ኣብ ገማግም ባሕሪ ቱኒዝያ፡ ስደተኛታት ዝሓዘት ጃልባ ብምጥሓላ 20 ሰባት ሞይቶም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ማእከላይ ባሕሪ፡ ስደተኛታት ሒዛ ዝነበረት ጃልባ ብምጥሓላ 20 ሰባት ከምዝሞቱ ሰብ መዚ ቱኒዝያ ሓቢሮም።
ሬሳታት እቶም ስደተኛታት ብሓለዋ ሓይሊ ባሕሪ ካብ'ቲ ባሕሪ ከምዝወጸ’ውን ተገሊጹ።
ሓለዋ ሓይሊ ባሕሪ ቱኒዝያ፡ ንካልኦት 20 ሃለዋቶም ዘይተፈልጠ ስደተኛታት ኣብ ምንዳይ ተዋፊሩ ከምዘሎ’ውን ተፈሊጡ።
እታ ጃልባ ከባቢ 45 ሰባት ሒዛ ምንባራን፤ ካብዚኦም 5 ሰባት ጥራይ ከምዝደሓኑን ተፈሊጡ’ሎ።
ኣፈኛ ሓለዋ ሓይሊ ባሕሪ ቱኒዝያ ከምዝሓበሮ፡ እታ ጃልባ ልዕሊ ዓቕማ ጽዒና ከምዝነበረትን፡ ብሰንኪ ኣብ'ቲ ከባቢ ዝነበረ ሕማቕ ኩነታት ኣየር ጥሒላ ክትከውን ከምእትኽልን ገሊጹ።
ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት፡ ብማእከላይ ባሕሪ ኣቋሪጾም ናብ ኤውሮጳ ንኽበጽሑ፡ ካብ ቱኒዝያን ሊብያን ይብገሱ።
ዝበዝሑ እቶም ስደተኛታት ካብ ሃገራት ትሕቲ ሳህራ ከምዝኾኑን፡ ብሰንኪ ፖለቲካውን ቁጠባውን ቅልውላውን ኲናትን ተመዛቢሎም እዮም ናብ ኤውሮጳ ዘምርሑ።
ካብ 2011 ጀሚሩ፡ ካብ ቱኒዝያ ዝብገሱ ቁጽሪ ስደተኛታት እናጎደለ ክመጽእ ጸኒሑ።
እንተኾነ፡ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ካብ ቱኒዝያ ናብ ኤውሮጳ ብ150 ምኢታዊት ከምዝዓበየ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።
ካብ ጥሪ ክሳብ መስከረም ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ ኤውሮጳ ክሰግሩ ዝፈተኑ ኣስታተ 8,581 ስደተኛታት ከምዝተታሕዙ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ቱኒዝያ ገሊጹ።
ጥልያን፡ ነቶም ብዘይሕጋዊ መገዲ ኣቢሎም ናብ ሃገራ ዝኣትው ስደተኛታት ኣብ ምቕባል ተዋጢራ ከምዘላ ትገልጽ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







