ኣብ ወርሒ ዝረገጹ ሒደት ሰባት በዓል መን እዮም?

እዚኣ ኣሰር ጫማ በዝ ኣልድሪን ኰይና ኣብ ወርሒ ካብ ዝተገብሩ ቀዳሞት ስጉምትታት ሓንቲ እያ

ምንጪ ስእሊ, NASA

መግለጺ ስእሊ, እዚኣ ኣሰር ጫማ በዝ ኣልድሪን ኰይና ኣብ ወርሒ ካብ ዝተገብሩ ቀዳሞት ስጕምትታት ሓንቲ እያ

ካብ ምድሪ ወጻኢ ክትጓዓዙ ወይ ክትስጕሙ ተመኒኹም'ዶ ትፈልጡ?

ኣብ መሬትና ዝሰጐሙ ሰባት ብቢልዮናት ዝቝጸሩ’ኳ እንተዀኑ፡ እቶም እግሮም ኣብ ወርሒ ዝረገጹ ግን 12 ጥራይ እዮም።

ኵሎም እቲ ጕዕዞ ንምእማኑ ዘጸግም ምንባሩ ይዛረቡ፤ እቲ ተመኵሮ ዓሚቝ፡ ዘሐጕስ፡ መስተንክርን መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ዘፍርሕን ነይሩ ይብሉ።

ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ዝነበራ ክልተ ልዕለ ሓያላን ሃገራት ኣመሪካን ሕብረት ሶቭየትን፡ ብዅሉ መዳይ ነንሕድሕደን መነሓንሕቲ ነይረን።

ኣብ 1957 ሕብረት ሶቭየት ስፑትኒክ 2 እትበሃል መንኰርኰር ናብ ጠፈር ብምልኣኽ ቀዳመይቲ ኰይና። ብተወሳኺ ምስታ መንኰርኰር ጠፈር ዝተለኣኸት ላይካ ዝተባህለት ከልቢ፡ ናብ ጠፈር ዝተወንጨፈት ፈላመይቲ ህያው ፍጥርቲ እያ።

ብድሕሪኡ ድማ ሶቭየት ብ1961 ንመጀመርያ ግዜ ሰብ ናብ ጠፈር ልኢኻ - ሩስያዊ ዩሪ ጋጋሪን ናብ ጠፈር ዝተጓዓዘ ፈላማይ እዩ።

ነዚ ስዒቡ ኣመሪካ፡ ኣብ ወርሒ ሰብ ክስጕም ብምግባር ፈላመይቲ ሃገር ክትከውን ቃል ኣትያ። እዚ ድማ ኣብ ሓምለ 1969 ተፈጺሙ፤ ተልእኾ ኣፖሎ 11 ኣብ ወርሒ ዝዓለበት ፈላመይቲ መንኰርኰር ጠፈር ኰይና።

ቅድሚን ድሕሪን ኣፖሎ 11 ብዙሓት ሰባት ናብ ጠፈር ተጓዒዞም’ኳ እንተዀኑ፡ ብሓቂ ግን ኣብታ 370,000 ኪሎሜተር ርሒቓ ትርከብ እንኮ ተፈጥሮኣዊት ሳተላይት ምድሪ ዝተጓዓዙ እዞም ዝስዕቡ ኣመሪካውያን ጥራይ እዮም።

ኒል ኣርምስትሮንግ (1930 - 2012)

