እንተቐኒዑና ኣብ ወርሒ ወይ ማርስ ንሰርሖ ኣባይቲ እንታይ ይመስል ይኸውን?

ብህንዲ ዝተፈተነ ገዛ ጠፈር

ምንጪ ስእሊ, AAKA Space Studio

ትካል ጠፈር ህንዲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ሓደ ንመጻኢ ህይወት ኣብ ሓደስቲ ዓለማት፡ ወርሒ ወይ ማርስ፡ ዝዓለመ ፈተነ ከካይድ ጸኒሑ'ሎ።

ቅድሚ ሒደት ሳምንታት ኣብ እግሪ ናይቲ ኣብ ሰሜን ህንዲ ዝርከብ ዓበይቲ ኣኽራናት ሂማልያ ሓደ ብተመራመርቲ ህንዲ ዝተሃንጸ ኣብዛ ምድሪ ንቡር ዘይኮነ ቤት ተራእዩ ነይሩ።

እዚ 'ማሕድሮ-1' (Hab-1) ዝተባህለ ቤት ግን ንነበርቲ ናይቲ ቆራሪ በረኽቲ ጐቦታት ላዳክ ዝተሰርሐ ኣይኮነን- ካብኡ ንላዕሊ ክስቀል ዝፍተን ዘሎ'ዩ።

ኣርክቴክት ጠፈር ኣስታ ካቻ-ጃላ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ፡ እቲ ዝግበር ዘሎ ፈተነ፡ ጠፈርተኛታት ኣብ ምድሪ እንከለዉ ብዛዕባ ከጋጥሞም ዝኽእል ብድሆታት ክርድኡ ከምዝሕግዞም ትዛረብ።

እዚ ንጠፈር ተባሂሉ ብዝተሰርሐ 'ቴፍሎን' ከምኡ'ውን ንካልእ መዓላ ዝውዕል ስፖንጅ ዓይነት 'ፎም' ዝተሰርሐ ገዛ-ጠፈር፡ ሓደ ዓራት፡ ንመኣዲን መስርሒን ዝገልግል ተዓጺፉ ዝወገን ጣውላ፡ መኽዘን ቀረባት መግብን ህጹጽ ረዲኤትን፡ መማቚ ክሽነን ሽቓቕን ዘጠቓለለ'ዩ።

ኣብቲ ዝግበር ዘሎ ፈተነ፡ ሓደ ጠፈርተኛ ንሰለስተ ሰሙን ኣብዛ ናይ እንቋቚሖ ቅርጺ ዘለዋ ማሕድሮ ተዓጽዩ ኣሕሊፍዎ።

"ሃብ-1፡ ኣብ ወርሒ ይኹን ማርስ ውሱን ቦታ ከምዘሎ ኣብ ግምት ብምእታው ዝተሰርሐ'ዩ" ትብል ካቻ ጃላ። "ጠፈርተኛታት ውሱን ማይ ጥራይ ስለዝህልዎም፡ ደረቕ ሽቓቕ ከምዝህልዎ ኢና ጌርና። ግቡእ ስርዓተ-ጓሓፍ ከምዝህልዎን ጨና ከምዘይሉን'ውን ጌርና ኣለና"።

ንሳን ብጾታን ኣብ ኣኽራናት ሂማልያ ቀዋሚ ናይ ፈተነ ማሕድሮ ጠፈርተኛታት ንምትካል ምስ ሃገራዊ ትካል ጠፈር ህንዲ ይዘራረቡ ከምዘለዉ ትገልጽ።

ህንዲ ንፈለማ እዋን ጠፈርተኛታት ናብ ሁዋ ክትሰድድ ትዳሎ ምህላዋ ይፍለጥ።

እቲ 'ጋጋንያን' ዝብል መጸውዒ ዝተዋህቦ ውጥን ሰለስተ ጠፈርተኛታት 400 ኪሜ ንላዕሊ ብምውንጫፍ ኣብ ዙርያ ምድሪ ንሰለስተ መዓልታት ዑደት ካካይዱ ዘጠቓልል'ዩ።

