ቢልዮናት ዶላራት ዝፈሰሉ ዘሎ ጉዕዞ ናብ ወርሒ እንታይ ንምኽሳብ’ዩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ 1969 ኣፖሎ 11 ናብ ወርሒ ዝተጓዓዘት ፈላመይቲ ተልእኾ ምዃና ዝፍለጥ እዩ።
ኣብቲ እዋን ኒል ኣርምስትሮንግን ባዝ ኣልድሪንን ዝተበሃሉ ጠፈርተኛታት ኣብ ወርሒ ዝረገጹ ቀዳማይን ካልኣይን ሰባት ኰይኖም።
ክሳዕ ታሕሳስ 1972 ካልኦት 10 ኣሜሪካውያን ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ወርሒ ክጓዓዙ ክኢሎም እዮም።
ብድሕሪኡ ኣሜሪካ ሰባት ዘሳትፉ ተልእኾታት ወርሒ ደው ኣቢላ እያ።
ሕጂ ግን ድሕሪ ኣስታት ሓምሳ ዓመታት ናብ ወርሒ ንምብጻሕ ሓድሽ ተገዳስነት ይርአ ኣሎ።
ኣሜሪካ ሓደ ጸሊምን ሓንቲ ጓል ኣንስተይትን ዝርከብዎም ጠፈርተኛታት ዳግማይ ናብ ወርሒ ክትልእኽ ትትልም ኣላ።
ኣሜሪካ ጥራይ ግን ኣይኰነትን፤ ቻይናን ህንድን እውን ሓደስቲ ተልእኾታት ክልእካ መደብ ሒዘን ኣለዋ።
ናይዚ ምኽንያት እንታይ እዩ? ካብቲ ኣብ 1960ታት ዝተኻየደ ዳህሳስ ህዋ ብኸመይ ይፍለ?
ጂኦፖለቲካ
ኣብቲ እዋን ኣመሪካ ሰብ ዘጠቓለለ ተልእኾ ናብ ወርሒ ዝሰደደትሉ ምኽንያት፡ ኣብ 1961 ሶቭየት ሕብረት ንዩሪ ጋጋሪን ናብ ህዋ ንምልኣኻ ዝተገብረ ምላሽ እዩ ነይሩ።
ኣብ ወርሒ ምዕላብ ዓቢ ዓወትን ሓያል ፖለቲካዊ መግለጺን ኰይኑ።
"ካብ 'ካብዛ ምድሪ ሰባት ወሲድና ኣብ ወርሒ ከነሰፍር ኢና' ምባል ንላዕሊ እንታይ ክትገብር ከም እትኽእል ምግላጽ ኣዝዩ ከቢድ'ዩ" ይብል ‘ዘ ሙን፡ አ ሂስትሪ ፎረ ዘ ፍዩቸር’ እትብል መጽሓፍ ዝደረሰ ላዕለዋይ ኣሰናዳኢ ጋዜጣ ዘ ኢኮኖሚስት ኦሊቨር ሞርተን።
ቀጺላ ናብ ወርሒ እትኸይድ መን እያ ዝብል ሓሳብ ብጂኦፖለቲካን ጸጋታት ናይ ምጥቃም ድሌትን ዝድረኽ እዩ።
ዝተፈላለያ ሃገራት፡ እንተላይ እተን ኣብዚ ጉዳይ ዝሳተፋ ናይ ብሕቲ ኩባንያታት፡ ኵለን ዝተፈላለየ ኣጀንዳ ኣለወን።
ሩስያ፡ ቻይና፡ ህንዲ፡ ጃፓንን ሕብረት ኣውሮጳን ኣብ ልዕሊ ወርሒ ሰብ ኣልቦ መርመራታት ኣመዝጊበን እየን፡ ሰብ ዘጠቓለለ ተልእኾ ግን ፈጺመን ኣይሰደዳን።
እቲ ውድድር ሕጂ፡ ኣብ መንጐ ኣሜሪካን ቻይናን እዩ።
"ብጂኦፖለቲካ ዝድረኽ'ዩ - ስለዚ ብኣሜሪካን ቻይናን ዝምራሕ ጥምረት ኣሎ፤ ክልቲአን ናብ ወርሒ ሰብኣዊ ተልእኾ ዘፍለጣ ኰይነን፡ ዓለምለኻዊ ሽርክና ይፈራረማ ኣለዋ። ክልቲአን ድማ ኣብ ውሽጢ ዝቕጽሉ 5 ወይ 10 ዓመታት ናብ ወርሒ ክበጽሓ ጻዕሪ ይገብራ ኣለዋ" ይብል ኣብ ኣርስ ቴክኒካ ላዕለዋይ ኣሰናዳኢ ህዋ ዝዀነ ኤሪክ በርገር።
ጸጋታት
