ምስ ናይ ዓለምና ፈላማይ ጉዱእ ኣካል ጠፈርተኛ ጆን ማክፎል ዝተገበረ ጉዕዞ

ምንጪ ስእሊ, John McFall
ጆን ማክፎል፡ ኣብ ጠፈር ምንባርን ምስራሕን ንጉዱእ ኣካል ሰብ ክሳብ ክንደይ ተግባራዊ ምዃኑ ንምጽናዕ ብኣውሮጳዊ ትካል ህዋ ዝተመርጸ ናይ መጀመርታ ፓራ-ኣስትሮኖት እዩ። ቢቢሲ ኒውስ ኣብ ፓራቦሊክ በረራ ተጸንቢሩዎ፡ ኣብኡ ድማ ንመጀመርታ ግዜ ክብደት ኣልቦነት ኣጋጢምዎ።
ንሓንቲ ደቒቕ፡ ጆን ማክፎል ኣብታ ነፋሪት ባይታ በጥ ኢሉ ኣሎ። ቀጺሉ ድማ፡ ናብ ናሕሲ ገጹ ዝንሳፈፍ ዝመስል ንላዕሊ ክሕንበብ ይጅምር።
ንሱ ዝገረሞ ይመስል፤ ኩሎም ኣብዛ ኣብ ዘይንቡር በረራ ዘላ ነፋሪት፡ ዘለዉ ሰባት ከምኡ ይገብሩ፡ ቀስ ብቐስ ናብ ኣየር እናደየቡ። ድሕሪኡ ብስሕበት መሬት ዘይተኣደነ፡ ክብደት ዘይብሉ ምዃን ዝስምዓካ ስምዒት ፍሉይ እዩ።
ፍጹም ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ኰይንካ ይስምዓካ። ዝኾነ ንእሽቶ ምንቅስቓስ ኣንጻር ጽኑዕ ነገር፡ ኣብ ክሊ እቲ ጋቢና ክትዘውር ይሰደካ፡ መንደቕን ሰባትን ሰንጢቕካ እትሓልፍ ይመስለካ። ኣብ ስሉጥ ምንቅስቓስ ፒንቦል ማሽን ከም ዘለኻ እዩ።
ኣብ ገጽ ጆን ፍሽኽታ ክረአ ጀሚሩ’ሎ፡ ክምስ ኢሉ፡ "ደስ 'ዩ ዝብል፡ ዝገርም'ዩ" ይብል።
ሽዑ ሃንደበት፡ እቲ ክብደት ኣልቦነት ጠፊኡ ናብ መሬት ይወድቕ።
ጆን፡ ፍልይ ዝበለ ሕጹይ ጠፈርተኛ እዩ። ኣካላቱ ተቖሪጹ እዩ። ወዲ 19 ዓመት ከሎ ብሓደጋ ሞተር ብሽክለታ እግሩ ስኢኑ፡ ሕዚ ድማ ልዑል ቴክኖሎጂ ዘለዎ ኣካላት ይጥቀም ኣሎ።
ብኤጀንሲ ህዋ ኤውሮጳ (ኤሳ) ተቖጺሩ፡ በረራ ህዋ ንኣካላዊ ጉድኣት ሰባት ብኸመይ ተበጻሒ ክኸውን ከም ዝኽእል ዝግምግም መሰረት ዝገበረ መጽናዕቲ ክሳተፍ ተገይሩ ኣሎ።
እቲ ሓበሬታ ምስ ረአየ፡ "ነቲ ዝድለ ዓይነት ሰብ ምስ ረእኹ፡ 'ዋእ! እዚ’ማ ኣነ እየ፡ ክፍትኖ ኣለኒ’ ኢለ" ይብል።
ጆን፡ ንነብሱ ክሳብ እቲ ጫፍ ክወስዳ እዩ ዝደሊ።
እግሩ ስኢኑ፡ መሊሱ ብሰብ-ሰራሕ እግሪ ምጉዓዝ ምስ ከኣለ፡ ጉያ ጀሚሩ - ኣብ መጀመርታ ንመዘናግዒ፡ ጸኒሑ ግን ንውድድር።
ኣብ 2008 ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ፓራሊምፒክ ቤጂንግ ኣብ 100 ሜትሮ ተወዳዲሩ ነሓስ መዳልያ ረኺቡ።
ብድሕሪኡ ድማ ዶክተር ክኸውን ወሲኑ።
እንተኾነ ግን ኣብዚ እዋን ሞያ ሕክምንኡ ደው ከብሎ ተገዲዱ'ሎ - ምስ ‘ኤሳ’ ናይ ምስራሕ ዕድል ኣዝዩ ጽቡቕ ኰይኑ ስለዝረኸቦ ክነፅጎ ኣይከኣለን።
"ንውሽጠይ እሰምዕ ኣለኹ፡ ንምፍላጥ ዘለኒ ባህጊ ልዑል እዩ፡ ንሳይንስን ህይወትን ፍሉይ ፍቕሪ ከምዘለኒ ተዓዚበ ኣለኹ" ክብል ይገልጽ።

ምንጪ ስእሊ, ESA/NOVESPACE
እታ ጋዜጠኛ ቢቢሲ . .
