ልዕልቲ ሜጋን ወዲ ምግልጋላ ልኡል ሃሪ ኣፍሊጡ

ልኡል ሃሪን ልእልቲ ሜጋንን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ልእልቲ ሜጋን ወዲ ምግልጋላ መስፍን ሳሴክሰ ኣፍሊጡ።

ብታሕጓስ ገጹ ዘንጸባርቕ ዝነበረ ልኡል ሃሪ ኣዝዩ ተሓጒሱ ምህላው ድሕሪ ምግላጽ፡ ነቲ ህዝቢ ብምምስጋን፤ ሜጋንን እቲ ህጻንን ድማ ኣብ ኣዝዩ ጽቡቕ ኩነታት ምህላዎም ገሊጹ።

ስሙ መን ክብልዎ ምዃኖም ጌና ይሓስቡሉ ከም ዘለው'ውን ተዛሪቡ።

እቲ 3.2 ኪሎ ግራም ዝተመዘነ ህጻን ሰዓት 5፡26 ድሕሪ ቐትሪ ምውላዱ ቤተመንግስቲ በኪንግሃም ኣፍሊጡ።

"እቲ ዜና ንንግስቲ ኤልሳቤጥ፡ ንመስፍን ኤዲንበር፡ ንልኡል ዌልስ፡ ንመስፍንቲ ኮርንዎል፡ ንመስፍንን መስፍንትን ኬምብሪጅ፡ ንወይዜሮ ጀን ፈሎውስ፡ ንወይዜሮ ሳራ ማክርኮዳ ከምኡ'ውን ንአርል ስፐንሰር ተሓቢርዎም ኩሎም ሓጎሶም ገሊጾም ኣለው።

ደብዳበ ልደት

ኣደ ልእልቲ ዶርያ ራግላን እውን፡ ወዲ-ጓላ ብምርኣያ ኣዝያ ከም ዝተሓጎሰትን ምስኦም ምህላዋን እቲ ቤተ መንግስቲ ሓቢሩ።

ምስክር ወረቐት ልደት፡ ኣብቲ ቤተ መንግስቲ ንምርኢት ቀሪቡ ምህላ'ውን ተፈሊጡ።

እቲ ህጻን ካብቲ ዝተጸበይዎ ጊዜ ቅሩብ ምድንጓዩ ልኡል ሃሪ ሓቢሩ።

ኣብ እዋን ሕርሲ፡ ኣብቲ ከባቢ ምህላው እንታይ ከም ዝመስል ምስ ተሓተተ ድማ፡ "ንፈለማ እዋን እየ ዝርእይ ዘለኹ፤ ዘደንቕ እዩ፡ ኣዝዩ ዘገርም'ዩ፤ ብሰበይተይ ኣዝየ ተሓቢነ ኣለኹ" ኢሉ።

Harry and Meghan

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ልኡል ሃሪን ልእልቲ ሜጋንን
መግለጺ ቪድዮ, መርዓ ልኡልን ልእልትን