እታ ፈላመይቲ ተልእኾ ወርሒ መጽናዕቲ ንምክያድ ዘይኰነስ፡ ኣብኡ ንምዕላብ ጥራይ እዩ ነይሩ።
ሕጂ ግን ኣብ ወርሒ ምዕላብ ጥራይ ዘይኰነስ ሰባት ኣብኡ ክጸንሑን ነቶም ጸጋታት ክጥቀሙ ዘኽእልን ቴክኖሎጂ ምምዕባል እዩ።
"ደቂ ሰባት ናይ መሬት ፍጡራት እዮም... ገሊኦም ክገብርዎ ዝደልዩ ዘለዉ፡ ኣብ ማርስ ከምኡ’ውን ኣብ ወርሒ ምስፍሕፋሕን መግዛእቲ ክህልዎምን፤ ኣብ ጠፈር ኣብ ሰብ-ሰርሖ ሰፈራታት መግዛእቲ ክህልዎምን እዩ። እዚ ኣዝዩ ሳይንሳዊ ልቢ ወለድ እዩ" ይብል ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ኖርዝሃምብሪያ ፕሮፌሰር ሕጊን ፖሊስን ህዋ ክሪስቶፈር ኒውማን።
ወሲኹ፡ ገሊኦም፡ ዘርኢ ወዲ ሰብ ካብ ምጽናት ከምዝድሕን ንምርግጋጽ፡ ክንዮ መሬት መግዛእቲ ክህልዎም ይደልዩ ከምዘለዉ ይዛረብ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ወርሒ ከም መዕረፊት
ውጥን ኣመሪካ ካብዚ ንላዕሊ ምኻድ እዩ።
"እቲ ሓሳብ ናብ መሬት ክምለስ ዘይኰነስ፡ ብጭቡጥ ኣብኡ መደበር ክትምስርት ምኽኣል'ዩ፤ ወርሒ፡ ናብ ማርስ ንምብጻሕ ከም መዕረፊ ክትረአ ትኽእል" ትብል ፕሮፌሰር ናምራታ ጎስዋሚ ካብ ዩኒቨርሲቲ ኣሪዞና ስቴት።
ኣብ ወርሒ ውሑድ ስሕበት ስለዘሎ፡ ካብኡ ሮኬት ንምውንጫፍ ውሑድ ነዳዲ እዩ ዘድሊ። ስለዚ ድማ ሃገራት ከም ስትራተጂያዊ ጸጋ ይርእይዋ ከምዘለዉ እታ ፕሮፌሰር ተብርህ።
ብተወሳኺ ገለ ከባቢታት ወርሒ ዳርጋ ብቐጻሊ ብርሃን ጸሓይ ስለ ዘለዎም፡ ጸሓያዊ ሓይሊ ናይ ምፍራይ ተኽእሎ’ውን ኣሎ። እቲ ሓሳብ ነቲ ጸዓት ብዓበይቲ ሳተላይታት ኣቢልካ ብማይክሮዌቭ ናብ መሬት ክበጽሕ ምግባር እዩ።
ህንዲ ኣብ ወርሒ ዘካየደቶ ተልእኾታት፡ ኣብ ጥቓ ደቡባዊ ዋልታ ወርሒ ሳልፈር፡ ኣሉሚንየምን ካልኦት ባእታታትን ከምዘለዉ ኣረጋጊጾም እዮም። ሕጂ እቲ ትዅረት ንመግቢ ክዀኑ ዝኽእሉ ካልኦት ቁልፊ ባእታ ምርካብ እዩ።
"በረድ ማይ ኣዝዩ ኣገዳሲ'ዩ፡ ምኽንያቱ በረድ ማይ ናብ ኦክስጅን ክቕየር ስለዝኽእል ሰባት ክተስፍር እንተዄንካ ኣድላዪ እዩ" ትብል።
ኣብ መጀመርታ ኣብ ወርሒ ዝተገብረ ምዕላብ ስኢቡ ዝነበረ ፍስሃ ስዒቡ ብዛዕባ ኣብ መወዳእታ 1960ታት ናብ ከዋኽብቲ ምብጻሕ ከይተረፈ ይዝረብ ነይሩ። እዚ ግን ኣብ ቀረባ እዋን ኣይክኸውንን እዩ።
"ናብ ወርሒ ንምብጻሕ ሰለስተ መዓልታት ይወስድ። ናብ ማርስ ንምብጻሕ ካብ ሽዱሽተ ክሳብ ሸሞንተ ኣዋርሕ ክወስድ ይኽእል። ስለዚ ወርሒ ናብ ቀጻሊ ስጉምቲ መሰጋገሪ እያ" ክብል በርገር የብርህ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ናብ ወርሒ ዝግበር ጕዕዞ ርኡይ ቴክኒካዊ መሰናኽላት ምብዳህ የጠቓልል።
