'ንኣካለ ጉዱእ ስለዝተመርዓኹ ዘይስመይ ተዋሂበ'

ኬንያዊት ምስ ጉዱእ ኣካል ኣውስትርያላዊ

ምንጪ ስእሊ, Susan Njogu Eling

ሓንቲ ኬንያዊት ንሓደ ጉዱእ ኣካል ኣውስትራልያዊ ስለዝተመርዓወት፡ ገንዘብ ደልያ እያ ብዝብል ስማ ከም ዝጸለመ ንቢቢሲ ገሊጻ።

ሱዛን እንጁጉ ኢሊንግ፡ ናይ መርዕኦም ስእሊ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ድሕሪ ምዝርግሓ እዩ እቲ ጸለመ መጺእዋ።

ንሳ ምስ ፊሊፕ ኢሊንግ ዝገበረቶ መርዓ 'ገንዘብ ደልያ እያ' ኢሎም ዘይስማ ከምዝሃብዋ ብምዝራብ፡ ንነዊሕ እዋን ምስ ጉዱኣት ኣካል ምስረሓን ነቲ ኣፍቃሪኣ ካብ ልቢ ከምእተፍትዎን 'ብዘይምፍላጦም እዩ' ክትብል ተዛሪባ።

ሱዛን፡ መጀመርታ ናይ ትምህርቲ ዕድል ረኺባ ናብ ኣውስትራልያ ኣምሪሓ፡ 'ምስ ጉዱኣት ኣካል ምስራሕ' ብዝብል ናይ ትምህርቲ ዘፈር ድማ ዲፕሎማ ኣጸዕኒዓ ተመሪቓ ።

ካብኡ ግን ኣብ'ቲ ሕዚ ስብኣያ ኮይኑ ዘሎ ሚስተር ኢሊንግ ዝሰርሐሉ ትካል፡ ክፍቲ ናይ ስራሕ ቦታ ስለዘወጽአ ኣመልኪታ እያ ተቖጺራ።

ድሕሪ እቲ ቃለ መሓትት ምግባራ፡ ሚስተር ኢሊንግ ብመገዲ ኢመይል ኣቢሉ ድራር ዓዲምዋ፤ ኣድራሻ ምስተለዋወጡ ፈላማይ ናይ ድራር እንግዶት ገይሩላ።

"ርክብና፡ ኣብ ናይ ፈለማ ምርእኣይ ዝተመስረተ ፍቕሪ እዩ። እቲ ናቱ ጉዱእ ኣካል ምዃን ዝፈጠረለይ ዝኾነ ኣሉታዊ ስምዒት ኣይነበረን። ምናልባሽ፡ ኣብ እዋን ትምህርተይ ምስ ብዙሓት ጉዱኣት ኣካል ስለዝሰራሕኹ ክኸውን ይኽእል እዩ" ኢላ።

እቶም ጽምዲ ድሕሪ ሽድሽተ ወርሒ፡ ተሓጻጽዮም። ወለዶም ድማ ነቲ ሕጸን ናይ መርዓ ሓሳብን ኣጽዲቖምዎ።

"ብሓደ ግዜ እዮም መሪቖም ተቐቢሎምኒ። ቅድሚኡ'ውን ንጉዱኣት ኣካል ንምሕጋዝ ዝነበረኒ ባህጊን ድሌትን ስለዝፈልጡ፡ ብውሳነና ሕጉሳት እዮም ኮይኖም። ኣነ ድማ ኣዝየ ተሓጒሰ" ኢላ።

እቶም ጽምዲ ምስተመርዐው፡ ኣሳእሎም ኣብ ፈቐዶ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተበተነ ኾይኑ፡ ሕውስውስ ዝበለ ስምዒታት ድማ ፈጢሩ።

"ሰባት ገንዘብ ደልየ ዝተመርዐኽዎ እዩ መሲሉዎም። እንተኾነ እዚ ዓይነት ርእይቶ ከምዝወሃበኒ ገሚተ እየ ጸኒሐ። በቲ ውሳነይ ግን ሕጉስቲ እየ። እግዚኣብሄር ድማ ኢዱ ከምዝሓወሰሉ እኣመን" ኢላ።

እቶም ጽምዲ፡ ሳልሳይ ዓመት መርዐኦም ዘኽበሩ ኾይኖም፡ ዛጊድ ሓዳራ ኣዝዩ ጽቡቕ ከምዝኾነ ትዛረብ።

"ፊሊፕ ካልእ ሰብኣይ ከምዝገብሮ ይከናኸነኒ፡ ኣነ ድማ ከምኡ። ሰባት ግነ ኣነ ጥራይ ዝከናኸኖ ክመስሎም ይኽእል እዩ" ኢላ።

ሚስተር ኢሊንግ 'መስኩላር ዳይስትሮፊ' ምስ ዝበሃል ሕማም እዩ ተወሊዱ። እቲ ሕማም ቀጻሊ ድኻምን ናይ ጭዋዳታት ምስኣንን ዘስዕብ እዩ።