ማሕበረሰባት ብምፍቓር ሽልማት ዝረኸበት ኢትዮጵያዊት ካፌ

ረቡዕ ንጐሆ፡ ኣብ ሪዲንግ ፓልመር ፓርክ ዝርከብ 'ቱቱ ቤት መግቢ' ብዓማዊል ዝተጨናነቐ እዩ።
በቲ ሓደ ኩርናዕ፡ እቲ ናይ ቡን ማሽን ብዘይምቁራጽ ቡን የፍልሕ ኣሎ፤ በቲ ካልእ ኩርናዕ ናይቲ ገዛ ድማ ትምህርቲ ይካየድ ኣሎ።
እቶም ካልኦት ጠረጴዛታት ድማ ብወግዒ ዝተፈላለያ ጉጅለታት ዓሚሩ ይርአ።
16 ጉጅለታት ነታ ካፌ ከም ቤተን ይርእያ።
ኣብ ወርሒ መስከረም ወናኒት ናይቲ ቤት መግቢ ቱቱ መላኩ ተዓዋቲት ሽልማት ማሕበረሰብ ሬድዮ ቢቢሲ በርክሻየር ኮይና፤ [ሽልማት ቢቢሲ 2025 ሕዚ ንሕፁያት ክፉት እዩ]።
"ኩሉ ግዜ ናይ ገዛእ ርእሰይ ቦታ ክህልወኒ እየ ዝሓልም ነይረ" ትብል ቱቱ።
"ከም ማእከል ማሕበረሰብ ክኸውን ስለዝነበሮ፡ ሰባት ናይ ገዛእ ርእሶም ጉጅለታት ጥራይ ይፈጥሩ። ኣነ ድማ ቦታ ሂበ ጥዑም ቡን እየ ዝሰርሓሎም" ኢላ።
ኣብቲ ጥቓ መስኮት ኮፍ ኢለን ዘለዋ ሽዱሽተ ደቂ ኣንስትዮ ይማኸራ ኣለዋ።
ኣብቲ ጠረጴዛ "ሬድላንድስ ዎይ" ዝብል ጽሑፍ ዘለዎ ዝተቐብአ ዕንጨይቲ ኣሎ። ቱቱ ንነፍሲ ወከፍ ጉጅለ ሽም ኣውጺኣትሉ እያ።
ኣባል እቲ ጉጅለ ዝኾነት ሩት ንግ "ንጉጅለናን ብሓፈሻ ንማሕበረሰብን ኣዝያ ስለእትድግፈና ብእኣ ኣዚና ንሕበን" ኢላ።
ኣሊሰን ፍሊን ኣብ ናይ ሪዲንግ ቦሮ ካውንስል ናይ ኣእምሮ ጥዕና ጉጅለ'ያ ትሰርሕ። ምስ ንእሽቶ ጉጅለ ተጠቀምቲ ኣገልግሎት ኣብዚ ኣላ። ኣብቲ ንሳ ዘላቶ ኩርናዕ "Walk Talk Walk" ዝብል ጽሑፍ ኣለዎ።
"ቁሩብ ኣብቲ መናፈሻ ሰለይ እናበልና ንጉዓዝ፡ ድሕሪኡ ቡን ክንሰቲ ናብዚ ንኣቱ። እቶም ተሳተፍቲ ኣብዚ ምእታው ናይ ብሓቂ ምቹእነት ይስምዖም" ትብል ኣሊሰን።
"ኣብዚ ከባቢ እቲ ሕብረተሰብ ዝእከበሉ ብዙሕ ቦታታት የለን። ኣብዚ ቦታ ሕብረተሰብ ዝተፈላለየ ንጥፈታት የካይድ ኣሎ። ንዓና ብሉጽ ቦታ'ዩ።"
The "Wednesday Walkers" ብዝብል መጸውዒ ዝፍለጡ ናይ ሩቡዕ ተጉዓዝቲ'ውን ኣብቲ ልሙድ ቦታኦም ተረኺቦም ኣለዉ።

ጉጅለኦም ሰባት ጥዕንኦም ንምምሕያሽን ካብ ሆስፒታል ክወጽኡን ናይ ምግባር ንጥፈታት እያ እተካይድ።
እቲ መደብ ሕጂ ደው ኢሉ እኳ እንተሎ ኣብቲ ካፌ ዝገብርዎ ዝነበሩ ምትእኽኻብ ግን ቀጺሉ ኣሎ።
"ቱቱ ትገርም ሰብ እያ። ናብዚ ክንመጽእ ኢና ንፈቱ። ፈቃር ማሕበረሰባዊ ቦታ ንኽኸውን ብዙሕ ሰሪሓ እያ" ትብል ካሮሊን ፒለር።
ጊል ሞርላንድ ኣስዒቡ "ቱቱ ዝነኣድ ሓሳብ ዘለዋ ንፍዕቲ ሰብ እያ" ኢሉ።
ኣብቲ ቦታ ወርሓዊ ናይ ሙዚቃ ድግሳት'ውን ኣሎ።
ቱቱ ነዚ ሽልማት ምርካባ ዝያዳ ኣነቓቒሕዋ ኣሎ።
"ስራሕካ ትሰርሕ፡ ግን ኣብ ህይወት ሰባት ብኸመይ ጽልዋ ከም እተሕድር ዘይክትፈልጥ ትኽእል ኢኻ፤ ስለዚ ነቲ ሽልማት ምስ ረኸብካ ዝያዳ ክትሰርሕ ድሌት ይፈጥረልካ" ኢላ።

ቱቱ ክሳብ ሕጂ መን ንሽልማት ቢቢሲ ከም ዝሓጸያ ኣይትፈልጥን እያ።
ግን "ናብ ከምዚ ዝበለ ሽልማት ከምዝበጽሓኩ ምፍላጠይ ደስ ዝብል ስምዒት'ዩ ፈጢሩለይ" ኢላ።
እቲ 'ለውጢ ኣብ ልዕሊ ዝፈጠሩ ሰባት' ዝውሃብ ሽልማት፡ ኣብ ሸሞንተ ዝተፈላለዩ ምድባት ተመቓቒሉ ዝካየድ ኮይኑ ኣብ ዝነብሩሉ ቦታ ለውጢ ንዘምጽኡ ሰባት ኣፍልጦ ይህብ።
ኩሉ በቢ ከባቢኡ ዝርከብ መደበር ሬድዮ ቢቢሲ ኣብ 2025 ሽልማት ከአንግድ እዩ።
ህይወት ናይ ካልኦት ሰባት ዝሓሸ ንዝገብሩ ሰባት የቐንየልና ንምባል ዕድል ዝፈጥር እዩ።
ሕጹያት ብመንገዲ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ምርቋሕን ምክትታልን ይከኣል፡
ሕጹያት ምምራፅ፡ ዕለት 31 መጋቢት 2025 ሰዓት 17፡00 ይዕጾ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







