ኣብ ዑደት ዓለምለኻዊት መደበር ጠፈር ታሪኽ ዝሰርሐ ፍሉይ ሰላጣ

እቲ ፍሉይ ዓሌት ሰላጣ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ነበርቲ ህዋ ዝኾኑ ጠፈርተኛታት ጥዕንኦም ንክሕሎ እኹል ኣሕምልቲ ምምጋብ ኣገዳሲ'ዩ። እንተኾነ ግን፡ ብኸመይ ኣብ ዑደት ናይተን ዝቕመጡለን መደበራት ጠፈር ኣሕምልቲ ምፍራይ ይክኣል? ሓደ ሰብ ዝተኸሎ ፍሉይ ሰላጣ (ለተስ) ነቲ ግድል ፍታሕ ከይረኸበሉ ኣይተርፍን።

ፍራን ሞርቶ'ዩ ዝበሃል። ሓደ መዓልቲ፡ ኣብ ሓደ ናይ ኣፍረይቲ ኣትክልትን ከሸንቲን ምርኢት ተሳቲፉ ናብታ ዝነብረላ ግዝኣት ኦሬጎን ክምለስ ቅድሚ ምብጋሱ ኣብ ከተማ ኒውዮርክ (ኣመሪካ) ምስ ዓርኩ ኮፍ ኢሉ ነይሩ።

"ሄ፡ ትርእዮ ዘለኻ" ክብል ዓርኩ ተዛረበቶ። "ኣብ መደበር ጠፈር ሳላጣ ተኺሎም ኣለዉ።"

ከም ዝዝክሮ፡ ቴለፎና እናርኣየት'ያ ተዛሪባቶ። እንታይ ዓይነት ምዃኑ ሓተተ?

እንታይ ዓይነት ምዃኑ ዝገልጽ ሓበሬታ ኣይነበሮን። ክልቲኦም ዘገርም ብልሓት ኢሎም ሓሰቡ።

ጸኒሑ፡ እቲ ዝራኣይዎ ተኽሊ ሰላጣ፡ ኣብ ሓደ መጽሄት ምስ ራኣዮ'ዩ ሞርቶን ዝያዳ ኣድህቦ ክገብረሉ ዝጀመረ።

እንታይ ዓይነት ምዃኑ ድማ ፈለጦ- እቲ ባዕሉ ዝመሃዞን 'ኣውሬጀስ' (ትንግራዊ) ክብል ዝሰመዮ ዓይነት'ዩ።

ተመራመርቲ ትካል ጠፈር ኣመሪካ (ናሳ) ኮነ ካልኦት ኣብ ኣፍደጊኦም ክተኽልዎ ዝደልዩ ዘርኡ ካብቶም ቀንዲ ኣዝርእቲ ዝሸጡ ትካላት ንግዲ ክገዝእዎ ዝኽእሉ'ዩ። ብሓቂ ድማ፡ ነቶም ተመራመርቲ ጠፈር ምስተወከሶም፡ ካብኡ'ዮም ገዚኦሞ።

ሞርቶን ነቲ ተኽሊ ምስ ኣፋለጦ፡ 'ኣውትረጀስ' ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ህዋ ዑደት ብምክያድ ታሪኽ ዝሰርሐ ሓምሊ ኮይኑ'ሎ።

ሞርቶን ንፈለማ እዋን ሰላጣ ብምርባሕ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እቲ ጋሻን ትርኢቱ ጽቡቕን ሓምሊ ነቲ ንሱን ብዓልቲ ቤቱን ዘካይድዎ ኣብ ክፍለሃገር ኦሬገን ዝርከብ ተፈጥሮኣዊ ('ኦርጋኒክ') ሕርሻ መካ (መስሕብ) ከሸንቲን በጻሕትን ገይርዎ ይርከብ።

ዝተፈላለዩ ዓይነታት ሰላጣ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሞርቶን ቅድሚ ኣርብዓ ዓመት'ዩ ምርባሕ ሓምሊ ሰላጣ ብሓደ ኣብ ሰፊሕ ቀጠልያ ግራት ዝራኣዮ ዘይንቡር ቀይሕ ዝሕብሩ ዓሌት ፈሊሙ

ሞርቶን ቅድሚ ኣርብዓ ዓመት'ዩ ምርባሕ ሓምሊ ሰላጣ ብሓደ ኣብ ሰፊሕ ቀጠልያ ግራት ዝራኣዮ ዘይንቡር ቀይሕ ዝሕብሩ ዓሌት ፈሊሙ።

ኣብ 1981 ምዃኑ'ዩ። ሞርቶን፡ ንመጀመርታ ግዜ ሕርሻ ዝፈተነሉ እዋን'ዩ ነይሩ። ፈለማ ክልተ ዓይነት ሰላጣ'ዩ ዘሪኡ፡ ነዊሕ ርእሲ ዘለዎ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ዝበቁል ቀይሕን ሕብሪ ዘለዎን እቲ ልሙድ ቀጠልያ ሰላጣን። ዓብዪ፡ ዓንቢቡ ናብ ፍረ ምስበጽሐ፡ ንዝቕጽል ዓመት ንኽዘርኦ ካብቲ ፍረ ኣቐመጠ።