እታ ዝነጸረት ኒል ኣርምስትሮንግ ኣብ ወርሒ ከሎ እተርኢ ስእሊ እዚኣ ጥራይ እያ

ምንጪ ስእሊ, NASA/JSC/ASU/ANDY SAUNDERS

መግለጺ ስእሊ, እታ ዝነጸረት ኒል ኣርምስትሮንግ ኣብ ወርሒ ከሎ እተርኢ ስእሊ እዚኣ ጥራይ እያ

ኣብ ወርሒ ዝተጓዕዘ ፈላማይ ጠፈርተኛ ኒል ኣርምስትሮንግ እዩ።

እግሩ ኣብ ወርሒ ምስረገጸ፡ “እዚኣ ንሰብ ሓንቲ ንእሽቶ ስጕምቲ፡ ንደቂ ሰባት ሓንቲ ግዙፍ ዝላ’ያ” ኢሉ።

ኒል ኣርምስትሮንግ፡ ቅድሚ መኪና ምዝዋሩ ምኽኣሉ ገና ወዲ 16 ዓመት ከሎ እዩ ናይ ፓይለት ፍቓድ ረኺቡ።

ንሱ፡ ኣዛዚ ናይታ ንመጀመርታ ግዜ ሰብ ሒዛ ኣብ ወርሒ ዝዓለበት በረራ ኣፖሎ 11 እዩ ነይሩ።

ኣብ 1962 ናብ ናሳ ተጸንቢሩ። ኣብ 1966 ድማ ኣዛዚ ተልእኾ ጀሚኒ 8 ብምዃን ንፈለማ እዋን ኣብ ህዋ ዘይሩ።

ኣብ 20 ሓምለ 1969 ድማ ምስ ኣፖሎ 11 ናብ ወርሒ ተጓዒዙ፤ እግሩ ኣብ ወርሒ ዝረገጸ ፈላማይ ሰብ ድማ ኰይኑ።

ኣርምስትሮንግ ኣብ 1971 ካብ ናሳ ወጺኡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሲንሲናቲ ምህንድስና ኣየርን ስፔስን ይምህር ነይሩ።

ኣብ መወዳእታ ድማ ብ25 ነሓሰ 2012 ኣብ መበል 82 ዓመቱ ዓሪፉ።

በዝ ኣልድሪን (1930 - )

ጠፈርተኛ ኤድዊን ኢ."ባዝ" ኣልድሪን ጁንየር፡ ኣብ ወርሒ ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ንጥፈታት ኣፖሎ 11 ተሳኢሉ

ምንጪ ስእሊ, NASA

መግለጺ ስእሊ, ጠፈርተኛ ኤድዊን ኢ."ባዝ" ኣልድሪን ጁንየር፡ ኣብ ወርሒ ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ንጥፈታት ኣፖሎ 11 ተሳኢሉ

ብ20 ሓምለ 1969 ፓይለት ውግእ ነበር ኤድዊን "በዝ" ኣልድሪን እግሩ ኣብ ልዕሊ ወርሒ ዝረገጸ ካልኣይ ሰብ ኰይኑ። ኣስታት 20 ደቓይቕ ኣቐዲሙ፡ ኣዛዚኡ ኒል ኣርምስትሮንግ ኣብ ወርሒ ረጊጹ ነይሩ።

ኣልድሪን ኣብ ወርሒ ምስ ረገጸ ዝተዛረበን ፈላሞት ቃላት "ጽቡቕ ትርኢት" ዝብላ ነይረን።

"ፍሉይ ኣይኰነን’ዶ?" ክብል ኣርምስትሮንግ ሓቲትዎ። "መስተንክር ትርኢት።"

ኣልድሪን፡ "ዘደንቕ ምድረበዳ" ክብል መሊሱሉ።

ኣልድሪን፡ ኣብ ወርሒ ዝሰጐመ ካልኣይ ሰብ ምዃኑ ኣየሐጐሶን።

መሳርሕቱ ማይክል ኮሊንስ፡ "ካልኣይ ምዃኑ ካብ ዘሐጐሶ ንላዕሊ ኣብ ወርሒ ቀዳማይ ዘይምዃኑ ቅሬታ ፈጢሩሉ" ክብል ኣብቲ እዋን ዝነበረ ስምዒት ኣልድሪን ይገልጽ።

ይዅን’ምበር ኣልድሪን በቲ ዝረኸቦ ዓወት ይሕበን ነይሩ፤ ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት ሓደ ሰብኣይ፡ ኣፖሎ 11 ዝተራቐቐ ሓሶት እዩ ምስ በሎ፡ ወዲ 72 ዓመት ኣልድሪን ኣብ መንጋጋኡ ብጉስጢ ወቒዑዎ’ዩ።

