ንጉሳዊ ቤተሰብ ብሪጣንያ ጉዳይ ልኡል ሃሪን ልእልቲ ሜጋንን ንምዝታይ ይእከብ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images/PA Media
ንግስቲ ኤልሳቤጥ፡ ብዛዕባ መጻኢ ተራ መስፍንን መስፍኒትን ናይ ሳሴክስ [ልኡል ሃሪን ልእልቲ ሜጋንን] ንምዝታይ ላዕለዎት ኣባላት ናይ'ቲ ንጉሳዊ ቤተሰብ ንሰኑይ ኣብ ቤተ-መንግስቲ ሳንድሪንግሃም ክእከቡ ጸዊዓ።
ልኡል ሃሪ፣ መስፍን ካምብሪጅን [ልኡል ዊሊያም] መስፍን ወይልስ [ልኡል ቻርለስ] ኣብ'ቲ ኣኼባ ከምዝሳተፉ፡ ሜጋን ግን ኣብ ካናዳ ኮይና ነቲ ዋዕላ ብቴለፎን ክትሳተፎ ምዃና ሰብ-መዚ ንቢቢሲ ሓቢሮም።
እቶም መሳፍንቲ ሳሴክስ ኣብ'ቲ ንጉሳዊ ቤተ-ሰብ ካብ ዝጸንሖም ላዕለዋይ ተራ ክስሕቡ ምዃኖም ገሊጾም ኣለዉ።
ኣብ'ቲ ዝግበር ዋዕላ ዝኾነ መደምደምታ ክብጻሕ'ዩ ዝብል ሓበሬታ የለን። እንተኾነ ግን እታ ንግስቲ ኣብ ውሽጢ መዓልታት መፍትሒ ንምርካብ ብዘለዋ ድሌት መሰረት፡ እቲ ዋዕላ ንዝምድና'ቶም ተጻመድቲ ምስ'ቲ ንጉሳዊ ቤተ-ሰብ ንምንጻር ዝሕግዝ "ቀጻሊ ስጉምቲ" ክውሰድ'ዩ ተባሂሉ ተስፋ ተነቢርሉ ኣሎ ኢሉ ልኡኽ ቢቢሲ ኣብ ንጉሳዊ ቤተ-ሰብ ጆኒ ዲሞንድ።
ንምስጋሮም "ዘሸግሩ ዕንቅፋታት" ኣብ ቅድሚ'ቲ ዋዕላ ተገቲሮም ከምዘለዉ'ውን ሓቢሩ።
እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ መስፍን ካምብሪጅ [ልኡል ዊሊያም] ምስ ሓዉ [ልኡል ሃሪ] ዝነበሮ ምትእስሳር ምብታኹ ዝተሰምዖ "ሓዘን" ገሊጹ`ሎ ክትብል ጋዜጣ ሳንደይ ታይምስ ጸብጺባ።
ብመሰረት ጸብጻብ'ታ ጋዜጣ፡ "ዕድመና ምሉእ ኢደይ ኣብ ልዕሊ ሓወይ ኢንቢረ'የ፡ ድሕሪ ሕጂ ግን ከምኡ ክገብር ኣይክእልን'የ፡ ምኽንያቱ ክልቴና ዝተፈላለና ኣካላት ኢና። እቲ ክንገብሮ እንኽእል ወይ ኣነ ክገብሮ ዝኽእል ንዓኣቶም [ንሃሪን ሜጋንን] ምሕጋዝ'ዩ፡ ዳግማይ ሓደ እንኾነሉ እዋን ክንረክብ ድማ እትስፎ" ኢሉ ልኡል ዊሊያም ንሓደ ዓርኩ ነጊሩ።
ልኡል ቻርለስ ግን ብምኽንያት ሞት ሱልጣን ቓቡስ ቢን ስዒድ ኣስዒድ ናይ ዖማን፡ ብቐዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሰን ተሰንዩ ሓዘኑ ንምግላጽ ናብ'ታ ሃገር ገይሹ'ሎ። ኣብ'ቲ ዋዕላ ንጉሳዊ ቤተሰብ ንምስታፍ ግን ሰኑይ ክምለስ'ዩ።
እታ ንግስቲ ብሰንበት ንግሆ ኣብ ሳንድሪንግሃም ናብ ቤተክርስቲያን እናኸደት የማዕድዉዋ ንዝነበሩ እኩባት ሰባት ብማዕዶ ሰላምታኣ ክትልግሰሎም ተራእያ።
እዚ "ዋዕላ ሳንድሪንግሃም" ተባሂሉ ተጠሚቑ ዘሎ ኣብ ኖርፎልክ ዝካየድ ናይ ሰኑይ ኣኼባ እቶም መሳፍንቲ ሳሴክስ [ሃሪን ሜጋንን] ካብ'ቲ ንጉሳዊ ቤተሰብ ክርሕቁ ምዃኖም ድሕሪ ምግላጾም እታ ንግስቲ ንፈለማ እዋን ምስ ሃሪ እትራኸበሉ ኣጋጣሚ ክከውን`ዩ።
ፊናንሳዊ ጉዳይ መሳፍቲ ሳሴክስ ግን እቲ ኣጸጋሚ ዛዕባ ክኸውን`ዩ ይብል ልኡኽ ቢቢሲ ኣብ ንጉሳዊ ቤተሰብ ኖኮላስ ዊሸል። ንሳቶም ካብ ጽግዕተኛነት ናይ'ቲ ንጉሳዊ ቤተሰብ ወጺኦም ብፊናንስ ነብሶም ንምኽኣል ክጽዕቱ ምዃኖም ብረቡዕ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ሓቢሮም ነይሮም።
እቶም ተጻመድቲ "ነታ ንግስቲ፣ ምትእክካብ ሓባራዊ ሃብትን [ኮሞንዊልዝ] ከነገልግል ዘለና ሓላፍነትን ጉይትነትን ብምኽባር" መጻኢ ጊዜኦም ኣብ ብሪጣኒያን ሰሜን ኣሜሪካን መቒሎም ከሕልፍዎ ከምዝደልዩ'ውን ገሊጾም'ዮም።