ካብቲ ምስ ዘርኦ ዝበቖለ ልዕሊ 200 ናይ ሰላጣ ተኽሊ፡ ሓደ ዘይንቡር ነገር ተዓዘበ።

"ኣብ ማእከል'ቲ ኩሉ ቀጠልያ ኣትክልቲ፡ ሓንቲ ቀያሕ ትርአ" ክብል ሞርቶን መበገሲ ናይቲ ታሪኽ የዘንቱ።

ኣብ መንጎ ክልቲኡ ዓሌታት ዝተዋሰበ ምዃኑ ድማ ኣስተውዓለ። ነዚ ንምርግጋጽ፡ ኣብ ዝቕጽል ዓመት ንክልቲኡ ምስ ኣዋሰቦ ድማ፡ ዝተፈላለየ ቅርጽን ሕብርን ዘለዎ ሰላጣ ሸኽ ኢሉ በቖለ።

ቅድሚኡ ግረጎር መንደል ዝተባህለ ኦስትራያዊ ፈላሲ ኣብ ጥረታት ተመሳሳሊ ፈተነታት ብምግባር ንስነፍልጠት መፈጠር (ጀነቲክስ) ኣፍደገ ምኽፋቱ ይፍለጥ።

ሞርቶን ድማ ብተመሳሳሊ መንገዲ ንምውርራስ ኣይነት ናይቲ ሓምሊ ክግንዘብ ኪኢሉ። ቀይሕ ሕብሪ ንቀጠልያ ከምዝዕብልል ድማ ተረዲኡ።

በቲ ኩነታት ኣዝዩ ዝተማረኸ ሞርቶን፡ በቐጻሊ ናይ ምርባሕን ምድቓልን መስርሕ ዝተፈላለየ ወለዶታት ናይቲ ሰላጣ ብምፍራይ መነባብርኡ ክመርሕ ጥራይ ዘይኮነ፡ ካልእ ውጽኢት ንምርኣይ ተምሳጥን ህንጡይነትን ሓደሮ።

"ኣብቲ እዋን፡ ሓደ ነገር ኣብ ኣእምሮይ በለጭ ኢሉ" ድማ ይብል። "ካብኡ ንድሓር፡ ፈተነታት ከካይድ ጀሚረ... ኣብቲ እዋን፡ ሰላጣ እቲ ልሙድ ቀጠልያ ሓምሊ ጥራይ'ዩ ነይሩ። ስለዚ፡ ተራእዩ ዘይፈልጥ ሕብራዊ 'ኣውትረጀስ' ኣብ ዕዳጋታት ክረአ ምስ ጀመረ ኣቓልቦ ዝሰሓበ ነበረ።

"ኣዝዩ ድሙቕ ቀይሕ ብምንባሩ፡ ሰብ ጀራዲን ሰላጣ ኣይመስሎምን'ዩ ነይሩ" ዝብል ሞርቶን፡ "ቀይሕ ምንባሩ ዘገረም ስለዝነበረ ድማ'የ ነቲ ስም [ኣውትረጀስ] ሂበዮ" ብምባል ብዛዕባ ዝሓደሮ ተመስጦ ይዝክር።

ብድሕሪኡ፡ ዘርኢ ናይቲ ዓሌት ሰላጣ ኣብ ሓደ ኣዝርእቲ ዝሸይጥ ትካል ከምዝርከብ ገበረ።

ኣብ ግሪንሃውስ ዝተዘርአ ኣሕምልቲ ሰላጣ

ምንጪ ስእሊ, NASA

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ወርሕን ማርስን ንዝህሉ ሰፈራታት ሰብ ክድግፍ ዝኽእል ፈተነታት

ድሕሪ ነዊሕ እዋን፡ ነቲ ኣብ ዓለምለኻዊ መደበር ጠፈር ነቲ ተኽሊ ዘዕበየ ተመራማሪ ጠፈር ናሳ ምስ ተወከሶ፡ ካልእ ዘይፈለጦ ባህሪ ከምዘለዎ'ውን ክርዳእ ኪኢሉ።

እቶም ተመራመርቲ ጠፈር፡ እንታይ ዓይነት ናይ ሰላጣ ተኽሊ ከምዝፍትኑ ምስ ሓሰቡ፡ ማሕድሮ ተሃዋስያን (ባክተርያ) ዘይከውን ክመርጹ ወጠኑ።

'ኢ-ኮሊ' ዝተባህለ ባክተርያ፡ ናብ ህዋ እንተኸይዱ፡ ንጠፈርተኛታትን ካልኦት ኣትክልትን ሕማም ከየስዕበሎም ስግኣት ነይርዎም።

"ኣብ ቆጽሊ ኣውትረጀስ ኣዝዩ ውሑድ ዕብየት ተሃዋስያን ከምዘሎ" ነጊራትኒ ክብል ብዛዕባ'ቲ ምስታ ተመራማሪት ዝገበሮ ዝርርብ ይገልጽ። በዚ ድማ ኣብ ህዋ ታሪኽ ክሰርሕ ዝተመርጸ ዓሌት ሰላጣ ክኸውን በቒዑ።

ሞርቶን ኣብዚ ሕጂ'ውን ዘገርም ናይ ምድቓል ፕሮጀክትታት የካይድ ኣሎ።

"ዕምባባ ጽገሬዳ ገዚእካ ዳርጋ ምብላዕ'ዩ" ክብል ንተኽእሎታት ዝተፈላለየ ሕብሪ ዘለዎ ሰላጣ ይዛረብ።