በዝ ኣልድሪን ወርሒ ዝረገጸ ካልኣይ ሰብ እዩ

ምንጪ ስእሊ, PA MEDIA

ከምኡ'ውን ኣብ 2012 ድሕሪ ሞት ኒል ኣርምስትሮንግ፡ ኣልድሪን "ብዙሓት ሚልዮናት ... ከማይ ብሞት እቲ ሓቀኛ ኣመሪካዊ ጅግናን ዝበለጸ ፓይሎትን ከምዝሓዘኑ እፈልጥ እየ" ኢሉ።

ኣልድሪን ኣብ ሓምለ 1971 ካብ ናሳ ተሰናቢቱ። ብድሕሪኡ ብዙሓት መጻሕፍቲ ጽሒፉ፡ ኣብ መላእ ዓለም ኣስተምህሮታት ሂቡ፡ ኣብ ሪያሊቲ መደብ ተሌቪዥን "ዳንሲን ዊዝ ዘ ስታርስ" ከይተረፈ ተሳቲፉ’ዩ።

እዚ ኣመሪካዊ ጠፈርተኛ ነበር ኣብ ዳሕረዋይ ህይወቱ ይቃለስ’ኳ እንተነበረ፡ ንድፈረት እቲ ዘስደምም ፍጻመ ዝነበሮ ጽምኢ ግን ኣይጠፍአን። ናብ ሰሜናውን ደቡባውን ዋልታ ኣብ ዝተገበሩ ወፍሪታት ተጸንቢሩ እዩ፤ ብፍላይ ኣብ ወፍሪ ደቡባዊ ዋልታ ክጽንበር ከሎ ዕድመኡ 86 ዓመት እዩ ነይሩ።

ኣብ ጥሪ 2023 ድማ ኣብ መበል 93 ዓመቱ ንራብዓይ ግዜ ተመርዕዩ’ዩ።

ቻርለስ "ፒት" ኮንራድ (1930 - 1999)

 ኣብ 19 ሕዳር 1969፡ ቻርለስ "ፒት" ኮንራድ ኣብ ጥቓ እታ ኣብ ፈላመይቲ በረራ ዝተተኸለት ባንዴራ ኣሜሪካ ደው ኢሉ

ምንጪ ስእሊ, NASA

መግለጺ ስእሊ, ኣብ 19 ሕዳር 1969፡ ቻርለስ "ፒት" ኮንራድ ኣብ ጥቓ እታ ኣብ ፈላመይቲ በረራ ዝተተኸለት ባንዴራ ኣሜሪካ ደው ኢሉ

ኣብ ሕዳር ተመሳሳሊ ዓመት፡ ኣመሪካ ንኻልኣይ ግዜ ናብ ወርሒ ሰብ ዘሳተፈ ተልእኾ ኣወንጪፋ።

እታ ኣፖሎ 12 ዝተበሃለት መንኰርኰር ጠፈር ብሰንኪ ኣብ ናይ ሃይድሮጅን ፍስቶ ዘጋጠማ ላሕኲ ቅድሚ ምውንጫፋ ዳርጋ ፈሺላ’ኳ እንተነበረት፡ ሰራሕተኛታት ግን ቅድሚ ምብጋሳ ብህጹጽ ለውጢታት ብምግባሮም ናብ ወርሒ ክትበጽሕ ክኢላ’ያ።

ኣፖሎ 12 ድሕሪ ቅሩብ ግዜ እውን ካልእ ድራማዊ ህሞት ኣጋጢምዋ ነይሩ - ብበርቂ ምስ ተወቕዐት መሳርሒታታ ንገለ ካልኢታት ስርሖም ተቛሪጹ ነይሩ።

