ወዲ 99 ዓመት ሉኡል ፊሊፕ ዓባይ ብሪጣንያ ሆስፒታል ኣትዩ

ምንጪ ስእሊ, PA Media
ሉኡል ፊሊፕ ዓባይ ብሪጣንያ ትማሊ ሰሉስ ምሸት ሆስፒታል ከም ዝኣተወ ቤተንግስነት እታ ሃገር ኣፍሊጡ።
እቲ ወዲ 99 መስፍን ኤደንብራ፡ ኣብቲ ኣብ ርእሰከተማ ለንደን ዝርከብ ሆስፒታል ንጉስ ኤድዋርደ ሻድሻይ ከምዝኣተወ እቲ መግለጺ ጠቒሱ።
ልኡል ፊሊፕ ብመኪና ናብቲ ሆስፒታል ከምዝተወስደን፡ ይኹን እምበር ሓኪሙ ኣብቲ ሆስፒታል ክጸንሕ ከምዝኣዘዞ ምንጭታት ካብቲ ቤተንግስነት ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ንሒደት መዓልታት ተጸሊእዎ ከምዝነበረ ዝገለጸ እቲ ምንጪ፡ "ኣብ ጽቡቕ መንፈስ" ከምዘሎን፡ ንሒደት መዓልታት ኣብቲ ሆስፒታል ክጸንሕ ምዃኑን ጠቒሱ።
ብዓልቲቤት እቲ ልኡል ዝኾነ ንግስቲ ኤሊዛቤት ኣብቲ ካብ ለንደን ውጽእ ኢሉ ዝርከብ ቤተንግስነታ ከምእትርከብ ተፈሊጡ'ሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ እታ ንግስቲን ብዓልቤታ መስፍን ኤደንብራን፡ ከታበት ኮሮናቫይረስ ወሲዶም ምንባሮም ተገሊጹ ነይሩ።
ልኡል ፊሊፕ፡ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት'ኳ ኣብ ሆስፒታል እትዉ ውጽእ ክብል እንተጸንሐ፡ ብጥዕንኡን ጸዓቱን'ዩ ዝፍለጥ።
ነታ ንግስቲ ድሕሪ ምምርዓዉ፡ ምትካኽ ሽጋራ ከምዘቋረጸን፡ ስፖርታዊ ምንቅስቓስ ዘዘውትር ምንባሩን ይግለጽ። ብዙሕ መስተ ዝሰቲ'ውን ኣይነበረን።
ትማሊ ብመኪና ናብ ሆስፒታል ምስተወስደ'ውን፡ ብእግሩ ናብ ውሽጢ ክኣቱ ተራእዩ ነይሩ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







