ናሳ ኣብ ዓለም ህይወት ከመይ ከምዝጀመረ ንምፍላጥ ቀሪበ’የ ይብል

ምንጪ ስእሊ, NASA
ናሳ ዝወንጨፋ መንኮርኮር ኦሲሪስ ሬክስ ኣብ ህዋ ካብ ፍጥነት ናይ ጥይት ብ15 ዕጽፊ ፈጥነት ክትጉዓዝ ድሕሪ ምጽናሕ ሰንበት ናብ መሬት ከትዓልብ’ያ።
እታ መንኮርከር ኣብ ጠፈር ከምቲ ኩለን መንኮርኮራት ዝገብርኦ ሓዊ ብምፍጣር፡ ፓራሾት ዘርጊሓ ፍጥነታ ቀኒሳ ኣብ ምዕራብ ምድረበዳ ኡታህ ናይ ኣሜሪካ ሰንበት ክትዓለብ’ያ።
እታ መንኮርኮር ኣብ ውሽጣ ሓደ ንዓለምን ንመፈጠር ወዲ ሰብን ኣገዳሲ ዝኾነ ነገር ሒዛ’ያ ክትመጽእ።
ኣብ ውሽጣ ካብቲ ባኑ ዝተብሃለ ክንዲ ዓቢ እምባ ዝኸውን ኣሰትሮይድ ቅምሶ ሒዛ’ያ ትመጽእ ዘላ፡ እዚ ቅምሶ እዚ ብዙሓት ቅድሚ ሕጂ መልሲ ዘይተረኸቦም ሕቶታት መልሲ ዝሓዘ ክኸውን ከምዝኽል ተስፋ ተነቢርዎ ኣሎ።
ብዓቢኡ ነቲ ካበይ ኢና መጺእና? ዝብል ሕቶ’ውን መልሲ ክርከቦ ከምዝኽእል ተመራመርቲ ናሳ ተተስፍዮም ኣለዉ።
ኣብቲ ዝተኻየደ ዳህሳስ ብመሪሕነት ዝሰርሕ ዘሎ ፕሮፌሰር ዳንተ ላውረታ “እቲ 250 ግራም ዝኽብደቱ ቅምሶ ናይ ኣስትሮይድ ባኑ ኣብ ኢድና ምስ በጽሐ፡ ዓለምና ቅድሚ ምፍጣራ ንዝነበረ ነገራት ንኽንፈልጥ ከኽእለና’ዩ፡ መን ይፈልጥ ዓለምና ቅድሚ ምፍጣራ ኣብ ህዋ ዝነበረ ኩነታት’ውን ንኽንርዳእ የኽእለና ይኸውን” ኢሉ።
እቲ ተመራማሪ ብምስዓብ “መጀመሪና ንምፍላጥ ኢና ነገራት ነላግብ ዘለና፡ ዓለም ብኸመይ’ያ ተፈጢራ፡ ከመይ ኢላኸ ህይወታውያን ዝነብሩላ ኮይና፡ ማይ ናይ ውቕያኖሳት ከበይ’ዩ መጺኡ? እዚ ነተንፍሶ ኣየር ካበይ’ዩ መጺኡ? ብዓቢኡ ቀንዲ ምንጪ ህይወታውያን ዝኾኑ ኦርጋናትከ ካበይ’ዮም መጺኦም” ንዝብሎ ሕቶታት መልሲ ክርከበሎም ከምዝኽእል ይሕብር።
ኣብዛ ንነብረላ ዘለና ዓለም ዘሎ ነገራት ብብዙሓት ከም ባኑ ዝኣመሰሉ ኣስትሮይድ ዝፈጠርዎ ከምዝኾነ’ዩ ዝእመን፡ ሓደ ቅምሶ ናይ ኣስትሮይድ ምርካብ ከኣ ንቡዙሓት ሕቶታት ክምልስ ከምዝኽእል’ዮም ተመራመርቲ ዝሕብሩ።
ስለዚ ዓለምና ነታ ሰነበት ኣብ ኣሜሪካ እትዓለብ ኦሲሪስ ሬክስ ዝተብሃለት መንኮርኮር ብሃንቀውታ’ያ ትጽበያ ዘላ።

ምንጪ ስእሊ, NASA
ናሳ ንመንኮርኮር ኦሲሪስ-ሬክስ ኣብ 2016 እዩ ናብቲ 500 ሜትሮ ሰንጣቂት ዘለዎ ኣስትሮይድ ባኑ ሰዲድዋ።
እታ መንኮርኮር ናብ ዕለማኣ ንኽትበጽሕ ክልተ ዓመታት ወሲድላ፡ ኣብኡ በጺሓ 250 ግራም ዝኸውን ቅምሶ ሓመድ ብምልዓል ከኣ ናብ ዓለም ክትምለስ ጸኒሓ።