ካብቶም ተልእኾታት ሓደ፡ ንመጀመርታ ግዜ ቀጥታዊ ሕብራዊ ስእልታት ናብ ምድሪ ክትልእኽ እዩ ነይሩ፤ እንተዀነ እቲ ናይ ተለቪዥን ካሜራ ብኣጋኡ ፈሺሉ።

ካብ ሽዑ ጀሚሩ ግን እቲ ተልእኾ ብዘይ ገለ ጸገም እዩ ተኻይዱ።

ቻርለስ "ፒት" ኮንራድ፡ ኣዛዚ፡ ኣፖሎ 12 ኰይኑ ኣብ ሕዳር 1969 ንኻልኣይ ግዜ ዝተገብረ ተልእኾ መሪሑ።

ኣፖሎ 12 ድሕሪ ኣርባዕተ መዓልቲ ኣብ ወርሒ ክትዓልብ ከላ ካብታ መንኰርኰር ጠፈር ቀዲሙ ዝወጸ ኮንራድ፡ እግሩ ኣብ ወርሒ ዝረገጸ ሳልሳይ ሰብ ኰይኑ። ካብቶም ዝቐድምዎ ዝፈልዮ ግን ንሱ ልዕሊ ሓደ መዓልቲ ኣብ ወርሒ ጸኒሑ’ዩ።

ኣብ 1999 ኣብ ኦጃይ ካሊፎርንያ ብሓደጋ ሞተር ሳይክል ዓሪፉ።

ኣላን ቢን (1932 - 2018)

 ኣላን ቢን ዝኣከቦ ቅምሶ ሓመድ ወርሒ ሒዙ፡ መሳርሕቱ ኮንራድ ድማ ንዕኡ ክስእሎ ኣብ ነጸብራቕ መስትያት ቆቡዑ ይርአ

ምንጪ ስእሊ, NASA

መግለጺ ስእሊ, ኣላን ቢን ዝኣከቦ ቅምሶ ሓመድ ወርሒ ሒዙ፡ መሳርሕቱ ኮንራድ ድማ ንዕኡ ክስእሎ ኣብ ነጸብራቕ መስትያት ቆቡዑ ይርአ

ኣካል ተልእኾ ኣፖሎ ዝዀነ ኣላን ቢን፡ ምስ ፒት ኮንራድ ኣብ ልዕሊ ወርሒ ልዕሊ ሓደ መዓልቲ ኣሕሊፉ እዩ።

ኣብ 1963 ናብ ናሳ ቅድሚ ምጽንባሩ፡ ካፕቴን ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ እዩ ነይሩ።

ኣላን ኣብ 1981 ካብ ናሳ ጥሮታ ምስ ወጸ፡ ኣብ ህዋ ዝነበሮ ተመኵሮታት ብስነ-ጥበብ ከመሓላልፍ ከምዝተደፋፍአ ብምግላጽ ኣብ ስእሊ ከተኩር ጀሚሩ።

ኣብ 2009፡ መበል 40 ዓመት ፈላማይ ምዕላብ ወርሒ ኣብ ዝተጸንበለሉ እዋን፡ ብዙሓት ስርሓት ቢን ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ዝርከብ ሃገራዊ ቤተ መዘክር ኣየርን ህዋን ስሚዝሶኒያን ተራእዮም እዮም።

ኣላን ቢን፡ ሃንደበት ድሕሪ ዘጋጠሞ ሕማም ኣብ 86 ዓመቱ ብ26 ግንቦት 2018 ዓሪፉ።

ኣላን ሸፓርድ (1923 - 1998)

ኣዛዚ ኣፖሎ 14 ዝነበረ ኣላን ቢ ሸፓርድ ጁንየር፡ ኣብ ጥቓ ባንዴራ ኣመሪካ ደው ኢሉ ይርአ

ምንጪ ስእሊ, NASA

መግለጺ ስእሊ, ኣዛዚ ኣፖሎ 14 ዝነበረ ኣላን ቢ ሸፓርድ ጁንየር፡ ኣብ ጥቓ ባንዴራ ኣመሪካ ደው ኢሉ ይርአ

ኣዛዚ፡ ኣፖሎ 14 ዝነበረ ኣላን ሸፓርድ፡ ቅድሚ እቲ ናብ ወርሒ ዝገበሮ ጕዕዞ፡ ብ5 ግንቦት 1961 ናብ ጠፈር ዝበጽሐ ፈላማይ ኣመሪካዊ እዩ።

