ሩስያዊት መንኮርኮር ኣብ ወርሒ ተሓምሺሻ

ምንጪ ስእሊ, REUTERS
ሉና-25 ዝተብሃለት ሰብ ኣልቦ መንኮርኮር ሩስያ ካብ ቁጽጽር ድሕሪ ምውጽኣ ኣብ ወርሒ ከም ዝወደቐት ሰበስልጣን እታ ሃገር ገሊጾም።
ድሕሪ ዳርጋ 50 ዓመታት፡ ሩስያ ዘካየደቶ ፈለማይ ተልእኾ ወርሒ እዩ ነይሩ።
እታ መንኮርኮር ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ደቡባዊ ዋልታ ወርሒ ክትዓልብ ትጽቢት ነይሩ፤ እንተዀነ ብሰንኪ ኣብ ቅድመ ምዕላብ ዘጋጠሙ ጸገማት ተሓምሺሻ።
ተመራመርቲ፡ በረድ ማይን ክቡር ባእታታትን ክሕዝ ዝኽእል ዝመስሎም ክፋል ወርሒ ክትድህስስ እያ ተዳልያ ነይራ።
ሮስኮስሞስ ዝተባህለ መንግስታዊ ኮርፖሬሽን ህዋ ሩስያ ትማሊ ሰንበት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እታ መንኮርኮር ብቀዳም ድሕሪ ቐትሪ ምስ ሉና-25 ዝነበሮ ርክብ ከም ዝተቛረጸ ሓቢሩ።
እቲ ትካል ከም ዝገለጾ፡ እታ 800 ኪሎ እትምዘን መንኮርኮር፡ "ምስ ወርሒ ብምግጫዋ ህላወኣ ከም ዘቋረጸት" መባእታዊ ርኽበታት የመልክቱ።
ብተወሳኺ፡ እቲ ተልእኾ ንምንታይ ከም ዝፈሸለ ፍሉይ ኮሚሽን መርመራ ከካይድ ምዃኑ ሓቢሩ።
ሉና-25 ምውዳቓ ንሮስኮስሞስ ዓቢ ክሳራ እዩ። መንግስታዊ ምወላ ሩስያ ናብ ወተሃደራዊ ሓይሊ ብምዝንባሉ፡ ሲቪላዊ መደብ ህዋ እታ ሃገር ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ምንቁልቋል ጸኒሑ’ዩ።
ሩስያ ኣንጻር ህንዲ ናብ ደቡባዊ ዋልታ ወርሒ እናተጓየየት እያ ነይራ፤ ቻንድራያን-3 እትበሃል መንኮርኮር ህንዲ ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት ኣብ ወርሒ ብምዕላብ ኣኻውሕን ጕድጓድን ዝድህስሱ ተሽከርከርቲ ክትሰድድን መረድኢታትን ምስልታትን ኣኪባ ድማ ናብ መሬት ክትልእኽ መደብ ተታሒዙላ ኣሎ።
ገለ ክፋል ደቡባዊ ዋልታ ወርሒ ብቐጻሊ ትኹረት ስለዝተወሃቦ ማይ ናይ ምርካብ ተኽእሎ ኣሎ።
ወሃቢ ቃል ኢስሮ ዝተባህለ ትካል ህዋ ህንዲ፡ ሓደጋ ሉና-25 "ዘሕዝን" ክብል ገሊጽዎ።
"ኩሉ ተልእኾ ህዋ ኣዝዩ ሓደገኛን ልዑል ቴክኒክ ዝሓትትን'ዩ። ሉና-25 ምውዳቓ ዘሕዝን'ዩ" ክብሉ ንቢቢሲ ገሊጹ።
ሮስኮስሞስ ተልእኾ ሉና-25 ሓደገኛ ምዃኑን ክፈሽል ከም ዝኽእልን ይፈልጥ ምንባሩ ተኣሚኑ። እታ መንኮርኮር ብ11 ነሓሰ ካብ ርሑቕ ምብራቓዊ ዞባ ሩስያ ዝተወንጨፈት ኰይና፡ ኣብዚ ሰሙን ረቡዕ ናብ ቅናት-ዙረት ወርሒ ብዓወት ኣትያ ነይራ።
ህንዳዊት መንኮርኮር ቅድሚ ምዕላባ፡ ሒደት መዓልታት ኣቐዲማ ሰኑይ ወይ ሰሉስ ኣብ ወርሒ ብምዕላብ ታሪኽ ክትሰርሕ ትጽቢት ተገይሩ ነይሩ።
ዋላ እኳ መንኮርኮራት ኣመሪካን ቻይናን ቅድሚ ሕጂ ኣብ ወርሒ ዓሊበን እንተዀና፡ ኣብ ደቡባዊ ዋልታ ወርሒ ዘዕለበት ሃገር ግን ክሳዕ ሕጂ የላን።
ሩስያ ንመወዳእታ ግዜ ኣብ ወርሒ ተልእኾ ዘካየደት ኣካል ሕብረት ሶቭየት ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ኣብ 1976 ኰይኑ፡ እታ ሉና-24 ዝተበሃለት መንኮርኮር ብዓወት ኣብ ወርሒ ዓሊባ እያ።
ሉና-25፡ ድሕሪ 1976 ፈላመይቲ ተልእኾ ሩስያ እያ ነይራ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







