ኣብ ኔፕትዩን ዝተረኣየ ምስጢራዊ ጸሊም ንጣብ እንታይ’ዩ?

ብቮያጀር-2 ዝተበሃለት መንኮርኮር ጠፈር ዝተሳእለ ስእሊ ኔፕትዩን

ምንጪ ስእሊ, NASA

መግለጺ ስእሊ, ብቮያጀር-2 ዝተበሃለት መንኮርኮር ጠፈር ዝተሳእለ ስእሊ ኔፕትዩን እዩ

ተመራመርቲ ስነ-ፊዚክስ ኣብ ውሽጢ ከባቢ ኣየር ኔፕትዩን ዓቢን ምስጢራውን ጸሊም ንጣብ ከም ዝረኣዩ ይገልጹ ኣለዉ። ኣብ ጥቓ እቲ ጸሊም ንጣብ ብሓደ ትጽቢት ዘይተገብረሉ ድሙቕ ንጣብ ዝተሰነየ’ዩ።

እቶም ጉጅለ ተመራመርቲ ንፈለማ እዋን ኣብ ቺሊ ብዝርከብ ዓቢ ቴለስኮፕ ኤውሮጳዊ ደቡባዊ ትዕዝብቲ ተጠቒሞም እዮም ነቲ ጸሊም ቦታ ኣስተብሂሎም።

ከም ሃብል ስፔስ ቴለስኮፕ ዝኣመሰሉ ኣብ ህዋ ዝመደበሮም መካነ-ትዕዝብቲ፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ከባቢ ኣየር እታ ሰማያዊት ፕላኔት ዝዞሩ ከም ጸሊም ነጥብታት ዝረኣዩ ዘራጊቶ ዝመስሉ ህቦብላታት ተዓዚቦም’ኳ እንተነበሩ፡ ኣብ ምድሪ ካብ ዝርከብ መካነ-ትዕዝብቲ ክረአ ግን ንመጀመርታ ግዜኡ’ዩ።

ጸልማት ንጣባት ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ኔፕትዩን ኣብ 1989 ብሓገዝ ናይ ትዕዝብቲ ሳተላይት ቮያጀር 2 ተራእዮም’ኳ እንተነበሩ፡ ድሕሪ ቁሩብ ዓመታት ግን ጠፊኦም እዮም።

እዚ ሓድሽ ትዕዝብቲ ብዛዕባ እቲ ክስተት ዝያዳ ሓበሬታ ከም ዝህብ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ኣብ መጽሔት ኔቸር ኣስትሮኖሚ ዝተሓትመ ሓድሽ መጽናዕቲ የመልክት።

እቲ ኣብ ቺሊ ዝርከብ ኣዝዩ ዓቢ ቴለስኮፕ (ቪኤልቲ)፡ ተመራመርቲ ስነ-ፈለክ ነቲ ክስተት ከስተብህሉ ሓጊዝዎም’ዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, እቲ ኣብ ቺሊ ዝርከብ ኣዝዩ ዓቢ ቴለስኮፕ (ቪኤልቲ)፡ ተመራመርቲ ስነ-ፈለክ ነቲ ክስተት ከስተብህሉ ሓጊዝዎም’ዩ

ጠንቂ እቲ ጸሊም ንጣብ እንታይ እዩ?

ጠንቂ እቶም ጸለምቲ ንጣባት እንታይ ምዃኑ ብርግጽ ንምፍላጥ ንተመራመርቲ ስነ-ፈለክ ኣጸጋሚ እዩ።

ሓድሽ ቴክኖሎጂ፡ ከምኡ’ውን ሓድሽ መረዳእታታት ብምጥቃም ግን፡ ኣብ ልዕሊ እታ ፕላኔት ብዘለዉ ደበናታት ዝተፈጥሩ ከም ዘይኰኑ ኣረጋጊጾም ኣለዉ።

