ኢትዮጵያ፡ ብሰላሕታ ሰባት ዝቐትል ዘሎ ጉዳይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኤላ ኣዶ-ኪሲ-ዴብራህ ኣብ ትሽዓተ ዓመት ዕድሚኣ'ያ ዓሪፋ።
ብሕማም ኣዝማ ሞይታ። ኤላ ኣብ ዓለም ብብከላ ኣየር ዝሞተት ፈላመይቲ ህጻን እያ።
እታ ኣብ 2013 ዝዓረፈት ህጻን ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ለንደን እትነብር ዝነበረት ኰይና፡ ቅድሚ ምማታ 27 ግዜ ኣብ ሆስፒታል ደቂሳ'ያ።
ኣዲኣ ሮዛሙንድ ካብ ሞት ጓላ ንደሓር 'ምስትንፋስ ጽሩይ ኣየር ሰብኣዊ መሰል'ዩ' ብዝብል ቃልሲ ኣብ መላእ ዓለም ተፈሊጣ።
ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት ብዝገበረቶ ወፍሪ፡ ኣብ ለንደን ትሑት መጠን ካርቦን ዘለዎም ከባቢታት ተኣጊዶም፣ ናህሪ መካይን ዝግድብ ሕጊ ወጺኡ፣ ናይ ኤለክትሪክ መኪና `ቻርጅ` ዝገብሩ መደብራት በዚሖም ኢሉ'ውን እቶም ውሳነታት ብሕጊ መሰል ጽሩይ ኣየር ክድገፍ ኣኽኢላ።
እዚ ሕጊ እዚ ብስም እታ ዝሞተት ህጻን 'ኤላስ ለው' ተባሂሉ ይጽዋዕ።
ብመሰረት ጸብጻብ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ 99 ሚእታዊት ካብ ህዝቢ ዓለም ዝተበከለ ኣየር የስተንፍስ። ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ድማ ዝያዳ ተቓላዕቲ እየን።
እዚ ጸብጻብ ወሲኹ፡ ኣብ ዓመት ካብ 4 ሚልዮን ክሳብ 7 ሚልዮን ሰባት ብሰንኪ ብከላ ኣየር ይሞቱ። ደረጃ ብከላ ኣየር ኢትዮጵያ ልዑል ምዃኑ መረዳእታ ውድብ ጥዕና ዓለም የረድእ። ብከላ ኣየር ውሽጢ ገዛ ድማ ዝዓበየ ብጽሒት ኣለዎ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ተመራማሪ ፕሮፌሰር ሰሎሞን፡ ቢልልኝ ሳዕቤናት ብከላ ኣየር ብንጹርን ብቕልጡፍን ስለ ዘይርአ 'ብሰላሕታ ዝቐትል' ተባሂሉ ይጽዋዕ ይብል።
ንዝሓለፉ 35 ዓመታት ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዩታን ኣብ ሰሜን ካሮላይና ሕርሻውን ቴክኒካውን ስቴት ዩኒቨርሲቲ ዘምሃረ ፕሮፌሰር ሰሎሞን ዝተፈላለዩ ምርምራት ኣካይዱ እዩ።
ኣብ ክፍሊ ፊዚክስ፡ ተግባራዊ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ፕሮፌሰር እዩ።
ኣብ ኢትዮጵያ ዘይተመሓላለፍቲ ሕማማት ዘስዕብ ብከላ ኣየር፡ ኣብ ከቢድ ደረጃ ከም ዝበጽሐ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ፕሮፌሰር ሰሎሞን ሞያኡ ኣቶሚክ ሞለኪዩላውን ኦፕቲካል ፊዚክስን ኬሚካላዊ ፊዚክስን እዩ።ዝበዝሕ ግዜ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክገይሽ እንከሎ፡ ካብ መዕርፎ ነፈርቲ ምስ ወጽአ "ንዓይኒ ንብዓት ዘቝጽር፡" ብከላ ኣየር ከም ዘስተብሃለ ይዛረብ።
ነዚ ድማ እዩ መጽናዕቱ ናብ ኣከባብያዊ ኬሚስትሪ ዝቐየረ። ከምቲ ንኣቶሚክ ፊዚክስ ዝጥቀመሉ መሳርሒታት ተጠቒሙ ምርምሩ ቀጺሉ። ናብ ኣየር ዝፍነዉ ዝተፈላለዩ ብከላታትን ኬሚካላትን ኣጽኒዑ።

ምንጪ ስእሊ, SOLOMON BILILIGNE
ኣብ ኢትዮጵያ ቀንዲ ብከላታት ኣየር እንታይ እዮም?
