ውሳነ ሃሪን ሜጋንን፡ ልእልቲ ሜጋን ናብ ካናዳ ተመሊሳ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ንጉሳዊ ስድራቤት እጃም ልኡል ሃሪን ልእልቲ ሜጋንን እንታይ ከም ዝኸውን ኣዘራራቢ ኮይኑ ኣብ ዝርከበሉ እዋን፡ ልእልቲ ሳሴክስ [ሜጋን]፡ ኣብ ካናዳ ናብ ዝርከብ ወዳ ከም ዘምርሐት ተገሊጹ።
ሜጋንን ልኡል ሃሪን ንበዓል ልደት፡ ኣብ ካናዳ፡ ምስ ወዶም ኣርቺ እዮም ኣሕሊፎምዎ።
ንሳቶም ካብ ላዕለዋይ መዝነት እቲ ንጉሳዊ ስድራቤት ከንሳሕቡ ምዃኖም ድሕሪ ምግላጾም፡ ንግስቲ ኤልሳቤጥ፣ ልኡል ዌልስን መስፍን ኬምብሪጅን፡ ላዕለዎት ኣባላት መፍትሒ ክረኽቡ ሓቲቶም ኣለው።
እቲ ንጉሳዊ ቤተሰብ ብውሳነ እቶም መጻመድቲ ከም "ዝተጎድአ" እዩ ዝግለጽ።
ልኡል ሃሪን ሜጋንን ነቲ ውሳነ ቅድሚ ምውሳኖም ንዝኾነ ኣባል እቲ ስድራቤት ከም ዘይተወከሱ፡ ምንጭታት ቢቢሲ ይገልጹ።
ኣብቲ ረቡዕ ምሸት ዝሃብዎ መግለጺ፡ ልኡል ሃሪን ሜጋንን "ካብ ላዕለዋይ መዝነት ንጉሳዊ ስድራቤት ከንሳሕቡን፡ ብፋይናንስ ነጻ ክኾኑ ምእንቲ፡ ክሰርሑ ከም ዝደልዩን" ሓቢሮም።
ንሳቶም ነዚ ውሳነ "ድሕሪ ናይ ኣዋርሕ ውሽጣዊ ምይይጥ" ከም ዝወሰንዎን ግዚኦም ኣብ ብሪጣንያን፡ ሰሜን ኣሜሪካን ከሕልፍዎ ምውጣኖምን ገሊጾም።
ብሓሙስ ንግስቲ ኤልሳቤጥ፡ ምስ ልኡል ዌልስን መስፍን ኬምብሪጅን ድሕሪ ምርኻብ፡ ላዕለዎት ኣባላት ምስ መንግስቲ ብምትሕብባር፡ መፍትሒ ከናድዩ እኳ እንተሓተቱ፡ ሜጋን ግና ናብ ካናዳ ከም ዘምርሐት ወኪል ቢቢሲ ኣረጋጊጹ።
ቤተ-መንግስቲ ባኪንግሃም ብውሳነ እቶም መጻመድቲ "ጸልሚትዎ" ከም ዘሎ፡ ወኪል ቢቢሲ ካብቲ ስፍራ ጸብጺቡ።
ኣብቲ ንጉሳዊ ስድራቤት፡ ብዛዕባ መጻኢ ናይ መስፍን ሳሴክስ ዝርርባት ክካየዱ እኳ እንተጸንሑ፡ ብዙሕ ከም ዘይሰጎሙ እቲ ወኪል ሓቢሩ።
ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ንመግለጺ ሃሪን ሜጋንን ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ከም ዝሓዘነን ንንግስቲ ኤልሳቤጥ ኣኽብሮት ከም ዘለዎን እዚ ከም ዘይግብኣን ተዛሪቡ።
ቤተ-መንግስቲ ባኪንግሃም ብረቡዕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ዝተፈለየ መገዲ ክወስዱ ምምራጾም ንርድኣሎም ኢና፤ እንተኾነ ግና እዚኦም ዝተሓላለኹን ክፍትሑ ግዜ ዝሓቱ ጉዳያት እዮም" ኢሉ።
ኣንጻር ውሳነ እቶም መጻመድቲ፡ ሃሪ ኣብ መስመር ዙፋን እቲ ንግስነት፡ ኣብ ሻዱሻይ ደረጃ ንግስነት ክቕጽል እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







