ፈጣሪስ ይቕረ’ዶ ይብለለይ ይኸውን? ዘይሕጋዊ ኣሰጋጋሪ ሰባት

"ኤልሃም ኑር"

ምንጪ ስእሊ, Elham Noor

መግለጺ ስእሊ, ኑር፡ ናብ ጥልያን ካብ ዘብጽሖ ነፍሲ ወከፍ ስደተኛ 3,500 ዶላር ኣታዊ ይረክብ

ነቲ ምስጢራዊ ጉዕዞ ንምጅማር ናብ ጃልባ ቅድሚ ምስቓሉ፡ ሻፊዩላሕ (Shafiullah) ኣብ ኣፍጋኒስታን ናብ ዝርከቡ ስድርኡ ደዊሉ፡ ደሓን ምህላውን ናብ ቱርኪ ይነቅል ከም ዘሎን ነጊርዎም።

ሽዑ ወዲ 16 ዓመት ዝነበረ ሻፊዩላሕ ናብ ጃልባ ደዪቡ። ንሱ ኣብታ ምሸት ኣብታ ጃልባ ካብ ዝነበሩ 100 ተጉዓዝቲ ክኸውን እንከሎ፤ ካብቶም ዝሓሸ ህይወት ንምርካብ ወርሓዊ ካብ ኣፍጋኒስታን ሃዲሞም ናብ ኣውሮጳ ዘምርሑ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት እዩ።

ሻፊዩላሕ ኣብ ቱርኪ ኣትዩ እዩ ነይሩ፤ ግና እቶም ናብ ርእሰ ከተማ ቱርኪ ኢስታንቡል ከብጽሕዎ ዝተወዓዓሎም ኣሰጋገርቲ ፖሊስ ምእንቲ ከይርክቦም፡ ብቀላይ ቫን (Van) ክሰግሩ እዮም መሪጾም። ማያት እቲ ቀላይ ሓደገኛ እኳ እንተኾነ እቶም ሰምሰርቲ ብለይቲ ክሰግርዎ ተበጊሶም።

እታ 32 ኣፍጋናውያን፡ ሸውዓተ ፓኪስታናውያንን ሓደ ኢራናውን ዝርከብዎም ተጉዓዝቲ ዝጸዓነት ጃልባ ኣብ ማእከል እቲ ቀላይ ጥሒላ። 61 ኣስከሬናት እኳ እንተተረኽበ፡ ሻፊዩላሕ ዝርከቦም ብዙሓት ጠፊኦም። ገለ ሬሳታት ኣብ ዓሚቚ እቲ ቀላይ ክህልው ከም ዝኽእልን ምውጽኡ ኣጸጋሚ ምዃኑን ሰብ መዚ ቱርኪ ንቢቢሲ ነጊሮም።

ሻፊዩላሕ ንዝርከቦም ኣርባዕተ ካብቶም ዝጠፍኡ ዘበገሰ ኣብ ካቡል ዝርከብ ኣሰጋጋሪ እዩ። ቢቢሲ ዘዘራረቦ እቲ ኣሰጋጋሪ መንነቱ እንተተዓቂብሉ ክዛረብ ፍቓደኛ ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ።

ሻፊዩላሕ: መገዱ ቅድሚ ምጅማሩ

ምንጪ ስእሊ, Sher Afzal

መግለጺ ስእሊ, ሻፊዩላሕ: መገዱ ቅድሚ ምጅማሩ

'ኩሉ ብቴለፎን እዩ ዝውዳእ'

ኤልሃም ኑር (ቅኑዕ ስሙ ኣይኮነን) ምስ ካልኦት ገበነኛታት ድልዱል ርክብ ከም ዘለዎን ንብዙሓት ሰባት ናብ ጥልያን፡ ፈረንሳን ብሪጣንያን ከም ዝለኣኸ ይነግር።

"ምስግጋር ሰባት ብውልቅኻ እትሰርሖ ኣይኮነን፡ ዓቢይ መርበብ እዩ" ይብል። እንተኾነ ግና ኑር ምስቶም ስደተኛታት ኣይጓዓዝን እዩ። "ኩሉ ብቴለፎን እዩ ዝውዳእ" ይብል።

ዓማዊል ኑር ብዙሓት እዮም። ብዙሓት ኣፍጋናውያን ካብ ሃገሮም ክወጽኡ ይደልዩ እዮም። ኣፍጋኒስታን ሓንቲ ካብ ድኻታት ሃገራት ዓለም ኮይና፡ ንዓሰርተታት ዓመታት ብዝዘለቐ ኲናት በሪሳ እያ። 2.7 ሚልዮን ኣፍጋናውያን ኣብ ወጻኢ ሃገራት ተሰዲዶም ከም ዝርከቡ ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት ይሕብር።