ብከላ ኣየር 'ብሰላሕታ ዝቐትል' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዘሎ ብዘይ ምኽንያት ኣይኰነን።
ምስ ለውጢ ክሊማ ዝተኣሳሰሩ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታት ከም ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ውሕጅ፡ ህቦብላ፡ ምስንጣቕ መሬትን ባርዕ ጫካን ብዙሕ ይዝረበሉ።
ብከላ ኣየር ግን ካብዚ ኵሉ ዝተፈልየ እዩ፣ "ኣብ ሓደ እዋን ብዙሓት ሰባት ዋላ እንተ ሞቱ፡ ዜና ክኸውን ኣይኽእልን። እቲ ጸገም ግዜ ዝወስድ ምዃኑ'ዩ። ንዜና ዝኸውን እኹል ሓበሬታ ክትረክብ ዘይምኽኣል ሰሓቢ ዛዕባ ኣይገብሮን፡" ክብል ፕሮፌሰር ሰሎሞን ይገልጽ።
ብከላ ኣየር ኣብ 2019 ኣብ መላእ ኣፍሪቃ 1.1 ሚልዮን ሰባት ቀቲሉ። ኣብ 2021 ድማ ካብ ልዑል ጸቕጢ ደም ቀጺሉ ካልኣይ ቀታሊ ምዃኑ ይንገር።
ኣብ 2021 ኣብ መላእ ዓለም 1.8 ሚልዮን ሰባት ብሰንኪ ብከላ ኣየር ክሞቱ እንከለዉ፡ ካብዚኦም እቶም ልዕሊ 709 ሽሕ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት እዮም። እቲ ዝኸፍአ በካሊ ትኪ እዩ።
ዕንጸይቲ ክቃጸል ከሎ፡ ጸሊም ካርቦን ዝበሃሉ ኣዝዮም ንኣሽቱ ንጥረ-ነገራት ናብ ከባቢ ኣየር ከም ዝለቁ ፕሮፌሰር ሰሎሞን ቢልልኝ ይገልጽ።
ፕላስቲክን ኤለክትሮኒክስን ዝሓዘ ጎሓፍ ክቃጸል ከሎ፡ ዳይኦክሲን ዝበሃል መንሽሮ ዘስዕብ ኬሚካል ይለቅቕ። እዚ ድማ ሕማም ጸላም ከብዲ የስዕብ። ብእኡ ኣቢሉ ድማ ኣካላትና ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቕሚ የዳኽሞ።
ካልእ ብከላ፡ ካብ መኪና ዝፍኖ ትኪ ኰይኑ ጸሊም ካርቦን ናብ ኣየር ይለቅቕ። እታ መኪና ብዙሕ ትኪ ንኸይትፍኑ ዝገብር ካታሊቲክ ኮንቨርተር ዘይብለን መካይን ድማ ብዙሕ ትኪ ከም ዝፍንዋ ይፍለጥ።
ኣብ ከም ብዓል ኢትዮጵያ ዝኣመሰላ ሃገራት፡ ኣብ ልዕሊ መካይን ዝግበር ቝጽጽር ጽኑዕ ስለ ዘይኰነ፡ ደረጃ ብከላ ልዑል እዩ።