መጀመርታ ነቶም ጠፈርተኛታት ናብ ጠፈር ንምእታውን ካብ ጨረርታ ንምክልኻልን ሓያል ሮኬት የድሊ።
ብድሕሪኡ እቲ ዝቕጽል ብድሆ ኣብ ልዕሊ ወርሒ ውሑስ ምዕላብ ምግባር እዩ፤ ድሕሪኡ እቶም ጠፈርተኛታት ክምለሱ ክኽእሉ ኣለዎም። ቴክኒካዊ ጸገም እንተሃልዩ ናይ ደገ ሓገዝ ወይ’ውን ነቲ ተልእኾ ናይ ምቍራጽ ኣማራጺ የብሎምን።
እቶም ጠፈርተኛታት ካብ ህዋ ናብ መሬት ክምለሱ እንከለዉ ብዘስካሕክሕ ፍጥነት እዮም ናብ ከባቢ ኣየር መሬት ዳግማይ ዝኣትዉ።
ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ወርሒ ምስ በጽሓ፡ እቶም ጸጋታታ እንታይ ክዀኑ እዮም ዝብል’ውን ቁልፊ ሕቶ’ዩ።
ኣብ 1967 ዝተገብረ ውዕል ጠፈር፡ ዝዀነት ሃገር ኣብ ህዋ ልኡላውነት ክትሓትት ከምዘይትኽእል ዘረጋግጽ’ኳ እንተዀነ፡ እቲ ክውንነት ግን ካብዚ ዝተፈልየ ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ።
"እቶም ኣብ ወርሒ ናይ ምዕላብን ናይ ምምላስን ዘጠቓልል ዓቕሚ ዘለወን ሃገራት ጥራይ ኣብ ግምት ብምእታው ናይ ቀዳሞት-ሰፈርቲ ብልጫ ክህልወን እዩ። ስለዚ ድማ ሎሚ ጸጋታት ወርሒ ብኸመይ ከምዝካፈላ ዘመልክት ሕጋዊ ስርዓት የብልናን" ትብል ፕሮፌሰር ጎስዋሚ።

ምንጪ ስእሊ, Nasa
ሓድሽ ውድድር ህዋ
ቻይና ኣብ 2030ታት ቀዋሚ መዓስከር ወርሒ ክትሃንጽ መደብ ዘለዋ ኰይና፡ ግዜ ገደባ እውን ተኸቲላ ትኸይድ ኣላ። ኣሜሪካ ክሳዕ 2028 ኣብ ወርሒ መደበር ጠፈር ክትተክል ከምእትኽእል ትግምት፡ እንተዀነ ግን እቲ መደብ ድሮ ተደናጕዩ እዩ።
ዓወት ኣሜሪካ ብዓቢኡ ኣብ ዓቕሚ ቢልዮነር ኤሎን መስክን ከምኡ’ውን ናይ ዳህሳስ ትካሉ ስፔስኤክስ ነታ ኣብ ምምዕባል እትርከብ ስታርሺፕ ሮኬት ኣብ ምቕራብ ዝምርኮስ እዩ።
ህንዲ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ንፈለማ እዋን ሰብ ዝሓቘፈ በረራታት ህዋ ከተካይድ መደብ ኣለዋ። ኣብ 2035 ኣብኡ መደበር ህዋ ንምቛም፡ ኣብ 2040 ድማ ጠፈርተኛ ናብ ወርሒ ንምልኣኽ ትልሚ ኣውጺኣ ኣላ።
"ብዛዕባ መደብ ህዋ ቻይና ኣዝዩ መሳጢ ዝዀነ ነገር ኣብ ግዜ ገደብ ናይ ምጽናዕ ዓቕማ እዩ። ኣነ ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን ኣብ ወርሒ ኣጠቓቕማ ምርምር ህዋን ቀዋሚ መሰረት እተማዕብል ፈላመይቲ ሃገር እትኸውን ቻይና'ያ ኢለ እግምት" ትብል እታ ፕሮፌሰር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