በዚ ድማ ኣፍጋኒስታን ድሕሪ ሶርያን፡ ቬነዝወላን ብብዝሒ ስዱዳት ኣብ ቅድሚት እትጥቀስ ሃገር ኮይና ኣላ።

ናብ ኣውሮጳ ክኣትው ዝደልዩ ኣፍጋናውያን ንኻልኦት ከምኡ ዝገበረ ኣስጋሪ እዮም ዝደልዩ።

እንተኾነ ግና ካብቶም ናብ ኣውሮጳ ንምእታው ዝፍትኑ ሒደት እዮም ኣብ ናይ ፈለማ ፈተነ ዝሰልጦም። ኣብ መገዲ ዝጠፍኡ'ውን ብዙሓት እዮም።

እቲ መገዲ ሓደገኛ ክኸውን ከም ዝኽእል ይፈልጥ ምንባሩ ዝገልጽ ሓወቦ ሻፊዩላሕ ዝኾነ ሸር ኣፍዛል "እዚ ክመጽእ ግና ኣይተጸበናን" ይብል።

ኣብ ከባቢ ቀላይ ቫን ዝርከብ መቓብር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ገለ ካብቶም ምስ ሻፊዩላሕ ዝጉዓዙ ዝነበሩ ስደተኛታት: ኣብዚ ኣብ ከባቢ ቀላይ ቫን ዝርከብ መቓብር ተቐቢሮም

ኣፍዛል ኣብ ሓዘን እኳ እንተ'ሎ ርጉጽ ዝኾነ ደሃይ ሻፊዩላሕ ብዘይምርካቡ ፍርቂ ልቡ እዩ። ኣብ ምብራቓዊት ከተማ ጃላላባድ ዝርከቡ ስድርኡ፡ ንሻፊዩላሕ ክሓዝኑ እኳ እንተደለዩ ኣስከሬኑ ክረኽቡ ኣይከኣሉን። ናይቶም ኣስከሬናቶም ዝተረኽበ ክልተ ስደተኛታት ስርዓት ተፈጺሙ እዩ።

"ኣስከሬኑ ክንርኢ ኢና እንደሊ። ብህይወት ክህልው ኣይንጽበይን ኢና" ይብል ኣፍዛል።

ኣብ ጃላላባድ ተስፋ ዝሰኣነ ሻፊዩላሕ ንኑር 1,000 ዶላር ዕርቡን ብምኽፋል እዩ ናብ ጥልያን ተበጊሱ። ምስ ካልኦት ስደተኛታት ብምዃን ብንኣሽቱን ናይ ጽዕነትን መካይን ኣብ ገለ እዋን'ውን ብእግሪ እዮም ተጓዒዞም።

ሻፊዩላሕ ኢራን ሰጊሩ ቱርኪ እኳ እንተበጽሐ ጉዕዞኡ ኣብ ቀላይ ቫን ኣኽቲሙ።

ኑር (ኣስጋራይ) ነቲ ዝተቐበሎ ገንዘብ ንስድራ ሻፊዩላሕን ካልኦት በቲ ሓደጋ ህይወቶም ዝተቖጸየን፡ ከም ዝመለሰ ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ስድራ ሻፊዩላሕ'ውን እቲ ገንዘብ ከም እተመለሰሎም ኣረጋጊጾም።

ናብ ጥልያን ንምብጻሕ 8,500 ዶላር

እቲ ሓደጋ፡ ብዛዕባ ምስግጋር ሰባት ንዘለዎ ሻቕሎት ከም ዝወሰኸሉ ኑር ይዛረብ። ነገራት ክበላሾ እንከሎ ዋጋ ደቂ-ሰባት ዓቢ ከምዝኾነን ከም ዝርድኦን'ዩ ዝገልጽ። እንተኾነ ግና ዘኽስብ ንግዲ እዩ፤ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ክተቋርጾ ቀሊል ኣይኮነን።

"ካብ ኣፍጋኒስታን ናብ ቱርኪ 1,000 ዶላር ኢና እንኽፍል" ይብል ኑር፤ "ካብ ቱርኪ ናብ ሰርቢያ 4,000፡ ካብኡ ናብ ጥልያን ድማ ተወሳኺ 3,500 ዶላር። ከሉ ሙሉእ 8,500 ዶላር እዩ።"