ንእተወሰነ እዋን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጠፈርተኛታት ናሳ ኰይኑ ድሕሪ ምጽንሑ፡ ኣብ 1971 ምስ ኣፖሎ 14 ንኻልኣይ ግዜ ናብ ህዋ ተጓዒዙ።

ኣብ ወርሒ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ክልተ ኵዓሳሱ ጐልፍ ከምዝሃረመን ኣብቲ ትሑት ስሕበት ወርሒ ክዓልባ ከምዝተዓዘበን ይፍለጥ።

ድሒሩ ኣድሚራል ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ኰይኑ ነይሩ። ኣብ 1974 ካብ ናሳን ሓይሊ ባሕርን ምስ ወጸ ብዛዕባ ናይ ህዋ ተመኵሮታቱ ዝገልጽ መጽሓፍ ጽሒፉ እዩ።

ብ1998 ብሕማም ሉኪሚያ ዓሪፉ።

ኤድጋር ሚሸል (1930 - 2016)

ኤድጋር ሚሸል ብ5 ለካቲት 1971 ንወርሒ ዝረገጸ ሻድሻይ ሰብ ኰይኑ

ምንጪ ስእሊ, REUTERS

መግለጺ ስእሊ, ኤድጋር ሚሸል ብ5 ለካቲት 1971 ንወርሒ ዝረገጸ ሻድሻይ ሰብ ኰይኑ

ኤድጋር ሚሸል፡ ንፈለማ እዋን ናብ ጠፈር ዝገበሮ በረራ ምስ ኣላን ሸፓርድ ኣብ ተልእኾ ኣፖሎ 14 እዩ።

ከም ኣካል ተልእኾ ኣፖሎ 14 ኣብ 1971 ኣብ ወርሒ ንልዕሊ ትሽዓተ ሰዓታት ዝተፈላለዩ ፈተነታት ኣካይዱ።

ኣብ ጠፈር ኣብ ዝነበረሉ ሓደ ህሞት፡ ሃንደበታውን ዓቢን ራእይ ከምዘጋጠሞ ተዛሪቡ ነይሩ። ኣብ ዳሕረዋይ ህይወቱ ድማ ባዕዳውያን ፍጥረታት ናብ መሬት በጺሖም እዮም ዝብል እምነት ከምዘለዎን ኣቃሊዑ።

ካፕተን ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ዝነበረ ኤድጋር ሚሸል፡ ካብ ናሳን ሓይሊ ባሕርን ጥሮታ ምስ ወጸ፡ ንመጽናዕቲ ንቕሓት ዝተወፈየ ኢንስቲትዩት ሳይንስ ኖኤቲክ መስሪቱ።

ብተወሳኺ ምስጢራዊ ተመኵሮታትን ስነ-ኣእምሮኣዊ ዳህሳስን ዝምልከቱ መጻሕፍቲ ጽሒፉ’ዩ፤ ብ4 ለካቲት 2016 ድማ ካብዛ ዓለም ተፈልዩ።

ደቪድ ስኮት (1932 - )