ቀላሚጦስ፡ ኣካሽያን ስየን ብባዮጀኒክ ዝተበከሉ ኬሚካላት ከም ዝነጽጉ ብዙሕ ሰብ ኣየስተብህለሎሙን ዝበለ ፕሮፌሰር ሰሎሞን፡
"እዚኦም ምስ ትኪ መኪናን ትኪ ፋብሪካታትን ምስ ዝራኸቡ፡ ብብርሃን ጸሓይ ፎቶ ኬሚስትሪ እዩ ዝፍጠር። በዚ መንገዲ'ዩ ዝተበከለ ኣየር (ስሞግ) ዝፍጠር፡" ይብል።
ንግሆ ወጋሕታ ካብ ርሑቕ ማዕዶ እንርእዮ ትኪ በከልቲ ባእታታት ዝፈጠሩዎ እኩብ እዩ።
"ነዞም ደቀቕቲ ንጥረ-ነገራት ነተንፍሶም፡ ኣብ ሳንቡእና ናብ ዝርከቡ ደቀቕቲ ሰራውር ደም ኣትዮም ናብ ርእስና ድማ ይድይቡ። ወቕዒ ልቢ 'ውን ከስዕቡ ይኽእሉ፡" ይብል እቲ ክኢላ።
ብከላ ኣየር ዘይተመሓላለፍቲ ሕማማት ከም ዘስዕብ መጽናዕትታት ይሕብሩ።
ፕሮፌሰር ሰሎሞን ሕማም ልቢ፡ ኒሞንያ፡ ፓርኪንሰን፡ ኣልዛይመር፡ ዩቲኣይ፡ ነድሪ ሓንጎል፡ ጭንቀት፡ ኣዝማ፡ ምንጻል ጥንሲ፡ ምንካይ ፍርያምነት፡ ድኽዳኸ ህጻዉንትን ካልኦት ሕማማትን ይጠቅስ።
"እዞም ሕማማት ንሓደ ሰብ ብሓንሳብ ኣይቀትሉን እዮም። ምስ ግዜ ዕድመና ከሕጽሩ ይኽእሉ። ሓድሓደ ግዜ ከቢድ ሓደጋ የስዕቡ፡" ይብል።
ብከላ ኣየር ዕድመና ብ1.8 ዓመት የጕድሎ ከም ዘሎ ይእመን።

ምንጪ ስእሊ, SOLOMON BILILIGNE
'ሕዳር እንትዕጠን' ይብክል ድዩ?
ልዕሊ ፍርቂ ጎሓፍ ዓለምና ተቓጺሉ'ዩ ዝድርበ። ኣብ ኢትዮጵያ ካብቲ "ህዳር ሲታጠን" ዝበሃል ሃገራዊ ልምዲ ምንዳድ ጎሓፍ ጀሚርካ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ከተማ ጎሓፍ ምንዳድ ልሙድ እዩ።
ዳይኦክሲንን ፉራንን ካብቶም ጎሓፍ ብምንዳድ ናብ ኣየር ዝለቐቑ ሓደገኛታት ኬሚካላት እዮም።
ብዓይንና ክንርእዮም እኳ እንተ ዘይከኣልና ኣብ ኣየር ይመላለሱ።
ነዚ እዩ ድማ እቶም ክኢላታት ካብ ዘላቒ ምእካብ ጎሓፍ ኣማረጺ ክፍጠር ከም ዘለዎ ዝመኽሩ።
ኣብ ነፍሲ ወከፍ ከተማ ጎሓፍ ናይ ምንዳድ ልምዲ ዋላ እኳ ናይ ሓደ መዓልቲ ተግባር እንተዀነ፡ "ብዛዕባ ሳዕቤን ክንሕብር ኣለና፡" ይብል።
ብኻልእ ወገን ድማ ብሰንኪ ድኽነትን ድሩት ተበጻሕነት ሓይሊ ኤለክትሪክን ብዙሓት ዕንጸይቲ ተጠቒሞም መግቦም የብስሉ።