ምንጪ ስእሊ, NASA
ሰር ብርያን መይ

ምንጪ ስእሊ, BBC / Kevin Chuch
ነዚ ስርሒት ካብ ዝመርሑ ዘለዉ ሓደ ካብ ልሉያት ተመራመርቲ ኣስትሮይድ ዝኾነ ብሪጣንያዊ ሰር ብርያን መይ’ዩ።
ሰር ብርያን፡ ኣስተሮይድ ባኑ እንታይ ከምዝመስል ብሰለስተ ኩርናዕ ዘለዎ ስእሊ ክነድፍ ክኢሉ’ዩ።
እታ መንኮርኮር ናብቲ ኣስትሮይድ ምስ ቀረበት ከኣ ኣበይ እንተዓለበት’ያ ብቀሊሉ ቅምሶ ሒዛ ክትመጽእ እትኽእል ንዝብል ሕቶ ካብቲ ዝሰኣሎ ስእሊ ምርኩስ ብምግባር ቦታ ሓርዩላ።
ሰር ብርያን ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት “ኣብዚ ከምቲ ወትሩ ንብሎ ሳይንስን ጥበብን ኢና ኣቋሪንና ሰሪሕና” ድሕሪ ምባል እታ መንኮርኮር ኣብ ኣስትሮይድ ባኑ እትዓልበሉ ቦታ ንምምራጽ ዝተወስደ መጽናዕቲ ጥበብ ዝሓትት ምንባሩ ገሊጹ።
መንኮርኮር ኦስሪስ-ሬክስ 20 ጥቅምቲ 2020 ናብ ኣስትሮይድ ባኑ ዝዓለበትሉ መዓልቲ ከኣ ኣብ ናሳ ዓቢ ናይ ሓጎስ ጽንብል’የ ተኻይዱ።
ኦስሪስ-ሬክስ ናብቲ ኣስትሮይድ ምስ ቀረበት ነቲ 30 ሜትሮ ቁመት ዘለዎ መከላኸሊ ዘርጊሓ ክትዓለብ’ሞ ነቲ መከላኸሊ ዝተፈጠረ ዶሮና ኣኪባ ናብ መሬት ክትምለስ’ዩ እቲ ውጥን ተነደፉ።
እንተኾነ እቲ ዝጋጠመ ንብዙሓት ተመራመርቲ ዘሰንበደ’ዩ ነይሩ።
እታ መንኮርኮር ናብቲ ኣስትሮይድ ክትዓልብ ኣብ ዝፈተነትሉ ክንዲ ደረቕ ፈሳሲ’ዩ ጸኒሕዋ።
እቲ ፈሳሲ ምስቲ ኣብታ መንኮርኮር ዝነበረ ሃይድሮጅን ኣብ ዝተጋጨወሉ 8 ሜትሮ ሰንጣቂት ዘለዎ ባርዕ ፈጡሩ።
ኣብ ከምዚ ብዝተፈጠረ ሓውሲ ደሮና ከኣ እታ መንኮርኮር 250 ግራም ዝኸውን ሓመድ መሰል ቅምሶ ኣብቲ መኸዘኒኣ ክትሕዝ ክኢላ።
መንኮርኮር ኦስሪስ-ሬክስ እቲ ካብ ኣስትሮይድ ባኑ ዝሓዘቶ ቅምሶ ተሸኪማ፡ ድሕሪ ሸውዓት ዓመት ዝወሰደን ሸውዓት ቢልዮን ኪሎሜተር ዝሸፈንን ጉዕዞ ሰንበት ኣብ ዓለምና ክትዓልብ’ያ።
እቲ ቅምሶ ብሰላም ምስ ዓለበ፡ ኣብ ቴክሳስ ብፍሉይ ንዕኡ መኸዘኒ ተባሂሉ ኣብ ዝተሰርሐ ፍሉይ ገዛ ተቀሚጡ ምርምር ክጅመረሉ’ዩ።
ተመራማሪ ዶክተር ኣሽሊ ኪንግ ካብ ሎንዶን ሓደ ካብቶም ቀዳሞት ነዚ ቅምሶ ብኢደ በይዛኦም ዝትንክፍዎ ሰባትን ነቲ ምርምር ዘካይዱ ተመራመርቲ ዝመርሕን’ዩ።
ዶክተር ኣሽሊ “ካብ ኣስትሮይድ ቅምሶ ምምጻእ፡ እሞ ከኣ ክንድዚ ራሕቂ ካብ ዘለዎ ህዋ እዚ ናይ ፈለማ ተመክሮ’ዩ፡ ስለዚ ምርምርና ኣዝዩ ጽቡቕን ጽፉፍን ክኸውን’ዩ” ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, NASA
ናሳ ኣስትሮይድ ባኑ እቲ ኣዝዩ ሓደገኛ ዝኾነ ኣብ ዙርያ ጸሓይ ዝርከብ ከውሒ ከምዝኾነ’ዩ ዝገልጽ።
እቲ ኣብ ዙርያ ዝሓይ ዝኽተሎ ዑደት ኣብ ግምት ብምእታው ንዓለምና ናይ ምህራም ተኽእሎ ካብ ዘለዎም ኣስትሮይዳት ኣብ ቅደሚት’ዩ ዝስራዕ።
ኣጆኹም ኣይትሰንብዱ፡ እቲ ዕድል ኣዝዩ ጽቢብ ኮይኑ ቅድሚ መወዳእታ ዝመጽእ ክፍለ ዘመን ኣይከጋጥምን’ዩ።
ክሳብ ሕጂ ብዘሎ ዳህሳስ ኣስትሮይድ ባኑ 10 ሚኢታዊት ካብ ክብደቱ ማይ ከምዝኾነን ብብዙሓት ማዕድናት ዝዘቕበበ ከምዝኾነን’ዩ ዝግመት።
ተመራምርቲ እቲ ኣብ ኣስትሮይድ ባኑ ዘሎ ማይ ኣብ ውሽጡ ዘሎ ዓቐን ሃይድሮጅን ልክዕ ከምዚ ኣብ ዓለምና ዘሎ ማይ ምዃኑን ዘይምዃኑን ከረጋግጹ’ዮም።
ከምቲ ገለ ተመራመርቲ ዝብልዎ፡ ዓለምና ብሰንኪ ዋዒ ብዙሕ ማይ ብሃፋ ከምዝኸሰረት ብምግላጽ፡ እቲ ኣብ ኣስትሮይድ ዘሎ ማይ ትሕዝትኡ ልክዕ ከም ናይ ዓለምና እንተኾይኑ ዓለምና ኣብ መጻኢ ሕጽረት ጽሩይ ማይ ከየጋጥማ ዝብል ስግኣት ክቅረፍ ከምእኽል ይግለጽ።

