ካብ ሰለስተ ዩኒቨርሲቲታት ተባሪሩ፡ ፍሉጥ መምህር ፊዚክስ ዝዀነ ኢትዮጵያዊ 'ማስተር ዳኒ'

ምንጪ ስእሊ, Dagnachew Shamble
ከምቲ ተምሃሮኡ ዝጽውዕዎ 'ማስተር ዳኒ'፡ ብኢንተርነት ፊዚክስ ብምምሃር ፍሉጥ ዝዀነ ዳኛቸው ሻምበል፡ ክሳብ ሻሙናይ ክፍሊ 'ሓደ ካብቶም ትምህርቲ ክርድኦም ኣይክእልን' ተባሂሉ ዝተነግሮም ቈልዑ ምዃኑ ይዛረብ።
ምስ ንፉዓት ተምሃሮ ኣብ ዝራኸበሉ እዋን ኵሉ ግዜ ከመይ 'ከም ዘጽንዑ' ይሓቶም ከም ዝነበረ ይዝክር።
ሓደ እዋን፡ ሓደ ዓርኩ ካብ ቀዳማይ ክፍሊ ከመይ ገይርካ በሊሕ ክኸውን ከም ዝኸኣለ ምስ ሓተቶ፡ "ዘይቲ ዓሳ ከም ዝሰተየ" ነጊሩዎ። ፈቲነዮ፣ ኣይሰርሓለይን።
እቲ ካልእ ዓርኩ ድማ፡ "ንግሆ ስለ ዘስተንትን [መዲተይት ስለ ዝግበር] እዩ ትምህርቲ ዝርድኣኒ፡" ኢሉዎ።
ንሱ ድማ ፈቲኑዎ፤ ኣይሰርሐሉን።
"ኣዝየ ዝፈትዎ ዓርከይ ነይሩኒ፣ ንሱ ድማ 'ቴኳንዶ ስለ ዝስልጥን'ዩ' ኢሉኒ። ከምኢ ክገበር ጸጋመይቲ ኢደይ ተሰቢረ።"
ዳኛቸው ከም ሻሙ ሻሙናይ ክፍሊ በጽሐ።
ኣብኡ ከም ሓላዊ ጸጥታ ኰይኑ ዝሰርሓሉ ሓደ ናይ ብሕቲ ቤት ትምህርቲ ብነጻ እዩ ዝመሃር ነይሩ።
ኣብ ሻሙናይ ክፍሊ ዝረኸቦ ውጽኢት 96 ካብ ሚእቲ ኰይኑ፡ ካብ ኵሎም መዛንኡ ዝለዓለ ከም ዝነበረ ይዝክር።
ወላዲኡ በቲ ወዱ ዘመዝገቦ ዓወት ካብ መጠን ንላዕሊ ተሓጒሱ፤ ኣብ ቅድሚ መሓዙቱ ሓቚፉ ኣሽከርኪሩዎ።
ኣብኡ ብእኡ ክሳብ ክንደይ ከም ዝሕበንን ብውጽኢቱ መጠን ክንደይ ከም ዝተሓጐሰን ተሰሚዑዎ።
ዳኛቻው፡ እቲ ውጽኢት ካብ ኣዕርኽቱ ቀዲሑ ከም ዘምጽኦ ስለ ዝፈልጥ፡ በቲ ኵነታት ሰንቢዱ።
"ክሳብ ሽዑ፡ ንኣቦይ ዘሐጕሶ ትምህርተይ ምዃኑ ሓሲበ ኣይፈልጥን ነይረ፡" ይብል።
ካብ ብድሕሪኡ ግን ታሪኹ ቀዪሩ።

ምንጪ ስእሊ, Dagnachew Shamble
ዳኛቸው ተበራቢሩ
ኣብ ታሽዓይ ክፍሊ ክነቅሕ ዝጀመረ ዳኛቸው፡ ንመጀመርታ ግዜ ካብ ክፍሊ ሳልሳይ ደረጃ ሒዙ ብምውጻእ ቀዳማይ ሰሚስተር ዛዚሙ።
"ታሽዓይ ክፍሊ ምስ ኣተኹ እየ ተበራቢረ፡" ዝብል ዳኛቸው፡ ብድሕሪኡ ኣበርቲዑ ምጽናዕ ኣካል ህይወቱ ኰነ።
ዳኛቸው ሻምበል ኣብ ድሬዳዋ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ኣብ 2007 [ግእዝ] ኣብ 12 ክፍሊ መዛዘሚ ፈተና፡ 515 ነጥቢ ብምምዝጋብ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርስቲ ተጸምቢሩ።
ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ን1 ዓመትን መንፈቕን መካኒካል ኢንጅነሪንግ ተማሂሩ፣ ብሰንኪ ወልፊ ግን ትምህርቱ ክዛዝም ኣይከኣለን።
ኣብ ቻይና ድማ ክልተ ግዜ ነጻ ናይ ትምህርቲ ዕድል እኳ እንተ ረኸበ፡ ብሰንኪ ወልፊ ትምህርቱ ክቕጽል ኣይከኣለን።
ብወልፊ ሓሽሽ ካብ ሰለስተ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዝተባረረ ዳኛቸው፡ ንሓያሎ ኣዋርሕ ኣብ ጐደናታት ኣዲስ ኣበባ ኣሕሊፉ።
ሽጋራ፡ ጫት፡ ዝተፈላለየ ሓሽሽን ኣልኮላዊ መስተን ይወስድ ነይሩ።
ኣብ ቻይና ኣብ ዝነበረሉ እዋን ብሰንኪ ወልፊ ፖሊስ ሒዞምዎ፣ "ንዓሰርተ መዓልታት ተኣሲረ ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሰ፡" ይብል።
ዳኛቸው፡ ካብ ቻይና ከም ዝተመልሰ ስድርኡ ክፈልጡ ኣይደለየን። ስለዚ፡ ኣብ ሓደ ኵርናዕ ኣዲስ ኣበባ ክሕባእ መሪጹ። ካብኡ ብቐጥታ ናብ ቢሾፍቱ ኣምሪሑ።
እንተዀነ፡ ብዝገደደ መልክዑ፡ ናብ ወልፊ ዓለም እናጠሓለ ምስ ከደ፡ ህይወቱ እናኸበደ መጽአ።
ኣብ ቢሾፍቱ መሕደሪ ኣይነበሮን፣ ከብዱ ከዕንግል ኣይከኣለን። ስለዚ፡ ናብታ ርእሰ ከተማ ክምለስ ወሲኑ።
ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝገዓዘሉ እዋን፡ ምስ ሓንቲ ኣብ ጐድኑ ከፍ ዝበለት ጓል ኣነስተይቲ ተፋሊጡ።
ሓድሕዶም ምዝርራብ ምስ ጀመሩ፡ ታሪኹ ከካፍላ ከሎ ደንጊጻትሉ።
"ክትሕግዘኒ ቃል ኣትያትለይ፡" ይብል ነቲ ኵነታት እናዘከረ።
እዛ ኣብቲ እዋን፡ ኣብ ሓደ ሆቴል ኣሳሳይት ኰይና ትሰርሕን ኣብ ሪፍት ቫሊ ዩኒቨርሲቲ ነርሲንግ ትመሃርን ዝነበረት ጓል ኣንስተይቲ፡ ንህይወት ዳኛ ንምቕያር ምኽንያት ኰይና።
ብሰንካ፡ ብደገፋን ሓገዛን ድማ ኣብ ጐደናታት ዝነበሮ ህይወት ኣብቂዑ። ቀስ ብቐስ ድማ ካብ ወልፊ ይርሕቕ ነይሩ።
"መጻሕፍቲ ከንብብ ጀሚረ፣ ናብ ኣምላኽ ቀሪበ፣ መጽሓፍ ቅዱስ ከንብብ ጀሚረ፡" ክብል ብድሕሪኡ ነቲ ወልፉ ከም ዝገደፎ ይገልጽ።

ምንጪ ስእሊ, Dagnachew Shamble
መምህር ፊዚክስ
ህይወቱ መልክዕ እናሓዘ ስለ ዝመጽአ፡ እቲ ንብዙሓት ተምሃሮ ኣጸጋሚ ዝበሃል ትምህርቲ ሕሳብን ፊዚክስን ከረድእ ጀመረ።
"ኣብ እዋን ለበዳ ቫይረስ ኮሮና፡ ኣብ ቤተክርስትያን ክፍሊ ተዋሂብዎም ብኣይ ዝምሃሩ ተምሃሮ ሻሙናይ ክፍሊ ነይሮም፡" ይብል ዳኛቸው።