ኣዛዚ ኣፖሎ 15 ዴቪድ ስኮት፡ ኣብ ወርሒ ዝሰጎመ ሻብዓይ ሰብ እዩ

ምንጪ ስእሊ, NASA

መግለጺ ስእሊ, ኣዛዚ ኣፖሎ 15 ደቪድ ስኮት፡ ኣብ ወርሒ ዝሰጐመ ሻብዓይ ሰብ እዩ

ኣዛዚ ኣፖሎ 15 ዝዀነ ደቪድ ስኮት፡ ሓደ ካብቶም ብህይወት ዘለዉ ንወርሒ ዝረገጹ ኣርባዕተ ሰባት እዩ።

እንተዀነ ሓደ ካብቶም ቀዳሞት ኣብ ወርሒ ዝዝውሩ እውን'ዩ።

ኣብ 1971 ስኮትን መሳርሕቱ ጀምስ ኢርዊንን ኣብታ "ማን’ስ ፈረስት ዊልስ ኦነ ዘ ሙን" ዝተበሃለት መጓዓዝያ ፈተነ ኣካይዶም። እታ ኣብ ሰዓት ክሳብ 12 ኪ.ሜ ብዝበጽሕ ፍጥነት ትጓዓዝ ዝነበረት መጓዓዝያ፡ ካብቶም ብእግሮም ዝተጓዓዙ ጠፈርተኛታት ብቕልጡፍ ብዙሕ ርሕቀት ክጓዓዙን ብኣዝዩ ውሑድ ግዜ ናብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ክበጽሑን ኣኽኢላቶም’ያ።

ካብ ወርሒ ምስ ተመልሰ፡ ስኮት ኣብ ውሽጢ ናሳ ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ምሕደራ ጽፍሕታት ሰሪሑ’ዩ፤ ድሒሩ ድማ ናብ ውልቃዊ ጽላት ተጸንቢሩ።

ብተወሳኺ ኣብ ሓያሎ ፕሮጀክትታት ፊልምን ተለቪዥንን ከም ኣማኻሪ ኰይኑ ተዋሲኡ፤ ንኣብነት ኣብ ‘ፍሮም ዘ ኤርዝ ቱ ዘ ሙን’ ኣብ እትብልን ከምኡ’ውን ኣብታ ‘ኣፖሎ 13’ ዘርእስታ ውሱን ተኸታታሊ ፊልምን ተሳቲፉ’ዩ።

ጀምስ አርዊን (1930 - 1991)

ከም ኣካል ተልእኾ ኣፖሎ 15 ጀምስ አርዊን 77.5 ኪሎ ግራም ቅምሶታት ኣኻውሕ ኣኪቡ እዩ

ምንጪ ስእሊ, NASA

መግለጺ ስእሊ, ከም ኣካል ተልእኾ ኣፖሎ 15 ጀምስ አርዊን 77.5 ኪሎ ግራም ቅምሶታት ኣኻውሕ ኣኪቡ እዩ

ጀምስ አርዊን፡ ኣብ ተልእኾ ኣፖሎ 15 ፓይለት ናይ ወርሒ ተሽከርካሪት’ዩ ነይሩ።

ኣብታ ናይ መጀመርታን እንኮን ናይ ህዋ በረራኡ፡ ኣብ ኣኽራናት ወርሒ እናተዘዋወረ 77.5 ኪሎ ግራም ቅምሶታት ኣኻውሕ ኣኪቡ እዩ።

ኣብ ሓይሊ ኣየር ኣመሪካ ጥሮተኛ ኮሎኔል ዝነበረ አርዊን ኣብ 1966 ናብ ናሳ ተጸንቢሩ።

ኣብ 1972 ምስ ኣፖሎ 15 ዝገበሮ በረራ ስዒቡ ካብ ናሳ ወጺኡ ኣብ ኮሎራዶ ‘ስፕሪንግስ ኮሎራዶ ሃይ ፍላይት ፋውንዴሽን’ ዝበሃል ሃይማኖታዊ ትካል መስሪቱ ሰባኺ ኰይኑ።

ጀምስ አርዊን፡ ብ1991 ብወቕዒ ልቢ ካብዛ ዓለም ተፈልዩ።

ጆን ዳብሊው ያንግ (1930 - 2018)