ሓደስቲ መጽናዕትታት ከም ዝሕብርዎ፡ እቶም ጸለምቲ ንጣባት ውጽኢት ናይቲ በረድ ምስ ከባቢ ኣየር ኔፕትዩንስ ክተሓዋወስ እንከሎ እናጸለሙ ዝኸዱ ንጥረ ነገራት ኣየር ክዀኑ ተኽእሎ ኣሎ።

እዚ ርኽበት፡ “ወዲ ሰብ ንኣድማስ ወይ ቆዝሞስ ናይ ምዕዛብ ዓቕሙ” ከም ዝበረኸ ዘመልክት “ዘደንጹ ወሰኽ’ዩ” ይብል ኣብ ኣሜሪካ፡ ኣብ ካሊፎርንያ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ በርክሊ ተመራማሪ ዝዀነ ሓባራዊ ደራሲ ማይክል ቮንግ።

"ኣብ መጀመርታ፡ ነዞም ንጣባት ክነስተብህል እንኽእል ዝነበርና፡ ከም ቮያጀር ዝኣመሰሉ መንኮርኮራት ጠፈር ናብታ ፕላኔት ብምልኣኽ ጥራይ'ዩ።"

ብድሕሪኡ ድማ "ብሃብል ቴለስኮፕ ካብ ርሕቐት ክነለልዮም ዓቕሚ ረኺብና። ኣብ መወዳእታ፡ ካብ መሬት እዚ ንምግባር ዘኽእል ቴክኖሎጂ ምዕባለ ኣርእዩ" ይብል።

እዚ ሓያል ቴለስኮፕ ዝተሳእለ ስእሊ ኔፕትዩን እዩ

ምንጪ ስእሊ, ESO/P. IRWIN ET AL

መግለጺ ስእሊ, እዚ ሓያል ቴለስኮፕ ዝተሳእለ ስእሊ ኔፕትዩን እዩ

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድ ፕሮፌሰርን መሪሕ መርማሪ ናይቲ መጽናዕቲን ፓትሪክ ኢርዊን፡ "ንፈለማ እዋን ጸሊም ንጣብ ካብ ዝረአ ኣትሒዙ፡ እዞም ሓጺር ዕድመ ዘለዎምን ሚስጥራውን ጸለምቲ ነገራት እንታይ ምዃኖም ወትሩ ይሓስብ ነይረ" ኢሉ።

እቲ ኣብ ኔቸር ኣስትሮኖሚ ዝተሓትመ መጽናዕቲ፡ ሃብል ስፔስ ቴለስኮፕን ኣብ ከባቢ ኣየር እታ ፕላኔት፡ ኣብ 2018 ኣብ ሰሜናዊ ንፍቀ ክበብ ኔፕትዩን ዝተረኣየ ሓደ ጸሊም ንጣብ ዝርከብዎም ሓያሎ ጸለምቲ ንጣባት ድሕሪ ምርካቡ ዝተጀመረ እዩ።

11 ወርሕታት ዘለዋ ኔፕትዩን፡ እቲ ዝበዝሕ ከባቢ ኣየራ ሚቴን ዝተበሃለ ጋዝ ብምዃኑ፡ ሕብራ ሰማያዊ’ዩ።

ካብ መሬት ብ17 ዕጽፊ ዝዓበየት ኰይና፡ ኣብ ዙርያ ጸሓይ ንክትዘውር 165 ዓመት ይወስደላ። ኣብዛ ፕላኔት ንውሓት ሓደ መዓልቲ 16 ሰዓታት እዩ።

ዋላ እኳ ካብ ጸሓይ ዝረሓቐት ፕላኔት እንተዀነት፡ ኣዝያ ዝሕልቲ ኣይኰነትን፡ ሙቐታ -218 ዲግሪ ሰልሽየስ’ዩ።

ግን ዋላ እኳ ካብ ጸሓይ ዝረሓቐት ፕላኔት እንተኾነት፡ ዝሕልቲ ኣይኮነትን፡ ኣስታት -218 ዲግሪ ሰንቲግሬድ ሙቐት ኣለዋ።