ምንጪ ስእሊ, BBC / Kevin Church
ባኑ ካብ ጥቅላላ ክብደቱ ካብ 5-10 ሚኢታዊት ካርኮን ክኸውን ይኽእል’ዩ።
እዚ ድማ’ዩ ኣቃልቦ ብዙሓት ተመራመርቲ ስሒቡ ዘሎ። ምኽንያቱ እቲ ኣብ ዓለምና ንህይታውያን ኣገዳሲ ዝኾነ ባእታታት ኣብዚ ኣስትሮይድ’ውን ይርከብ ስለዘሎ።
ፕሮፌሰር ሳራ ሩሰል ካብ ኤንኤችኤም “ሓደ ካብ ቀዲምካ ዝግበር ምርምር፡ ኣብቲ ቅምሶ ምርኩስ ብምግባር ኣብቲ ባኑ ኣብ ካርቦን ዝተመርኮሱ ክንደይ ዝኾኑ ‘ሞሎኩላት’ ኣለዉ ምፍላጥ’ዩ” ትብል።
ንሳ ብምስዓብ “ኣብ በርርቲ ኮኾባት [meteorites] ዝተፈላለየ ኦርጋኒካዊ ሞሎኩል ከምዘሎ ንፈልጥን ኢና፡ እንተኾነ እዚ ናብ ጠፈር ናይ ዓለምና ኣብ ዝበጽሓሉ ምስ ካልኦት ሞሎኩላት ብምድቓል መልክዑ ስለዝቕይር ሓቐኛ ስእሊ ክህበና ኣይጸንሓን፡ እዚ ካብ ባኑ ዝመጽእ ዘሎ ቅምሶ ግን ሓቀኛ ሓበሬታ ክህባና’ዩ” ትብል።
ፕሮፌሰር ዳንተ ላውረታ ብወገኑ “ቅድሚ ሕጂ ኣብ በረርቲ ኮኾባት ዘሎ ዓቐን ‘ኣሚኖ ኣሲድ’ ክንፈልጥ ንኽእል ኣይነበርናን፡ ሕጂ ግን ነዚ ምፍላጥ ኣስትሮይድ ድዮም ንዓለምና መንበሪ ህይወታውያን ገይሮማ ንዝብል ሕቶ ሓሳብ ክንረኽበሉ ኢና” ይብል።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







