ሕያዎት ሰባት ሕጉሳት ድዮም? ሕያዎት ዝነብሩለን ሃገራት ዓለም ኣየኖት እየን፤ ኢትዮጵያን ኤርትራንከ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዘይንፈልጦም ሰባት፡ ካብቲ ሰባት ዝሓስብዎ ኣስታት ዕጽፊ ሕያዎት ምዃኖም ኣብ መላእ ዓለም ዝተኻየደ ንሓጐስ ዝጥምት መጽናዕቲ ይሕብር።
እቲ ሎሚ ሓሙስ ዕላዊ ዝዀነ፡ ናይዚ ሎሚ ዓመት ጸብጻብ ደረጃ ሓጐስ ዓለም፡ ኰነ ኢልካ ቦርሳታት ብምጥፋእ ክንደይ ከም ዝተመልሱ ብምቝጻር፣ እዚ ድማ ምስቲ ሰባት እንታይ ኢሎም ከም ዝግምቱ ብምንጽጻርን ኣብ ዘይንፈልጦም ሰባት ዘሎ እምነት ዝዕቅንን እዩ።
ካብቶም ደይመደይ ኢልካ ክጠፍኡ ዝተገብሩ ቦርሳታት፡ ብዝሒ እቶም ዝተመልሱ፡ ካብቲ ሰባት ዝግምትዎ ዳርጋ ብዕጽፊ ዝዛይድ ኰይኑ ተረኺቡ።
እቲ ካብ መላእ ዓለም መረዳእታት ብምእካብ ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ሕያውነት ካብቲ ኣቐዲሙ ዝሕሰብ ዝነበረ ንላዕሊ ምስ ሓጐስ ብቐጥታ ዝተኣሳሰር ምዃኑ'ውን ኣረጋጊጹ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ብሪቲሽ ኮሎምብያ ክኢላ ስነ-ቝጠባን ኣሰናዳኢ ናይቲ ጸብጻብን፡ ጆን ኤፍ ሄሊዌል፡ ርኽበት ናይቲ ፈተነ-ምጥፋእ ቦርሳ ከም ዘመልክቶ፡ "ሰባት ኣብ ሓድሕዶም ዝተሓላለይሉ [ነፍስወከፎም ዝገዳደስሉ] ኣብ ዝመስሎም ቦታ ምንባር ኣዝዩ የሐጕሶም፡" ኢሉ።
እቲ መጽናዕቲ፡ ወሲኹ ድማ እቶም ዝጠፍኡ ቦርሳታት ብዝምልከት፡ "ኣብ ኵሉ ቦታታት ዳርጋ ኵሎም ዝተሓቱ ሰባት ተስፋ ቀቢጾም" እኳ እንተ ነበሩ፡ እቲ ቦርሳታት ናብ ዋናታቶም ናይ ምምላስ ተኽእሎኡ፡ ካብቲ ዝተገመተ ንላዕሊ ኣዝዩ ዝለዓለ ምዃኑ ገሊጹ።
እዚ፡ ዓለምለኸ መዓልቲ ሓጐስ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንምዝካር ዝወጽአ መበል 13 ዓመታዊ ጸብጻብ፡ ሰባት መገዛ ህይወቶም ክግምግሙ ብምሕታት፡ 'ሕጉሳት ሃገራት ዓለም' ብደረጃ ይሰርዕ።
እቲ ጸብጻብ፡ ፊንላንድ ንሻሙናይ ዓመት ተኸታታሊ ሕጉስቲ ሃገር ገይሩ ዝሰርዐ ኰይኑ፡ ኣመሪካን ዓባይ ብሪጣንያን ኣብቲ ደረጃ ቅድሚኡ ካብ ዝነበረን ብርኪ ወሪደን ተሰሪዐን ኣለዋ።
ፊንላንድ፡ ካብ 10 ብማእከላይ ገምጋም 7.736 ነጥቢ ብምምዝጋብ ቀዳማይ ደረጃ ክትሕዝ ከላ፡ ኮስታሪካን ሜክሲኮን ድማ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ቅድሚት ካብ ዝተስርዓ 10 ሃገራት ክዀና በቒዐን።
ክልቲኣን ዓባይ ብሪጣንያን ኣመሪካን፡ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረን ደረጃ ወሪደን መበል 23ን 24ን ደረጃ ዝሓዛ ኰይነን፡ እዚ ድማ ነዘን ሃገራት ክሳብ ሕጂ ዝተሓተ ደረጃ ምዃኑ መረዳእታት የመልክቱ።
ኢትዮጵያ ኣብቲ ተርታ ሕጉሳት ሃገራት፡ መበል 132 ኰይና ዝተሰርዐት ኰይና፡ ኤርትራ ኣብቲ ዝርዝር ስለ ዘየላ፡ ብዛዕባኣ ሓበሬታ ምርካብ ኣይተኻእለን።
ገለ ወሰንቲ ርኽበታት
እቲ ብማእከል መጽናዕቲ ጥዑይ-ህይወት፡ ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድ ዝተሓትመ መጽናዕቲ፡ ሰባት ንህይወቶም ካብ 0-10 ደረጃ ክህቡ ሓቲቱ - ዜሮ እቲ ዝሓሰመ ክኸውን ከሎ፡ 10 ድማ እቲ ዝበለጸ ጽቡቕ-ህይወት እዩ።
ደረጃ ሃገራት ኣብ ናይ ሰለስተ ዓመት ማእከላይ ደረጃ ናይቶም ነጥብታት ዝተመርኰሰ እዩ።