ንዝኾነ ካብ ብሪጣንያ ወጻኢ ንምጽናሕ ኣብ ዝውስንሉ እዋን ሳዕቤናት ምክፋል ግብሪ ከምዝህልዎን ቤተ-መንግስቲ ባኪንግሃም ድማ "ዘለዎም ናይ ንግስነት ደረጃ ምንጪ ኣታዊታቶም ከይገብርዎ ጽኑዕ ቁጽጽር" ክገብር ክደልይ'ዩ ኢሉ ልኡኽና።
እዚ ናይ ሰኑይ ዋዕላ ነቶም ዘለዉ ጸገማት ንምፍታሕ እኹል ዘይክኸውን ይኽእል'ዩ፡ እቶም ላዕለዎት ሓለፍቲ'ቲ ንጉሳዊ ቤተሰብ ተራኺቦም ብጉዳይ ሃሪን ሜጋንን ንኽመያየጡ ብወገን ሰራሕተኛታት ቤተ-መንግስትን መንግስትን ግን እኹል ስራሕ ተሳሊጡ'ዩ።
ሓያሎ ብድሆታት ግን ኣለዉ። ልኡል ሃሪን ሜጋንን ክንደይ ዝኣክል ሓላፍነት ስራሕ ናይ`ቲ ንጉሳዊ ቤተሰብ ከምዝፍጽሙ ገና ንጹር ኣይኮነን። ጉዳይ ፊናንስን ኣብ መንጎ ቤተ-መንግስትን እቲ ሓድሽ ትካል ናይ ልኡል ሃሪን ሜጋንን ዘሎ ርክብን/ምትእስሳርን ድማ ኣብ ልዕሊ`ቶም ካልኦት ጸገማት ኣንተልጢሎም ይርከቡ።
ነቲ ሕጂ ዘሎ ዝምድና ምብታኽን ካልእ ንነዊሕ እዋን ዝኸይድ ሓድሽ ዝምድና ምፍጣርን ድማ ዝያዳ ዝኸበደ ክኸውን`ዩ። ነዚ ንምግባር ሓያል ድሌት ኣሎ፡ እቲ ውዕል ግን ዕርጡምን ክሰርሕ ዝኽእልን ክኸውን ኣለዎ።
ኣብ ዝተናውሑ ዓመታት ንኻልኦት ኣባላት`ቲ ንጉሳዊ ቤተሰብ ዘገልግል መራሕ ተግባር ይንጸፍ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ንግስቲ ኤልሳቤጥ፣ ልኡል ቻርለስ፣ ልኡል ዊሊያምን ልኡል ሃሪን በቶም ክልተ ተጻመድቲ ንዝተወስደ ስጉምቲ ኣብ ግምት ብምእታው ንኽልቲኦም ይኾንዎም`ዮም ዝብልዎም ሓያሎ ተኽእሎታት ክኽልሱ ትጽቢት ይግበረሎም።
ኣብ'ዘን ዝስዕባ ሒደት መዓልታት ውዕል እንተተገይሩ፡ ንምትግባሩ ግዜ ክወስድ ምዃኑ ሓፈሻዊ ርድኢት ኣሎ።
እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ እዚ ንመንግስታት ብሪጣንያን ካናዳን ዘሳተፈ ዝርርባት ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን ሜጋን ንወዲ ሸሞንተ ወርሒ ወዳ ኣርቺ ሒዛ ኣብ ካናዳ ትርከብ።
ንሽዱሽተ ሰሙናት ካብ ንጉሳዊ ናይ ስራሕ ሓላፍነቶም ርሒቖም ጸኒሖም ብሰሉስ ናብ ብሪጣኒያ ቅድሚ ምምላሶም፡ ሜጋንን ልኡል ሃሪን በዓል ልደት ኣብ ካናዳ`ዮም ኣሕሊፎሞ። ኢንስታግራሞም ድማ ብዓርቢ ምንቅስቓሳቶም ክጥቅዕ ጀሚሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ፡ ልኡል ሃሪን ሜጋንን ዘለዎም ጸገማት ብግልጺ ተዛሪቦም ነይሮም። ንሳቶም ምስ መስፍንን መስፍኒትን ካምብሪጅ [ልኡል ዊሊያምን በዓልቲ ቤቱን] ምስ ተባተኹ፡ ዓሚ ሰነ ናይ ባዕሎም ሳሴክስ ንጉሳዊ ናይ ልግሲ ትካል ክምስርቱ ይዳለዉ ነይሮም።
ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ ድማ ከም መጻሕፍቲ፣ ዓውደ-ኣዋርሕ፣ ኣልባሳት፣ ምትእኽኻብ ናይ ልግሲ ገንዘብ፣ ትምህርትን ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ንምልጋስ ናይ ባዕሎም ናይ ንግዲ ምልክት [ትሬይድ ማርክ] ንክወሃቦም ኣመልኪቶም ነይሮም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