ኣብዛ ኣብ ተልእኾ ኣፖሎ 16 ብቻርለስ ዱክ ዝተሳእለት ስእሊ ጆን ያንግ እናዘለለ ነታ ባንዴራ ሰላምታ ይህብ

ምንጪ ስእሊ, NASA

መግለጺ ስእሊ, ኣብዛ ኣብ ተልእኾ ኣፖሎ 16 ብቻርለስ ዱክ ዝተሳእለት ስእሊ ጆን ያንግ እናዘለለ ነታ ባንዴራ ሰላምታ ይህብ

ኣዛዚ ኣፖሎ 16 ዝነበረ ጆን ዳብሊው ያንግ፡ ኣብ ሚያዝያ 1972 ሰብ ዘሳተፈ ሓሙሻይ ኣብ ወርሒ ናይ ምዕላብ ተልእኾ መሪሑ።

ንሱን መሳርሕቱን ቻርሊ ዱክን ኣብ ከበሳታት ወርሒ ዳህሳስ ኣካይዶምን ብርክት ዝበሉ ቅምሶ ኣኻውሕ ወርሒ ኣኪቦምን እዮም።

ያንግ ኣብ 1962 ፓይለት ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ኰይኑ ናብ ናሳ ምስተጸንበረ ኣብ ሽዱሽተ ዝተፈላለዩ ተልእኾታት ህዋ ተሳቲፉ እዩ። ብሓፈሻ ክሳብ ኣብ 2004 ጥሮታ ዝወጽእ፡ 835 ሰዓታት ኣብ ህዋ ጸኒሑ እዩ።

ብ5 ጥሪ 2018 ድማ ዓሪፉ።

ቻርለስ ዱክ (1935 - )

ኣብዛ ብጆን ዳብሊው ያንግ ዝተሳእለት ስእሊ ቻርለስ ዱክ ኣብ ቅድሚ ሃጓፍ ይረአ

ምንጪ ስእሊ, NASA

መግለጺ ስእሊ, ኣብዛ ብጆን ዳብሊው ያንግ ዝተሳእለት ስእሊ ቻርለስ ዱክ ኣብ ቅድሚ ሃጓፍ ይረአ

ካብቶም ኣብ ወርሒ ዝሰጐሙ 12 ሰባት፡ ኣብዚ እዋን ብህይወት ዘለዉ ኣርባዕተ ጥራይ እዮም።

ሓደ ካብዚኦም ከም ኣካል ኣፖሎ 16 ኣብ 36 ዓመት ዕድመኡ ኣብ ወርሒ ብምስጓም እቲ ዝነኣሰ ሰብ ዝዀነ ቻርሊ ዱክ እዩ።

ኣዝዩ ድሒሩ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ "ዘደንቕ መሬት" ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ። "ጽባቐኡ... ኣብ መንጐ ጸልማት ጠፈርን ኣድማስ ወርሕን ዘሎ ርሱን ንጽጽር... ፈጺመ ኣይርስዖን። ኣዝዩ ድራማዊ እዩ ነይሩ።"

ቅድሚኡ’ውን ኣብ ዳህሳስ ወርሒ ካልእ ርኡይ ተራ ተጻዊቱ ነይሩ። ኣፖሎ 11 ኣብ 1969 ክትምለስ እንከላ ኒል ኣርምስትሮንግ ብሰላም ከምዝዓለቡ ክሳዕ ዘፍልጥ ብፍርሒ እናተጸበየ ዝነበረ ኣካል ቍጽጽር ተልእኾ ቻርለስ ዱክ’ዩ ነይሩ።

"ብሓቂ ኣብታ ናይ መወዳእታ ደቒቕ ትንፋሰይ ውሒጠ ነይረ" ክብል ድሒሩ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ተዛሪቡ።

ኣብዚ እዋን ቻርሊ ዱክ ካብ ሳን ኣንቶንዮ ቴክሳስ ወጻኢ ምስታ ን60 ዓመታት ሓቢራቶ ዝጸንሐት በዓልቲ ቤቱ ዶሮቲ ይነብር ኣሎ።

ሃሪሰን ሽሚት (1935 - )