ድሕሪ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ንመወዳእታ ፈተና ሻሙናይ ክፍሊ ክዳለዉ ምስ ቀረቡ፡ መምህር ፊዚክስ እታ ቤት ትምህርቲ ስለ ዝኸደ፡ ክሕግዞም ይጅምር።
"ስሩዕ መምህር ክሳብ ዝቘጽር ነቲ ክፍሊ ክሕዞ ነጊሮምኒ፡" ይብል ነቲ ፍጻመ እናዘከረ።
እቲ ኣብ ክፍሊ ክምህሮም ዘይኰነስ ከይርብሹ ክቈጻጸሮም ዝተመደበ ዳኛቸው፡ ምስ ተማሃሮ ሕሳብን ፊዚክስን ከሰርሕ ጀሚሩ።
እቶም ተምሃሮ ፈትዮሙዎ፤ ርእሰ መምህር'ቲ ቤት ትምህርቲ ርእይቶ ክእክብ ከሎ ጽቡቕ ነገራት ስለ ዝሰምዐ፡ ከም መምህር ቈጺሮምዎ።
በቲ ኣጋጣሚ እቲ ዝጀመረ ናይ መምህርነት ሞያ፡ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ንሰለስተ ዓመት ከም መምህር ፊዚክስ ኰይኑ ክቕጽል ኣኽኢሉዎ።
ዕቍብ፡ ማእክል ትምህርቲ
ዳኛቸው፡ ምስታ ዘጸገዓቶ ጓል ኣነስተይቲ ተመርዕዩ ክነብር ጀሚሩ።
እዞም ክልተ መጻምድቲ መነባብሮኦም ንምምላእ ይቃለሱን ንገዝኦም ንብረቶም ከዳልዉ ይጽዕሩን ነይሮም።
ነቲ ክእክብዎ ዝጸንሑ 9000 ብር ዕቍብ ምስ ተቐበሉ፡ ማእከል ቤት ትምህርቲ ክኸፍቱ ወሲኖም ገዛ ተኻርዮም።
ንሰለስተ ዓመት ከም መምህር ተቘጺሩ ዝሰርሓሉ ዝነበረ ቤት ትምህርቲ ገዲፉ፡ ኣብ ቢሾፍቱ "School of My Seed" ዝተባህለ ማእከል ከፊቱ።
ብ16 ተምሃሮ እዩ እቲ ምምሃር ምስትምሃር ጀሚሩዎ።
ካብ መንጐኦም ሽዱሽተ ጥራሕ እዮም ዝኸፍሉ ዝነበ፣ 10 ተማሃሮ ድማ ብነጻ።
ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ ብዝሒ እቶም ተምሃሮ ናብ 80 ከም ዝዓበየ ይዛረብ።
እቲ ናይ ተወሳኺ ትምህርቲ ኣብ ሓደ ክፍሊ ዝጀመረ መምህር፡ ቍጽሪ ተምሃሮ እናዓበየ ምስ ከደ ናብ ሰለስተ ክፍልታት ኣስፊሑዎ።
ንኸምኡ ዝኣመሰሉ ኣብ ትሑት እቶት ዘለዎም ስድራቤታት ዝዓበዩን እኹል ናይ ምንባብ ቦታ ዘይብሎምን ተምሃሮ ንምግልጋል ዓሊሙ ድማ ን24 ሰዓታት ዝሰርሕ ቤተ-መጻሕፍቲ ኣጣይሹ።
ነቶም ተምሃሮ ብዘይካ ፊዚክስ ካልኦት ትምህርትታት ሳይንስ፡ ስነቐመም (ኬሚስትሪ)፡ ስነህይወትነ ሕሳብን እንግሊዝኛን'ውን የምህሮም ነይሩ።
እንተዀነ፡ ብሓለፍቲ መንግስቲ ኣብ ቢሾፍቱ፡ ከምህር ከም ዘይክእል ተነጊሩዎ።
ኣብቲ እዋን ኣብ ሓደ መንግስታዊ ቤት ትምህርቲ ካብ ስሩዕ ናይ ትምህርቲ ሰዓታት ወጻኢ ክሕግዝ፡ ሓቲቱ ንቘልዑ ክምህር ብወለንታ ክሰርሕ ጀመረ።