እቲ ሚሽን ኣብ ዝቕጽል ዓመት ክፍጸም'ዩ መደብ ተታሒዝሉ ዘሎ።

ምስ ኣመሪካ፡ ሩስያን ቻይናን ትቀዳደም ዘላ ህንዲ ኣብ 2035 ኣብ ጠፈር ናታ መደበር ክትገብርን ኣብ 2040 ድማ ሰብ ናብ ወርሒ ክትሰድድን'ያ ውጥን ኣውጺኣ ዘላ።

ትካል ጠፈር ኣመሪካ (ናሳ)፡ ትካል ጠፈር ኣውሮጳ፡ ሩስያን ቻይናን፡ ከምኡ'ውን ካልኦት ሃገራትን ትካላት ብሕትን ተመሳሳሊ ፈተነታት ከምዘካየዳ ይፍለጥ።

ክልተ ካብቶም ኣብ ዝመጽእ ዓመት ናብ ጠፈር ክውንጨፉ ዝተሓርዩ ህንዳውያን ጠፈርተኛታት ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ናሳ ስልጠና ይወስዱ ኣለዉ።

"ሓንሳብ ናትና መደበር ፈተነ ምስመስረትና ጠፈርተኛታትና ንምስልጣን ናብ ካልኦት ትካላት ጠፈር ክንሰድድ ኣየከድልየናን'ዩ" ይብል ዲን ምርምራዊ መጽናዕቲ ዩኒቨርሲቲ ላዳክ ፕሮፌሰር ሱብራት ሻርማ።

ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ እቲ ፈተነ ኣብ ላዳክ ክግበር ዝተመረጸሉ ምኽንያት "ብጆኦግራፊያዊ ዓይኒ፡ እቲ ከዋሕን ምድረበዳዊ ገጽ ምድሩን መሬቱን ምስቲ ኣብ ማርስን ገለ ኣብ ወርሒን ዝተረኽበ ከውሒ ዝመሰላል ስለዝኾነ ንጠፈራዊ መጽናዕቲ ዝኸውን'ዩ" ኢሉ።

ባዝ ኣልድሪን ኣብ ገጽ ምድሪ፡ 1969

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ካብቶም ንፈለማ ግዜ እግሮም ኣብ ገጽ ወርሒ ዝረገጹ ክልተ ጠፈርተኛታት ኣመሪካ ዝኾነ ባዝ ኣልድሪን ኣብ ወርሒ፡ 1969
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ መጽናዕታዊ ፈተነታት ዝተኣከበ ሓመድ ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ምርምር ይካየደሉ ከምዘሎን፡ ጠፈርተኛታት ኣብተን ዝኸድወን ወርሒን ማርስን ብዝርከብ ነገራት ቤት ክሰርሑ ዝኽእሉ እንተኾይኖም ንምግምጋም ክጠቅም'ዩ።

እቲ ኣብ ዶብ ህንድን-ቻይናን ዝርከብ ዞባ ሂማልያ ካብ ጽፍሒ ባሕሪ ኣብ 3,500 ኪሜ ልዒሉ ዝርከብ ኮይኑ፡ ሕሉፍ ኩነታት ኣየርን ፈኲስ ኣየርን ዝርከበሉ'ዩ። ኣብ ውሽጢ ሓደ መዓልቲ መጠን ሙቐት ካብ 20 ዲግሪ ናብ ኣስታት -18 ዲግሪ ቀዝሒ ክወርድ ይኽእል።

ምስቲ ኣብ ማርስ ዘሎ ኩነታት ኣየር (-15 ዲግሪ) ወይ ወርሒ (-250 ዲግሪ) ዝመዓራረ'ኳ እንተዘይኮነ፡ ንተጻዋርነት ሰብ ክፍትን ዝኽእል'ዩ።

"ብቐጻሊ ንፈተነ ናብ ጠፈር ክትከይድ ስለዘይክኣል፡ ምስቲ ናይ ጠፈር ኣብ ዝመሳሰል ቦታታት ዝተመስረተ ትካላት ፈተነ የድልዩኻ" ይብል ፕ/ር ሻርማ።