ኣብ ከተማታት ዘሎ ኵነታት ክርአ እንከሎ፡ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣትዋ ናይ ነዊሕ ግዜ መካይን ንተወሳኺ ብዙሕ ዓመታት ይዝወራ እየን።
ብሓፈሻ ኣረጊት መካይን እንተ ተኣጊደን ህይወት ብዙሓት ሰባት ክህሰ እዩ። ስለዚ፡ ቀስ ብቐስ ሓደስቲ መካይን ንምትእትታው ድጎማ ወይ ምትብባዕ ክወሃብ'ዩ ይመክር።
ብከላ ኣየር ኣብ ጥዕናን ቍጠባን ዘብጽሖ ዘሎ ጉድኣት እናገደደ ይኸይድ ከም ዘሎ መጽናዕትታት ይሕብሩ።
ኣብ 2019 ምስ ብከላ ኣየር ዝተኣሳሰሩ ሞትን ሕማማትን ንቝጠባ እታ ሃገር ብገምጋም ልዕሊ 3 ቢልዮን ዶላር ወጻኢታት ኣኽሲሩ።
ብመሰረት'ቲ UNDP ምስ ምኒስትሪ ጥዕና ኣብ 2024 ዘካየዶ መጽናዕቲ፡ ኣብ ዓመት ብሰንኪ ብከላ ኣየር ውሽጢ ገዛ 39 ሽሕ ሰባት ሞይቶም። 281 ትሪልዮን ብር ክሳራ እውን ኣብጺሑ።
ብከላ ኣየር ኢትዮጵያ ካብቲ ውድብ ጥዕና ዓለም ዘቐመጦ ደረጃ ብሓሙሽተ ዕጽፊ ዝዛይድ እዩ።
ኣብ ከም ኢትዮጵያ ዝኣመሰላ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ኢንዱስትርያዊ ቍጽጽር ብቐሊሉ ተቐባልነት ኣይህሉዎን። ምኽንያቱ፡ ኣውፈርቲ ናብ ቍጽጽር ዘይበዝሖ ቦታታት ብምኻድ ፋብሪካታት ክኸፍቱ ስለ ዝኽእሉ'ዩ።
ንኣብነት ፋብሪካታት ኣመሪካ ናብ ቻይና ዝገዓዛ ብከላ ኣየር ንምንካይ ቍጽጽራዊ ስጕምትታት ምስ ተወሰደ እዩ። ቻይናውያን ቍጽጽር ምስ ጀመሩ ድማ ናብ ኣፍሪቃ ይመጽኡ ኣለዉ።
ዕድል ስራሕ ኣብ ምፍጣርን ቍጠባዊ ዕብየትን ክንደይ የኽሰርና? ዝብል'ውን ኣብ ግምት ክኣቱ ከም ዘለዎ እቲ ክኢላ ይዛረብ።
"ኵለን ፋብሪካታት ብሓንሳብ ክዕጸዋ ኣይኽእላን። ምኽንያቱ፡ ቍጠባዊ ቅልውላው ስለ ዘስዕብ። ንሰባት ዕድል ስራሕ ክሳዕ ዝፈጠረ ዝመጽእ ይምጻእ ኢልካ ምግዳፉ'ውን፡ ነዊሕ ዝጸንሕ ሳዕቤን ጥዕና ኣለዎ። ስለዝዀነ፡ ሓደ ውዱእ መልሲ ስለ ዘይብሉ ማእከላይ መንገዲ ምኽታል የድሊ፡" ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብከላ ኣየርን ለውጢ ክሊማን
በከልቲ ጋዛት ለውጢ ክሊማ የስዕቡ። ካርቦን ዳይኦክሳይድ፡ ካርቦን ሞኖክሳይድ፡ ናይትሮጅን ዳይኦክሳይድን ሚቴንን ካብቶም ዝጥቀሱ በከልቲ ጋዛት እዮም።