ምስ ጆን ኣብ ፍሉይ ዝተመዓራረየት ነፋሪት ተጸንቢረ ፓራቦሊክ በረራ ክገብር ጀሚረ ኣለኹ።
እታ ነፋሪት ንላዕሊ ብናህሪ እናበረረት ከላ፡ ተወሳኺ ስሕበት፡ ካብቲ ልሙድ ኣስታት ዕጽፊ - ምሉእ ኣካላትካ ንታሕቲ ናብ መሬት ዝጸቕጠሉ ኩነታት የጋጥመካ።
ድሕሪኡ፡ እታ ነፋሪት ኣፍንጫኣ ንታሕቲ ክትምለስ ኣብ እትዳለወሉ ዘላ እዋን፡ ንኣስታት 20 ካልኢት ክብደት ዘይብልካ ህሞት ኣሎ። ስሕበት ጠፊኡ ማለት ኣይኮነን፡ ሕጂ'ውን ብሕግታት ፊዚክስ ተኣሲርና ኣለና። ትኽ ኢልና ንቑልቁል ንወርድ ኢና ዘለና [freefall] ።
እዚ: ዜሮ-ስሕበት ዘለዎ ኩነታት ይደግም። እታ ነፋሪት ነዚ በረራ እዚ ትደጋገሞ።
ምስጋና ይብጸሐዮ፤ ዝዀነ ሕማም ኣይስምዓካን እዩ፤ ግን ድማ ጠፈርተኛ ኣይኰንኩን።
ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ኰይነ ተሰሚዑኒ። ገፍገፍ እናበልኩ፡ ንክወርድ ሓገዝ ይሓትት ነይረ።
ኣብ መወዳእታ ግና- ክሳብ እቲ ናይ ዜሮ-ስሕበት ግዘ ዝውዳእ፡ ናብ ላዕሊ ጫፍ ናሕሲ ወጺአ።
ካቡኡ፡ ከም ድንሽ ጫሕ ኢለ ናብ መሬተይ ወዲቐ። ጽቡቕነቱ፡ ምድሪ ቤት ናይታ ነፋሪት ዝጓዳእ ኣይኰነን፤ ዝተሸፈነ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ጆን ማክፎል ኣብቲ ዘይንቡር ህሞት
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ጆን ኣዝዩ ዝሓሸ ኩነታት ይኸይድ ኣሎ፡ ኣብ ዙርያኡ እናተላዕለን ርእሰ ተኣማንነት እናጥረየን ምስ ነፍሲ ወከፍ እዋን "ዜሮ-ስሕበት" ይለማመድ ኣሎ።
ጆን ዝተኽድኖ፡ ብቴክኖሎጂ ኣዝዩ ዝተወሃሃደ ኰይኑ፡ ማይክሮፕሮሰሰር፣ ሃይድሮሊክስ፣ ጃይሮስኮፕ፣ ኣክለሮሜተርን ካልኦት ኣካላዊ ተቖጻጸርትን ዝሓቖፈ እዩ።
"እቶም ኩሎም ነገራት ብሓባር፡ ጠፈር ኣበይ ከምዘሎን ክሳብ ክንደይ ቅልጡፍ ምጥዋይ ወይ ትኽ ከምዝብልን ከም ዝፈልጥ ይገብሩኻ" ይብል ጆን።
ኣብዚ ዘይልሙድ ኩነታት፡ ኣካላቱ ክሳብ ክንደይ ጽቡቕ ገይሩ ይሰርሕ ከምዘሎ ይግምግም ኣሎ፡ እቲ ብድሆ ድማ ህሞት ክብደት-ኣልቦነት ምስ ዝጅምር እዩ።