ብሓፈሻ፡ ብመሰረት ጸብጻብ ሓጐስ ዓለም 2025፡ እዞም ዝስዕቡ ገለ ወሰንቲ ነጥብታት ምጥቃስ ይከኣል።
- ኣብ ኣመሪካን ገለ ክፋል ኤውሮጳን ዝርአ ዘሎ ምንቍልቋል ሓጐስን ስእነት ማሕበራዊ ምትእምማንን፡ ምስቲ ካብ እዋን ናብ እዋን እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ 'ፖለቲካዊ ጽንፈኝነት' ዝተኣሳሰር እዩ፣
- ኣብ መላእ ዓለም፡ ሓቢርካ ምምጋብ ምስ ጽቡቕ ህይወት ብጽኑዕ ዝተኣሳሰር እዩ፣
- መጠን ስድራቤታት ምስ ሓጐስ ብቐረባ ዝተኣሳሰር ኰይኑ፡ ካብ ኣርባዕተ ክሳብ ሓሙሽተ ሰባት ብሓባር ዝነብሩ ዝለዓለ ደረጃ ሓጐስ የስተማቕሩ ነይሮም፣ እዚ ድማ ብፍላይ ኣብ ሜክሲኮን ኤውሮጳን ተራእዩ።
ፕረዚደንት ጕጅለ ዘላቒ ልምዓት ሕቡራት ሃገራት ጀፍሪ ዲ ሳክስ፡ እቲ ርኽበታት፡ "ሓጐስ ኣብ ምትእምማን፡ ሕያውነትን ማሕበራዊ ምትእስሳርን ዝተሰረተ፡" ምዃኑ ዳግማይ ከም ዘረጋገጸ ገሊጹ።
"ነዚ ኣገዳሲ ሓቂ ናብ እወታዊ ተግባር ምትርጓም ናትና ስራሕ'ዩ፣ በዚ ድማ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝርከቡ ሕብረተሰባት ሰላም፡ ስልጣነን ጽቡቕ ህይወትን ምዕባይ ይከኣል፡" ኢሉ።
ዳይረክተር ማእከል መጽናዕቲ ጽቡቕ ህይወት ኦክስፎርድ ጃን ኢማኑኤል ደ ኔቭ ብወገኑ፡ "ኣብዚ ማሕበራዊ ተነጽሎን ፖለቲካዊ ጽንፍታትን [ፖላራይዘይሽን] ዝረኣየሉ ዘሎ ዘመን፡ ሰባት ዳግማይ ናብ ሓድነት ንምምጻእ ዝሕግዙ መንገድታት ክንረክብ ኣለና። ከምኡ ምግባርና ድማ ንውልቃውን ሓባራውን ጽቡቕ ህይወትና ወሳኒ'ዩ፡" ኢሉ።
ኢትዮጵያን ኤርትራን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብመሰረት ኣብ ዝሓለፈ ለካተቲት ዝወጽአ ካልእ ተመሳሰሊ ጸብጻብ፡ ኢትዮጵያ ካብ 143 ሃገራት ኣብ መበል 130 ደረጃ ተሰሪዓ ትርከብ።
ካብ 2013 ክሳዕ 2024 ኣብ ዝተኣከበ መረዳእታታት፡ እታ ሃገር ዘለዋ ማእከላይ ነጥቢ 4.27 ጥራሕ እዩ።
ኣብዞም ዓመታት ዝነበራ ደረጃ ክነጻጸር እንከሎ፡ ህዝቢ እታ ሃገር፡ ዝሓሸ ሕጉሳት ዝነበረሉ ዓመት 2013 እዩ።
እቲ ዝተሓተ ደረጃ ድማ ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣብ 2023 ዝተመዝገበ እዩ።
ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ክልላት ብዝርአ ጐንጽታት፡ እቲ ረጊኡ ዝነብርን ብተዛማዲ ሕጉስ ህይወት ዝመርሕን ዝነበረ ህዝቢ፡ ቍጠባዊ ቅልውላው ተወሲኹዎ ተሃስዩ ይርከብ።
ናብ ኤርትራ ክምጻእ እንከሎ፡ ጸብጻብ ሓጐስ ዓለም 2024 ኰነ እቲ ናይ ሕዚ መፅናዕቲ፡ ብዛዕባ እታ ሃገር ዝምልከት ሓበሬታ ኣየጠቓልልን።
ሕብረተሰብ ኤርትራ ሓድሕዱ ኣብ ምትሕግጋዝ ድልዱል ማሕበራዊ ሰረት ዘለዎ ምዃኑ ይፍለጥ እዩ።
ብዛዕባ ኵነታት ሰብኣዊ መሰላት እታ ሃገር ብዝምልከት ግን፡ ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ድኻታት ሃገራት ኰይና፡ ዜጋታታ ድማ ንሕጽረት መብራህቲ፡ ነዳዲ፡ ዝስተ ማይ ዝተቓልዑ እዮም።
ብተወሳኺ፡ መንግስቲ ኤርትራ ዘካይዶ ግዱድ ወተሃደራዊ ምልመላ ሓደ ካብቶም ዘይምቹእ ኵነታት ኰይኑ፡ ብዙሓት ነቲ ኣዝዩ ሓያል ዝዀነ ሓለዋ ሰጊሮም ናብ ብዙሓት ሃገራት ክስደዱ ይረአዩ።
መንግስቲ ኤርትራ፡ ሓሳብ ናይ ምግላጽ ይዅን ናይ ኣኼባ ናይ ምክያድ ናጽነት ከም ዘየፍቅድ እዩ ዝንገር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