ዑደት ለውጢ ክሊማን ብከላ ኣየርን ንምርዳእ ኣብነት ንውሰድ።
ለውጢ ክሊማ ደርቂ የምጽእ እዩ። ዋሕዲ ማይ እውን ባርዕ በረኻ የስዕብ። ባርዕ በረኻ ኣብ ከባቢኡ መርዛም ኤሮሶል ይለቅቕ። እቶም ዝለቐቑ ኬሚካላት ብከላ ኣየር የስዕቡ።
ብከላ ኣየር ንሕርሻ ይጸሉዎ፣ ስራሕ የሰናኽል። ወጻኢታት ሕክምና ይውስኽ። ብሰንኪ ኢንዱስትርያላውነትን ከተማነትን ብከላ ኣየር እናገደደ ይኸይድ ኣሎ።
ክሳብ 2100 ካብተን 20 ዓበይቲ ከተማታት ዓለምና እተን 13 ኣብ ኣፍሪቃ ክዀና እየን። ዛጊት ኣብ ኣፍሪቃ ክልተ ጥራሕ ኣለዋ።
"ምቍጽጻር ሕጂ እንተ ዘይተኻኢሉ፡ እተን ከተማታት ምስገፍሓ እቲ ብከላ ክውስኽን ኵነታት ጥዕና ክገድድን'ዩ፡" ይብል ፕሮፌሰር ሰሎሞን።
ኣብ መላእ ዓለም ብሰንኪ ብከላ ኣየር ሰባት ካብ ስራሕ ስለ ዘብኵሩ ዓመታዊ 1.2 ቢልዮን ዶላር ክሳራ ከም ዘጋጥም ይግመት። እቲ ክኢላ ነዚ ብመረዳእታ ንምድጋፍ፡ "ኣብ ዝማዕበላ ሃገራት ዓቕሚ ድሩት እዩ፡" ብምባል ነቲ ጸገም የረድእ።
ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ናይ ፍልጠት ክፍተት፡ ድሩት ክእለት፡ ንመጽናዕቲ ዝኸውን ባጀት ዘይምህላውን ሕግታት ሓለዋ ከባቢ ዘይምትግባርን ነቲ ጸገም የጋድዶ።
ፕሮፌሰር ሰለሞን ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ዝሓሸ ናይ ጥንቃቐ ስጕምትታት ይትግበር ከም ዘሎ ይጠቅስ። ኣብ ኬንያ ተንቀሳቓሲ መሳርሒ መቈጻጸሪ ብከላ ኣየር ይጥቀሙ።
ኣብ ኡጋንዳ ካምፓላ ብዩኒቨርሲቲ ማካራሬ ትሑት ዋጋ ዘለዎ መጻረዪ ኣየር ተማሂዙ ኣሎ። ርእሰ ከተማ ሩዋንዳ ኪጋሊ'ውን ብከላ ኣየር ንምንካይ ተካይዶ ብዘላ ጻዕሪ ትፍለጥ።
"ናብ ኢትዮጵያ ክንመጽእ እንከለና ግን፡ ኣብ ኣየር ክንደይ ዝኣክል ኤሮሶል ከም ዘሎ ዝቈጻጸር መሳርሒ'ኳ እንተ`ሎ፡ መበቈል ናይቶም ኬሚካላት እንከይተነጸረ ስጕምቲ ምውሳድ ቀሊል ኣይኰነን። ንትካላት ምክልኻል ከባቢ ኣየር ሓያል ሳይንሳዊ ደገፍ የድሊ።"
'ኵላትና ሓደ ዓይነት ኣየር ኢና ነተንፍስ'