ኑር፡ ናብ ጥልያን ካብ ዘብጽሖ ነፍሲ ወከፍ ስደተኛ ካብ 3,000 ክሳብ 3,500 ዶላር ዝኸውን ኣታዊ ይረክብ።

እቲ ኑር ክገብሮ ዝግብኦ ስራሕ ድማ ቴለፎን ምቕባል፡ ገንዘብ ምዝውዋርን ንሰብ መዚ ኣፍጋኒስታን ጉቦ ምሃብን ጥራይ እዩ። ንዝኾነ ዘይፈልጦን ዘመድ ወይ መሓዛ ንዘይኮነ ሰብ፡ ብኣካል ኣይረክብን እዩ።

ብፍላይ ብደረጃ ኣፍጋኒስታን ምቹእ ህይወት እዩ።

ኤልሃም ኑር

ምንጪ ስእሊ, Elham Noor

መግለጺ ስእሊ, ኤልሃም ኑር ሰባት ብምስግጋር ሃብታም ኮይኑ ኣሎ

ብዘይ ሕጋዊ ወረቓቕቲ ዝጉዓዙ ስደተኛታት ሽግር ከጋጥሞም ከም ዝኽእል ኑር ይፈልጥ እዩ። ቀትሪ ተሓቢኦም ብለይቲ ውሑስ ናብ ዝኾነ ኣብ ቴህራን፡ ቫንን ኢስታንቡልን ዝኣመሰሉ ከተማታት ናብ ዝርከብ ኣባይቲ ከም ዝጉዓዙ ኑር ይገልጽ።

ስደተኛታት፡ ንሰረቕቲ ክስሕብ ዝኽእል፡ ከም ወርቂ ዝኣመሰለ ክቡር ስልማትን ናይ ኢድ ሰዓትን ከይገብሩ ይንገሮም። ልዕሊ 100 ዶላር'ውን ከይሕዙ ከም ዝሕብሮም ኑር ይዛረብ።

ካብ ኣፍጋኒስታን ናብታ ቀንዲ መዋፈሪ ናብ ኣውሮጳ ዝኣትው ስደተኛታት ዝኾነት ቱርኪ ንምብጻሕ ካብ ሓደ ሰሙን ክሳብ ኣዋርሕ ክወስድ ይኽእል።

ብዙሕ ግዜ ስደተኛታት ነቲ ብቱርኪ ናብ ግሪኽ ዝወስድ መገዲ እዮም ዝመርጹ።

ትካል ዶባት ኣውሮጳ ኣብ ዝሓለፈ ዓመተ 2020 ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ ኣዋርሕ ልዕሊ 17 ሽሕ ሰባት ናብ ኣውሮጳ ከም ዝሰገሩ ይግምት።

ኣባል ሰራዊት ኣፍጋን ዝነበረ 'ሃዝራት ሻሕ' ሓደ ካብቶም ብኢስታንቡል ሓሊፎም ናብ ሃገራት ምዕራብ ዝበጽሑ እዩ። ንሱ፡ መበቆል ዓዱ ኣብ ቁጽጽር ጣሊባን ምስ ኣተወት ኣብ ልዕሊ ስድራቤቱ ክበጽሕ ዝኽእል ሕነ ብምፍራሕ ካብ ሃገሩ ሃዲሙ።

"ናብ ዶብ ቱርክን ኢራንን ድሕሪ ምብጻሕ፡ ኢስታንቡል ክንኣቱ ከባቢ ሓደ ወርሒ ወሲዱልና. . . ዶብ ክሰግር ኣብ ዝፈተንኩሉ ፖሊስ ሃሪሞምኒ እዮም" ኢሉ።

ሻሕ ጥልያን ክበጽሕ እዩ ድላዩ፤ ግና ርግጸኛ ኣይኮነን። ኣብ ኣፍጋኒስታን ናብ ዝርከቡ ኣሰጋገርቲ'ውን ክድውል ኣይደልን እዩ። ብዙሕ ክሕግዝዎ ከም ዘይኽእሉ ይዛረብ።

"ክትመውት፡ ክትጭወ፡ ክትጉዳእ ትኽእል ኢኻ። ወላ ሓደ ዝሕግዘካ የሎን። እቶም ኣሰጋገርቲ'ውን ፖሊስ ስለዝፈርሑ ክሕግዙኻ ኣይኽእሉን እዮም" ይብል ሻሕ።

እኹል መግብን ማይን የሎን። ሰባት ብጥምየት ክሞቱ እንከለው ርእዩ ኣሎ።

ዓለምለኻዊ ትካል ስደተኛታት ከም ዝሕብር፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ከባቢ 1,000 ሰባት ንማእከላይ ባሕሪ ከቋርጹ ኣብ ዝፈተንሉ ሞይቶም እዮም።

