'ነጥበ-መቐይሮ'፡ ብኤለክትሪክ ትሰርሕ በራሪት ታክሲ ፈተነ ኣካይዳ

ምንጪ ስእሊ, Vertical Aerospace
ብኤለክትሪክ ትሰርሕ በራሪት ታክሲ ዘማዕበለ ብሪጣንያዊ ትካል ኣገዳሲ ዓወት ከምዝተጓናጸፈ ኣፍሊጡ'ሎ።
ቅድሚ ሕጂ ነፈርቲ ታክስታት ንምምዕባል ዝተፈላለየ ተበግሶታት ክግበር ምጽንሑ ይፍለጥ።
እዚ ኣብ ከተማ ብሪስቶል ዝመደበሩ 'ቨርቲካል ኤሮስፔስ (ቪ-ኤ) ዝተባህለ ትካል ዘካየዶ ፈተነ ግን ፍልይ ዝበለ'ዩ።
ኣብዚ ሰሙን'ዚ፡ ሓንቲ ብኤለክትሪክ እትሰርሕ ነፋሪት ታክሲ ዕዉት ናይ ፈተነ በረራ ኣካይዳ'ላ። ምንፋርሲ ነፈረት፡ ታክሲ ምዃንከ ዶ ኢልኩም?
ደጊም ዝተርፋ ናህራ ተቖጻጺራ ምብራርን ኩርናዓት ጎደናታትን ህንጻታትን ሓሊፋ ናብ ገዛኹም ምብጻሕ'ዩ። እቲ ዘካይድዎ ዘለዉ ፈተነታት ብሕጂ ናብዚ'ዩ ከተኩር።
ትምኒቶም እንተሰሚርሎም ከኣ ካብን ናብን መዓርፎ ነፈርቲን ንግዳዊ ከባቢ ከተማታትን ዓማዊል ምምልላስ'ዩ ክኸውን።
ኣብ ሓደ እብረ ኣርባዕተ ሰባት ኣሳፊራ ልዕሊ 150 ኪሎ ሜተር ክትጓዓዝ ከም እትኽእል ኣካያዲ ናይቲ ትካል ስቱዋርት ሲምፕሰን ይገልጽ።
"ሎሚ ዓበይቲ ከተማታት ክትርእየን እንከለኻ ብዓይኒ መጓዓዝያ ምኽኣል ተሳኢንወን ኣሎ"።
"እኹል ቦታ ስለዘየለ ኣብ ውሽጠን ጽርግያ ክትሰርሕ ኣይትኽእልን ኢኻ፡ ብትሕቲ ምድሪ ገለርያ ከይተሰርሕ ድማ ክቡር'ዩ፡ ስለዚ ትሕት ዝበለ ኣገባብ ክጥምት ኣለካ፡" ይብል ሲምፕሰን።
"ዘሐጕስ ዓወት'ዩ" ክብል ድማ'ዩ ነቲ ዘካየድዎ ፈተነ ዝገልጾ።
ዛጊት ከምዚ ዓይነት ፈተነ ዘካየደ ካልኣይ ትካል ኰይኑ'ሎ።
ነታ ነፋሪት ዘብረራ ፈታኒ ፓይሎት ሳይሞን ዳቪስ ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ "ከምተን ቅድሚ ሕጂ ዘብርረን ዝነበርኩ ነፈርቲ ኣይኰነትን፡" ክብል ይገልጻ።
"ድምጺ የብላን፡ ጎማታታ ክዘውርን ብጥቓኻ ዝሓልፋ ካልኦት ነፈርትን ከይተረፈ ጸቡቕ ጌርካ ኢኻ ትሰምዖ።"
እታ ኣብ ሰማይ ደቃቕ ነፋሪት ኰይና ትርአ ተሽከርካሪት ኣብቲ ኣብ ክልቲኡ ወገን ኣፍንጭኣ ዘሎ ክንፍታታ ሸሞንተ ንኣሽቱ ዝዘውር ቀስትታት (ሮተር) ተሰዂዑላ ኣሎ።
ቪ (V) ዓይነት ቅርጺ ዘለዎ ጭራ ዘለዋ ድማ'ያ።
ኣብ ኢንዱስትሪ ሄሊኮፕተር ንልዕሊ 35 ዓመት ዝሰርሐ ዴቪድ ኪንግ፡ እቲ ድርኺት ዝፈጥር ሸሞንተ ዘወርቲ ቀስትታት ውሕስነት ዝህባ ምዃኑ ይዛረብ።
"ምስ ዝዀነት ሓደ ሞቶረን ሓደ ስርዓተ-ቀስቲን ዘለዋ ሄሊኮፕተር ከተነጻጽራ እንከለኻ፡ ዝዀነ ጸገም እንተኣጋጢሙካ ወዲቕካ ኣለኻ፡ ስሕበት'ዩ ዝዕወት። ሸሞንተ [ቀስትታት] እንተለካ ግን፡ ዝተወሰነ ጸገማት ክትጻወር ትኽእል'ያ።"
ፋይናንሳዊ ደገፍ

ምንጪ ስእሊ, DANIELFORTMANN.COM
ኣብ 2024 እቲ ትካል ካብ ሓደ መደሪክ ካፒታል ዝተባህለ ኣመሪካዊ ኣውፋሪ 50 ሚልዮን ዶላር ምወላ ረኺቡ።
ብዘይካ'ዚ፡ ንምምዕባል እታ ቪ-ኤክስ-4 (VX4) ዝተባህለት ነፋሪት ታክሲ ዝውዕል ተወሳኺ ኣስታት 90 ሚልዮን ዶላር ኣውሒሱ'ሎ።
"ብወገን ገንዘብ ክትርእዮ እንከለኻ፡ ዕዳጋ ንግዲ ንከምዚ ዝበለ ምህዞ ክድግፍ ጀሚሩ'ሎ" ይብል ሲምፕሰን።
ፈተነታት ምስተዛዘመን ስሩዕ ኣገልግሎት ብወግዒ ምስጀመረን እቲ ዝግበር ጉዕዞታት ሰለስተ ደረጃታት ክህልዎ'ዩ።
ካብን ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ዝወሃብ ናይ ታክሲ ኣገልግሎት፡ ናብ መስሕባት በጻሕቲ ምምልላስ፡ ከምኡ'ውን ካብን ናብን "እንኮላይ ኣብ ሞንጎ ዝህሉ መጓዓዝያ ምድሪ- ንኣብነት ካብ ማንቸስተር ናብ ሊድስ።
ነቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ክዉን ክኸውን ትጽቢት ዝግበረሉ ኣገልግሎት ነፈርቲ ታክሲ ዝገዝእ ስርዓተ-ሕግታትን ቅጥዕታት ማዕረማዕሪኡ እንተ ተዳልዩ፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ኣፍደገ ገዛኹም፡ ስራሕኩም ወይ መዘናግዒ ቦታኹም ኣብ ናሕሲ ወይ ቀጽሪ ክትዓልቡ ዕድል ክፍጠረልኩም'ዩ ዝመስል።
ናይ መን ደፈረ ሕቶ ክህሉ ስለ ዝኽእል ግን፡ ንምልምማዱ ግዜ የድሊ ይኸውን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







