ናሳ፡ ኣብ መሬት ዝዓለበ ሓድሽ ቅምሶ ኣስተሮይድ እንታይ ዝሐዘ እዩ?

ምንጪ ስእሊ, NASA/KEEGAN BARBER
ናሳ፡ ካብቲ "ኣብ ስርዓተ ጸሓይ ኣዝዩ ሓደገኛ "ዝተበሃለ ከውሒ ዝተፈልፈለ ሓመድ ዝመልኦ ቅምሶታት ናብ ምድሪ ኣምጺኡ።
ኣሜሪካዊ ትካል ህዋ ናሳ፡ ነቲ ነገር ኣብ ምዕራባዊ በረኻ ግዝኣት ዩታ ዝወረደ ሰፈር [ካፕሱል] ኣዕሊብዎ።
እቶም ቅምሶታት ካብ ኣስተሮይድ ቤኑ ኣብ 2020 ብናይ ኦሲሪስ-ሬክስ ናይ ህዋ መንኮራኹር እዩ ክግዕዝ ጀሚሩ ።
ናሳ ብዛዕባ እዚ ‘ከውሓዊ ተፈጥሮ’ ዝያዳ ክፈልጥ ዝደሊ ኰይኑ፡ ኣብ ዝቕጽሉ 300 ዓመታት ንፕላነትና-መሬት ናይ ምውቃዕ ዕድል ስለዘሎ ሓደ ምኽንያት እዩ።
ልዕሊ እዚ ግን፡ እቶም ቅምሶታት ቅድሚ 4.6 ቢልዮን ዓመታት ብዛዕባ ኣፈጣጥራ ስርዓተ ጸሓይን ምናልባት’ውን ህይወት ኣብ ዓለምና ብኸመይ ከም ዝጀመረን ሓድሽ ርድኢት ክህቡ ተኽእሎ ስለዘሎ እዩ።
ጕጅለ ኦሲሪስ-ሬክስ፡ ነቲ ቅምሶ ዝሓዘ ነገር ኣብ ነዊሕ ርሕቐት ዝርከባ ካሜራታት ምስ ረኣየቶ ሓጐስ ፈጢሩላ።
ኣብ ክፍሊ ምክልኻል መሬት በረኻታት፡ ካብቲ ዝተመደበሉ ሰለስተ ደቓይቕ ኣቐዲሙ፡ ብኣቈጻጽራ ውሽጢ ዓዲ ሰዓት 10፡52 ምውራዱ ተረጋጊጹ።
እቲ ክንዲ ጐማ መኪና ዝዓቐኑ መትሐዚ፡ ኣብ ሰማይ ምዕራባዊ ኣሜሪካ ልዕሊ 12 ኪ.ሜ ኣብ ደቒቕ ኣብ ከባቢ ኣየር እናተሓምበበ እዩ መጺኡ።
ካብኡ፡ መከላኸሊ ሙቐትን ፓራሹትን ንቝልቁል ኣድኒኑ፡ ኣብቲ ቀዲሙ ብጥንቃቐ ዝተኸለለሉ ቦታ ቀስ ኢሉ ዓሊቡ።
"እዛ ንእሽቶ ካፕሱል ነቲ መደብ ኣዝያ ወሳኒት እያ" ይብል ዋና መሃንድስ ኣብ ኣፍራዪ ኣየርን ስፔስን ሎክሂድ ማርቲን ቲም ፕሪሰር፤ "ከም ክንቲት እያ ኣብ መሬት ዓሊባ፡" ይብል።
እቲ ስርሒት ነቲ ካፕሱል ካብ በረኻ ንምውጻእ ከመይ ከምዝኸደ ምስ ተሓተተ፡ ገለ ካብቶም ብሄሊኮፕተራቶም ዝምለሱ ሰራሕተኛታት ኣለሻ፡ ‘ዘደንቕ’ ምዃኑ ንጕጅለ ሳይንስ ቢቢሲ ኒውስ ገሊጾም።
"እቲ ፓራሹት ተኸፊቱ ብሰላም ንዓርፍ ከም ዘለና ምስ ሰማዕኩ ኣብታ ሄሊኮፕተር ከም ህጻን ነቢዐ" ይብል ዋና ተመራማሪ ኦሲሪስ-ሬክስ ዳንተ ላውረታ።
"ንዓይ ልዕሊ ዓቕመይ ዝዀነ ህሞት ጥራይ'ዩ ነይሩ፤ ዘገርም ዓወት'ዩ።"

ምንጪ ስእሊ, NASA
ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት፡ ነቲ ቅድሚ ምዕላብ ዝገመትዎ ኣስታት 250 ግራም ዝግመት ክቡር ጽዕነት ኣብ ኢዶም ንምርካብ ሃንቀውታ ኣለዎም።
እዚ ብዙሕ ዘይክመስል ይኽእል እዩ፤ ከምቲ ሓደ ሳይንቲስት ዝገለጾ ግን፡ ጕጅለ ናሳ ከካይዳኦ ንዝደልያ ዓይነታት መርመራ ልዕሊ እኹል እዩ።
"ብኣዝዩ ንኣሽቱ ንጥረ ነገራት ልዑል ርዝነት ዘለዎም ነገራት ክንትንትን ንኽእል ኢና" ትብል ኣብ ቴክሳስ ኣብ ዝርከብ ማእከል ህዋ ጆንሰን ናሳ ዋና ሳይንቲስት ኣይሊን ስታንስበሪ።
"ን10 ማይክሮን ዝዓቐኑ ንጥረ ነገር ናብ ደርዘን ደቀቕቲ ነገራት ቀይርካ ከመይ ጌርና ከም እንሰርዖን ንትንትኖን ንፈልጥ ኢና፤ ስለዚ፡ 250 ግራም ዓቢ'ዩ።”
