዕና ኣጋጢምዎም ከይኸውን ፈሪሖም ምልክታት መጠንቀቕታ ዕሽሽ ክብሉ ከምዝኽእሉ ይዝረብ።

ንሱ ወሲኹ፡ ስክፍታታት ስራሕን ፋይናንሳዊ ስክፍታታትን፡ ምስ ጸገማት ዝምድናታት፡ ነቲ ኣብ ደቂ ተባዕትዮ ዝረአ ዘሎ ልዑል መጠን ነብሰ ቅትለት ዓቢ ድርኺት ምዃኑ ይዛረብ። ሰለስተ ርብዒ ካብቶም ህይወቶም ዘጥፍኡ ሰባት ደቂ ተባዕትዮ እዮም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ካብቶም ንናይ ምዝራብ ፍወሳ ዝለኣኹ ሰባት እቶም ሲሶ ደቂ ተባዕትዮ እዮም፡ እዚ ድማ ኣገልግሎታት ንጠለባት ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ግምት ንምእታው እኹል ስራሕ ከምዘይሰርሑ ዘመልክት ክኸውን ይኽእል።

ዘርኣዊ ፍልልያት እውን ምልላይ ኣገዳሲ እዩ ይብል።

ንኣብነት ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ጸለምቲ ደቂ ተባዕትዮ ብመንሽሮ ናይ ምልካፍ ተኽእሎኦም ብዕጽፊ ክዛይድ እንከሎ፡ ካብ ህንዲ ወይ ባንግላድሽያዊ ድሕረ ባይታ ዝመጹ ደቂ ተባዕትዮ ድማ ብፍላይ ልዑል ሓደጋ ሕማም ሽኮር ኣለዎም።

ደቀንስትዮ ናብ ትካላት ሕክምና ኬድካ መርመራ ምግባር ካብ ደቂ ተባዕትዮ ዝሓሻ'የን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መንቅሒ ደወል

እዚ ማለት ግን ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ጥዕናኦም ተገዳስነት የብሎምን ማለት ኣይኮነን ይብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዮርክ ክኢላ ጥዕና ደቂ ተባዕትዮ ፕሮፌሰር ፖል ጋልዳስ።

"ደቂ ተባዕትዮ ዓይኖም ኣንቍሖም ክበራበሩ ክደልዩ እዮም፡ ነዚ ንምግባር ግን ኣብ ዙርያ ተግባራትን ንጥፈታትን ክትምስረት ኣለካ" ይብል።

ንሱ ምስቲ ድሕሪ ኮሮናቫይረስ ዘጋጠመ ኩነታት ምስ ሓደ ትካል ብምትሕብባር ደቂ ተባዕትዮ ባህርያት ንኹነታት ስሚዒት ብኸመይ ከም ዝጸልዎ ንምርዳእን ንጥዑይ ንጥፈታት ዕላማታት ክሕንጽጹ ዘተባብዕን ናይ 6 ሰሙን ስልጠና ከምዝሃበ ኣዘኻኺሩ።

"ብእግሪ ምጉዓዝ፣ ኣዕሩኽ ምርካብ፣ ጎልፍ ምጽዋትን ጥዕና ኣእምሮ ንምሕላው ክሕግዝ ይኽእል። ጽቡቕ ጥዕና ኣእምሮ ናብ ጽቡቕ ኣካላዊ ጥዕና ይመርሕ።"

ተመሳሳሊ ኣብ ንጥፈታት ዝተመርኮሰ ተበግሶታት ኣብ ብርክት ዝበሉ ናይቲ ከባቢ ክርከብ ይከኣል፡ ኣብነት ትካላት ግብረ ሰናይ፣ ኣብያተ ምኽርን ጉጅለታት ደቂ ተባዕትዮ ናይቲ ከባቢን ብሓባር ሰሪሖም መደባት ከካይዱ ይኽእሉ።

ኣብዞም መሰረታት ክንሃንጸሉ ዘለና እዋን ሕጂ እዩ ዝበለ ፕሮፌሰር ዋይት፡ እዚ ድማ ሃገራዊ ስትራተጂ ጥዕና ደቂ ተባዕትዮ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።

ንሱ፡ እቲ ኣብ 2022 ዝነበረ ስትራተጂ ጥዕና ደቂ ኣንስትዮ ነቲ ብዛዕባ ጥዕና ደቂ ተባዕትዮ ንምሕንጻጽ ዝግበር ዘሎ ተመሳሳሊ መገዲ ሓጋዛይ ክኸውን ከምዝኽእል ይጠቅስ።

ግን ደቂ ተባዕትዮ ንገዛእ ርእሶም ንቑሓት ኮይኖም ክሰርሕ'ውን ይደሊ። ኩሉ ወዲ ተባዕታይ ኣብ ግምት ከእትዎም ዝግባእ ገለ ቀለልቲ ስጉምትታት ከምዘለዉ ይዛረብ።

"ዓቐን ሕቝፍኻ ርአ - ክብደት ትስከም እንተኾንካ እሞ ከብድኻ ኣዝዩ ዓቢ እንተኾይኑ ገለ ነገር ክትገብር ፈትን። ምንቅስቓስ ግበር፡ ወጺእካ ተንቀሳቐስ እሞ ምስ ሰባት ተዘራረብ።"

ንሱ ኣስዒቡ "ንኹሉ ዕድል ተጠቒምካ ናይ ጥዕና መርመራ ግበር። ከምኡ'ውን፡ ኣብ ኣካላትካ ወይ ጸገማት ኣብ እተመሓድረሉ ኣገባብ ለውጢ እንተተዓዚብካ፡ ሓገዝ ኣልሽ" ይብል።