"ምናልባት እግረይ ኣሳፊሐ ክሕንበብ ትዕዘቡ ኢኹም፡ ምኽንያቱ ስሕበት የለን" ክብል ይገልጽ። "ስለዚ ቀልጢፈ ክጥወ ይኸብደኒ - ምኽንያቱ እግረይ ምዕጻፍ ስለዘይኽእል። በቃ ከምኡ ይለመድን ንነብሰይ ኣብ ዜሮ-ጂ ከመይ ጌረ ከንቀሳቕስ ከም ዝኽእል ይሰርሕን ኣለኹ፡ ነፍሲ ወከፍ ፓራቦላ [ልምምድ] ግና ናይ ትምህርቲ ዕድል'ዩ።"
ጆን፡ እቲ ልዑል ቴክኖሎጂ፡ ዝቐለለን ዝሓሸን ክኸውን ከም ዝኽእል ይሓስብ። እዚ ድማ ምሉእ ነጥቢ ናይቲ ምስ ኤሳ ዝገበሮ ፕሮጀክት እዩ።
ሓደ ኣካላዊ ስንክልና ዘለዎ ሰብ ኣብ ጠፈር ግዜ ከሕልፍ እንታይ ከመዓራሪ ከም ዘለዎ ብልክዕ ዘርኢ እዩ።
ንሱ ግና ኣብ ማይክሮግራቪቲ ሃዋህው መዓልታዊ ህይወት ክሳብ ሕጂ እቲ ዝዓበየ ዘይፍለጥ ምዃኑ ይዛረብ።
"ኣብ ጉንዲ እዝነይ መግልሂ ድምጺ ዘተኣናግድ ነገር ክህልወኒ ኣለዎ ድዩ? ኣብ ጠፈር ክጎዪ ምኸኣልኩ ዶ? ከምኡ ዝከኣል እንተዀይኑ ብኸመይ መንገዲ?" ኢሉ ይግረም።
“ነዞም ኩሎም ሕቶታት መልሲ ዘይብልና ነገራት እዮም።"
ጆን ስንክልናኡ ንዕኡ ዝምልከት ምዃኑ ኣጸቢቑ ይፈልጥ እዩ፣ ነቲ መጽናዕቲ ኣብ ዝፍጽመሉ እዋን ድማ ነዚ ኣብ ግምት ከእቱ ኣለዎ።
"መጉዳእቲ ዓንዲ ሕቖ የብለይን፡ ናይ ሴረብራል ጸገም የብለይን። ስለዚ እዚ ንኻልኦት ጉዱኣት ኣካላት'ውን ብኸመይ ከም ዝምልከት እሓስብ ኣለኹ - ግና ኣብ ሓደ ቦታ ክንጅምር ኣለና" ይብል።
እቲ በረራ ኣብ መወዳእታኡ እናቐረበ ምስ ከደ፡ ጆን ነቲ ዜሮ ስሕበት ዘለዎ ክእለት ይሰርሕን የመሓይሾን ኣሎ። ሕጂ ብቐሊሉ ይንቀሳቐስ ኣሎ፡ ደው ኢሉ ከይተረፈ ክዓልብ ይኽእል እዩ። ኣነ ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ፈተነ ናብ መሬት በጠቕ ኢለ እወድቕ።
እዚ ፕሮጀክት ኣብ መወዳእታ ምስ በጽሐ፡ ጆን ናይ ህዋ ተልእኹኡ ውሕስነት የብሉን፡ እንተኾነ፡ እታ ነፋሪት ንምዕላብ ምድላዋት ኣብ እትጅምረሉ ዘላ እዋን፡ “እዚ ተመኩሮ’ዚ ንህዋ ሸውሃቱ ኣበራቢርዎ ድዩ፡ ወይስ ብዛዕባ ሓድሽ ስርሑ ደጊሙ ክሓስበሉ ገይርዎ?- ኢለ እሓትት። .
"ዝያዳ ሸውሃትን ፍናንን ፈጢሩለይ" ይብል ብዓቢ ፍሽኽታ። "በቃ ኣዝዩ ዘደንቕ ነገር'ዩ - ብሃንቀውታ እጽበ’ለኹ"።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