ኣብቲ በረኻ ቀዲሙ ዝወጽአ ቃል 'ጽሬት’ ዝብል እዩ ነይሩ።
እቶም ጕጅለታት ነታ ኣብ መሬት ዝዓለበት ካፕሱል ምስ ረኸቡዋ፡ ብዝተኻእለ መጠን ብቕልጡፍ ናብቲ ኣብ ጥቓኦም ዝነበረ መደበር ሰራዊት ዳግይ ዝርከብ ግዝያዊ ክፍሊ ንምምላስ እዩ ነይሩ።
ከምቲ ተመራመርቲ ዝሓስብዎ፡ እቲ ቅምሶ ኣብ ምፍጣር ህይወት ተራ ክህልዎም ዝኽእል ውህደታት ካርቦን ዝሓዘ እንተዀይኑ፡ ነቲ ከውሓዊ ንጥረ ነገር ምስ ናይ ሕጂ ኬሚስትሪ መሬት ከይሕወስ ልዑል ጥንቃቐ ክግበር ኣለዎ።
ምክትል ኣካያዲ ስራሕ ፕሮጀክት ኦሲሪስ-ሬክስ ማይክ ሞሮው፡ "ጽሬትን ምክልኻል ብከላን ናይታ መንኮርኮር ጠፈር ኣብቲ ተልእኾ ናይ ብሓቂ ኣገዳሲ ኰይኑ'ዩ ጸኒሑ" ኢሉ።
"እቲ ዝበለጸ መንገዲ ነቲ ቅምሶ ክንከላኸለሉ እንኽእል፡ ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፍና ካብ ሜዳ ናብቲ ኣብዚ ኣብ ሃንጋር ዘቘምናዮ ጽሩይ ቤተ-ፈተነ ኣእቲኻ፡ ኣብ ውሽጢ ጽሩይ ናይትሮጅን ጋዝ ምግባር እዩ፤ ድሕሪኡ ውሑስ እዩ።"
እዚ ድማ ናብ መሬት ምስ ወረደ፡ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ሰዓታት እዩ ተፈጺሙ።
እቲ ጕጅለ ቤተ-ፈተነ ነቲ ካፕሱል ከፊቱ፡ ንመሸፈኒ ሙቐትን መሸፈኒኡን ኣውጺኡ፡ ነቲ ቅምሶ ግን ኣብ ውሕስ ገይሩ ኣቕሚጥዎ።
ሎሚ ሰኑይ ናብቲ ኣብ ጆንሰን ዝርከብ መሳለጥያ ብነፋሪት ይጓዓዝ ኣሎ፤ ኣብኡ ድማ ትንተና ናይቶም ቅምሶ ክጅምር እዩ።
ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ሳይንቲስት ኣሽሊ ኪንግ ኣካል ናይቲ ሽዱሽተ ሰባት ዝሓቘፈ ‘ኲክ ሉክ’ ዝበሃል ጕጅለ ኰይኑ፡ ነቲ ናይ መጀመርታ ገምጋም ከካይድ እዩ።
"ኣዝዩ ልስሉስ ዝዀነ ኣኻውሕ ዝመስል ዓይነት ንብረት ክርኢ ትጽቢት ኣለኒ" ይብል እቲ ክኢላ ቤተ መዘክር ተፈጥሮኣዊ ታሪኽ።
"ናይ ጭቃ ማዕድናት ክህልዎ'ዩ - ኣብ ኣቃውማኦም ዝተቐብረ ማዕድናት ሲሊኬት፡ ብዙሕ ካርቦን እውን፤ ስለዚ ምናልባት ማዕድናት ካርቦኔት ክንርኢ ኢና ዝብል ግምት ኣለኒ፤ ምናልባት'ውን ገለ ነገራት ኮንድሩልስ ንብሎ ከምኡ'ውን ካልሲየም-ኣሉሚንየም፡ እዚኦም ኣብ ስርዓተ ጸሓይና ዝተፈጠሩ ናይ መጀመርታ ደረቕ ነገራት እዮም።"
ናሳ፡ ፈላማይ ርእይቶኡ ንምሃብ ን11 ጥቅምቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ክህብ መደብ ኣለዎ። ንኣሽቱ መርኣያታት ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ተዛመድቲ ትካላት መጽናዕቲ ክዕደሉ እዮም። ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ሰፊሕ መጽናዕትታት ጸብጻብ ክህቡ ተስፋ ኣለዎም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