ሃሪሰን ሽሚት ናብ ወርሒ ዝበጽሐ ፈላማይ ሳይንቲስት እዩ

ምንጪ ስእሊ, NASA

መግለጺ ስእሊ, ሃሪሰን ሽሚት ናብ ወርሒ ዝበጽሐ ፈላማይ ሳይንቲስት እዩ

ኣፖሎ 17 ካብ ተልእኾታት ኣፖሎ እታ ናይ መወዳእታ እያ ነይራ፤ ሃሪሰን ሽሚት ድማ ካብቶም ኣብ ወርሒ እግሮም ዘንበሩ መበል ዓሰርተው ሓደ እዩ።

ሽሚት ዘይከም መብዛሕትኦም ካልኦት ጠፈርተኛታት ኣብ ሓይልታት ኣመሪካ ከም ፓይለት ኣየገልገለን።

ንሱ፡ ናብ ወርሒ ዝበጽሐ ፈላማይ ሳይንቲስት እዩ።

ሃሪሰን ሽሚት፡ ኣብ መጀመርታ ከም ክኢላ ስነ-ምድሪን ምሁርን፡ ጠፈርተኛታት ኣብ እዋን ስነ-ምድራዊ ዳህሳስ ወርሒ እንታይ ክደልዩ ከምዘለዎም መምርሒ ይህብ ነይሩ።

ኣብ 1965 ድማ ንሱ ባዕሉ ሳይንቲስት-ጠፈርተኛ ኰይኑ።

ሽሚት ኣካል ናይታ ናይ መወዳእታ ተልእኾ ወርሒ ዝነበረት ኣፖሎ 17 ኰይኑ፡ ምስ ኣዛዚ ዩጂን ሰርናን፡ ኣብ ታሕሳስ 1972 ኣብ ወርሒ እግሩ ረጊጹ።

ኣብ 1975 ካብ ናሳ ድሕሪ ምውጽኡ፡ ኣብታ ዝነብረላ ግዝኣት ኒው ሜክሲኮ ተወዳዲሩ ንሰነት ኣመሪካ ተመሪጹ ኣገልጊሉ እዩ። ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኣብ ዝተፈላለዩ ኢንዱስትሪታት ከም ኣማኻሪ ኰይኑ ቀጺሉ።

ዩጂን ሰርናን (1934 – 2017)

 ኣብ ወርሒ ዝተጓዕዘ ናይ መወዳእታ ጠፈርተኛ ዩጂን ሰርናን ኣብ መበል 82 ዓመቱ ዓሪፉ

ምንጪ ስእሊ, AFP/GETTY IMAGES

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ወርሒ ዝተጓዕዘ ናይ መወዳእታ ጠፈርተኛ ዩጂን ሰርናን ኣብ መበል 82 ዓመቱ ዓሪፉ

ዩጂን ሰርናን ቅድሚ ኣዛዚ፡ ኣፖሎ 17 ምዃኑ፡ ናብ ህዋ ድሮ ክልተ በረራታት ኣካይዱ ነይሩ - ኣብ 1966 ምስ ጀሚኒ 9፡ ኣብ 1969 ድማ ምስ ኣፖሎ 10።

ኣብ ታሕሳስ 1972 ሻድሻይን ናይ መወዳእታን ተልእኾ ምዕላብ ወርሒ ኣፖሎ 17 መሪሑ።

ኣብዚ በረራ ወርሓዊ ምዕላብ ተልእኾ ዩጂን ሰርናንን ሃሪሰን ሽሚትን ንልዕሊ ሰለስተ መዓልታት ኣብ ላዕሊ ኣሕሊፎም እዮም።

ሰርናን ድማ ኣብ ወርሒ ኣሰር እግሩ ዝገደፈ ናይ መወዳእታ ሰብ እዩ።

ኣብ 1975 ካብ ናሳን ወተሃደራዊ ስራሕን ጥሮታ ወጺኡ ኣብ ዝተፈላለዩ ጽፍሒታት ክሰርሐ ድሕሪ ምጽንሑ ብ16 ጥሪ 2017 ሞይቱ።