ብከላ ኣፍሪቃ ናብ ኤውሮጳ ይበጽሕ፣ ብከላ ኤውሮጳ ናብ እስያ ይበጽሕ፣ ብከላ እስያ ናብ ኣፍሪቃ ይበጽሕ። እቲ ብከላ ኣብ ኵሉ ጎሓፍ ዝቃጸለሉ ቦታታት ኣዲስ ኣበባ ይዅን ደሴ ወይ ኣርባ ምንጭ ሓደ እዩ።
ኣብ ኣዲስ ኣበባን መብዛሕትአን ከተማታት ኣፍሪቃን ዘሎ ብከላ ኣየር ልዕሊ ሓሙሽተ ዕጽፊ ናይቲ ውድብ ጥዕና ዓለም ዘቐመጦ ደረጃ ስለ ዝዀነ፡ ሓደገኛ ምልክታት እዩ።
ብፍላይ ንግሆ ትራፊክ ኣብ ዝህልወሉ እዋን እቲ ብከላ ዝያዳ ይርአ።
"ኣዝዩ ዝተበከለ ኣየር ኢና ነስተንፍስ ዘለና። ብሰንኪ ብከላ ኣየር ዝሞቱ ሰባት ስለ ዘይረኣየና ካብ ዜና ዝተሓብአ'ዩ። ኣብ ከተማታት ዝነብሩ ሰባት ብሓፈሻ ንዝተበከለ ኣየር ዝተቓልዑ'ዮም። ካብ ገዛ ናብ ስራሕ ምስ ከዱ ብዘስተንፍስዎ ኣየር ክትፈልጥ ትኽእል ኢኻ፡" ይብል ፕሮፌሰር ሰለሙን።
ሰባት ካብ ምምሕያሽ ኣነባብራኦም ሓሊፎም ከም ሕብረተሰብ ሓባራዊ ለውጢ ከምጽኡ እቲ ክኢላ ይላቦ። ክኢላታት ካብ ገዛ ክሳብ ሃገር ደረጃ ብከላ ኣየር ንምክልኻል እዞም ዝስዕቡ ምኽርታት ይህብ፤
- ፈሓም ነቲ ሓደገኛ ኬሚካል ካርቦን ሞኖክሳይድ የፍሪ። ብፍላይ ኣብ ዕጽው ገዛ ፈሓም ካብ ምንዳድ ተቘጠብ፣ ምኽንያቱ፡ ኣብቲ ብዙሕ ዕንጸይትን ፈሓምን ዝነደሉ ቦታታት ዝያዳ ብከላ ስለ ዘሎ።
- ኣብ ቅሉዕ ነገር ዝቃጸል ነገር ምስ ዝህሉ፡ ካብ ገዛ ብምእላይ ምትእኽኻብ ንጥረ-ነገራት ብከላ ምጕዳል ይከኣል።
- ብፍላይ ፕላስቲክን ኤለክትሮኒክስን ዝሓዘ ጎሓፍ ካብ ከተማ ወጻኢ ክቃጸል ዝግባእ ኰይኑ፡ ብሓፈሻ ኣተሓሕዛ ጎሓፍ መእረምታ ክግበረሉ ኣለዎ።
- ኣብ ኣዝዩ ብከላ ዘለዎ ከባቢታት ናይ ገጽ መሸፈኒ ምጥቃም ይምከር።
- ሰባት ዘስተንፍስዎ መጠን ብከላታት ኣብ ኣየር ንምቍጽጻር ዝሕግዝ መሳርሒ ምጥቃም።
- ብከላ ኣየር ንምክልኻል ዝሕግዙ ሕግታት ምትግባር የድሊ።
- ሕግታት ካብ ምርቃቕ ብተወሳኺ ብኽኢላታት ክካየዱን ውጽኢቶም ድማ ኣብ ግብሪ ክውዕልን ይግባእ።
- ብከላ ኣየር ከቢድ ጸገም ጥዕና ከም ዘስዕብ ንሕብረተሰብ ምሕባርን ንብከላ ኣየር ቀዳምነት ምሃብን ኣድላዪ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