ኣብዚ እዋን'ዚ ፊዚክስ እናመሃረ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተለጠፈ ኣዘራረቢ ኰይኑ ዘሎ ቪድዮታት፡ ሽዑ ዝተቐድሐ ምዃኑ'ውን ይዛረብ።
ብሓፈሻ፡ ልዕሊ 2000 ተምሃሮ ሓጊዘ ዝብል ዳናቸው፡ ኣብ 2016 ግ. ንኣስታት 45 ተማሃሮ ንኣዋርሕ ንመዳለዊ ፈተና ከም ዝመሃሮምን ኵሎም ናብ ዩኒቨርሰቲ ከም ዝሓለፉን ይዝክር።

ምንጪ ስእሊ, Dagnachew Shambel
'መምህረነት ተውህቦ እዩ"
ዳኛቸው ካብ ታሽዓይ ክፍሊ ጀሚሩ እዩ ብዛዕባ ፊዚክስ ፍቕሪ ሓዲሩዎ። ንኻልኦት ምሕጋዝ ግን ካብ ንእስነቱ ኣትሒዙ ባህጉ ከም ዝነበረ ይዛረብ።
ከም ተምሃራይ ካልኣይ ደረጃ ይዅን ኣብ ዩኒቨርሲቲታት ንተማሃሮ ብቐሊል መንገዲ ከበድቲ ኣርእስታት ናይ ምግላጽ ተውህቦ ከም ዝነበሮ ይዝክር።
"ናይ ምምሃር ድሌት ኵሉ ግዜ ኣብ ውሽጠይ እዩ ነይሩ። መምህር ክኸውን እየ ኢለ ኣሚነ ግን ኣይፈልጥን፤ መደብ ነይሩኒ ኣይፈልጥን።"
ኣቡኡ ግን፡ ንሰባት ነገራት ኣብ ምግላጽ ዘለዎ ተወፋይነትን ክእለትን ርእዩ፡ "መምህር እንተ ትኸውን ብዙሓት ካባኻ ምተማህሩ፡" ይብል ከም ዝነበረ ይዝክር።
ውጽኢት ናይቶም ዝምህሮም ቈልዑን ዝረኽቦ ተቐባልነትን ምስ ረኣየ ክሳብ መወዳእታ ህይወቱ ምምሃር ክቕጽል ከም ዝደሊ ይዛረብ።
ኣብዚ ግዜ`ዚ ካብ ቢሾፍቱ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዘምረሐ ዳኛቸው፡ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ንዝርከቡ ተምሃሮ ንምድጋፍ ብንጥፈት ይሰርሕ ከም ዘሎ ይዛረብ።
ነቲ ንብዙሓት ኣጸጋሚ ዝዀነ ፊዚክስ ብኸምዚ ዝኣመሰለ ቀሊል መንገዲ ብኸመይ ከምህር ክኢልካ? ተባሂሉ ምስ ተሓተተ፡ እቶም ተምሃሮ ዝያዳ ከርድኡንን ክቕበሉዎን ብዝግባእ መገዲ ኣቕሊሉ ከም ዘቕርበሎም ይዛረብ።
"ፊዚክስ ክመሃር ከለኹ ንባዕለይ ጥራሕ ኣይኰንኩን ዘንብብ። ነቶም ዝምህሮም ተምሃሮ'ውን እየ ዘንብብ። ሕጂ ወዲ መንፈቕ ህጻን ኣለኒ። ነቲ ወደይ ከመይ ገይረ ብቐጻሊ ከረድኦ ከም ዝኽእል ድማ እሓስብ።"
ብማዕርግ ዲግሪ ምምራቕን ሞያዊ ምዃን ዝከኣል እኳ እንተዀነ፡ "መምህርነት ግን ተውህቦ እዩ ዝመስለኒ፡" ይብል።
ንሱ፡ ፔዳ ጐጂ ዝበሃል ኣብ ኢትዮጵያ መምህራን ዝወስዱዎ ስልጠና ከም ዝወሰደን ብኢንተርነት ቀለልቲ ስልጠናታት ክወስድ ከም ዝፍትንን ይዛረብ።

ምንጪ ስእሊ, Dagnachew Shamble




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