ዞባ ላዳክ ንማይላት ዝተዘርግሐ ሰብ ዘይሰፍሮ ሰፊሕ ቀላጥ ምድሪ ዘለዎ ስለዝኾነ "ኣብዛ ምድሪ ንበይንኻ ዘለኻ ኮይኑ'ዩ ዝስምዓካ" ይብል።

እቲ ንበይኑ ኣብቲ ቀዝሒ ምድረበዳ ኣብ ውሽጢ እቲ ንፈተነ ዝተሰርሐ ማሕድሮ ንሰለስተ ሰሙን ተዓጽዩ ዝጸንሐ ጠፈርተኛ'ውን ተመሳሳሊ ስምዒት'ዩ ሓዲርዎ።

"ካብ ሰብ ዘለዎ ከባቢ ተነጺለ'የ ኣሕሊፈዮ። ኩሉ ምንቅስቓሰይ ብመደብ'ዩ፡ መዓስ እበራበር፡ መዓስ እንታይ እገብርን መዓስ እድቅስን? ን24 ሰዓትን 7 ሸውዓተ መዓልትን ንኩሉ ምንቅስቓሰይ ዝከታተል ካሜራ፡ ብዛዕባ ዘካይዶ ምንቅስቓሳተይ ይኹን ጥዕናይ ናብቲ ቤትጽሕፈት ሓበሬታ ይሰድድ" ክብል እቲ ወዲ 24 ዓመት ስሙ ክጥቀስ ዘይተደልየ ጠፈርተኛ ተመኲሮኡ ኣካፊሉ።

"እተን ፈለምቲ መዓልታት. . .ድሓን'የን ነይረን። ድሓር ግን ክደጋገም ምስጀመረ፡ ክትንክፈኒ ጀሚሩ። ንመዓልታዊ ንጥፈታተይ ክጸልዎ ጀሚሩ። ናይ ድቃስ ግዜይ ቁሩብ ክጽሎ ጀሚሩ፡ ትኩርነተይ ጐዲሉ" ድማ ይብል።

እዋናት ድቃሱ፡ ህርመት ልቡን ደረጃ ጭንቀቱን ንምክትታል ባዮመትሪክ መሳርሒ ተኣሲርሉ'ዩ። መዓልታዊ ድማ ደሙን ጥፍጣፍ ኣፉን ይምርመር ነይሩ።

በዚ ኣገባብ ንስነኣእምሮኣዊ ረቛሒታት ብምፍታን ኣብ ጠፈርተኛታት ዝህልዎ ጽልዋ ምግምጋም እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ገጽ ናይ ዝኾነ ጠፈራዊ ሚሽን ምዃኑ ተመራመርቲ የመልክቱ።

ዝተፈላለያ ትካላት ጠፈር ሰብ ናብ ወርሒ ብምምላስ ኣብኡ ቀዋሚ መደበራት ንምምስራት ኣብ ቅድድም ይርከባ።

ተመራመርትን መሃንድሳትን ትካል ጠፈር ኣመሪካ፡ ናሳ፡ ኣብ ክፍለሃገር ኦሬገን ዝመስረትዎ ናይ ፈተነ ቦታ ነቲ ኣብ ወርሒ ዝግበር ምንቅስቓስ ሰብ ንምጽናዕ ዝዓለመ'ዩ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ'ውን፡ ኣርባዕተ ወለንተኛታት ኣብቲ ኣብ ክፍለሃገር ቴክሳስ ዝርከብ ምስ ማርስ ዝመሳሰል መደበር ፈተነ (ኣናሎግ) ሓደ ዓመት ኣሕሊፎም ነይሮም።

ዘ ኢኮኖሚስ ዝተባህለ ኣመሪካዊ መጽሄት ከምዝብሎ፡ ናሳ፡ ካብቲ ኣብ ወርሒ ዝርከብ ነገራት ተጠቒሙ ብ3D ዝተሓትመ መደበር ክሰርሕ መደብ ኣለዎ። ቻይናን ሩስያን ብወገነን፡ ተሓጋጊዘን ሕልመን ከግህዳ ላዕልን ታሕትን ይብላ ኣለዋ።

ህንዲ ድማ ከይደንጐየት እግሪ-እግረን ክትስዕብ'ያ ተሸባሸብ ዘላ።