ብዙሓት ስደተኛታት ኣብ ሓንቲ ጃልባ ተጻዒኖም ኣብ ዝጓዓዝሉ ሓደጋ የጋጥሞም እዩ።

ስደተኛታት ዝጸዓነት ንእሽቶ ጃልባ ብለይቲ ናብ ግሪኽ እናተጉዓዘት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ስደተኛታት ዝጸዓነት ንእሽቶ ጃልባ ብለይቲ ናብ ግሪኽ እናተጉዓዘት

ካብ ስደተኛ ናብ ኣሰጋጋሪ ሰባት

ኑር'ውን ኣብ ሓደ እዋን ስደተኛ እዩ ነይሩ። ወዲ 14 ዓመት እንከሎ ኣብ ብሪጣንያ ዝሓሸ ህይወት ንምንባር ብዝነበሮ ሕልሚ ኣብኡ 5000 ዶላር ንኣሰጋገርቲ ብምኽፋል ኣፋኒይዎ እዩ።

"ክብደት እቲ ዝኸድክዎ መገዲ ክሳዕ ሕጂ ካብ ኣእምሮይ ኣይሃሰሰን። ብፍላይ ኣብ ቡልጋርያ ኣብ ትሕቲ ባቡራት ሓቢኦምና፤ ካብ ትጉዓዝ ዝነበረት ባቡር'ውን ክንዘልል ተገደድና ኢና" ይብል ኑር።

ኣብ ካሊስ(Calais)፡ ኑር ንነፍሲወከፍ ዘምጽኦ ስደተኛ 100 ዩሮ በቶም ኣሰጋገርቲ ይወሃብ ነይሩ። በዚ ኣቢሉ እዩ ናብቲ ስራሕ ናይ ምስግጋር ሰባት ኣትዩ።

ኑር ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ ብሪጣንያ በጺሑ ምስቶም ኣሰጋገርቲ ስራሕ ቀጺልዎ። ወዲ 21 ዓመት ምስ ኮነ ግና ፖሊስ ይደልይዎ ከም ዘለው ምስ ፈለጠ ናብ ኣፍጋኒስታን ከም ዝተመለሰ ይነግር።

እቶም ብመገዲ መርበብ ኑር ናብ ኣውሮጳ ክበጽሑ ዝኸኣሉ ስደተኛታት ብዛዕብኡ ንኻልኦት ስለዝነግሩ፡ ተፈላጥነት እናረኸበ መጺኡ።

"ወላ'ኳ ስግኣታት እንተ'ለዎም፡ ሰባት ሕጂ'ውን ካብዚ ሃገር ከውጽኦም ይሓቱኒ እዮም" ይብል።

ከባቢ 100 ዝኾኑ ዘበገሶም ተጉዓዝቲ ናብ ኣውሮጳ ኣብ መገዲ ከም ዘለው ዝገልጽ። ብድሕሪኦም ካልኦት ከም ዘየበግስ ኣትሪሩ ይዛረብ። ብሓደጋ ጃልባ ሻፊዩላሕ ከም ዘጉሃዮ ዝገልጽ ኑር ነቲ ስራሕ ይሓድጎ ከም ዘሎ ይሕብር።

"ንስድራቤቶም ብተደጋጋሚ ይቕሬታ ሓቲተ እየ። ኣብ መገዲ ዝኾነ ነገር ከጋጥም ከም ዝኽእል ብንጹር ነጊረዮም እየ፤ ነዚ ተቐቢሎምዎ እዮም። ኣምላኽ ይቕረ ክብለለይን ከይብለለይን ግና ናብኡ ዝግደፍ እዩ" ኢሉ።

ካልእ ንኑር ዝፈልጥ ኣሰጋጋሪ ግና ነቲ ስራሕ ከቋርጾ ከቢድ ምዃኑ ተዛሪቡ።

"ሰባት ንዓመታት ክድውሉሉ ክቕጽሉ እዮም፡ ኣቋሪጸ ስለዝበልካ ጥራይ ትገድፎ ኣይኮነን" ይብል እቲ ኣሰጋጋሪ።

ኑር የቋርጾ ኣየቋርጾ፡ ሰባት ምስግጋር ክቕጽል እዩ። ብዙሓት ኣሽሓት ተስፋ ዝቖረጹ ኣፍጋናውያን ዝሓሸን ውሑሱን ህይወት ከናድዩ እዮም።

ሻፊዩላሕ ዝነበራ ጃልባ ድሕሪ ምጥሓላ ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ክልተ ኣዝማዱ ክሳዕ ቱርኪ በጺሖም። እንተኾነ ግና ናብ ዓዶም ተሰጒጎም። ኣብ ዝቕጽል ክረምቲ፡ ኩነታት ኣየር ምስ ተመሓየሸ ደጊሞም ይፍትኑ ይኾኑ።